news

ኣስመራ፡ ኣብ ጽምብል ዕለተ-ልደት ብውሕዱ 30 ክርስትያናት ተኣሲሮም

ካልኣይ መደበር ፖሊስ (ካርሸሊ)ብቐዳም 20 ጥሪ ኣብ ገጀረት ኣስመራ ልዕሊ 30 ተኸተልቲ እምነት ወንጌላውያን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።እቶም ሰባት ቀዳማይ ዓመት ናይ ሓደ ህጻን ንምኽባር ካብ ዝተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ምንባሮም ‘ኦፐን ዶርስ’ ዝተባሃለ ንናይ እምነት መሰላት ዝሕለቕ ትካል ሓቢሩ።

እቶም ደቂ ተባዕትዮ ሽዑ ብቐጥታ ናብ ሻድሻይ መደበር ፖሊስ ክውሰዱ እንከለው፡ እተን ኣደታት ንሰኑይ ክርከባ ከምዝሓበርወንን ካብ ሰኑይ ጀሚረን ምስ ሰብኡተን ገለ’ውን ምስ ደቀን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከባን ቢቢሲ ነቲ ፍጻመ ቅርበት ካብ ዘለዎም ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ተኸተልቲ እቲ እምነት ዘይኮኑ ኣብቲ ጽምብል ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ‘ኦፐን ዶርስ’ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓመታዊ ንነጻነት ሃይማኖት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤርትራ ብመዳይ ነጻነት እምነት ምስተን ብፍሉይ ዘሻቕላ ሃገራት ከምእትስራዕ ኣፍሊጡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ኣብ ፈለማ ጥሪ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በርማ፣ ቻይና፣ ኩባ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኢራን፣ ኒካራጓ፣ ፓኪስታን፣ ሩስያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ታጃኪስታንን ቱርክመኒስታንን እውን ኣብቲ ዝርዝር ኣካቲቱ።

እዘን ሃገራት ከቢድ ግህሰት መሰላት ሃይማኖት ከምዝፍጽማ ከኣ ይኸስስ።

እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘሎ ብድሆታት ነጻነት ሃይማኖት ዝተራቐቐን ሱር ዝሰደደን ምዃኑ ‘ውን ይገልጽ።

መንግስታት ኣብ ተኸተልቲ እምነታትን ናይ ኣምልኾ ስፍራታትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ከብሉ እቲ መግለጺ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግንቦት 2002 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኮይነን ብዙሓት ሰዓብቲ ናይተን ካልኦት ዝተኣገዳ እምነታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ተሓለቕቲ ይገልጹ።

ሓያለ ካብ መራሕተን እውን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

ብዘይካ'ዚ ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርሰትያን'ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይግለጽ።

ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መሐሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ዝርከብ ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ ንዝቐርበሉ ክስታት ኣብ ዝህቦ ምላሽ "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና እዩ ዝገልጽ።

ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ስኒትን ናጽነትን ከምዘሎ ዝምጉቱ ሰብመዚ መንግስቲ፡ እተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ክርስትያናት መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይኾና ነይረን ክብሉ ይስምዑ'ዮም።

እንተኾነ ግን ብወግዒ ዘቕረብዎ ጭብጢ ይኹን ክሲ ዛጊት የለን።

ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።