ደምዳሚ መግለጺ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ማ.ባ. ግሃድኤ-ሕድሪ) ካብ ዕለት 17 ክሳብ 20 ሰነ 2017 ዘሎ ግዜ 6ስሩዕ ኣኼብኡ ብግቡእ ኣሰላሲሉ፡፡ ኣብ’ዚ ማ. ባ. ግሃድኤ-ሕድሪ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ኣካቢቦምና ዘለዉ ኣህጉራዊ፡ ዞባዊ፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ኲነትት ብሓጺሩ ብከም’ዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል።

ተኣሲራ እትርከብ ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ሃለዋታ ንምፍላጥ ዝተግብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን ኢሎም ሰበስልጣን ኣሜሪካ

ኤርትራዊት-ኣሜሪካዊት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ካብ እትእሰር ጀሚራ ሃለዋታ ንምፍላጥ ዝተገብረ ፃዕሪ ከምዘይሰመረ ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ ይገልፁ።ኣብ ወከልቲ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣቦ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ብዛዕባ ሳሂምን ዝተኣስሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስን ሓበሬታ ሓቲቶም ኣለው።

በየናይ መምዘኒታት ከም ፈላስፋ?

ብምቕጻል ግርማይ ወ/ፊሊፖ ኣብ መስርሕ ምስልሳል ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስለ ምንታይ ክቐርበኒ ዘይመረጸሉ ምክንያት ከቕርብ ከሎ ዕላማና ክልቴና ስለ ዝፈላለ’ዩ ክብል ገሊጹ ምህላዉ ይፍለጥ። ብወገነይ’ውን ኣብ መስርሕ ምስልሳል’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ብዕምቆት ክላለን ምስኡ ዓቢ ቁም-ነገር ሓዘል ከየዕልልን ንነብሰይ ዘዕገብኩሉ ክልተ ኣብነታት ከቕርብ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ብቀዳምነት ሓደ ካብቶም ኣብ 2010 ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንምድላዉ ዝተመዘዙ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝሃቦ ዋዛ ምስ ቁም-ነገር’የ ክጅምር። መስርሕ ምስልልሳል ናይቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከይተጀመረ ከሎ፡ ሓደ ካብ ተሳታፍቲ ዋዕላ ንሓደ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምዚ ክብል ሕቶ ኣቕረበሉ። ስም ሓሙሽተ ባእታታት ብምጥቓስ፡ እዚኣቶም’ሲ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ንምንታይ ኢኹም ኣምጺእኽሞም? በሎ። ካብቶም ዝተጠቐሱ ሓሙሽተ ባእታታት ድማ ግርማይ ወዲ ፊሊፖ ሓደ ነበረ። እቲ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድማ እናሰሓቐ ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ሓዋዊሱ ከምዚ ክብል ገለጸ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብፍቓድ ኣይተሰርሐን ንዝበሎ ትካላት ኣፍሪሱ

Asmara gezaw

ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ'ዩ ንዝበሎ ኣሽሓት ኣባይቲ ዘፍረሰ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ከረንን ኣስመራን ሓያሎ ትካላት ኣፍሪሱ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ወይ ከኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ'ዩ ተሃኒጹ ዝበሎ ትካላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ'ዪ ብትራክተራት ኣዕንይዎ።

ስለምንታይ ኤርትራውያን፡ ተቐማጦ ከተማ ስያትልን፡ ከባቢኣን፡ ንፈስቲቫል መደብ ህግደፍ ይቃወሙዎ ኣሎዉ?

