መግለጺ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሳላስ ዓመታት ዘሕለፎ መሪር ቓልስን : ኣሽሓት መስዋእትነትን ስንክልናን ከፊሉ ዘረጋገጾ : ናጽነትን ልዕላውነት ሃገርና :ውልቀ መላኪ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ: ሕጂውን ከም ኣመሉ ስልጣኑ ከናውሕን ዕላምኡ ኸዕውትን: ንልዕላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣሳጢሑ : ንወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ከጽንት : ምኽልኻል ሓይልታት ኤርትራ ስግር ዶብ ሊኢኹ ኣብ ዘይምልኸቶ ኲናት ሽሚሙ ኣደዳ : ሞትን መቑሰልትን ኮይኑ ይርከብ ::