እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ፡ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ዝፈረሰ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግም ብምትሳእ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ገይሩ፡ ‘ምስ ባሕሪ ይዅን ውቅያኖስ ዘራኽብ ወሰን ዘይብላ ሃገር ንምንታይ ሓይሊ ባሕሪ ኣድለያ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ደሪኹ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድልየት ኢትዮጵያ ካብ ኣኼባታት ኣባላት ውድብ ክሳብ ፍሉጣት ሰባት ኣብ ዝተሳተፉሎም ኣኼባታት፡ ብቀጥታውን ተዘዋዋርን ክለዓልን ምኽክር ክግበረሉን ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ግእዝ ድማ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተሓላለፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ መደረ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያን ነዚ ድማ ዘተ ከምዘድልን ክዛረብ ተሰሚዑ።
ኤርትራ ናጻ ሃገር ምስኰነት ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝብን ስፍሓት መሬትን ዘለዋ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልቦ ሃገር ካብ እትኸውን ልዕሊ 30 ዓመት ኰይኑ ኣሎ።
ንዝተወሰኑ ዓመታት፡ ንእተእትዎን እትልእኮን ንግዳዊ ንጥፈታት ወደባት ኤርትራን ጅቡቲን ክትጥቀም ጸኒሓ ምስ ኤርትራ ኲናት ምስተወልዐ ድማ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ወጻኢ ምንቅስቓሳ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ጽግዕተኛ ኮይኑ ቀጺሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፈሪሱ ዝነበረ ሓይሊ ባሕራ ደጊማ ንምህናጽ ድሕሪ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ኢትዮጵያ ብወገን ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያ እዚ ድማ ጉዳይ ህልውናኣ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብግልጺ ምዝራቡ፡ እቲ ዛዕባ ኣዘራራቢ ገይርዎ ቀንዩ።
“ቀይሕ ባሕርን ኣባይን ንኢትዮጵያ ወሰንቲ፡ ንዕብየታን ውድቀታን መሰረት እዮም” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ካልእ መደረ ድማ ምስዚ ተተሓሒዙ ሃገሩ ብሓይልን ብወራርን ክተዐውቶ እትደሊ ነገር የለን ኢሉ።
ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣፍደገ ባሕሪ
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት መተሓላለፊ ኣፍደገ ባሕሪ ዝረኽባሉ መሰል ዝምልከት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ስምምዕ ኣሎ። እዚ ድማ ምስ ባሕርን ውቅያኖስን ዘራኽብ ወሰን ዘይብለን ሃገራት ኣብ ጥቓአን ብዝርከባ ወደብ ዘለወን ሃገራት ኣቢለን ኣገልግሎት ክረኽባ ዘኽእል እዩ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት መተሓላለፊ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለወን ኣብዚ ውዕል ከምዝሰፈረ ዝገልጽ በዓል ሞያ ዓለምለኻዊ ሕግን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰርሐን ኣቶ ባይሳ ዋቅወያ እዚ ድማ “ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብዝግበር ስምምዕ ከምዝኸውን ኣስፊሩ እዩ” ይብል።
በዚ ምኽንያት ቀንዲ ሕመረት ጉዳይ ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብዘሎ ናይ ምሕዝነት ደረጃ ከምዝውሰን ብምጥቃስ “ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘይብለይ ብናትካ ሃገር ሓሊፈ ኣፍደገ ባሕሪ ክረክብ ናይ ምባል መሰል የብለንን፤ ዓለምለኻዊ ሕጊ እውን ኣይድግፈንን” ይብል።
እቲ ስምምዕ ተፈጻሚ ዝኸውን ኣብ መንጐ ሃገራት ብዝግበር ውዕል ብምዃኑ “ዝተገደበ መሰል እዩ” ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ እንተዀነ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት መተሓላለፊ ባሕሪ እንተዝረኽባ ንባዕለን ጥራይ ዘይኮነስ ንማሕበረሰብ ዓለም እውን ረብሓ ዘምጽእ ብምዃኑ፡ በዚ መንጽር ክርአ ከምዝግባእ ምጥቃሱ እውን ይሕብር።