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዝቕመጥ ዘሎ ህዝብና ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘስካሕኽሕ ጭንቀትን፡ ጸቕጢን፡ ዝዓብለሎ መነባብሮ ይነብር ከም ዘሎ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝረሓቐ ሓቂ ኣይኮነን። ነዚ ህዝብና  ዘይተጸበዮ ኩነታት’ዚ መብዛሕትኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ህዝብና ተቓውምኡ ከረኢ ጸኒሑን፡ ጌና’ውን፡  የርኢ  ኣሎን። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሂግድፋውያን፡ ሕንኽ ከይበሉ፡ ነቲ ኩሉ ስቓያት ህዝብና ብምኽሓድ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ”ቲ ብዝተጓልሔ ድምጺ፡ ካብ  ውሽጢ ኤርትራ ዝስማዕ ዘሎ ኣውያት ኣቦታትናን፡ ዝውሕዝ ዘሎ ንብዓት ኣዴታትናን ዘስተባህሉ፡ ኣንጻር ህዝቢ ጠጠው ብምባል፡ ንመንእሰያትና፡ ኣብ ፎቖዶ ጓይላን፡ ዳንኬራን፡ ኣታሊሎም ብምስታፍ፡ ነቲ ዝርሕቆም ዘሎ ህዝብናን ፡ ዝኹንኖም ዘሎ ህዝቢ ዓለምን፡ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ ጎድኖም ከም ዘሎ ንምምሳል፡ ብግልባጥ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ናይ ገሃንመ--አሳት መነባብሮ ብሓሶት ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ ዓላምኦም።

መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ከፍልጥ ጻዊዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ነጻ ጋዜጠኛታትን ብህጹጽ ሓበሬታ ክህብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ፍሉይቲ ራፖርተር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪትሩት ጸዊዐን።

ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሓለፍቲ ሰራዊት ህግደፍ

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ኲነታት ብሓፈሽኡ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ሓበረታ ብኣብነታት ክገልጾ ከሎ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ህግደፍ ከበቲ ወጥርታት ኣለዉ። ገለ ካብ’ቲ ዝያዳ ዘዋጥሮም ዘሎ እንታይ እዩ? እንተተባህለ ኣብ ውሽጢ ገለ ሓለፍቲ ሰራዊት
ኲናት ኣየድልን ኢሎም ምኽንያት ከቕርቡ ከለዉ፣ ውግእ እንተተገይሩ መን ሒዝና ኢና ውግእ ንኣቱ? ናይ

ብስእነት ፕላስቲክ፣ ብመቕድሒ ማይ፣ ጸባ ዝሸይጥ ዘሎ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ኣብ ጥዕና ጸገም ከየምጽእ ይስጋእ

Asma milk

ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፣ ኣብ ፕላስቲክ ብምዕሻግ ንዕዳጋ ዘውርዶ ዝነበረ ጸባ፣ ብሰንኪ ስእነት ፕላስቲክ ደው ብምባሉ፣ እናተቐድሐ ዝሽየጥ ጸባ ኣብ ጥዕና ጸገም ከየምጽእ ስግኣት ከምዘሎ ብመንግስቲ እትውነን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተኣሚና።

እታ ኣብ ኤርትራ እንኮ ዝኾነት 12 ገጻት ጥራይ ዘለዋ ጋዜጣ፣ ንወነንቲ ትካላት ብምጥቃስ ብሮቡዕ 14 መስከረም ኣብ ዘስፈረቶ ዜና፣ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ውሑስን ኣተኣማማንን ጸባ ምቁራጹ፡ ንጥዕና ናይ’ቲ ብቢዶኒታት ኮነ ብመትሓዚ ማይ ዝዕደል ዘሎ ጸባ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ መዓስከር ስደተኛታት ኡም ገርጉር፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም

Gedarf

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ገዳርፍ፣ ኡም ገርጉር ኣብ ዝተባህለ ናይ ቀደም መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፣ ብሕማም ውጽኣት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ጃዕፈር ኢብራሂም ወሳካ ዝተባህለ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ካብ ዝነጥፉ ኤርትራውያን ምስ ሬድዮ ኤረና ፈነወ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያሎ ጻዕርታትን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓገዛትን፣ መድሃኒታት ሳላ ዝተገዝአ፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ተገቲኡ እኳ እንተሎ፣ ዝያዳ ውሕስነት ንኽህልዎ ግና ካልኦት'ውን ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

........ፎሮ12ን ሐጎስ1ን.......

