እንተዀነ፡ ክሳብ ሎሚ ውሕስነት መግቢ ይዅን ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ዝደሓረ ጸብጻብ፡ ብዓይኒ ነዊሕን ጥዕና ዝመልኦ ህይወት፡ ፍልጠትን ደረጃኡ ዝሓለወን መነባብሮ ዜጋታት ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ከምእትስራዕ የብርህ።
“ኣብ 2021 መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) ኤርትራ 0.492 ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ኣስፊርዋ’ሎ- እዚ ማለት ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ትስራዕ” ይብል ጸብጻብ ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP)።
ህሉው ኵነታት ቀረብ መግቢ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,SHABAIT
እቲ ፈለማ ዝስራዕ ጉዳይ መነባብሮ ዝዀነ ቀረብ መግቢ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ስክፍታን ጸገምን ዝፈጥር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ “ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ” የድልዮ።
ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም” ይብል። ካብኦም እቶም 745,600 ቈልዑ ምዃኖም ድማ ይጠቅስ።
ንኣብነት ካብቶም ኣስታት ርብዒ-ሚልዮን ዝዀኑ ኵነታቶም ዝተራእየ ህጻናት እታ ሃገር፡ ልዕሊ 45 ሽሕ “ብክቱር ሕጽረት መግቢ (acute malnutrition) ክሳቐዩ ከምዝጸንሑን ደገፍ ክግበረሎም ከምዝተወሰነን እቲ ትካል የረድእ።
ኣብታ ናይ “ዕንጋሎ ቍጠባ” እትውንን ኤርትራ፡ ጥምየት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፤ እንተዀነ ሰብመዚ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንጹር ጸብጻባት ኣይህቡን’ዮም።
ንኵነታት ጥምየት ዝዕቅን ‘ግሎባል ሃንገር ኢንደክስ’ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ደረጃ ጥምየት ሃገራት “ንኤርትራ ብሰንኪ ስእነት ሓበሬታ” ከምዘይጠቐሳ ኣፍሊጡ’ሎ።
ጉዳይ ሃጓፍ ሓበሬታ ኤርትራ ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት ዓለም’ውን ዘማርራሉ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ “ምስ ፈለማ 1990ታት ክነጸዓጸር እንከሎ፡ ንኣብነት መጠን ኣብ ድኽነት ዝነበሩን ውሕስነት መግቢ ዘይነበሮምን ሰባት ኣዝዩ ከምዝነከየ” ካብ ምባል ሓሊፉ ብቝጽሪ ክገልጾ ኣይከኣለን።
መሰረታዊ ቀረባት መግቢ ኣብ ኤርትራ፡ ብመንግስቲ ብዝወሃብ ኩቦን ብመቚነን’ዩ ዝከፋፈል። ባኒ፡ ዘይቲን እኽልን ዝርከቦ ቀረባት ብዝተሰለዐ “ርትዓዊ” ዋጋ ብቚጽሪ ኣባላት ስድራቤት ይቐርብ።
እቲ ዝወሃብ መቚነን እኹል ስለዘይኰነ ግን፡ ሰብ ኣብ ፍኑው ዕዳጋ ነቲ ቀረባት ብዕጽፊ ዋጋ ክገዝእ ይግደድ።
ንኣብነት ዋጋ ሓደ ባኒ ብኩቦን ሓደ ናቕፋ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ግን ብክልተ ናቕፋ ይሽየጥ።
ናህሪ ዋጋታት፡ ልዑል ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋ ምስ ትሑት ደሞዝን ኣታዊታትን ተደሚሩ ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
ዋላ’ኳ መንግስቲ ብዘካይዶም ንኣሽቱ ወፍርታትን ተበግሶታትን ሕርሻ እንስሳ ቀረባት ስጋን ጸባን ከምዝወሰኸ ዝግለጽ እተዀነ፡ ንጠለብን ድሌትን ዘማልእ ከምዘይኰነ’ዩ ዝንገር።
