news

ኤርትራን ኢጣልያን ዘካይዳኦ ዘለዋ ዝርርባት እንታይ ይመስል?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ብሰንበት ናብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ናብ ሮማ ዘምረሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ኣሰንዮምዎ ዝኸዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብምዃን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ሚኒስተራት እታ ሃገርን ጽዑቕ ርክባት ከምዘካየደንን ተወሳኺ ርክባት ንምክያድ'ውን ውጥናት ከምዘሎ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ከምኡ ከኣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ፍስሃጽዮን ጴጥሮስን ምስ ሚኒስተር ጸዓት ኢጣልያ ጂልበርቶ ፍራቲኒ ብምርኻብ ኣብ ምፍራይ ጸዓት ዕደናን ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብኤክስ ሓቢሩ።

እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ሃገሩ ምስ ኤርትራ ንምትሕብባር ዘለዋ ድልውነት ከምዝገለጸ’ውን ተሓቢሩ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምራሕ ልኡኽ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ’ውን ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ከምዝተራኸበን ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ዓሚቝ ዘተ ከምዘካየዱን ሚኒስተር የማነ ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከምዘለዉ ነታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ገሊጹላ።

ቀዳማይቲ ሚኒስተር ሜሎኒ ብወገና ነቲ ዘሎ ዕድላት ዘማኽሩን ዝከታተለሉን ሰባት ከምዝመዘዘትን ምግላጻ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ንሳ፡ ንወፍሪ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብቐረባ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ቀንዲ ኣማኻሪኣ ምሻማ ኣፍሊጣ ኣላ።

ብዘይካ'ዚ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ባህሊ ኢጣልያ ጀናሮ ሳንጁሊያኖ ብምራኻብ፡ ንሰነዳት መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ቤተመዘክር ኣብ ኣስመራ ምኽፋት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ስነጥንታዊ ኩዕታ ንምክያድ ናይ ሓባር ኮሚቲ ምቛም ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ተመያይጡ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/7a95/live/91f83250-bffc-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/7a95/live/91f83250-bffc-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/7a95/live/91f83250-bffc-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/7a95/live/91f83250-bffc-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 800w" alt="ፕረዚደንት ኢሳይያስን ልኡኻት ኤርትራን ምስ ሚኒስተራት ጣልያን ርክባት እናኣካየዱ" width="1600" height="869" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 1600 / 869;" loading="lazy" />

ምንጪ ስእሊ,YEMANE GEBREMESKEL

ኣቶ ኢሳይያስ ምስ ሚኒስተር ሕርሻን ውሕስነት መግብን ፍራንሲስኮ ሎሎንሪጊዳ’ውን ከምዝተራኸበ ተገሊጹ ኣሎ።

ኤርትራ ምስታ ቅድም ገዛኢታ ዝነበረት ኢጣልያ፡ ዘለወን ዝምድና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ክብን ለጠቕን ክረኣዮ ከምዝጸንሐ እዩ ዝግለጽ።

ብ12 ሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ኣብቲ እዋን ጁዜፐ ኮንተ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ 'ምሕዳስ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን' ኣብ ኣገዳሲ እዋን፡ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮም።

ከም ዝዝከር፡ ብ9 ሓምለ 2018፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነበረ ኵነተ-ኲናት መኸተምታ ዝገበረ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘርሓወን ዝተባህለሉ “ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን” ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሃዋሁ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/b5c1/live/f3740480-c044-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/b5c1/live/f3740480-c044-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/b5c1/live/f3740480-c044-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/679/cpsprodpb/b5c1/live/f3740480-c044-11ee-896d-39d9bd3cadbb.jpg 679w" alt="ፕረዚደንት ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ባህሊ ኢጣልያ፡ ሮማ" width="679" height="468" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 679 / 468;" loading="lazy" />

ምንጪ ስእሊ,@HAWELTI

ንዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ብሰንበት ናብታ ሃገር ዘምርሐ ፕረዚደንት ኤርትራ ንእግረ መንገዱ ምስቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ኣብ ህሉው ምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ከምዝተዛተየ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ’ዮም ብኣካል ዝራኸቡ ዘለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስታ ሶማልያ ኣካል ግዝኣተይ’ያ ትብላ ሶማሊላንድ ምስ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ዝምልክት ክልተኣዊ ሰነድ ስምምዕ፡ ብ 1 ጥሪ ድሕሪ ምኽታሞም፡ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ወጥሪ ኣብ ዝሰፈነሉ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብ8 ጥሪ ናብ ኤርትራ ብምጋሽ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዛተየ ዝዝከር’ዩ።