ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ወደብ እትኸፍሎ ወጻኢታት ኣመና ብዙሕን ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ገዚፍ ቍጠባዊ ማሕለኻ፡ እታ ሃገር ነቲ ዞባ ንምምራሕን ዝግባኣኒ እዩ እትብሎ ተራ ንኽትጻወትን ንዘለዋ ዕላማ ካብ ቀንዲ ማሕንቘ ምዃኑ እዩ ዝጥቀስ - እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር።
“እዚ ሕቶ ኣብዚ እዋን እዚ ምምጽኡ ግን ነቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ይዅን ቍጠባዊ ቅልውላ እታ ሃገር ንምጥምዛዝ ዝተላዕለ” ምዃኑ ከም ዝኣምን ፖለቲካዊ ተንታኒ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም ይገልጽ።
ምኽንያቱ ይብል ዓብዱራሕማን፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው መልሲ ስለዘይብሉ፡ ወዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ኣተሓሕዛኡ’ውን ርኡይ ድኽመታት ስለዘርኣየ፡ ናብ ካልእ ጉዳይ ክሰጋግሮ ዝደለ ይመስል ዝብል ገምጋም ከምዘለዎ ይገልጽ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብዓለምለኸ ርክብ ሳልሳይ ዲግሪ ዘጽንዕ ዘሎ ነግራ ጉደታ ብመጠኑ ምስ ሓሳብ ኣቡሃጽም ይሰማማዕ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብዚ እዋን ምምጽኡ፡ ሰባት ብዛዕባ ኲናት ምሕሳብ ኣቋሪጾም ብዛዕባ ግዳማዊ ነገርን ንሃገር ሓድነት ክፈጥር ኣብ ዝኽእል ጉዳይን ከተኵሩ ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ግምቱ የቐምጥ።
ካልእ ምኽንያት ዝብሎ ድማ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ጸገማት ክትወጽእ ሕጂ እውን ርእሰ ተኣማንነት ከምዘለዋ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።
ሳልሳይ ነጥቢ ድማ፡ ካብ ሃገራዊ ጉዳያት ናብ ከባብያውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣንፈት ንምቕያር ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ነገራ ይጠቅስ።
ተወሳኺ መማጐቲ ነጥቢ ከቕርብ እንከሎ ኣቡሃሽም፡ ኢትዮጵያ ምስ ኵለን ጐረባብታ ብሓፈሻ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዋ፡ ስለዚ “ካብ ሞምባሳ ጀሚርካ፡ ሞቓድሾ፡ በርበራ፡ ጅቡቲ፡ ዓሰብን ምጽዋዕን ክሳብ ፖርት ሱዳን’ውን ዝዝርጋሕ” ክሳብ ሽዱሽተ ኣማራጺታት ናይ ምጥቃም ዕድል ኣለዋ። ስለዚ፡ እዚ ዕድልን ተኽእሎታትን እናሃለወ፡ ከምዚ ዝበለ መግለጺ ብቀዳማይ ሚኒስተር ክቐርብ በተን ሃገራት ኲናት ከም ምእዋጅ ክርአ ይኽእል እዩ፡ ይብል።
ኣብ ዘረባኡ ግን ተረዳዲእካ፡ “ሂብካ ምቕባል” ዓይነት ዘቐደመ ይመስል? ኢትዮጵያ’ውን ትህቦ ነገር ኣለዋ ዝበል ነገራትለውን ዘርዚሩ ነይሩ እዩ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝጥምቶ እውን ተንቲኑ ዓብዱራሕማን ሰይድ።
እቲ መልእኽቲ ግን፡ እትዮጵያ ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር ስለዝዀነት “ግድን ወደብ ክህልዋ ኣለዎ” ክብል እንከሎ ኣሉታዊ መልእኽቲ እዩ ዝሰድድ ዘሎ - ተሓባቢርካ ተረዳዲእካ ምጥቕቓም ኣይኰነን - እዚ ድማ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ክብል የብርህ።
ኣቶ ነግራ ብወገኑ ኢትዮጵያ ብዝሒ ህዝቢ፡ ገዚፍ ሰራዊትን ልዑል ዲፕሎማስያዊ ጽልዋን ዘለዋ ሃገር ስለዝዀነት ኣፍደገ ባሕሪ የድልየኒ እዩ ኢላ ሕቶ ምልዓላ ነዘን ሃገራት ዓብይ ስግኣት ከምዝኸውን ይኣምን።
