news

መስራትን ኣካያድን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ዓሪፉ

ተስፋልደት ኣለም መሓረናመስራትን ኣካያድን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።ተስፋልደት፡ ኣብ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣይ-ብራና፡ ቃል-ደሊና፡ 'ደሊና-ግእዝ-ዎርድ' ዝኣመሰሉ ፊደል ትግርኛ ዝመሰረቶም ረቀቕቲ-ንዋተ-ኮምፕዩተር (software) ወይ ከኣ መሳለጥያታት (apps) ብምምሃዝ፡ ፊደላት ግእዝ ብኮምፒዩተር ንኽጸሓፍ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ፕሮግራመር ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ፡ ኣካያዲ ናይ ፈላሚት መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ፍትሒ ምዃና እትግለጽ ኣዝማሪኖ ከምዝነበረን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነበረ ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ብምሃብ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ምስኡ ሓቢሮም ዝሰርሑ ብጾቱ ይምስክሩ።

ንነዊሕ ዓመታት ሓቢሩዎ ዝሰርሐ፡ ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተን ነጋሪትን ገዲም ጋዜጠኛ ሳልሕ ጆውሃር ቃዲ፡ ብሕለፈት ብጻዩ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ተስፋልደት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ሓሳቦም ብናጽነት ከካፍሉ፡ ብተጻዋርነት ሓሳብ ሓድሕድ ከሳላስሉ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ዘተን ልዝብን ባህሊ ክሰፍን፡ ንሓቅን ፍትሕን ዝኣተውዎ ሕልናዊ መብጽዓ ከተግብር “ኣዝማሪኖ” እተሰምየት ፈላሚት መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋት ሰለም ከየበለ ዝሰርሐን ልዕሊ ሕልሙ ዝሓልም ሰፊሕ ራኢ ዝነበሮ ተቓላሳይ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

''ተስፋልደት ሕያዋይ እዩ። ሕያውነትን ልውሃትን ፍጥረቱን መኻይድቱን’ዩ። ኣብ ቅድሚ ተስፋልደት ኩሉ ሰብ ማዕረ’ዩ ክቡር ከኣ።

"ተስፋልደት ክህብ እምበር ክሓትት ዘይደሊ፡ ንህዝቢ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይሓስብ፡ ቅድምን ልዕሊ ኩሉን ረብሓ ህዝቡ ዘቐድም፡ ንዕቤትን ትንሳአን ህዝቡ ለይትን ቀትርን ከይደቀሰ ዝውፈ ልዑል ጥበብን ክእለትን ፍልጠት ቴክኖሎጂ ዝተዓደለ ኣብነታዊ መምህር እዩ ኔሩ፡'' ይብል።

ብዙሕ እዋን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናት ኤርትራን ናብ ልቦም ክምለሱን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ናብ ደሞክራሲ ክሰጋገሩ፡ ንዝተኣስሩ ክፈትሑ፡ ፍትሒ ከንግሱ፡ ናብ ምዕባለን ዕቤትን ክግስግሱ እትጽውዕን እትምሕጸንን በዓልቲ ጸጋ ኣደ ኣባበ በዓታይ ሕልፈት ናይ ቀረባ መቓልስታ ዝነበረ ተስፋልደት መሓረና ምስ ሰምዐት ንብዓታ ክትቆጻር ኣይከኣለትን።

“ተጸሊኡኒ ስለዝቐነየ ደኺመ እየ ዘለኹ’ሞ ብዛዕባ ተስፋልደትስ ብዙሕ ዝብሎ ኣሎኒ! ደኺመ እንዶ’ሞ” ብማለት ብዛዕባኡ ጸዊኻ ዘይውዳእ ኣድናቖት ከምዘለዋ ትዛረብ።