ኣማራጺታት ኣፍደገ ባሕሪ
ዝበዝሕ ክፋላ ብባሕርታትን ውቅያኖሳትን ኣብ ዝተሸፈነት ዓለም ካብ ዝርከባ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሃገራት፡ እተን 44 ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚአን ከም ካዛኺስታን ዝኣመሰላ ሰፊሕ ግዝኣት ዘለወን ሃገራት ይጥቀሳ። ኢትዮጵያ እውን ሰፊሕ ግዝኣትን ብዙሕ ህዝብን ሒዛ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለምን ቅድሚት ትስራዕ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ብባሕሪ ኣቢላ ንእተካውኖ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ዙርያኣ ዝርከቡ ወደባት ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኬንያን ሱዳንን ንምጥቃም ዘኽእል ሰፊሕ ኣማራጺታት ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድልየት ሃገሩ ዝምልከት ብምዝራቡን፡ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታውን ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ምስ ወደብ ዓሰብ ኣተሓሒዞምዎ።
በዓል ሞያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ባይሳ ዋቅወያ እውን፡ ብመንጽር ናብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቅርበትን ቅድሚ ሕጂ ይህቦ ካብ ዝነበረ ኣገልግሎትን ብምብጋስ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ኣማራጺ ወደብ ዓሰብ ዘመልክት ምዃኑ የረድእ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያኣ ምስ ዝርከባ ሃገራት ምርድዳእን ምስምማዕን እንተኽኢላ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ሰለስተ ኣማራጺታት ከምዘለዉ እውን ይጠቅስ።
እቲ ሓደ ምልውዋጥ ግዝኣት እዩ። በዚ መሰረት መተሓላለፊ ወደብ ንእትህብ ሃገር፡ ይጠቕመኒ እዩ እትብሎ ናይ ኢትዮጵያ ክፋል መሬት ብምሃብ ኣፍደገ ባሕሪ ምቕባል ይከኣል።
ካልኣይ፡ ምልውዋጥ ምህርቲ እዩ፤ ኢትዮጵያ ምህርታ ነታ ሃገር ክትህብ ትጽቢት ይግበረላ። ንኣብነት፡ ቡን ኢትዮጵያ፡ ጸዓት ኤሌክትሪክ ወይ ካልእ ምህርቲ ክትህብ ትኽእል ማለት እዩ። ኣምሳያኡ እታ ካልእ ሃገር ወደባ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎት ይህብ።
እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ ብገንዘብ እዩ። ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ብውሑድ ክፍሊት ወደብ ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣማራጺ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብምውድዳር ብዝሓሸ ዋጋ ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብ የኽእላ። ብተወሳኺ ሰፊሕ ኣማራጽን ዘተኣማምን መተሓላለፊ መስመርን ክትረክብ ይገብራ።
“መንግስቲ ካብዞም ሰለስተ ነቲ ሓደ ንምትግባር ክውስን እዩ” ብምባል ግምቱ ዘቐምጥ ኣቶ ባይሳ፡ እዚ ኵሉ ዝኸውን ግን ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ብዘሎ ምሕዝነት ኣቢሉ ብዝግበር ስምምዕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES
ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ይከኣልዶ?
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ወነንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ክዀና ኣይኽእላን። ኣፍደገ ባሕሪ ምስዘለወን ሃገራት ብዝህልወን ምርድዳእ ግን ክጥቀማ ይኽእላ። ዝብል ሓሳብ የቐምጥ ኣቶ ባይሳ።
ብሓጺሩ ድልየት ስለዘለካ ጥራይ ዋና ባሕሪ ምዃን ኣይከኣልን። እንተዀነ ብዝግበሩ ስምምዓት ኣቢልካ ምርካብ ይከኣል። እዚ እውን፡ እቲ ውዕል ክፈርስ ይኽእል እዩ ይብል።
“ኤርትራ ዓሰብ ኣይደልዮን ኢላ ብፍቓዳ ንኢትዮጵያ ክትህባ ትኽእል እያ። ሞልዶቫ ካብ ዩክረይን 600 ሜትሮ ኣፍደገ ባሕሪ ብምውሳድ ወደብ ሃኒጻትሉ እያ። በዚ መሰረት ብጸሊም ባሕሪ፡ ኣታውን ወጻእን ንግዲ ተሳልጥ ኣላ።
“ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ እውን ብፍቓድ ኣስመራ እዩ ዝውሰን። ዓሰብ ዝምልከት ካብ ፍቓድ መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢ ክኸውን ኣይኽእልን” ይብል።
ምውናን ሓይሊ ባሕሪኸ ?
