መሃንዲስ ሳራ ነታ ዝሰንዓታ ላምፓዲና፣ 25- 26 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ዓለምለኻዊ ተራድኦ ሰብኣውነት ኣቕሪባታ::
ሳራ ዝሰንዓታ ላምፓዲና ዝያዳ ንቆልዑ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝነብሩ እተገልግል ኮይና ብቐሊሉ እትገጣጠምን፣ እታ ላምፖዲና ብኸመይ ከም እትሰርሕ ክመራመሩ ኣብ ቆልዑ ህንጥዩነት እትፈጥርን’ያ ተባሂላ።
እታ ‘ኣንበሳ ፕለይ’ ዝተሰምየት ላምፖዲና፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ተራድኦ ሰብኣውነት ጀኔቫ ክትቀርብ ዝተደልየሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ምስ ናይ ተራድኦ ማሕበራት ንምልላያን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ብፍላይ ቆልዑ ተዘርጊሓ ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል ንምግባራን ምዃኑን’ያ መሃንድስ ሳራ ትገልጽ::
እታ ላምፓዲና፣ ንስደተኛታት ቆልዑ ብናጻ እትዕደል ኮይና ካልእ ሰብ ብግሉ ክዕድጋ ከምዝኽእልን፣ ሓደ ሰብ ሓንቲ እንተዓዲጉ ድማ ኣምሳያኡ ሓደ ስደተኛ ቆልዓ ሓንቲ ብናጻ ይወስድ::
ሳራ፣ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ከተማ ለንደን – ብሪጣንያ ‘ያ ተወሊዳ።
ስድራ ሳራ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩናት ናብ ስደት ዘምርሑ እዮም::