ኤርትራ፣ ኣብዚ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዓበየ ግደ እኳ እንተነበራ፣ ኣብቲ ብ2 ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ግና ተሳታፊት ኣይነበረትን።
ህወሓት ዕጥቁ ፈቲሑ፣ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ተጀመረ፣ ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ካልኦት ካብ ትግራይ ክስሕቡ ምዃኖም፣ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ምግላጹ ይዝከር።
ኤርትራ፣ ዝበዝሐ ሰራዊታ፣ ኣብ ሰሜናዊ ትግራይ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ከምዝሰሓበት ዝተፍላለዩ ምንጭታት የረጋግጹ።
እንተኾነ፣ ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን፣ ካብን ናብን ከተማታት ዘሰጋገር ኣውራ መስመራት ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ይጠቕሱ።
ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ትግራይ፣ ኣብ ዶባት ካብ ዝርከባ ሓያሎ ዓድታት ግና ጠቕሊሉ ከምዘይስሓበ እቶም ምንጭታት የመልክቱ።