ብተወሳኺ ነግራ፡ ጅቡቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቍጠባዊ ርክብ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምምልካት፡ እንተዀነ ምድላይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ንዓኣ ዓቢ ቍጠባዊ ስግኣት ከም ዘስዕበላ ይገልጽ።
“70 ሚእታዊት ሃገራዊ እቶት ጅቡቲ ካብቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ወደብ ትኸፍሎ ዝርከብ እዩ፤ እዚ ምልዓል ማለት ድማ ንቍጠባዊ ረብሓታት ጅቡቲ ሓደጋ'ዩ።"
ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ድሕሪቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ጽቡቕ ምርድዳእ፡ ወደባት ኤርትራ ክትጥቀም ዕድላት ነይሩ እዩ፡ ነዚ ግን ከምዘይተጠቕመትሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣተኵሮኡ ኣብ ካልእ ጉዳያት ከምዝጸንሐን ዓብዱራሕማን የመልክት።
ክልቲአን ሃገራት ነቲ ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ዝምድና ናብ ካልእ መድረኽ ከሰጋግራኦ ስለዘየክኣላ ግን፡ ኣብዚ እዋን ብቐሊሉ ዝምድታት ዝመሓየሽን ምርድዳእ ክብጻሕ ዝከኣል ኣይመስልን፡ ብምባል ስክፍታኡ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ,ዓብዱራሕማን
ኣቶ ነግራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወደባት ዘለወን ሃገራት ዕጹዋት ንዝዀና ሃገራት ኣፍደገ ባሕረን ክኸፍታ ከምዘለወን ይጠቅስ፤ እዚ ግን ብፍቓድ እተን ሃገራት ክግበር ከምዘለዎ የረድእ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ጽልዋ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ወይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ፋይናንሳዊ ጉዳይ ጥራይ ከምዘይኮነ የመልክቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ዘረባኡ ዓበይቲ ሃገራት ኣብዚ ከባቢ መጺአን መደበራት ከምዘቝማን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ንዘለዋ ዕቝር ጸጋታት ሒዛ፡ ሕቶ ክተቅርበሉ ዘይከኣሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዘልዓሎ መስመር ምጕት፡ “ዕብየት ሃገሩ” ከም መብገሲ ገይሩ እዩ ኣቐሚጡ።
“እተን ዓበይቲ ሃገራት፡ ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ብስምምዕን ልኡላውነት ናይተን ሃገራት ኣኽቢረን እየን፤ ዝጥቀማሉን ኣምሳያ’ኡ ዝህባኦን’ውን ኣለወን። ‘ይግብኣና እዩ ባህሪያዊ ዶብና ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ እዩ’… ዝዓይነቱ ተሪር ቃናታት ሒዝካ ነቒልካ ግን ምርድዳእ ዝፈጥር ከም ዘይኰነ” ኣቡሃሽም ይገልጽ።
ኣተሓሒዙ ነግራ፡ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ልሙድ ምዃኑ ብምጥቃስ "ክልቲአን ሃገራት ተገዳስነት እንተሃልይወን ኢትዮጵያ ክትጥቀም ትኽእል እያ" ድሌት እንተዘይሃልዩ ግን ኣጸጋሚ እዩ።"
ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 2 ቢልዮን ዶላር ንክራይ ወደብ ትኸፍል ከምዘላ ዝጠቐሰ ኣቶ ነጋራ "በዚ ኵነታት ክትቅጽል ኣይትኽእልን እያ" ኢሉ። ብዝሒ ህዝቢ ክውስኽ ስለዝዀነ ድማ ዓቢ ስግኣት እዩ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ነገራ ጉደታ፡ ብዙሓት ሃገራት ብእማመ ቀዳማይ ሚኒስትር ከም ዝሰግኣ ብምግላጽ፡ "ኢትዮጵያ ክትህቦ ዝሓሰበቶ ነገር ግብራውነቱ ዘጠራጥር እዩ" ይብል። ኣብ ኢትዮቴሌኮም፡ ግድብ ህዳሰ ይኹን ገለ ሚእታዊ ብጽሒት ምሃብ ማለት ነተን ሃገራት ዝጠቅም ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ግን ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ ዓቢ ረብሓ እያ ትረክብ ዘላ።"
