‘ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ሓንቲ ጥይት ክትትኩስ ድሌት የብላን’-ኣቢይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ወራር ክትፍጽም ድሌት ከም ዘይብላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ።ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ 14 ሕዳር 2023 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተኣሳሰር ኢትዮጵያ “ዘተኣማምን ኣማራጺ” ከም ዘድልያ ተዛሪቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ግቡእ ምይይጥ ክግበረሉ ዘለዎ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ምባሉ ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ።

ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ምዃና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለት ሃገር ክትከውን ንዘለዋ ዓቕሚ ከም ዝደረቶ'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን መሰረት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ክብል'ዩ እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ዝምጉት።

መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ካብ ሶማልያን ጂቡቲን'ውን ግብረመልሲ ተዋሂቡሉ'ዩ።

ኣብይ፡ “ልኡላውነት ኤርትራ ንምግሃስ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ናይ ዝዀነት ሃገር ልኡላውነት ክንጥሕስ ድሌት የብልናን። ንማንም ክንወርር ድሌት የብልናን። ብመሰረት ሕጊ ንግዲ ግን ዘተኣማምን ኣማራጺ የድልየና’ዩ” ክብል ኣብቲ ናይ ሎሚ መደሩ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኢትዮጵያ ወናኒት ክልተ ወደባት ከም ዝነበረት ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ሃገር እትጥቀመሉ ኣፍደገ ባሕሪ ጂቡቲ ጥራይ ምዃኑ ስክፍታታት ከም ዝፈጠረ’ዩ ሓቢሩ።

ጂቡቲ ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣበርክቶ ብዝምልከት፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንህዝብን መንግስትን ጅቡቲ “ኣፍልጦ” ከም ዝህብ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ካብ መንግስትን ህዝብን ጂቡቲ ዝዀነ ጥርጣረ ይኹን ስክፍታ የብልናን። ንሕና ግን ጂቡቲን ካልኦትን ፍርሕና ክርድኡ ንደሊ ኢና” ብምባል ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ስግኣት ኣብሪሁ።

“ንኣብነት ዓበይቲ ሃገራት ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክካትዓን ክጋጨዋን እንከለዋ ንስንብድ ኢና። ዘሰንብደና ሓንቲ ወደብ ጥራይ ስለዘላትና’ዩ” ብምባል እተን ሃገራት እንተተጋጭየን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትስእን ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ የመን ሚሳይላት ከም ዝተተኰሱ ብምጥቃስ፡ ኣብኡ ዘለዉ ሓይልታት ናብ ጂቡቲ እንተተኲሶም ኢትዮጵያ ወደብ ክትረክብ ከም ዘይትኽእል ገሊጹ።

እዚ እንተዀይኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ጥሜት፡ መከራን ስደትን ንጎረባብቲ ሃገራት’ውን ዝጸልው ምዃኑ ኣስሚሩ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ጸጋታተን ብሓባር ተጠቒመን ብሓባር ክብልጽጋ ክኽእላ ኣለወን።

ምስ ግብረሽበራ እትቃለስ ሶማልያ ንምሕጋዝ ሓይላ ዘዋፈረት ኢትዮጵያ “ተሸጊረ” ክትብል ከላ ጎረባብቲ “እንታይ’ዩ ጸገምኩም” ኢለን ክሓታን ክዛተያን ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ።

“ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወጻኢ፣ ካብ ንግዲ ወጻእን ሰላም ካብ ዘውሕስ መንገዲ ወጻእን ዘይምኽንያታዊ ሕቶ ሓቲታ እንተዀይና የዘራርቡና’ሞ ዕረፉ ይበሉና። ግን ንዛተ ኢና ንብል ዘለና” ኢሉ።

“ብዘተ ዘይፍታሕ እንተዀይኑ፡ ብድርድር ዘይፍታሕ እንተዀይኑ፡ ብንግዲ ዘይፍታሕ እንተዀይኑ እንታይ ከም ዝስዕብ ምግማት ኣይከኣልን።”

ወሲኹ ድማ “ኢትዮጵያ ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ጂቡቲ፡ ኬንያ ወይ ዝዀኑ ጎረባብትና ሓንቲ ጥይት ክትትኩስ ድሌት የብላን። ብዛዕባ ልኡላውነተን ሕቶ የብላን” ኢሉ።

“ጥሜት ከይመጸ፡ ሽግር ከይመጸ፡ ስቓይ ከይመጸ ተዛቲና መፍትሒ ነምጽእ ኢና ዝበልና። እቲ ጸገም እንተ መጺኡኸ? ሽዑ ሕጊ ኣይሰርሕን እዩ። ጥሜት እንተሃልዩ እንታይ ሕጊ ክህሉ ይኽእል? ምግቢ ምርካብ ተሸጊርና እንተ ጠሚና ዝዓግተና ሕጊ ስለዘየለ ዝረኸብናዮ በሊዕና ክንነብር ኢና።”