ካልኦት ብጾቱ'ኸ እንታይ ይብሉ

ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዝተላለየቶ ምሕረት እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 2001፡ ደሞክራሲያዎ ትግባረ ቅዋም እናተጸበየ፡ "ብምልካዊ ምሕደራ ምስ ተጓዕጸጸ"፡ ተስፋልደት መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ብምኽፋት ህዝቢ ጽጹይ ሓበሬታ ንኽረክብ ኩሉ ዋኒኑን ስርሑን ገዲፉ ብምሉእ ግዜኡን ዓቕሙን ዝወፈየ ኩሉ ክሕበንሉ ዝግባእ መሰረት ነጻ ፕረስ ከምዝመስረተ ትገልጽ።

“ኣብ ዕደመይ ብዙሓት ክቡራትን ብሉጻትን ሰባት ቀቢረ እየ’ሞ፡ ከም ሕልፈት ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ክቡር ድምጻዊ የማነ ባርያን ገይሩ ዝተሰመዓኒ ግዜ ኣይነበረን። ንኽልቲኦም ንኤርትራ ብዝገበሩላ ኣበርክቶ ብማዕዶ እየ ዝፈልጦም፡ ንተስፋልደት ከኣ ከም ሳልሳዮም እየ ዝርእዮ” ክትብል፡ ሕልፈቱ፡ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብዓሚቚ ጓሂ ትገልጽ።

ብደሞክራሲ ኣብ ዝመሓደር ምዕራብ ዓለም ዝተማህረን ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠን ተስፋልደት ናይ ዕርቅን ምርድዳእን መንፈስ ዝነበሮ፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጻዕራም፡ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ሽግራት ክፈትሕ ዝጽዕርን ውፉይ ሰብ ምንባሩ ይዝክር ዶክተር ዓብደልረዛቕ ዑስማን።

“ተስፋልደት ንኤርትራ ከም ኤርትራ’ዩ ዝርእያ። ኤርትራ ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ክሊ ግዝኣታ ዝነብሩ ደቃ እያ። ተስፋልደት ከኣ ንኣዝማሪኖ ልክዕ ብኸምኡ እዩ ዝሕዛን ዘካይዳን ነይሩ። ብባህሪኡ ሓቛፊ እዩ። በዚ ባህሪ እዚን ስርሑን ተወፋይነቱን ከኣ ካብ ኩላትና ንላዕሊ ጸብለል ዝበለ መምህር እዩ ነይሩ” ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ።

ሕልፈቱ ምስ ሰምዐት ስምባደኣ ክትቆጻጸር ዘይከኣለት ዶክተር ሰላም ኪዳነ ብወገና “ተስፋልደት ንዓይ መተካእታ ዘይብሉ ፍሉይ ሓውን መቓልስትን እዩ ነይሩ” ትብል።

ተስፋልደት፡ ኣብ ዓበይቲ ዓለማዊ ትካላት ብልዑል ክእለት ዝሰርሕ ረቂቕ ፕሮግራመርን ክኢላ ሶፍት-ወርን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እንተኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ምስ ተሳእነ ውልቃዊ ረብሓኡ ገዲፉ ነብሱ ንቓልሲ ሓርነት ወፍዩ ናብ ዓውደ ጋዜጠኝነት ኣትዩ።

ንተስፋልደት ብሞይኡን ኣበርክቶኡን ዝፈልጦን ዘድንቖን ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ፡ “ንፖለቲካ ብዝተፈልየ ምልከታ ንኽርደኦ መገዲ ዘርሓወለይ መምህረይ እዩ ነይሩ” ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ነቲ ምንጪ ሰላምን ምርግጋእን መጀመርታን መወዳእታን ፖለቲካዊ ኮምፓስ ዝኾነ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምቕራቡ ይዝክሮን የድንቖን።

ኤታማር ንጉሰ ብወገና “ተስፋልደት እታ ዝምነያ ዝነበረ ርህውቲ ኤርትራ ከይረኣየ እኳ እንተሓለፈ፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ፡ ንፍትሕን ሰላምን ተወፊዩ ዕዮ ጉዕዞኡ ዛዚሙ’ዩ ሓሊፉ” ድሕሪ ምባል፡ ንስድራ ቤትን መቕርብን ጽንዓት፡ ንዕኡ ከኣ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ተመንያትሉ።