ኣቓልቦ ኢትዮጵያ ኣብታ ቅድሚ 30 ዓመት ኤርትራ ናጽነታ ክሳብ እትረክብ ትውንኖ ዝነበረት ወደብ ዓሰብ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ድሕሪ ኣብ 1998 ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተወልዐ ኲናት፡ ወደብ ዓሰብ ብዘይስራሕ ዘትረፈ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ንጥፈታታ ብወደብ ካልእ ጐረቤታ ጅቡቲ ቀጺላ።
ንግዳዊ ሰንሰለትን ቍጠባን ጅቡቲ ጽቡቕ እዩ ዘገልግል፤ ግዝኣት ኢትዮጵያ ግን ኣይኰነትን።

ምንጪ ስእሊ,FBC
ወደብ ዓሰብ ካብ 1998 ጀሚሩ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ
መግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረድኡ ኢትዮጵያውያንን ጐረባብቶምን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓይሊ ክጥቀም ከምዝኽእል የፈራርሕ ከምዘሎ እዮም ዝሓስቡ።
እንተዀነ ኣብ ቀረባ በዓል ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝኽበረሉ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ መደረ ንኤርትራ ናይ መውራር ድልየት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ እዩ።
“ኢትዮጵያ ንዝዀነት ሃገር ወሪራ ኣይትፈልጥን፤ ኣብ ቀጻሊ እውን ኣይክትወርርን።”
ብመገዲ ህጹጽ ኣኼባ እቲ ንሸሞንተ ሃገራት እቲ ዞባ ዝሓቍፍ ውድብ ኢጋድ እውን ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ።
ተዅታዂ ዝመስል ኣካይዳ ኢትዮጵያን ኣጽዋር ንምሽማት እተገብሮ ዘላ ጉያን ግን ሳዕቤን ክህልዎ እዩ።
ኣቢይ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለ ወግዓዊ ገይሩዎ።
‘ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ግን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይትውንን ሃገር እያ፣ 125 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ነገስታት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ዝህብዎ ጉዳይ እዩ ነይሩ፣ ብፍላይ እቲ ካብ 1930 ክሳብ 1974 ነታ ሃገር ዝገዝአ ንጉስ ሃይለስላሰ’ ዝብሉ ነጥብታት ድማ ኣቐሚጡ።
ነቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘበን ዝነበረ ፍሉጥ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ ብምጥቃስ ቀይሕ ባሕሪ ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ እዩ ኢሉ።
ምስ ነጋዶ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ድማ “ብሰላማዊ መንገዲ ወደብ ክንረክብ ንደሊ ኢና፤ እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ሓይሊ ክንጥቀም ኢና” ከምዝበለ እውን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ገለ ሰባት እዚ ኣካይዳ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፖለቲካዊ ድጋፍ ንምርካብ ዝገብሮ ሜላ ከምዝዀነ እዮም ዝገልጹ።
እዚ ነቶም ዓባይ ኢትዮጵያ ክትህሉ ንዝጉስጕሱ ልሂቃን ኣምሓራ ክሕግዝዎ ዝጽውዕ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ምስ ትግራይ ዘካየዶ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ምስ ህወሓት ዝፈረሞ ውዕል ሰላም ነዚ ጕጅለ ኣግሊልዎ እዩ።
በዚ ግን ደው ኣየበለን፤ ንሚልሻ ኣምሓራ ዕጥቆም ንምፍታሕ ኣብ ሚያዝያ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምጅማር ናብ ዝገደደ ቅርሕንቲ ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES
ንሞት ኣማኢት ኣሽሓት ምኽንያት ዝዀነ ኲናት ትግራይ ብዙሓት ኣንጻር ኲናት ደው ክብሉ ገይሩ