“እንወሮ የለን፡ እንወግኦ የለን፤ ብዛዕባ’ቲ ሕቶ ግን ኣይንሓፍርን ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ብዛዕባ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ከባቢታትከ እንታይ ኢሉ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡ መንግስቱ ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ሕቶ ይግባኣኒ ዝለዓለሎም ከባቢታት መፍትሒ ንክረኽቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ'ዩ ገሊጹ።

"መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይን ክልል ኣምሓራን ዘላቒ ሰላም ንኽመፅእ፤ ረፈረንደም ዘማእከለ ኣካይዳ እንተተኸቲልና ዝሓሸ ይኸውን ኢሉ’ዩ ዝኣምን። ንሕና ምላሽ ንህብ ከም ዘለና ኢና እንኣምን። መፍትሒ ኣቐሚጥና ኢና። እቲ መፍትሒ ዘሰማምዕ ድዩ ኣየሰማምዕን ድማ ምዝርራብ’ዩ” ክብል ንኣባላት እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ገሊጹ።

“ምስ ህዝቢ ተዛቲና ኢና። መልሲ ናይቲ ህዝቢ ንፈልጦ ኢና። ግን ‘እዚ ኣማራጺ እንኮ ኣማራጺ ኣይኰነን፤ ምሁራት መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣምሓራን ትግራይን ተዛትዮም ነባሪ ሰላም ዘምፅእ መፍትሒ ኣለና’ እንተይሎም ብሓጎስ ክንቅበል ኢና” ብምባል ድሌት ህዝቢ ሪፈረንደም ምዃኑ ዘመለክት ዝመስል ሓሳብ ክገልጽ ተሰሚዑ።

ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ መዓስን ብኸመይ ኵነታትን ምስ ህዝቢ ከም ዝተዛተየ ግን ኣየነጸረን።

ብዛዕባ ግጭት ክልል ኣምሓራ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ናይ ሎሚ መደረኡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ግጭት’ውን ኣልዒሉ’ዩ።

"መንግስቲ ክልል ብሓይሊ ከፍርሱ ዝተላዕሉ ሓይልታት ነይሮም" ብምባል እቲ ኣብቲ ክልል ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሰላም ከም ዘምጽአን መንግስቲ እቲ ክልል ንከይፈርስ ከም ዝሓገዘን ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ ሃዲኡ’ዩ ክብሎ ዝጸንሐ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብሰፊሑ ይካየድ ከም ዘሎ’ዩ ዝንገር።

ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ብከበድቲ ኣጽዋር ዝተሓገዘ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ ገሊጾም ነይሮም።

ይኹን እምበር እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ናይ ሎሚ መደሩ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ስግኣት ከም ዝተፈትሐ’ዩ ገሊጹ።

“ዝያዳ ዘተ፡ ዝያዳ ስራሕ” ከም ዘድሊ ግን ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣምሓራን ኦሮሞን ደለዩ ኣይደለዩ ብዘየገድስ ብሰላም ንክነብሩ ዘለዎም ኣማራጺ ሓደ ጥራይ’ዩ” ብምባል ተኸባቢሮም ክነብሩ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

“ድሕሪ ዝሑል ኲናት ናይ ዝዀነት ሃገር ሓይልታት ተወዲቦም፣ ተዓጢቖም፣ ተዋጊኦምን ንመንግስቲ ስዒሮምን ኣይፈልጡን። እዞም ሓይልታት ነዚ ታሪኽ እዚ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን። ኣብዚ ሕጂ ዝካየዱ ዘለዉ ቃልስታት ንመንግስቲ ምስዓር ከቢድ’ዩ።”

እቶም ዕጡቓት መንግስቲ ንምስዓር ዘኽእል ቁጠባዊ ደገፍ ክረኽቡ ከም ዘይኽእሉን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ እታ ሃገር “ኩሎም ፕሮጀክትታታ ኣደናጒያ ነብሳ ክትከላኸል” ከም እትኽእል ገሊጹ።

ዕጡቓት ንሓንቲ ከተማ ክሳዕ ምሽባር ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ዝጠቐሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ግን “ናብ ዓወት ኣየብጽሕን” ኢሉ።

ስለዝዀነ ድማ እቶም ዕጡቓት “ካብዚ ተዓቂቦም ናብ ሰላም፡ ናብ ዘተ ክመጹ ቀንዲ ኣማራጺ” ምዃኑ ኣመልኪቱ።