news

ኤርትራ 'ንግጉይ ክሲታት' ብሪጣንያ ተቓውሞኣ ትገልጽ

ባንዴራ ኤርትራን ብሪጣንያንኤርትራ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ "ንግጉይ ክሲታት" ሃገሩ ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ።ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ "ዋይት ሆል [ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ] ህወሓት ንዓመታት ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ ክጸንሕ ምቕባሉ፡ ሕጂ ተመሳሳሊ" ፖሊሲ ይኽተል ከምዘሎን ከሲሱ።

"ፈጻሚ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ፡ ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐጸለን ግጉይን ክስታት ዕቱብ መጠንቀቕታ ንምሃቡ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተጸዊዑ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እቲ ሚኒስተር፡ ነቲ ክሲ'ኳ ብንጹር እንተዘይጠቐሰ፡ ምስቲ ንኩነታት ጥምየት ንምዕዛብ ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ልምዓትን ኣፍሪቃን ብሪጣንያ፡ ዝተኣሳሰር ከይኮነ ከምዘይተርፍ ኣሚቱ።

ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፈት ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓይልታታ ካብቲ ክልል ከምዘውጽአት'ኳ ክትገልጽ እንተጸንሐት፡ ሰብመዚ ትግራይ ግን ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ተቖጻጺራ ምህላዋ'ዮም ዝኸሱ።

ኤርትራ ን20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህባ፡ ባድመ ዝርከቦም ከባቢታት ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ከምዝተቖጻጸረቶም ይፍለጥ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ርእይቶ መንግስቲ ብሪጣንያ ንምርካብ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመን ዌልዝን ዓለምለኻዊ ልምዓትን ተወኪስዎ'ሎ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 እውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንመግለጺ ናብ መቐለ ምብጻሕ ዘካየደ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈጻሚ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ካብ ብደረጃ ኣምባሳደራት ናብ ፈጸምቲ ጉዳያት ምውራዱ ይዝከር።

ንልዕሊ 8 ዓመት ላዕለዋይ ሚሺን ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ብመሰረት መንግስቲ ብሪጣንያ ዘቕረቦ ጠለብ ናብ ሃገሩ ክምለስ ተገዲዱ።

እቲ ስጉምቲ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ፈለማ 2023 ዝተመዘዘ ሓድሽ ብሪጣንያዊ ኣምባሳደር ምቕባል ድሕሪ ምእባያ ዝተወስደ'ዩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ዓለምለኻዊ ልምዓትን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ናብ ኣስመራ ዝመደቦ ኣምባሳደሩ ምንጻጉ ዘለዎ ተቓውሞ ንምስማዕ ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ንኣምባሳደር እስቲፋኖስ ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ ከምዝነበረ ይገልጽ።

እወታዊ መልሲ ብዘይምርካቡ ድማ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ "ብማዕረ" ክካየድ ንመንግስቲ ኤርትራ ጠለብ ኣቕሪቡ።

በዚ መሰረት ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ለንደን ክወጽእ ተገዲዱ።