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እውን ዓባይ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዓለምለኻዊ ሕጊ ይፈቅድ እዩ ዝብል ግጉይ እምነት ኣለዎም።
ካልእ ትንተና፡ ኣቢይ ኣሕመድ ሽሙ ዝጽውዓሉ ሓድጊ ናይ ምግዳፍ ዓቢይ ባህጊ እዩ። እንተተኻኢሉ ብሰላም እንተዘይኰይኑ ብሓይሊ ወደብ ብምምጻእ ንዕብየት እታ ሃገር ኣበርክቶ ክገብር ይደሊ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ፖሊሲ ወጻኢ ኢትዮጵያ ተገማቲ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ጐደቦ መሪሕ ብምዃን ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ትደሊ ነይራ።
ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ሱዳንን ሶማልያን ሰላም ንምስፋን ዘካየደቶ ጻዕሪታት ኣካል ናይዚ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዋ ሃገር እያ።
ካልእ ድማ ዝርገሐ ዶብ ተሳገርቲ መንገዲ መጓዓዝያን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንምስራሕ ዝዓለመ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ንምህናጽ ዝነበራ ሕልሚ እዩ።
ኣብ ሩባ ናይል እትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሰ፡ ናብ ጐረቤት ሃገራት ሰደድ ክግበር ዝኽእል እኹል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ። እቲ ሓሳብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓደ ሓባራዊ ቍጠባዊ ጕጅለ ንምምጻእ ዝተለመ እዩ።
ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መለለዪኡ ‘ዘይተገማትነት’ ኰይኑ ኣሎ፤ ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ከምኡ እዩ።
ቅድም ክብል ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሕማስ ስማ ዝለዓል ዝነበረ ኤርትራ ብግልባጡ ንባዕላ ከም ሓላፍነታዊትን ዝተደላደለን ሓይሊ ገይራ ኣቕሪባ ኣላ።
ኤርትራ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሃበቶ ሓጺርን ደረቕን ምላሽ፡ ናብቲ ብመላፍንታ ነበር “ዝበሃል” ክትሕወስ ከምዘይትደሊ ኣነጺራ።
ካልኦት ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እውን ከዕረምርማ ተሰሚዐን።
ጅቡቲ፡ ንባዕላ ከም ናጻ ሃገር እትጽውዕ ሶማሊላንድ፡ ሶማልያን ኬንያን ንኢትዮጵያ ንምዕጋት ብዘይስሩዕ ሕብረት ምስ ኤርትራ ተሰሊፈን፤ ናይ ሓድሕደን ሻቕሎት ዝምልከት መግለጺታት የውጽኣ ኣለዋ።
እተን ቀንዲ ተዋሳእቲ ማእከላይ ምብራቕ ላንጋ ላንጋ እየን ዘለዋ። ቀንዲ መሓዛ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝዀነት ዝንገረላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኣቢይ ዘስርሖ ዘሎ ዓብ ቤተ-መንግስቲ ዝኸውን ገንዘብ ትህቦን ድሮናት ተቕርበሉን ከምዘላ ይእመን።
ነፋሪት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ጽዕነት ከተራግፍ ተራእያ።
ኢማራት ዓረብ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ሱዳን ንዝተቘጻጸረን ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ክምስርት ከምዝኽእል ይግለጽ ንዘሎን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ወይ ሕመቲ ዝምራሕ ጕጅለ ህጹጽ ደገፍ (ኣርኤስኤፍ) እውን ትሕግዝ እያ።
ሓደገኛ ኣካይዳ ኣቢይ ኣሕመድ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዕድልን ሓደጋን እዩ፤ ኢትዮጵያ ጠቓሚት ሓይሊ ቀይሕ ባሕርን መሓዛ እታ ሃገርን ክትከውን ትኽእል፤ ወይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ነቲ ኣብ ሱዳን ዝረኸበቶ ዓወት ሓደጋ ክኸውን ይኽእል።
ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ዝብለጸሉን ናብ ኲናት ዝኣቱን እንተዀይኑ ስዑድ ዓረብ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትሕግዝ ትኽእል እያ።
ብትኽክል ናብ ኲናት ዝኣቱ እንተዀይኑ ድማ ክልተ ዓበይቲ ፈተናታት ከጋጥምዎ እዮም። እቲ ሓደ መን እዩ ክዋግአሉ ዝብል እዩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ በቶም ድሮ ዝተኻየዱ ሰለስተ ኲናታት ተዳኺሙ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዘካየዶን ሕጂ እውን ዘይተወድአን እዩ።

ምንጪ ስእሊ,AFP
እቲ ካልኣይ ምስ ኤርትራ ኰይኑ ኣንጻር ህወሓት ዘካየዶን ቅድሚ ሓደ ዓመት ብውዕል ሰላም ዝተዛዘመን እዩ።
ካብቲ ሰራዊት ባዕሉ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ፡ ካብ 260 ሽሕ ክሳብ 520 ሽሕ ወተሃደራት ሞይቶም ወይ ኣብ ኲናት ጠፊኦምን ኣስታት 374 ሽሕ ቆሲሎምን እዮም።
እቲ ሳልሳይ ኲናት ኣብ ሚያዝያ ዝተወለዐ ብኤርትራ ከምዝድገፉ ዝግለጽ ሚልሻታት ፋኖ ዘካይዶ ዘሎን ብዙሕ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተዋፈረሉን እዩ።
ኣዲስ ኣበባ ናብ ኲናት ክትኣቱ እንተዀይና ናይታ ምስ ኤርትራ እትዋሰንን ስትራተጂያዊ ረብሓ ዘለዋን ትግራይ ሓገዝ የድልያ።
እንተዀነ፡ መሰረት ልምዓትን ቁጠባን ትግራይ በቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዓንዩን ህዝባ እውን ተሰላችዩን እዩ።
ሓድሽ ኲናት ናይ ምክያድ ድልየት ዘለዎም ውሑዳት እዮም ። ብሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈጸሙ ገበናት ግን ብዙሓት ዓሚቝን ሰፊሕን ሕርቃን ኣለዎም።
ብተወሳኺ መንግስቲ ፈደራል ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት እንተኣትዩ ትግራይ እውን ተጐቲታ ምእታዋ ኣይተርፍን።
ሓድሽ ኲናት ከይለዓል ስግኣት ዝኣተዎም ገለ ተጋሩ፡ መጀመርታ ብክልል ኣምሓራ ዝተወሰደ ምዕራብ ትግራይ ክምለስን ኣብ ከም ሓይሊ ኣየር ዝበሉ ትካላት ቍጽጽር ምሓዝን ዝብሉ ቅድመ ኵነታት የቐምጡ ኣለዉ።
እቲ ካልኣይ ፈተና ወጻኢታት ናይቲ ኲናት እዩ። ቍጠባ ኢትዮጵያ ተዳኺሙ ካብ ምዕራባውያን ድጋፍን ልቓሕን ዝደልየሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ዝጐድሎ ክትመልኣሉ ከምእትኽእል ተስፋ ክገብር ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ዋላኳ ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣ'ናህያን ዝተወሰነ ገንዘብ ክህቦ ዝኽእል እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ንዘስዕቦ ከቢድ ቁጠባዊ ዕንወት ዘከሓሕስ ክኸውን ግን ኣይክእልን።
ኢትዮጵያ ወራር ክትፍጽም ድያ ኣይኰነን ዝብል ካልእ ኰይኑ፡ እቲ ኲናት ግን ክሕሰብ ገይርዎ እዩ።
ከበሮ ኲናት ምውቃዕ ሓደገኛ ኵነታት እዩ ዝፈጥር። ኣብቲ ዞባ ዝግበር ቅድድም ሸመታ ኣጽዋር ይቀላጠፍ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣጽዋር ትገዝእ ኣላ። ኤርትራን ጁቡቲን ክስዕባኣ ትጽቢት ይግበር። ሰራዊት ትግራይ ናይ ምብታን ትልሚ ደው ኢሉ ኣሎ። ኣብ ሶማልያ ዘሎ ግጭት ክጋደድ ይኽእል። ኲናት ክልል ኣምሓራ ንምጕህሃር ኤርትራ ኣጽዋር ናብ ክልል ኣምሓራ ትልእኽ ትኸውን።
ንእሽተይ ክስተት ካብ ቍጽጽር ወጻእ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይድለ ነገር እንተሃልዩ ሓድሽ ኲናት እዩ። እቲ ስግኣት ግን ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ኣሌክስ ዲ ዋል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ተፍትስ ዩኒቨርሲቲ፡ ቤት ትምህርቲ ሕጊን ዲፕሎማስን፡ ዋና ዳይረክተር ዎርልድ ፒስ ፋውንደሽን እዩ።