ኣብ ቤትማእሰርቲ ኬንያ ዝጸንሑ 60 ኤርትራውያን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ተላኢኾም

መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ኬንያንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ከተማ ሎድዋር ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 60 ኤርትራውያን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ከምዝተላእኩ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ምስኣቶም ሸሞንተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምንባሮምን ንከባቢ ክልተ ሰሙን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ተታሒዞም ምንባሮምን ‘ዘ ነሽን’ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣቃሊሑ ነይሩ።

ሰብ መዚ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስሩዕ ኣብ ዘካይድዎ ፈተሻ እዮም ነቶም ሸሞንተ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሎድዋር ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝረኸብዎም።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/ea0e/live/a95b7210-76fd-11ee-b315-7d1db3f558c6.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/ea0e/live/a95b7210-76fd-11ee-b315-7d1db3f558c6.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/ea0e/live/a95b7210-76fd-11ee-b315-7d1db3f558c6.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/ea0e/live/a95b7210-76fd-11ee-b315-7d1db3f558c6.jpg 800w" alt="መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ኬንያ" width="1280" height="960" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 1280 / 960;" loading="lazy" />

ምንጪ ስእሊ,PUGNA MALUM

ሰብመዚ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቶም ካብ ወለዶም ወይ ኣዝማዶም ተፈልዮም ዝተረኸቡ ህጻናት፡ መንጸፍ፡ ኮቦርታ፡ ላምስያ፡ ናውቲ ንጽህናን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ሓገዝ ከምዝገበሎም ኣፍሊጦም።

እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኬንያ ዝተረኽቡ ሓንቲ ጓል ሓደ ዓመትን መንፈቕን ቈልዓ እትርከቦም ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ህጻናት፡ ምስ ካልኦት 60 ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ 5 ጥቅምቲ እዮም ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኬንያ ከኣትው ብፖሊስ ተታሒዞም።

እቶም ሸውዓተ ህጻናት ካብ 10-17 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ምዃኖም’ውን ሓበሬታ ፖሊስ የረድእ።

እቶም ህጻናት ካብ ወለዶም ወይ ኣዝማዶም ተፈልዮም ኣብ ዘይተዛዘመ ህንጻ ተታሒዞም ምንባሮምን፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ነዞም ህጻናት ንምክንኻን ኣመና ተጸጊሙ ምንባሩን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ወለዲ ወይ ኣዝማድ እዞም ህጻናት፡ ናብ ኬንያ ብዘይ ሕጋዊ መእተዊ ሰነዳት ኣትዮም ብዝብል ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሎድዋር ተዳጒኖም ጸኒሖም።

ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ኣተሓሕዛ እቶም ኤርትራውያን ህጻናት ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጸበብቲ ክፍሊታት ቤት ማእሰርቲ መደበር ፖሊስ ዝገጥሞም ዘሎ ኣተሓሕዛ፡ ንጥዕናኦምን ስነኣእምሮኣዊ ኵነታቶምን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

እቶም ኤርትራውያን ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ክውሰዱ ዝተወሰነ፡ እቲ ዝጸንሑሉ ቤትማእሰርቲ ክሕዞም ስለዘይክእል፡ እቶም ስደተኛታት ክፍትሑን ጉዳዮም ብዩኤንኤችሲኣርን ክፍሊ ጉዳይ ስደተኛታት ኬንያ ክርአን ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ድሕሪ ምጥላቡ እዩ።

ምስቲ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ኬንያውያን ተታሒዞም ከምዘለውን፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ናብ ኬንያ ኣእቲኹም’ ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ኣሎ።

ምስ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወብ ዞባ ቱርካና፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኬንያ ዝኣትውሉ ቀንዲ መስመር ኰይኑ ምህላውን ኣባላት ፖሊስን ኬንያውያንን ከምዝሳተፉሉን ይግለጽ።

ካብ ሃገሮም ወጺኦም ዝሓሸ ዝነብሩሉ ሃገር ዘናድዩ ኤርትራውያን ዘይተኣደነ ገንዘብ ንደላሎን ኣሰጋገርትን ከፊሎም በዚ መስመራት ክሰግሩ ከምዝጸንሑን፡ ዝተፈላለየ ሓደጋታትን ግህሰታትን ከጋጥሞም ከምዝጸንሐን፡ ብዙሓት ይገልጹ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ፤ ከምኡ'ውን ምስ ኵነታት ሱዳን ተኣሳሲሩ'ውን ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ድሕሪ ምብታኖም፡ ብብዝሒ በዚ መስመራት ክሰጋገሩ ከም ዝጸንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።