***አብ ሜድያ ካብ ዝተዘርግሔ እዋናዊ መዘካከሪ ንደለይቲ ፍትሒ ምስሕሐብ ፎሮ12ን ሐጎስ1ን ብዝምልከት'ዩ*** እዋናዊ መዘካከሪ ንኩሎም ሰብ ሕልና ዝምልከት'ውን እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ Aካይዳ ናይ'ዚ ቃልስና ዘሕዝን ከቢድ ንእቀት አብ ልእሊ ናይ ቃልሲ ምርጫ ደቂ ሰባት ይኩን Aብ ልእሊ ሰብAዊ መሰላት'ዩ ዝካየድ ዘሎ Aብ ደምበ ፓልቶክ ብፍላይ ድማ Aብ ስመር ሩም ሐደ ዝብሉ በዚሖም Aለዉ። እዚ ገለ ተቃውሞ ናይ ኤርትራ  ዝብሃል  እንታይ  ዓይነት  ካይዳ  ይከይድ  አሎ  ዘሕፍር'ዩ። 

ፍዳታኹ ና 26 ኤመሪል ጉድናዂዲ ኤልብድናዂዲ ዋሳ፣ ፋሪዕ እክባ ሙርቛ ብሊንኹዱዂ

ሕክም ኢትይቢዩዂ እን ሰላምድ ፈድረሽን ኢትዮቢየዲ ኤርትረዲር ነበክል ቱናኹሲ ግን ግናይድ በሻቑ በሻቑ እርጋዂሲ ደንጎቢልኻ ንርትክ ኤርትረት ሒልድ ስላሕድ ዓመሙኻላ። ፋርሳን ድገ ቁር እና ዕምጭ ኒስ እግም እግምድ ፋኲ ዪኖ 1961 እክልል ፋርሳን፣ እድሪስ ዓዋተሲ መቅርሕሰዉ ና ግንፍፍ እድኖ ናከዊሲ ና ብርድ ሓረርድኖ ኣና ዊህር ዪኖ ከደን ፍኑኹ። ናት ለሄኲኑኻ  ዪና ኤንትት ዪና ተንን ዪና ክልል ዪና ገን ዪና ሻን ዪና ማስ ለመለምየንቱታት በለዲ ከውድር መታን ለብኑዂር ሰንከልኑኽር ጋይትኑዂር።

ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብደርባዊ ተፈጥሮን ብትምህርትን ‘ምበር ብውርሻ ትውንኖ ጉዳይ ኣይኮነን።

ፖለቲካዊ  ደሞክራሲ  ከም’ቲ  ገለ  ብፍላጥ  ገለ  ብዘይፍላጥ  “ፖለቲካ  ብርሕቑ”  እንተኣቲኻዮ  ተመሊስካ ኣይትወጽእን  ኢኻ።  ፖለቲካ  ማለት  ሓሶት  ማለት’ዩ።  ኣነ  ኣብ  ፖለቲካ  ክኣቱ  ኣይደልንየ  እናበሉ፡ ዘይትሕዝቶኡን  ዘይትርጉምን  ክህብዎ  ዝፍትኑ  ዝፍራሕ  ኣይኮነን።  ክትገድፎ  እንተደኣ  ኢልካ’ውን  ዝግደፍ ኣይኮነን።  ስለምንታይ’ሲ  ፖለቲካዊ  ደሞክራሲ  ምሕደራ  ህዝቢ’ዩ።  ሰብ  ኮይንካ  ኣብ’ዛ  ምድሪ  ብሰላም ክትነብር  ህላወ  ፖለቲካዊ  ደሞክራሲ  ወሳኒ’ዩ።  ፖለቲካዊ  ደሞክራሲ  ሰብ  ብሰብ  ከመይ  ከም  ዝመሓደርን ዝነባበርን፣  ምስ  እንስሳን  ባህርን  ከመይ  ተጠዓዒሙ  ክነብር  ከምዝግባእ፣ብዝተፈላለየ  መንቀሊታት ዘይምቅዳው  ኣብ  ዝኽሰተሉ  ከመይ  ከም  ዝፍታሕ፡  ሓባራውነት  ማለት  እንታይ  ማለት  ምዃኑ፡  ኮታ  ሕሉፍ ታሪኽ  ዝዕቀበሉን  ሓድሽ  ታሪኽ  ድማ  ዝስረሓሉን  ምስ  ህወት  ደቂ-ሰባት  ቀጥታዊ  ምትእስሳር  ዘለዎ  ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ።

ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ.................

ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ካብ 1991-2016 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብረት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ዝሕተትሉ ሕጋዊ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ14 ሰነ 2017 ኣብ ከመይነት ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብፍልይቲ ልእክትን ካልኦትን ዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣብ ዝሰምዐሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ምስኡ ጎና ጎኒ፡ ወከልቲ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ሕግን መሻርኽቲ ማሕበራትን ብኤርትራዊ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተማእ

ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኤርትራ ሰሚዑ

ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ዝምልከት ቃል-ምስክርነት ሰሚዑ ኣብ    ባይቶ  ኣመሪካ  ንኡስ  ጉዳያት  ወጻኢ፡  ኮሚተ  ጉዳያት  ኣፍሪቃ፡  ኤርትራ  ሸለል  ዝተባህለት  ዞባዊ  ስግኣት ብዝብል  ኣርእስቲ  ኣብ  ዝተኻየደ  ዘተ    ሐጋዚት  ሚኒስተር  ወጻኢ  አሜሪካ  ንጉዳያት  አፍሪቃ  ሊንዳ  ቶማስ ግሪንፊል፣ ክልተ ኤርትራውያ፣፡ አትላንቲክ ካውንስል ካብ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል አሜሪካ ምኽትል ዳይሬክተርን ኣብ’ቲ መድረኽ ተረኺቦም፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ቃለ-ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ድማ ከም ዝመለሱን ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ብ15 መስከረም 2016 ሓቢራ።

ደገፍቲ ህግደፍ ካብ ጌጋኦም ዝመሃርሉን ምስ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ዝባተኽሉን ወሳኒ ወቕቲ

ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ፣ ምንቅስቃስ፣ ውድብ፣ መንግስቲ ሓቀኛ ውሽጣዊ መንነቱ ካብ ዝኸተሎ ፖሊስን ዕለታዊ ተግባሩን ተበጊስካ፡ መሰረታዊ ደርባዊ ባህሪኡ መንን ንመን’ከ ይውክልን ኣቐዲምካ ብምግምጋም ክፍለጥ ይከኣል’ዩ። እዚ ሎሚ ህዝቢ ዘብርስ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ፡ ውድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ከም’ዚ ኮይንዎ ዘሎ ክኸውን ምዃኑ ቅድሚ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ር

ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ?

ኣብዚ ግዜዚ ዝኾነ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝሳተፍ ነዛ ጭርሖ፣ "ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይልገስ" እናበለ ኢዩ ዝጭርሕ ግን እንታይነቱን ትርጉሙን ግን ብግብሪ ኣየርእን ኢዩ፣ ፍትሒ ክበሃል ከሎ ነቲ ኣብ ሰነዳት ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ወዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት፣ እዚ ሰለስተ ስነዳት ዚ ድማ ብሓንሳብ ማሕደር ናይ መሰላት ወደሰብ ይበሃል ወይ ድማ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ፣ " Bill of Rights"ናይ ሓንቲ ሃገር ቅዋም ነዚ ሰነዳት ዘኽብር ዓናቅጽ ኣለዎ። ዝበዝሓ ሃገራት ኣባላት ሕቡራት ሃገራት በዚ ሰነዳትዚ ይቅየዳ። ንሕናኸ?

እቲ ናታስ ንሓማታ”

ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፍና፡ እቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደጋጊሙ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኤርትራ ከይትምዕብል ዓጊቶም ሒዞም ዘለው ናይ ደገ ሓይልታት’ዮም ብፍላይ ከኣ ናይ ኣመሪካ ዝበሎ መሰረት ገይርና፡ ቅኑዕ ሃገራዊ ፖሊስን ጥዑይ ደሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራን ዘይብሉ ጸረ-ህዝብን ጸረ- ደሞክራስን ኣብ ዝኾነ ስርዓት፡ ቅኑዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ክህሉ ከምዘይክእል፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ድማ