እቲ “ርእሰ-ምርኮሳ” ዝብል ቍጠባዊ መትከል ከምዝኽተል ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ ብመግቢ ርእስኻ ምኽኣል ንዝብል ፖሊሲኡ ንምዕዋት ዝተፈላለየ ፈተነታት’ኳ እንተካየደ፡ ሕጽረት መግቢ ኣካል ቍጠባዊ ጸገም እታ ሃገር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ዝወጸ ፖሊሲ መንግስቲ፡ “ኤርትራ ውሕስነት መግቢ ዘይብላ ሃገር’ያ” ብምባል፡ ካብ ቀንዲ ሃገራዊ ቀዳምነታት ምዃኑ ይጠቅስ።
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝነብር ክኢላ ስነ-ቍጠባ ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ ከምዝብሎ፡ ቍጠባዊ ልምዓት ይዅን ውሕስነት መግቢ ብመንጽር እቲ ኣብ 1994 ወጺኡ ዝነበረ ማክሮ-ቍጠባዊ ፖሊሲ ክርአ ኣለዎ። እቲ ሰነድ፡ ንዝተፈላለዩ ጽላታት ብምምዕባል ተሳታፍነት ብሕታዊ ወፍሪ ምድንፋዕ’ዩ ነይሩ።
“ድሕሪ ዳርጋ 30 ዓመታት ነዚ መርሓ ግብሪ መወከሲ ብምግባር፡ ውሕስነት መግብን ቍጠባዊ ቍመናን ኤርትራ እንታይ ይመስል እንተ ኢልና፡ ብኩቦን እትሳለ፡ ህዝባ ብሕጽረት መኣዛታት ዝሳቐ፡ ብሕታዊ ጽላት ቍጠባ ፍጹም ዝማህመነላ ኰይና ኢና እንረኽባ።
“እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ንውሕስነት መግብን ምርግጋጽ ቍጠባዊ ትንሳኤን ኰይኑ ዝጸንሕ ድማ ትካላዊ ዕንቀጻ ደኣምበር (systemic)፡ ምስ ፍርያምነት ጽላታት ቍጠባ፡ ህርኩትነት ዜጋታት ወይ ምስ ጸጋታት ሃገር ዘተሓሕዝ የብሉን” ይብል።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ከም “ተመጽዋትነት” ወይ “ትኳቦ” ገይሩ ዝወስዶ ብለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ዝወሃብ ሰብኣዊ ረዲኤት ካብ ዝሕሰም ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቚጺሩ’ሎ። መራሕቲ ኤርትራ ረዲኤት “ተጸባይነት” ዘስዕብ’ዩ ብምባል’ዮም ዝነጽግዎ።
ካብ 2001 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ናይ ረዲኤትን ልምዓትን ማሕበራት ድሕሪ ምስጓጉ ሕጽረት መግቢ ዘጋጠመን ድኻታት ስድራቤታት ዓለምለኻዊ ደገፍ ከምዘይረኽባ ገይሩ ይርከብ።
ኣብ እዋን ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ ኵነታት ጥምየት ናይዚ መርኣያ እዩ ነይሩ ክብሃል ይክኣል።
ብዘይካ’ቲ ብንግዳዊ መስመራት ኣብታ ሃገር ዝኣቱ ቀረባት፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብቐጻሊ ዝሰድዎ ከም ሩዝን ፓስታን ዝበለ መሰረታዊ ነገራት’ውን፡ ድሩት'ኳ እንተዀነ፡ ሓደ ካብ ምንጭታት ቀረባት መግቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
‘ዘይተበርበረ’ ሃብቲ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ,SHABAIT
ምስ ቀረብ ይዅን ድሕነት መግቢ ብዝተሓሓዝ ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ትንግርቲ ዝዀኖም ጉዳይ ተጠቃምነት ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ እዩ።
ስለምንታይ’ያ እታ ልዕሊ 1000 ኪሜ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ ካብቲ እትውንኖ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ብዝግባእ ክትረብሕ ዘይከኣለት ዝብል ሕቶ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘዕግብ መልሲ ኣይረኸበን።
