ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ክልተ መዓልቲ ክልተ ወርቃዊ ዓወት ኣመዝጊባ

ኣትለት ራሄል ኣብ ውድድር ኦሪጎን [ሓምለ 2022]ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል ብ ዓርቢ 6 ጥሪ ከምኡ’ውን ሰንበት 8 ጥሪ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትለቲክስ፡ ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ኰይና ብምዕዋት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክልተ ድሙቕ ወርቃዊ ዓወት ኣመዝጊባ።ራሄል ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ስጳኛ ሳን ጆርጆ ሱ ለግናኖ ዝተኻየደ ውድድር መሮር - ካምፓቺዮ፡ ንኬንያዊት ኣትለት ማርጋሬት ኪምኬምቦይ ብ ክልተ ካልኢት ቀዲማ፡ ውድድራ ብ 19፡10 [19 ደቒቕን 10 ካልኢትን] ዛዚማ ቀዳመይቲ ኰይና።  

ኣብዚ ውድድር፡ ራሄልን ኬንያዊት መወዳድርታን ክሳብ መወዳእታ ሓያል ምትሕንናቕ ከካይዳ እንከለዋ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ራሄል ናህሪ ብምውሳኽ ንማርጋሬት ተፈንቲታ ተዓዚራ።

ካልእ ኬንያዊት ሚርያም ቻበት ከኣ ካብ ራሄል 21 ካልኢት ድሒራ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ተፈሊጡ።

ድሕሪ’ዚ ዓወት፡ ራሄል ዳንኤል ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ውድድር ካምፓቺዮ ዓወት ምጕንጻፍ ዘሐብን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ውድድር ካልአይቲ ከምዝወጽአትን፡ ነዚ ናይ ሎምዘበን ተዳልያ ከምዝመጽአትን ተዛሪባ።

“ክሳብ መወዳእታ ስካቶ ዝሃርም፡ ተታሒዘ እየ ነይረ፡” ዝበለት ራሄል፡ ነዚ ዓወት ንኽትጐናጸፍ ልዑል ድሌትን ኒሕን ከምዝነበራ ገሊጻ።

ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር

ብሰንበት 8 ጥሪ ኣብ ስጳኛዊት ከተማ ኤልጐባር ዝተኻየደ መበል 79 ውድድር ኣትለቲክስ ዓለም ‘ኢንተርናሽናል ጁዋን ሙጉርዛ’፡ እዛ ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ደጊማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባረጋን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣንጸባራቒ ዓወታት ኣመዝጊቦም።

ሻምፕዮን ኦሎምፒክ 10 ሽሕ ሜትሮ ሰሎሞን ባረጋ ኣብ ኤልጐይባር ንኻልኣይ ግዜኡ ዓወት ክጐናጸፍ እንከሎ፡ እታ 21 ዝዕድመኣ ራሄል ኣብዚ ውድድር ዝለዓለ ደረጃ ዘመዝገበት ፈላሚት ኤርትራዊ ኰይና’ላ።

እቲ ደበና ዝመልኦ ግን ከኣ ዝናብ ዘይዘነበሉ ናይ ሰንበት ውድድር፡ 7.6 ኪ.ሜ ዝሸፈነ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ርሕቀት፡ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሒት ጕጅለ ክተርፋ እንከለዋ፡ ራሄል ዳንኤል ምስ ክልተ ኬንያውያን ኤድና ጀቢቶክን ማርጋሬት ኪፕከምቦይን፡ ኢትዮጵያዊት ማህሌት ሙሉጌታ፡ ባሕሬናዊት ዊንፍረድ ያቪንን ቡሩንዳዊት ፍራንሲን ኒዮንሳባን መራሕቲ ነይረን።

ኣብዚ ውድድር’ውን ራሄል ምስ ካልእ ኬንያዊት እያ ተፋጢጣ።

እታ ክብራ ክትዕቅብ ትወዳደር ዝነበረት ኬንያዊት ኣትለት ኤድና ጀቢቶክ ዝበዝሕ ዕማም ምስሓብ ክትፍጽም እንከላ፡ እታ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሳን ጆርጆ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካምፓቺዮ ተወዳዲራን ተዓዊታን ዝነበረት ራሄል ግን ክትለቃ ኣይከኣለትን፤ ብቐሊሉ ክትስዕባ ክኢላ እያ።

እተን ካልኦት ተወዳደርቲ፡ ምስተን ነቲ ውድድር ዝቕልሳ ዝነበራ ክልተ - ራሄልን ኤድናን - ክጕዓዛ ሓያል ክቃለሳ’ኳ እንተፈተና፡ ደሓር ግን ነቲ ሓያል ፍጥነት [ስካቶ] ኤድና ክጻወራኦ ኣይከኣላን፤ እቲ ውድድር ድማ ኣብ መንጐ ኤድናን ራሄልን ጥራይ ተረፈ።

ክልቲአን ኣትለታት ክሳብ ናይ መወዳእታ ደወል ንሕንሐን ቀጺለን፤ እንተዀነ ራሄል እቲ ውድድር 600 ሜትሮ ክተርፎ እንከሎ መጥቃዕቲ ብምግባር ንመወዳድርታ ብቐሊሉ ራሕሪሓ ሕንጻጽ ፍጻመ ረጊጻ።  

እታ ኤርትራዊት ኣትለት ነታ ኬንያዊት መወዳድርታ ብሸሞንተ ካልኢት ተፈንቲታ ብ25፡43 ቀዳመይቲ ብምዃን ዓወት ጨቢጣ። እታ በይና ዝነበረት ባሕሬናዊት ያቪን 15 ካልኢት ድሒራ ሳልሰይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ።

ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪጐን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ውድድር ኣትለቲክስ 10 ሽሕ ሜትሮ ሓምሻይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ግዜኣ 30:12፡15 ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።