ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ትግራይ ይወጽእ ከምዘሎ ተገሊፁ

ክዳን ሰራዊት ኤርትራ ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዓዲ ግራት - 5 መጋቢት 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዝፀንሐ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ይስሕብ ከምዘሎ ነበርቲ ሓቢሮም።ቢቢሲ ንገለ ነበርቲ ከተማ ሽረ ዘዘራረበ ኮይኑ፡ እቶም ኣብታ ከተማ ንኣዋርሕ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ይወጹ ከምዘለዉ ሓበሬታ ረኺቡ’ሎ።ማዕከን ዜና ሮይተርስ እውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን ኣክሱምን ከምዝወጸአ ንሰለስተ ነበርቲ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ወተሃደራት ኤርትራ ዝጸዓና ሓያሎ ከበድቲ መካይን ካብ ኣንፈት ኣክሱም ክመጻን ብሸራሮ ክሓልፋን ከምዝረኣዩ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ወተሃደራት ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ከምዝረኣዩ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ምሉእ ብምሉእ ይለቁ ድዮም ዘለዉ ዝብል ግን ርግፀኛታት ክኾኑ ከምዘይከኣሉ ነጊሮምና።

እቶም ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተንቀሳቐሱ ይወፅኡን ይኣትዉን ስለዝጸንሑ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ምንቅስቓሶም ካብ መሬት ትግራይ ንምስሓብ ድዩ ኣይኮነን ምግማት ከምዘይከኣሉ እቶም ነበርቲ ወሲኹም ገሊፆም።

ኣብ ከተማታት ሽረን ኣክሱምን ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት እውን ብዙሓት ናይ ጽዕነት መካይን ዝተሳፈሩ ወተሃደራት ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 21 ታሕሳስ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ኣንፈት ከተማ ሽራሮ ክጓዓዙ ከምዝረኣዩዎ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ሓደ ረድኤት ድማ፡ እቶም ወተሃደራት ክወጽኡ ከለዉ ናይ ምስንባት ምልክት ኣእዳዎም የምበልብሉ ምንባሮም ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ራማ-ዓዲዃላ ናብ ዝርከቡ ነበርቲ ደዊሉ ዘዘራረቦም ሰባት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ቅድሚ ሎሚ ኣብቲ ከባቢ ተራእዮም ዘይፈልጡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኣንፈት ዓድዋን ኣኽሱምን ክምለሱ ከምዝረኣዩ ተዛሪቦም።

ፌደራል መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ብምርኻብ ኲናት ንሓዋሩ ከብቅዕ ኣብ ዝበፅሕዎ ስምምዕ ሓይልታት ወፃኢ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።

ሮይተርስ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ንሚኒስተር ዜና እታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል እኳ እንተሓተተ፤ እቲ ሚኒስተር ግን ብዛዕባ ንጥፈታት ሰራዊት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹሉ ኣሎ።

ንኽልተ ዓመት ኣብ ዝጸንሐ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍፃምን ትሕተ ቅርጺ ብምዕናውን ይኽሰስ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ተሳትፎ ሰራዊቱ ብወግዒ ዝሃቦ ዝኾነ ዓይነት መግለፂ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ምዕራባውያን ግን ኣብ ልዕሊኡን መንግስቲ ኢትዮጵያን “ሰራዊት ኤርትራ ይውፃእ” ብዝብል ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣሜሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰራዊት እገዳ ኣንቢራ ምህላዋ’ውን ይፍለጥ።

መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ናብ ስምምዕ ድሕሪ ምምፅኦም ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ነቲ ስምምዕ ዕንቅፋት ከይከውን ስክፍታታት ክለዓል ፀኒሑ’ዩ።