ስለዚ ድሌት ኢትዮጵያ ብግቡእ እንተዘይተታሒዙ፤ "ምስ ሶማልያ፡ ጅቡቲን ኤርትራን ግጭት ዝፈጥር ክኸውን ይኸእል እዩ።" ነቲ ከባቢ ናብ ውግእ ክወስዶ እውን ይኽእል እዩ። "ስለዚ፡ እዚ ዘረባ ንሕጂ ወጥሪ ጥራይ እዩ ክፈጥር ዝኽእል።"
ንሶማሊላንድ ግን ይብል ኣቶ ነገራ "ነዚ ተጠቒሞም ናጽነቶም ክረኽቡ ስለዝኽእሉ፡ ጽቡቕ ዕድላት ከምጽኣሎም ይኽእል'ዩ"። ብኻልእ ወገን ድማ እዚ ናብ ሶማልያ ዘስግእ መልእኽቲ ዘመሃላልፍ እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ከም 'ኢምፓየር' እትረአሉ ኵነታት ስለዝፈጥር።”

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES
ኣቡሃሽም፡ ብሓፈሻኡ፡ እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኤርትራውያን ብጥርጣረ ክጥምትዎን ግድን እዩ፡ ብምባል ዓብዱራሕማን “ምኽንያቱ [ኢትዮጵያ] ንጅቡቲ ሓንቲ ክትገብራ ኣይትኽእልን እያ፤ ንሶማልያ’ውን ከምኡ፤ እቲ ዘረባ ተጠቕሊሉ ንኤርትራ ዘነጻጸረ እዩ ዝመስል፣ ብኡ እዮም ድማ ኤርትራውያን ግብረመልሲ ዝህብሉ ዘለዉ” ክብል የቐምጥ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዎ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዓበይቲ መስመራት፡ ሰሜናዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ (ባሕሪ ሶማልያ)፡ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕሪን ዝርከብዎ፡ ቀንዲ ናይቲ ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ዘራኽብ 28 ኪ.ሜትር ዝንውሓቱ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብኤል መንዳብ ዝርከቦ ስፍራ ብምዃኑ፡ ኣዒንቲ ሓያላን ሃገራት ተፈልይዎ ኣይፈልጥን።
ብመንጽር እዚ ክርአ እንከሎ፡ ተራን ወይ ኣጠምማታ እዘን ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ክኸውን ይኽእል ኣተኵሩ ኣቡሃሽም የብርህ።
ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝተፈላለየ እዩ። ኤርትራ ናብ ሩስያን ቻይናን ብምውጋን ንምዕራብ እትዅንን ክትከውን እንከላ፡ ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራብ ንዘለዋ ዝምድናን ረብሓታትን ክትቅጽሎ እያ ትደሊ። ኣብዚ ግን ብወገን ምዕራብ፡ ነቲ [ቀዳማይ ሚኒስተር] ዝደልዮ ከማልኡሉ ክኽተሎ ንዘለዎ ፖሊሲታት ከገድድዎ ይኽእሉ እዮም፤ ሓደ ካብኡ ኣንጻር ኤርትራ ደው ክብል ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።
በዚ መሰረት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዕብየታ ኣብዚ ዞባ ከተረጋግጽ ወደብ ክህልዋ ኣለዎ ዝብል ኣጀንዳኡ ኣብ ምትግባር ንኣብነት ንዓሰብ ብሓይሊ ንኽሕዝ ክድግፍዎ ቃል ክኣትውሉን ክደፍኡዎን ከም ዝኽእሉ ብምምልካት፡ ምዕራባውያን “ኣጆኻ” ኢሎምዎ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ እውን ከም ሓደ ሲናርዮ ክርአ ከምዝግባእ ይእምት።

ምንጪ ስእሊ,AFP
