ወጋሕታ፡ ብቅብኣ ስምዒታ እትገልጽ ስደት ዘይሰዓራ ኤርትራዊት ሞያዊት

ወጋሕታ ጸሃየወጋሕታ ጸሃየ ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ቀባኢትን በዓልቲ ሞያ ሕክምናን እያ። መባእታ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ  ፍኖተ ጥበብ፡ ማእከላይ ደረጃ  ኣብ ቤት ትምህርቲ ብድሆ፡ ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ሰማእታት ተማሂራ  ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዚማ።ብድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥልያን፡ ቋንቋ ጣልያን፡ ኣብ ኣልያንስ ፍራንስ፡ ቋንቋ ፈረንሳ ተማሂራ ክትምህር በቒዓ። ኣብ 2011 ካብ ኤርትራ ክሳብ እትወጽእ ከኣ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ከም መምህር ትስርሕ ነይራ። ዳሕራይ ኣብ ሃገረ ኖርወይ፡ ነርሲንን መዲካል ሰክረታርን ተማሂራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕክምና ትሰርሕ ኣላ።ወጋሕታ፡ ኣብ 2021 ምስ ከም በዓል ሚኪኤል ኣዶናይ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ስነጥበባውያን ዝርከብዎም፡ ኣብ ኣካዳሚ 2021፡ ንሽልማት ድያስፖራ ተሓጽያ ነይራ። 

ኣባል እቲ 1500 ደቀንስትዮ ዝሓቘፈ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዓለምለኻዊ ማሕበር ‘ብላክ ገርል ሁ ፐይንት’ (Black girls who paint) ስለዝዀነት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝርከባ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ከም ማሕበር ብምጥርናፍ  ንጽባቐ ጸላም ጓለንስተይትን ብርተዐኣን ዘድሃበ ቅብኣታት ኣዳልያ፡ ብመገዲ እቲ ትካል ኣብ ዝተዳለወ መደባት ኣቕሪባ።

ኣብ ርእሲኡ ምስ ኖርወጃዊ ብጻያ ሓቢራ ብኣካል፡ ብማንዛ (ኦንላይን) ድማ ንሰለስተ ግዜ ምርኢት ኣቕሪባ።

እዛ ብፍቕሪ ኣብ ዝሞቐ ስድራ ዝዓበየት ብኣልባ እትፍለጥ ወጋሕታ፡ ስድራቤታ ገና ብኣጋኡ ንተውህቦኣ ስለዘለለዩዎ የተባብዕዋ ነይሮም።

ብፍላይ፡ ጓል 6 ዓመት ቈልዓ እንከላ፡ ዓበይቲ ስነ ጥበባውያን ዘዳለውዎ ናይ ትሕቲ ዕድመ ውድድድር ቅብኣ ምስ ተዓወተት፡ ኣቦኣን ኣደኣን ከምኡ’ውን ሓብታ ሄርሞንን ኣዝዮም ከተባብዕዋ ጀሚሮም።

ብፍላይ ሄርሞን ሓፍታ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ተውህቦ ቅባኣን ጥበብን ብቐረባ ትዕዘቦ ስለዝነበረት፡ ዋላ’ውን ነገር ቘልዓ ምስ መሳቱኣ ኣብ ጸወታ ከተድህብ እንከላ፡ “ኖእ፡ ንዒ ደኣ ብስእሊ ኢኺ ትበልዒ” እናበለት፡ ኣብ ተውህቦኣ ከተድህብ ትደፋፍኣን ተበራትዓን ብምንባራ፡ ምእንቲ ኣኽብሮት ሓብታ ንቅብኣ ከምዝጸቐጠትሉ ትዛረብ።

ኣብቲ ተወዳዲራ እተዓወተትሉ ቅብኣ፡ ኣጋጣሚ ብሚኪኤል ኣዶናይ ዝተቐብአት ስእሊ ጓለንስተይቲ ብሄረ ኩናማ ኣብ ገዛኦም ኣብ ዝነበረ ካላንደር፡ ደጋጊማ ትርእያ ብምንባራ፡ ዝደለኹሞ ብሓሳብኩም ሰኣሉ ምስተባህለት፡ ኣብቲ ውድድር ንዓኣ ብምስኣል ተሸሊማ። ኣብቲ እዋን መን እዩ ሚኪኢል ኣዶናይ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ይዅን እምበር ወጋሕታ ዳርጋ ምሉእ ሓይላ ኣብ ቋንቋን ትምህርትን ስለዝነበረ፡ ነቲ ናይ ቅብኣ ነገር ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣወንዘፈቶ።

