ኤርትራዊት ኢንተርናሽናል ዳኛ ሱዛን ሰመረ..............

ኤርትራዊት ኢንተርናሽናል ዳኛ ሱዛን ሰመረ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሴካፋ፡ “ብልጽቲ ዳኛ” ተባሂላ ወርቂ ማዳልያ ተሸሊማኤርትራዊት ኢንተርናሽናል ዳኛ ሱዛን ሰመረ፡ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር ኣብ ንጀሩ ኡጋንዳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂንስትዮ ሃገራት ሴካፋ፡ ንዝተዋህባ ግጥማት ብብቕዓት ብምምራሓ፡ “ብልጽቲ ዳኛ ናይ’ቲ ውድድር” ተባሂላ ወርቒ ሜዳልያ ተሸሊማ።