ኣብ ታሪኹ፡ ንዕጫኡ ዝወሰኑ ዝተፈላለየ መግዛእታዊን ሓርነታዊን ቃልሲታት፡ ውግኣት ኣብ መንጐ መንግስታት፡ ከምኡ’ውን ነቲ ዝተሓላለኸ ባህላዊን ብሄራዊን ኣቃውማ ናይቲ ዞባ መሰረት ዝገበረ ውሽጣዊ ግጭታት፡ ከምኡ’ውን ምትእትትታው ሓያላን ሃገራት ተፈልይዎ ዘይፈልጥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘይርጉእ ኵነታት ጥሜትን ድኽነትን ክነብር ዝገበረ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኡ እዩ።
እዚ ሕጂ ብወገን ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ዘረባ ናባይ ክመርሑ እዩ? ካብተን ኣብዚ ዞባ ወደብ ዘለወን ሃገራት፡ ሶማልያ ንኣብነት ቱርኪ ይዅን ኢማራት ኣብኡ እግረን ኣንቢረን ስለዘለዋ፡ እታ ሃገር’ውን ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ብምዃና ዝከላኸለላ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል እያ። ጅቡቲ፡ ብዓቢኡ ምስ ፈረንሳ ብዘለዋ ኪዳን ትድፈር ሃገር ኣይኰነትን።
ስለዚ፡ ብቐንዱ እቲ ጉዳይ ናብ ኤርትራ ዝነጻጸረ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ግጭት ዝመርሕ ኵነታት ክመጽእ ከም ዝኽእል ወሲኹ የረድእ።
ይዅን እምበር፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብውጽታዊ ኵነታት ተዳኺሙ፣ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ህዝባዊ ደገፍ ስኢኑ ኣብ ዘለወሉ ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ተመሊሱ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍላ ይግምት።
እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን፡ ካብዞም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝለዉ መንግስታት ብቐሊሉ ኢዱ ክትጠውዮ ዝከኣል መንግስቲ ኣቢይ እዩ። ምዕራባውያን ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዘለዎም ኣጠማምታ ድማ ከም ዕድል ክጥቀመሉ ክፍትን ከም ዝኽእል ሓደ ካብ ምኽንያታት ድርኺት መግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ ምዃኑ የገንዝብ። ብሓይሊ ክፍትን እንተዀይኑ ንኤርትራ ገጹ እዩ ክፍትን።
ኣቶ ነግራ ብወገኑ "ኢትዮጵያ ነዚ ኣፍደገ ባሕሪ ረኺባ ማለት ኣብቲ ዞባ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ክትቀልቀል ማለት'ዩ።" እዚ ድማ ነተን ምዕራባውያን ሃገራት ከሐጕሰን ከም ዝኽእል ይእምት።
ወሲኹ ድማ፡ "ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ናይ ባሕሪ ንግዲ እንተ ኣሐይላን ጸጥታ ኣብ ምሕላውናበርክቶ ክትገብርን ክትተሓጋገዝን ትኽእል እያ" ኢሉ።
ብኣንጻሩ ግን እዚ ጉዳይ ግጭት እንተፈጢሩ ኣብቲ ዞባ ካልእ ጸገም ከለዓዕል ስለዝኽእል ንምዕራባውያን’ውን ስግኣት ኣለዎ።”
ሩስያን ቻይናን፡ ምስ ኤርትራ ዝምስርታኦ ዘለዋ ዝምድና እንታይ ተራ ክህልዎ ይኽእል፤ ብፍላይ ናብ ግጭት እንተዓሪጉ ኣብ ዝብል ነጥቡ፡ ኣቡሃሽም፡ ኤርትራ ምስዘን ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ጽቡቕ ዝምዕብል ዘሎ ይዅን እምበር፡ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ደረጃ ዝበጽሐ ስለዘይኰነ፡ ብቐጥታ ዝገብራኦ ነገር ክህሎ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ይግምግም።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ጽዑቕ መስመራት መራኽብ ዘአንግድ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ዋንነት ንኽህልዋ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ኤርትራ ሶማልን ጅቡትን ብወግዒ ነጺገናኦ እየን።