ኣብ ኤርትራ መደበር እስራኤል ተጠቒዑ ድዩ? ኤርትራኸ እንታይ ትብል?

እቲ መጥቃዕቲ ወሪድዎ ዝተባሀለ ቦታ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝርከብ መጸናጸኒ መደበር እስራኤል ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ። ኣብ በይሩት ዝመደበራ ኣል ማያዲን ዝተባህለት ማዕከን ዜና፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መዓስከር እስራኤል ብዕጡቓት ከምዝተሃረመ ሎሚ ዓርቢ 27 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሓ ዜና ሓቢራ።ብመሰረት እታ ማዕከን ዜና፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ምንጭታት ኤርትራ ንኣል ማያዲን ሓቢሮም ትብል።

እቶም ምንጭታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብፍሉይ ንየመን ገጹ ዝጥምት ቀይሕ ባሕሪ ንምክትታል ዝሕግዝ መዓስከር መቈጻጸሪ እስራኤል ዝተተኽሎ እምባ ዒላማ ዝገበረ እዩ ይብል።

እቲ መጥቃዕቲ ወሪድዎ ዝተባሀለ ቦታ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝርከብ መጸናጸኒ መደበር እስራኤል ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣብ መስርሕ እዚ መጥቃዕቲ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮነን እስራኤል ከምዝተቐትለ ምንጭታት ንኣል ማያዲን ሓቢሮም።

ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ጕጅለ የለን፤ እስራኤል ድማ ብዛዕባ እቲ ጸብጻባት ርእይቶ ኣይሃበትን።

ኤርትራኸ እንታይ ትብል?

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/754e/live/889d3870-74bd-11ee-8139-61b1db4c8e2f.png 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/754e/live/889d3870-74bd-11ee-8139-61b1db4c8e2f.png 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/754e/live/889d3870-74bd-11ee-8139-61b1db4c8e2f.png 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/754e/live/889d3870-74bd-11ee-8139-61b1db4c8e2f.png 800w" alt="ካርታ ኤርትራን ቀይሕ ባሕርን" width="940" height="940" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 940 / 940;" loading="lazy" />

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ X (ትዊተር ነበር) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ በይሩት ዝመደበራ ኣል ማያዲን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ “መዓስከራት እስራኤል” ዝተፈጸመ “መጥቃዕቲ” ዝብል ዝወጽኣቶ ዜና መስሓቄን ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ሚኒስተር ነቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ቅሉዕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዩ ድሕሪ ምባል፡ እስራኤል፡ ኢራንን ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን ዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክወጽእ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።

ኣብ መስከረም’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ስዑዲዓረብ ዝመደበራ ተሌቪዥን፡ እስራኤል ምስጢራዊ መጸናጸኒ መደበር ኣብ ኤርትራ ከምዘለዋ ኣቃሊሓ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ኤርትራ፡ ምስ እስራኤል ዝዀነ ይዅን ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና ይዅን ምስጢራዊ መጸናጸኒ መደበር ኣስራኤል ከምዘየለ ገሊጻ ነይራ።

ኤርትራ ምስ እስራኤል ፍሉይ ምስጢራዊ ዝምድና ከምዘለዋ ካብ ገለ ሃገራት ዓረብ ብመገዲ ማዕከናት ዜና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ክሲ ከቐርበላ ጸኒሑ እዩ።

ገለ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን እስራኤልን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዝምድና ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሓኒሽ ምስ የመን ኣብ ዝነበራ ምስሕሓብ ንኤርትራ ሓጊዛ እያ ክብላ ተሰሚዐን እየን።

እንተዀነ ጭቡጥ መረዳእታ ኣየቕርባን፤ ኤርትራ እውን “መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ” ብምባል ክትነጽጐ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኤርትራን እስራኤልን ኣብ 1993 ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝመስረታ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዓመት ናብ እስራኤል ከይዱ ከምዝተሓከመ ይዝከር።

ካብ የመን ዝተበገሰ ሚሳይል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ የመን ንዝተተኰሰ ሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘውደቐት ሰበስልጣን ኣመሪካ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፐንታጎን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብዕጡቓት ሑቲ ከም ዝተተኰሰ ዝተገልጸ ሚሳይላት "ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ሓያለ ሰብኣልቦ-ነፈርቲ (ድሮናት) እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝበርዓነ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ሰፊሕ ከባቢታት ሰሜን የመንን ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ብኢራን ከም ዝድገፉ ይግለጽ።

'ዩ-ኤስ-ኤስ ካርነይ' (USS Carney) ዝተባህለት ተመራሒ ጸረ-ሚሳይላት ኣጽዋር ዝዓጠቐት 'ዲስትሮየር' ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዝነበረት እዋን'ዩ እቲ ሚሳይላት ተወንጪፉ።