መግለጺ ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ ብምኽንያት 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ሎሚ 24 ግንቦት 2022 ንመበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ጅግንነታዊ መስዋእትነት ንዝክረላ፡ ምልካውነትን ንህልው ኩነታት ብድሆታቱን ንገጥመላ፡ ሓርነት ንምርግጋጽ እንደገና ሕድሪ ኣለና ሕድሪ ኣቦታትና ብምባል፡ ሕድሪ ሰማእታትና ኣኽቢርና፡ ንዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ መብጽዓና እነሓድሰላ፡ ክብርቲመዓልቲ ምዃና እዩ።