ኣብ ሱዲን ዘለዉ ሚስጥራውያን ሰለይቲ ይቀልዑ።

ናይ ሎሚ ጽሑፍና ኣብ ሱዲን ንዘለዉ ሚስጥራውያን ሰለይቲ ንምቅላዕ እዩ። ምኽንያቱ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝሕግዝዎ ገለ ካብ ዝጥቀመሎም ዓበይቲ ሜላታት፡ ቀዲማይ ጸጥታዊ መሓውራቱ ብረቂቕ ኣገባብ  ምውዲብን ምድልዲልን እዩ። ካልኣይ ህዝቢ ነንሓድሕደ ተኣማሚኑ ሓይሉ ተወዱቡ ንመሰሉ ተቓሊሱ ዕድመ ስልጣኑ ንከየሕጽሮ ምክልኻል እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓድነት ህዝቢ ንምብታን ከም ዝለዓለ ዕዮ ገዛ ወሲደ ብዕቱብ ይሰርሓሉ። እቲ ሳልሳይ ንእሙናት ሰበ ስልጣናት ብጉቦን ብልሽውናን ክነብሩ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዲያት ስርዓት ዯረቶም ከይጠሓሱ ኢዶም ከየእተዉ እሙናት ኣገልገልቲ ክሳብ ዝኾኑ ንሳቶም ድላዮም ክገብሩ ዕድል ምኽፋት እዩ።

዗ልኣለማዊ ዜኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!

ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ - ስዯግኤ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማእታት ኤርትራ ልዑል ክብሪ ኣለዎ። ውዴብና ስዯግኤ፡ ብዚዕባ ሰማእታት ኤርትራ ዗ለዎ ኣመለኻኽታ ይኹን ልዑል ክብሪ ዜህበሉ ምኽንያት ዴማ፥ ሰማእታት ኤርትራ ማለት፡ ኣብ እዋን መግዚእቲ ኣብ ዜተኻየዯ ቓልሲ ይኹን ኣብ 1998 – 2000 ዜተኻየዯ ውግእ በጃ ህዜብን ሃገር ክቡር ሂወቶም ዜኸፈሉ ከጠቓልል ይግብኦ ዜብል ጽኑዕ

ገባቲ ፖለቲካዊ ባህርን ካብኡ ዝምንጩ ጸረ-ህዝቢ ፖሊስን ከይተቐየረ ህዝባዊ ስነ-ጥበብ ክዕንብብ ኣይክእልን።

ስነ-ጥበብ  ከም  ሞያ  ካብ’ቶም  ሰፋሕትን  ረቀቕትን  ዓውድታት  ሓደ’ዩ።  ስነ-ጥበብ  ረቂቕን  ረቂቕ  መልእኽቲ ድማ  ዘመሓላልፍን  ኣብ  ምዕባለ  ሓደ  ሕብረተ-ሰብ  ወሳኒ  ተራ  ዝጻወት  ሞያ’ዩ።  ብመጠን  ርቀቱን  ኣገዳስነቱን ከኣ  ጥቁቕ  ኣተሓሕዛ  የድልዮ።  ተልእኾኡ  ስሒቱ  ካብ  መስመር  ከይወጽእ  ህዝባዊ  ሃብቲ  ኮይኑ  ክቕጽል፡ ኣብ’ቲ  ዓውዲ  ዝዋስኡ  ስነ-ጥበበኛታት፡  መንግስትን  ህዝብን  ነናቶም  ኣወንታዊ  እጃም  ከበርክትሉ  ይግባእ። ስነ-ጥበበኛታት  ናትና  ኢሎም  ብርእሰ  ምትእምማን  ክዋስእሉ፡  ቀዳሞት  ናብ  ዳሕረዎት  ከሰጋግርዎን ከማዕብልዎን፡  ህዝቢ ከተባብዖም፡ መንግስቲ ክኒዮ ናይ ፕሮፖጋዳ መሳርሒ፡ ድሑር ኣተሓሳስባ ኣብ ምሕጻብ፡ ሃገራውን  ሓድነታውን  ስምዒታት  ኣብ  ምህንጽ፡  ናይ  ዓያዪነትን  መንፈስ  ኣብ  ምኹስካስ፡  ኣወንታዊ  ታሪኽን ሓርበኝነትን  ኣብ  ምዕቃብ፡  ብካልእ  ዘይትካእ  ልሉይ  ተራ  ዝጻወት  ሞያ  ምዃኑ  ኣብ  ጸብጻብ  ብምእታው ሓላፍነቱ  ክዋጽኣሉ  ይግባእ።

