ቀይሕ ባሕሪ፡ ኤርትራ ንኣዘራራቢ መግለጺ ኣቢይ ኣሕመድ ምላሽ ሂባ

ወደብ ባጽዕመንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ብወገን ኢትዮጵያ ከለዓል ዝጸንሐ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ወደባትን ዝምልከት ዘረባታትን መግለጺታትን ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ። ኣብቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ዜና ዝተዋህበ መግለጺ፡ “ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ 'ተባሂሉ' ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን" ኢሉ። "ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን” ይብል እቲ ብሰኑይ 16 ጥቅምቲ ዝወጸ ሓጺር መግለጺ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብቐዳም ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ " ታሪኻዊ. . .ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ምባሉ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ቀንዩ'ዩ።

ምላሽ ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ዝበሎ'ኳ ብቐጥታ እንተዘይጠቐሰ "ከም ወትሩ - ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን" ኢሉ።

ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ወደባትን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስቱርን ሓውሲ ስቱርን ኣኼባታትን ክለዓልን ከዛርብን ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝሃቦ መደረ ብመገዲ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ተቓሊዑ እዩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/a007/live/d66c5bd0-6c16-11ee-9c2a-f51231589004.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/a007/live/d66c5bd0-6c16-11ee-9c2a-f51231589004.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/a007/live/d66c5bd0-6c16-11ee-9c2a-f51231589004.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/a007/live/d66c5bd0-6c16-11ee-9c2a-f51231589004.jpg 800w" alt="ወደብ ምጽዋዕ ኤርትራ" width="1024" height="724" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 1024 / 724;" loading="lazy" />

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ንሃገሩ ጉዳይ ህልዉና እዩ ኢሉ ዝጠቐሶ ጉዳይ ወደብን ተጠቃምነት ቀይሕ ባሕሪን ንምርካብ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘየለ ምግላጹ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኣብ ዕጹው ኣኼባታት ተዛሪብዎ ተባሂሉ ዝተገልጸ ድሌታት ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተፈነወ መደብ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ግቡእ ምይይጥ ክግበረሉ ዘለዎ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክምጕት ተሰሚዑ።

ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ንኣባላት ባይቶኡ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኣባይን ንኢትዮጵያ መሰረት ዕብየት ወይ ጥፍኣት እዮም ብምባል፡ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ከየልዓልና፡ ብሰላም ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ስለምንታይ ስቕ ዘይንብል፡ ዘይተርፈና ምስ ኤርትራ እንተ ተራጸምናኸ? ምስ ጂቡቲ እንተ ኣራጸመናኸ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ፡" ብምባል፡ ብታሪኽ፡ ጆኦግራፊን ዓሌትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ጉዳይ "ብዙሕ ዘይድፈር" ኢሉ ዝገለጾ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ክስገር ዘይብሉ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ምዃኑ ከልዕሎ ምድፋሩ እዩ ዝዛረብ።

ዋላ'ኳ እቲ መግለጺ ብቐጥታ ንኤርትራ ዘነጻጸረ ምዃኑ እንተ ዘይነጸረ፡ ኤርትራውያን ንመግለጺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተፈላለየ ግን ሓደ ዝጥዕም ቃና ግብረመልሲ ይህቡሉ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ባሕሪ ዘይድፈር ኣርእስቲ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ግዜ ተላዒሉ፡ እኳ ድኣ ቀንዲ ጠንቂ 30 ዓመታት ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ንሱ'ዩ ነይሩ። እቲ ጉዳይ ድማ ኣብ 1993 ምስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበቶ ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ ዘኽተመ'ዩ።