እዚ ናይ ኣስመራ ከባቢታት ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ብምዃኑ፡ ነቲ በቲ ናይ ዕደና መስርሕ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ጉሉሑን ተኣፋፍን ከምዝገብሮ ስክፍትኦም ገሊጾም።
መስርሕ ዕደና፡ ምቡሕጋግ መሬት፡ ምብካል ማይን ኣየርን ዘኣመሰለ ኣከባብያዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ኮይኑ፣ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂሰብ፣ እስሳታትን ኣትክልትን ዘኸትሎ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዓቢ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።
ዕደና ወርቂ ብኣዝዩ ጥንቁቅን ውሕሉሉን ኣገባብ እንተዘይተታሒዙ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣከባብን ከውርዶ ዝኽእል ዕንወት ግሉሕ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ ቅድሚ ምክያዱ ንኹሎም እንተታት ክዳለወሉን ክውሰዱ ዝግብኦም ቅድመ ጥንቃቀ ክሰርዕን ይግባእ ክብሉ’ውን እቶም ዜጋታት ጠቒሶም።
ብዓቢኡ ድማ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሎም ከባቢታት ገዚፍ ናይ ዕደና ወፍሪ ብፍጹም ክሕሰብ ውን ከምዘይግባእ ‘ውን ኣስሚረሙሉ።
ይኹን’ምበር ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ናይ ኣስታት 40% ብርኺ ወይ ሽርኻ ኣትዩ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ነበርቲ ዓድታት ከባቢ ኣስመራ ከይተላዘበን እኹል መጽናዕቲ ከየካየደን፣ ከምኡ ድማ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ግምት ዘየእተወን ፍጹም ዘይሓላፍነታውን ዕደና ፕሮጀክት ኣስመራ ምጅማሩ፣ ኣብ ህዝብና ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብቀሊል ክግመት ዝኽእል ኣይኮነን ክብሉ ስክፍትኦም ገሊጾም።