ድልየት ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዕላዊ ምስኰነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሓይሊ ስጕምትን ግጭትን ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ብብዙሓት ይለዓል ኣሎ።
ቀዳማይ ሚነስተር ኣቢይ ግን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድልየት ብዝርርብን ምርድዳእን እንተዘይኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ድልየታ ንምምላእ ቃታ ከምዘይትስሕብ ተዛሪቡ እዩ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝነበረ ታሪኽ ዓለም ኣብ መንጐ ሃገራት ዝተኻየዱ ዓበይቲ ኲናታት “ወናኒ ኣፍደገ ባሕሪ ንምዃን ዝተገበሩ ኲናታት እዮም” ዝብል ኣቶ ባይሳ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምሓዝ ዝነበረ ድልየት ጠንቂ ብዙሕ ኲናት ምንባሩ ይዛረብ።
እቲ እዋን ግን ከምዝተቐየረ ዝገልጽ እቲ ምሁር ዓለምለኻዊ ሕጊ “ሓይሊ ኣለኒ ኢልካ ጐረቤት ሃገር ብምውራር ወናኒ ኣፍደገ ባሕሪ ንምዃን ምፍታን እዋኑ ዝሓለፎ እዩ” ብምባል ዝሃለወ ምኽንያት ይሃሉ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ምርካብ ኣይከኣልን ይብል።
ኲናት እንተተላዒሉ ግን እቲ ሓደ ሃገር ልዕልና ብምሓዝ ኣፍደገ ባሕሪ ክውንን ይኽእል።
“ዋንነቱ ሕጋዊ እንተዘይኰነ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ሒዝካ ሓይሊ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምእታው ምጥቃም ይከኣል። እቲ ሕጋዊ ዘይኰነ ብሓይሊ ሒዝካ ንነዊሕ ግዜ (ኣብ 30ን 40ን ዓመት) ናብ ሕጋዊ ዝቕየረሉ ኵነታት ክህሉ ይኽእል” ይብል።
ዋላኳ ነዚ ኣካይዳ ዓለምለኻዊ ትካላትን ሃገራትን እንተዘይተቐበልዎ፡ ክትግበርን ተቐባልነት ክረክብን ዝኽእለሉ መንገዲ የለን ምባል ግን ኣይከኣልን ብምባል እውን ይጠቅስ።
ታሪኻዊ ሕቶ
ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝለዓለሉ፡ ድልየት ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ክለዓል ዘበናት ኣቝጺሩ። ናጽነት ኤርትራ ክዉን ክኸውን እንከሎ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ኢትዮጵያ ሓቢሩ ክለዓል ከምዘለዎ ብዙሓት ወገናት ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክምስረት እንከሎ፡ ብዙሓት ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ሃገራት ዓረብን ንናጽነት ኤርትራ ይድግፋ ከምዝነበራ ዝገልጽ ኣቶ ባይሳ፡ ሕብረት ሶቭየት ተመሳሳሊ መርገጽ'ኳ እንተነበራ ዓሰብ ግን ንኢትዮጵያ ይወሃብ ኢላ ምክርኻራ ይዝክር።
ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን፡ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ወደብ ከቕርብ ይኽእል ምንባሩ ኣቶ ባይሳ ይጠቅስ።
በዚ መንጽር ኢትዮጵያ ነቲ እዋናዊ ሕቶ ብምልዓል ወደብ ዓሰብ “ናዓይ እዩ ዝግባእ ብምባል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ብኻልእ ዓለምለኻዊ ደረጃ ኣመዝጊባ እንተትኸውን፡ ኣብ ዝዀነ ካልእ እዋን ተመሊሳ ምሕታት ትኽእል ነይራ” ይብል።
ብተመሳሳሊ ኤርትራ ናጻ እንትትወጽእ ኢትዮጵያ “ወደብ ዓሰብ ናተይ እዩ። ሓይሊ ስለዝሰኣንኩ እዩ ተወሲዱ ኢላ ኣመዝጊባ እንተትነብር ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ታሪኽ ናይ ዋንነት ሕቶ ይቕጽል እዩ። ብድሕሪኡ ብሽምግልና ኮነ ናብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ምሕታት ይከኣል ነይሩ” ክብል ይውስኽ።
ኣቶ ባይሳ ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ ኣሕዚኑኒ ዝበሎ ነገር ኣብቲ እዋን ኣጋጢምዎ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ክልተ ሰብመዚ “ዓሰብ ብፍጹም ኣካል አትዮጵያ ኰይና ኣይትፈልጥን፤ ዓሰብ ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍሒቑና ክነውጸኣ ኣለና ኢሎም ክዛረቡ ሰሚዐ እየ።”
ስለዚ ኤርትራ ናጻ ሃገር እንትትከውን “ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓይነት ናይ ይግበኣኒ ኮነ ናይ ዋንነት ሕቶ የብላን። እቲ ወደብ ናተይ እዩ ኢላ ኣይትፈልጥን፡ ብደረጃ መንግስቲ እቲ ዕድል ተሪፉ እዩ። ዝተበላሸወ ዕድል እዩ” ይብል።
“እቲ ዕድል ኣምሊጡ እዩ” ዝብል ምሁር ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣቶ ባይሳ ዋቅወያ ድሕሪ ሕጂ ምስ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል ዝርርብን ድርድርን ጥራሕ ከምዝኾነ ይጠቅስ።
“ኣብ ሰላማውን ጽቡቕ ጉርብትናን ዝተመስረቱ ኣማራጺታት ምርኣይ እምበር ብኲናትን ብሓይልን ዓሰብ ምምላስ ኣይከኣልን።”