 
መግለጺ ቪድዮ,

ብቅብኣ ስምዒታ እትገልጽ ወጋሕታ ጸሃየ

ጕዕዞ ስደትን ዕድላትን

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/81c4/live/24efdad0-96fb-11ed-b9eb-4d77f49afba5.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/81c4/live/24efdad0-96fb-11ed-b9eb-4d77f49afba5.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/81c4/live/24efdad0-96fb-11ed-b9eb-4d77f49afba5.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/81c4/live/24efdad0-96fb-11ed-b9eb-4d77f49afba5.jpg 800w" alt="ወጋሕታ ጸሃየ" width="900" height="900" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,ወጋሕታ ጸሃየ

እዛ ቋንቋ እናመሃረት ብስራሕ ርእሳ ክኢላ ትናበር ዝነበረት ወጋሕታ፡ ኣብ 2011 ንስደት ኣምሪሓ፤ ብድሆታት ስደት ንዓቕማን ዓቕላን ምስ ተፈታተኖ፡ ንኣውሮጳ ክትሰግር ብምድረ በዳ ሰሃራ ነቲ ድራር ዓሳ ክገብራ ዝኸእል ከቢድ ጕዕዞ ባሕሪ ኣሃዱ ኢላ ፈለመቶ።

ዕድል ገይራ ከኣ ኣጻምእ ሰሃራን ባሕርን ሰጊራ ናብ ኢጣልያ ኣትያ። ካብኡ ከኣ ናብ ኖርወይ ቀጺላ ዑቕባ ሓተተት። ኣብዚ ግዜ’ዚ እዩ እምበኣር ወጋሕታን ሕልማ ከተተግብር ባይታ ዝረኸበት።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኖርወይ ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ንምብርታዕን ምስ ባህግታተንን ሕልመንን ንኽራኸባን ተባሂሉ፡ ብመገዲ ሓንቲ ኖርወጃዊት መምህር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ኣስተምህሮን ናይ (ብቐጢን ብርዒ ጌርካ ብሕንጻጻት ዝሰኣል) ማንዳላ ዝበሃል ቅዲ ኣሰኣእላን ምስ መሃረተን፡ ተውህቦኣ ካብ ውሽጣ ክወጽእ ጀመረ።

ድሕሪ’ዚ ወጋሕታ እቲ ንሳ ክትገብሮ እትደሊ ነገር ቅብኣ ምዃኑ ኣጸቢቝ በርሃላ’ሞ በቲ እታ መምህር ገዲፋትላ ዝኸደት መሳርሒ ምልምማድ ጀመረት።

ድሕሪኡ ወጋሕታ እውን ንኽብሪ እታ ሕጂ ብህይወት ዘየላ ካብ ህጻንነታ እተተባብዓ ዝነበረት ሄርሞን ሓብታ፡ እቲ “ብእኡ ኢኺ ትበልዒ” ትብልኒ ዝነበርኪ ተጋሂዱ ትብላ ከምዘላ እናተሰምዓ፡ ንቅብኣ ናተይ ኢላ ተተሓሓዘቶ።

ዓቕማን ክእለታን ብምዕባይ ከኣ ሕጂ ኣዝያ ብልጽቲ ቀባኢት ኰይና ንስእልታታ እናሸጠት ክትነባበር ጀሚራላ።

እቲ ብርሳስን ፒሮን ጽቡቕ ዝስእል ዝነበረ ምዕባይ ምዕባያ ሓዋ ሄኖክ፡ ኣብቲ ፕሮጀክትታት ቅብኣ ይሕግዛ ብምንባሩ ኣብ ንጥፈታታ እወታዊ ጽልዋ’ኳ እንተሕደረላ፡ ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ካብ ውሽጥኻ ዝምንጩ ተውህቦን ድሌትን ምዃኑ ትኣምን።

ዝዀነ ይዅን ሰብ ብዝዀነ ይዅን ጕዳይ ካብ መበቈል ዓዱ’ኳ እንተረሓቐ፡ ንድሕሪት ክመልሶ ዝኽእል ብዙሕ ነገር ኣሎ።

ባህሉን ልምዱን ዝዓበየሉን ዝሓንቀቐሉን ብዝኽሪ ንድሕሪት እዩ ዝመልሶ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ ወጋሕታ፡ ዝበዝሐ ቅዲ ኣሳእላ ኣብ ክውንነትን ኮፕቲክን ዘተኰረ ምዃኑ ትዛረብ። እቲ ቅዲታት ኮፕቲክ ምስ ባህልን ልምድን ምትእስሳር ስለ ዘለዎን ንዕኡ እናረኣየት ስለዝዓበየት ልባ ዓሪፍላ ብዕግበት ከምእትሰርሖ እያ ትዛረብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሰፊሕ  ዕድላት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ኳ እንተሎ፡ ነቲ ዕድላት ተጠቒሞም ኣብ ረብሓኦም ዘውዕልዎ መንእሰያት ኣዝዮም ሒደት ምዃኖም እትጠቅስ ወጋሕታ፡ ነቲ ከፍርይሉ ዝግባኦም ዕድመ ኣብ ቲክቶክን መሕለፊ ግዜን ከባኽንዎ ከምዘይግባእ ትመክር።