ኣብ 1950ታት ብውሱን መጠን ዝጀመረ ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ፡ ዓመታዊ ኣስታት 25,000 ሜትሪክ ቶን ዓሳ ብምግፋፍ ናብ ወጻኢ ሃገራት ተላኢኹ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢ ይኸውን ምንባሩን መግስታዊ ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብ መጋቢት 2023 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ጉዳይ ሃብቲ ዓሳ “ዘየቕስን ኣርእስቲ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
“ኣብ መንጐ ባህግን ድሌትን፡ ኣብ መንጐ ክዉንን ተኽእሎን ዘሎ ጋግ ዓቢ እዩ። እቲ ዕቝር ጸጋ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሽሕ ቶን ዝኸውን ናይ ዓሳ ጸጋ ኣሎና። እዚ ቅሙጥ ሃብቲ’ዩ።”
“ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ክንደይ ዝኣክል ዓሳ ኣብ ዓመት ክንገፍፍ ክኢልና እንተተባሂሉ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ቶን ኣብ ዓመት እውን ኣይከውንን እዩ። ይትረፍ ንሰደድ ነቲ ዘቤታዊ ዕዳጋ ዘዕግብ’ውን ክግፈፍ ኣይጸንሐን” ኢሉ።
እቲ ዝርካቡ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ ስጋ ዓሳ ብመንጽር እቶት ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ፕረዚደንት ከምዝብሎ እታ ሃገር ንዘለዋ ‘ዘይተበርበረ ሃብቲ ዓሳ’ ክትጥቀመሉ ዘይከኣለት ምኽንያት ዓቕሚ ሰብ፡ ጃላቡን ዝድለ ትሕተቕርጽን ዘይምህላውን እዩ።
ብንኡስ ዓቕሚ ዝተበጋገሰ ድሩት ትሕተ-ቅርጺ ወደባት ይዅን መሳለጥያታት “የለን ዳርጋ ባዲሙ እዩ” ክብል መግላጹ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣደንጽዩ እዩ።
ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ ከምዝብሎ ጉዳይ ዓሳ ኣብ ኤርትራ “ናይ ዝባኸነ ዕድላት መመሰሊ እዩ ኰይኑ ዘሎ” ክብል ይገልጾ።
“ኣብ ምውሓስ ቀረብ መግቢ ዕዙዝ ኣበርክቶ ክገብርን፡ ኤርትራ ብቐሊሉ ክትዕወተሉ እትኽእልን ሃብቲ ባሕሪ እዩ” ዝብል ዶ/ር ፍትዊ፡ “ዓለማዊ ባንኪ ኣብ ዓመተ 2023 ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ 2021 ከባቢ 4578 ሜትሪክ ቶን ጥራይ (ከባቢ 5% ካብቲ ክንገፎ እንኽእል) ከምዝነበረ የመልክት” ብምባል የረድእ።
“ካብዚ ዝርካቡ ምህርቲ’ዚ፡ እቲ 75-85% ዕርቡን (ሮያልቲ) ጥራይ ብዝኸፍላ ናይ ወጻኢ መራኽብ ዝተባሕተን ኣብ ዕዳጋታት ወጻኢ ዝሽየጥን’ዩ።”
ቀንዲ ማሕንቘ ኣድማዒ ተጠቃምነት ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ፖሊሲን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ምዃኑ ድማ ዶ/ር ፍትዊ ይምጕት።
ሕርሻን ብድሆታቱን

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES
መነባብሮ ዝበዝሐ ካብቲ ካብ 4 ክሳብ 5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝተመርኮሰ’ዩ።
ዓለምለኻዊ ማዕከን ሕርሻ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ሕርሻ፡ ጉስነትን ምግፋፍ ዓሳን ንልዕሊ 75 ሚእታዊ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ይሽፍን።
“ኣስታት 80 ሚእታዊ ድኻታት [ኤርትራ] ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ኰይኖም፡ ዕለታዊ እተቶም ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ’ዩ” ይብል እቲ ትካል።
ዋላ’ኳ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር ዝዋስኣሉ ቍጠባዊ ንጥፈታት እንተዀነ፡ ብሃገር ደረጃ ዘለዎ ኣበርክቶ ግን ኣዝዩ ትሑት’ዩ። ካብ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊ ሰደድ እታ ሃገር ድማ ይውክል።
