ሊብያ፣ ዝተገፈፉ ኣሽሓት ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣባላት ሓለዋ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ተቐቲሎም

ሊብያ፣ ዝተገፈፉ ኣሽሓት ስደተኛታት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣባላት ሓለዋ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ተቐቲሎምኣብ ሊብያ፣ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ግፋ ዝተታሕዙ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት፣ ካብ ማእሰርቲ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣባላት ሓለዋ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።