እታ ቅድሚ ሕጂ ስልጠና ቅብኣን ኣጠቓቕማ ሕብርታትን ወሲዳ ዘይትፈልጥ ወጋሕታ፡ ኣብ ዩትዩብ ብዝወሃብ ናጻ ትምህርቲ እያ ብጻዕራን ሓርኮትኮታን ዓቕማ ኣማዕቢላ።

“ብሓዊ ዝምሰል ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጽቡቕን ሕማቕን ብማዕረ እዩ ዘገልግለካ። ሓዊ ብግቡእ እንተተጠቒምካሉ የገልግለካ፤ ብሸለልትነት ምስ እትሕዞ ከኣ የንድደካን የጥፍኣካን።

ስለዚ ኣብ ሶሻል ሜድያ ግዜና ምጥፋእና ዘይተርፈና እንተዀይኑ ብዕላማ ፍልጠት ንምኽዕባት ንእወታዊ ነገር ክንጥቀመሉ ይግባእ” ብማለት ንስእልታታ፡ ብኢንስታግራም ኣላልያን ኣፋሊጣን ኣብ ወብሳይታ ከም እትሸጦም ትገልጽ።

መልእኽቲ ቅብኣታታ

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/44f2/live/74586060-96fb-11ed-80d6-337feeda602f.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/44f2/live/74586060-96fb-11ed-80d6-337feeda602f.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/44f2/live/74586060-96fb-11ed-80d6-337feeda602f.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/44f2/live/74586060-96fb-11ed-80d6-337feeda602f.jpg 800w" alt="ወጋሕታ ጸሃየ ዝተሳእለ ስእሊ" width="1133" height="1456" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,ወጋሕታ ጸሃየ

መልእኽቲ ዝበዝሑ ስርሓታ ተስፋ እዩ። ስለዝዀነ ምስ ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቅን የማነ ባርያን ደርፍታት እናለገበት እያ ትልጥፎም።

ኣብ ርእሲኡ ንጽባቐ ጸላም ጓል ኣንስተይቲን ባህላን ከንቀባርቐላ ስለእትደሊ፡ መብዛሕትኡ ሰእልታታ ከም እድያት ወይ ኣብ ከም መሶብን መብልዒ ቁርስን ዘሎ ቅድታት ብብዝሒ ትጥቀም።

እታ ናይ 20 ናቕፋ ቅብኣኣ ኣዝያ እያ ትፈትዋ፤ ምኽንያቱ ተመሃሪት እንከላ ኣቦኣ ሞቅሽሽ ኢሉ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሰሙን 20 ናቕፋ ይህባ ብምንባሩ፡ ፍሉይ ተዘክሮ ስለዘለዋን እዩ።

“ሰእሊ ቋንቋኻን ድምጽኻን እዩ። ዘይስማዕ ግን ከኣ ዝርአ ቃላት ስለ ዝዀነ፡ ሓዘንካን ሓጐስካን ተንጸባርቐሉ ሕብራዊ መስትያት እዩ ኢለ እየ ዝገልጾ። ዝዀነ ነገር ከጋጥመኒ እንከሎ ከኣ ኵሉ ሳዕ ናብ ብራሾይን ካንቫሰይን እየ ዝጐዪ” ትብል።

ወጋሕታ፡ ኣብ መወዳእታ ንዅለን ብስቓይ ስደት ዝሓለፋን ዝሓልፋ ዘለዋን ኣብ ስደት ዘለዋ ደቀንስትዮ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እተን ዝንባለ ቅብኣ ዘለወን መጀመርያ ግዜ ወሲደን ምስ ነብሰን ክላለያን ናይ ምኽርን ምጽንናዕን ሞያዊ ጽሑፋት ይዅን ንውሽጠን ዘርግእ ቅዱስ መጻሕፍቲ ብምንባብ ነብሰን ክፍውሳ ትመክር።

“ኣነ ንባዐለይ ሞት ሰጊረ ብሊብያ እየ መጺአ። ግን ጸገማተይ ንድሕሪት ሓዲገ ንቕድሚት ከማዕዱ ይፍትን ኣለኹ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከኣ ከምኡ ንኽገብሩ ፈጣሪ ሓይልን ጽንዓትን ክህቦም እምነ” ብማለት ለበዋኣ ተመሓላልፍ።