ሰነዳት ሚኒስትሪ ሕርሻ ከምዘመልክቶ፡ “ኣበርክቶ ጽላት ሕርሻ ኣብ ጃምላ ሃገራዊ እቶት ዛጊት ካብ 24 ሚእታዊት ከም ዘይሓልፍ” እዩ።
ኣስታት 26 ሚእታዊት መሬት ናይታ ሃገር ክሕረስ ወይ ንሕርሻዊ ንጥፈታት ክለምዕ ዝኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን ዛጊት 4 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ኣብ ሕርሻዊ መዓላ ዝርከብ ዘሎ።
ምንጭታት ኤርትራ ከምዝሕብርዎ፡ ኣስታት 2.1 ሚልዮን ሄክታር መሬት ኤርትራ ብባህርያዊ ማይ፡ ኣስታ 600 ሄክታር ሽሕ ድማ ብመስኖኣዊ ኣገባብ ክለምዕ ይኽእል።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝተሃንጻ ልዕሊ 600 ዲጋታትን ሓጽብታትን ሕርሻዊ እቶት ብምኽዕባት ንጠለባት መግቢ ከረጋግጻን ዋጋታት ከረጋግኣን ዝተገብረለን ትጽቢት ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰመረ’ዩ ዝግለጽ።
ምስ ምህናጽ ናይዞም ከዘንቲ ማይ ዝተበጋገሰ ሕርሻ ምፍራይ እንስሳ’ውን ከምቲ ዝድለን ብርትዓዊ ዋጋን ንጠለባት ህዝቢ ዘማልእ ከምዘይኰነ’ዩ ዝግለጽ። ሰብመዚ መንግስቲ ግን ተስፋ ዝህብ መብጽዓታት ካብ ምሃብ ዓዲ ኣይወዓሉን።
“ኣብ ሃገርና ንስጋ ዝዀና እኹላት ጥሪት ስለ ዘለዋ ብዙሕ ዘሰክፍ ነገር የልቦን። መንግስቲ ድማ ጥዕናአንን ፍርያምነተንን ንምውሓስ ብዙሕ ወፍሪ ዝገብረሉ ጉዳይ ስለ ዝዀነ ጥሪትና ይስስና ኣለዋ” ክብል ሚኒስተር ሕርሻ እታ ሃገር ኣረፋይነ በርሀ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብታ ሓውሲ ምደረበዳ ዝዀነ መሬት እትውንን ኤርትራ ዘሎ ኵነታት ዝናብ “ዘይስሩዕን ተቐያያርን” ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። እዚን ክሊማዊ ለውጥን ተደማሚሩ ኸኣ በብእዋኑ ደርቂ ከስዕብ ጸኒሑ’ዩ።
ካልእ ንሓረስቶት ዓንቃጺ ኰይኑ ዘሎ ረቛሒ ድማ ጉዳይ ፖሊሲን ምሕደራን መሬት እዩ።
“መንግስቲ፡ ብመሰረት ናይ 1994 ኣዋጅ መሬት፡ ኣብ ተጠቃምነት መሬት ውሕስነት ክህቦ ከም ዘድሊ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ፡ መለሳ መሬት ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕንቘታት ሕርሻዊ ልምዓት እዩ ኰይኑ ዘሎ” ክብል ሚኒስተር ሕርሻ ምስ መጽሄት ሕርሻ “ፍረ-ጻዕሪ” ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተኣሚኑ ነይሩ።
ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝነብር ኪኢላ ስነቁጠባ ዶ/ር ወልዳይ ከምዝብሎ፡ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ጽላታት ቍጠባ እናተመጋገበ ክምዕብል ከምዘድሊ የረድእ።
“ብመሰረት ኣገላልጻ ኮሚቴ ውሕስነት መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሰብ ውሕስነት መግቢ ኣረጋጊጹ ዝበሃል ንንጡፍን ጥዑይን ህይወት ዘድሊ ኣመጋግባን ምርጫታት ምግብን ዘማልእ፡ ብዓቐንን መኣዛዊ ትሕዝቶን እኹል ቀረብ መግቢ ምስ ዝህልዎ እዩ።
“ዋላ'ኳ ሕርሻዊ ምህርቲ ኣገዳሲ ክፋል እዚ ቅማረ እንተዀነ፡ ብኣኡ ዝውሰን ግን ኣይኰነን። ሃገራት ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታተን ኣለልየን ነቲ ተዛማዲ ተወዳዳርነት ዘውህበን ጽላታት ብምድንፋዕ እቶተን የበርኻ’ሞ፡ ካብዘን ጽላታት ብዝረኽባኦ እቶት ነቲ ብውሽጣዊ ሕርሻዊ ዓቕሚ ዘይተዓመመ ቀረብ ካብ ዕዳጋ ብምሽማት የማልኣኦ።
“ካብዚ ብዘይፍለ፡ ኣብ ኤርትራ ውሕስነት መግቢ ንኽረጋገጽ ናይ ብዙሓት ጽላታት ፍርያምነት ክዓዝዝ ናይ ግድን ይገብሮ። ምስ ድሩትነታት ልምዳዊ ሜላ ማሕረስ ጸጋ ማይን ስቡሕ መሬትን፡ ኣብ ሕርሻን ካልኦት ጽላታት ቍጠባን ዘበናዊ ሜላታት ማእቶት ከየተኣታተኻ ውሕስነት መግቢ ክረጋገጽ ኣይሕሰብን” ይብል ዶ/ር ፍትዊ።
