'ናብ ሩዋንዳ ምምላስና ናብ ኤውሮጳ ንኽንኣቱ ኣይዓገተናን' -ኤርትራውያን ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ሩዋንዳ ንስደተኛታት እተዕቍብ፡ ውሕስትን ምችእትን ሃገር ምዃና ይገልጽ። ይዅን እምበር ኣብ 2017 ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም፡ ግን ኣብኡ ደው ከይበሉ፡ ብመገዲ ሰሃራን ባሕርን ንኤውሮጳ ዝኣተው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።