እንተዀነ ይብል እቲ ክኢላ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣድህቦ መንግስቲ ብናይ ጸጥታን ድሕነትን ቀዳምነታት ስለዝተደብየ፡ እቲ ቍጠባዊ ሓርነት ከምጽእ ተባሂሉ ኣብ 1994 ዝተሓንጸጸ መርሓ ግብሪ ተወንዚፉ፡ ኢሉ።
“ከም መርኣያኡ፡ ወፍሪ ኣብ ኵሉ ጽላታት ደውታ ኣጋጢሙዎ። ብሰንኪ ራእይ ዝጐደሎን ተዋቓዕን ኣዋጃት መንግስቲ (ንኣብነት፤ ምርጋጥ ህንጻን ትካላት ህንጻን፡ ማሕንቘታት ሸርፊ ወጻኢ፡ ወዘተ) ብሕታውያን ትካላት ተረሚሰን፡ ብሕታዊ ርእሰማልን ዋናታቱን ካብ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም።

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES
ሓያለ ተንተንቲ ከምዝብልዎ’ውን፡ ቀንዲ ጸገም ምዕባይ እቶታውነት ሕርሻ፡ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ኣብ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ይባኽን ስለዘሎ’ዩ። ብዙሓት ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ንግዳዊ ሕርሻ ናብ ኣገልግሎት ክኸዱ ብምግዳዶም፡ ትካላቶም ዝኣልዮ ስኢኑ በሪሱ’ዩ።
ሰብመዚ መንግስቲ ነዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ምህናጽ ዲጋታትን ጽርግያታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብሰራዊት ዝካየድ ሕርሻዊ ንጥፈታት ከምዝጥቀምሉ ይገልጹ’ዮም። እንተዀነ፡ ኣድማዒ ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዘይዓስቢ ዝግበር ብምዃኑ ከም “ግዱድ ስራሕ” ተወሲዱ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።
ውሕስነት መግቢ እንታይ'ዩ
ውሕስነት ወይ ድሕነት መግቢ ብቐጥታ ምስ ቀረብ፡ ምንጪ (እቶት)፡ ኣጠቓቕማ፡ ከምኡ’ውን ቀጻልነት ናይቶም ሰለስተ ረቛሒታትን ዝተሓሓዝ’ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ባንክ ዓለም፡ ኵሉ ሰብ ብዘይ ምቍራጽ ዝግባእ ቀረብን ዝግባእ ዓይነትን መግቢ ክረክብ እንከሎ ውሕስነት መግቢ ተረጋጊጹ ክበሃል ይክኣል።
«ድሕነት መግቢ ማለት፡ ኵሉ ሰብ፡ ኵሉ ሳዕ ኣካላውን ቍጠባውን ተበጻሕነት ክህልዎን፡ ዘድልዮን ዝመረጾን ውሑስን መኣዛዊ መግቢ ብምርካብ ጥዕና ዝመልኦ ህይወት ክረክብ እንከሎ’ዩ» ይብል መግለጺ ናይቲ ባንክ።
ኣብዚ እቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ነገራት ቀረብ መግቢ (availability)፡ ውሕስነት ዘለዎ ቍጠባዊ ምንጪ መግቢ (economic access)፡ ከምኡ’ውን ብውልቂ ይዅን ስድራቤት ዝህሉ ኣጠቓቕማ (utilization).
እቲ ወሳኒ ግን ቆፎኻ ሓጋይን ክረምትን ከሕልፈካ ይኽእል ድዩ ንዝብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ምርካብ’ዩ።
ኣብ ዝተናውሐ ግዜ፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ባህርያዊ ወይ ኢድ ሰብ ዝተሓወሶም ሓደጋታት፡ ንኣብነት ዕዳጋታት ኣብ ዝቀያየረሉን ናህሪ ዋጋታት መግቢ ኣብ ዝንህረሉን፡ ዘለካ ቀረብን ምንጪ እቶትካን ኣጠቓቕማኻን ክብ ለጠቕ ዝብል ድዩ ወይ ረጊኡ ዝቕጽል’ዩ? ዝብል ግድል ዘተኣማምን መልሲ እንተረኺቡ ድሕነት መግቢ ተረጋጊጹ ኣሎ ማለት’ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ልዕሊ 800 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ጥራይ ከብዶም ክድቅሱ ዝግደዱ ግዳያት ጥምየት ምዃኖም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።