ሰማእታትና ዝቐስኑ፡ ሕድሮም ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት እንተተኺሉ ጥራሕ እዩ፣

ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ጨቆንቲ ስርዓታት ባዕዳውያን ይኹኑ ዘቤታውያን ገዛእቲ ክሳዕ ዝሃለዉ ቃልሲ ክህሉ፡ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለወ ካኣ መስዋእቲ ክህሉ ባህርያውን ንቡርን እዩ። ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ክብሉ ንከባቢ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝኸውን “እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሎም ኣንጻር ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈሉ ዝተጋደሉ ውፉያትን ጽኑዓትን ሓርበኛታት ተቓለስቲ እዮም።

8/ መስከረም.................................

18/ መስከረም ድማ ይቕረ ድያ ክትብለልና ዋላስ ይቕረ ክንብለላ ጸሎትን ቃልስን መስከረም ኣብ ድንግርግር ዝበለ ወጅሂ ተፈታዊት  ወርሒ  መስከረም  ተስፋን  ራህዋን  ንዝቕጽላ  ዓሰርተ  ሓደ  ኣዋርሕ  ኣሃዱ  ክትብል  ካብ  ክራማት  ኤርትራ  ተቐቢላ  ባና  ጸዳላ  ናብ  ገጽ  ህዝቢ  ኤርትራ  ክትገብር  ምእንታን  ቑራዕ  ሓምሊ  ወጺኡ፡  ቁራዕ  ጠስምን  መዓርን  ክመልእ፡  ንዳእቲ  በረኸት  ተቐሚጡ ክኹመር፤  ልዕሊ  ኩሉ  ድማ  ህዝቢ  ኤርትራ  ናፍቖት  ሰላሙን  ራህዉኡን  ኣብቂዑ፤  ሓቀኛ  ዳንነት  ዝረኽበሉ  እዋን  ንኽመጸሉ  ካብ ዝምህለል ጥራሕ ዘይኮነስ ባህጉ ክዉን ክኾነሉ ብቓልዕ ካብ ዝቃለስ እንሆ ሰለስተ ርብዒ ( ¾ ) ዘመን ኣቑጺሩ፡፡

መግለጺ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ብምኽንያት ዕስራ ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

ሎሚ መዓልቲ፡ ዕስራ ሰነ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እቶም ምእንቲ ናጽነት እታ ጠርናፊትን ሓቛፊትን ኩልና ዝኾነት ኣደ መሬት ህይወቶም ዝሃቡ ጀጋኑ፡ መዓልቲ ዝኽሪ እተን ኣ...

ሕማም ሸሮኽ Collera ኣትዩ ሰባት ይቐዜፍ።

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ከም዗ረጋገጹዎ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕርን ዝባ ጋሽ ባርካን ብዘሓት ዓዴታትን ሕማም ሸሮኽ Collera ከምዜተራእየ ብህዜብን ምምሕዲራቱን ክሕበር ከምዜጸንሔ የረጋግጹ። እንተኾነ ግና ስርዓት ኤርትራ ነቲ ክቐርብ ዜጸንሔ ሓበሬታ ዕሽሽ ኢለ ኣብ ግዙኡ ግቡእ ቖሊሕታ ስሇ዗ይገበርለ፡ ዛጋታትና በቲ ግዛ ዗ይህብ ተሊጋቢ ሕማም ገሇ ከምዜሞቱ፡ ገሉኦም ዴማ ብሰንኪ ኣካሊዊ ዴኻም ኣብ ሓዯገኛ ኩነታት ጥዕና ከም዗ሇዉ ብምርግጋጽ ዜርዜራቱ ብመርትዖ ኣሰንዮም ኣቕሪቦሙዎ ኣሇዉ።

ናይ ጸገምና ፍታሕ ! ብኣና ወይስ ብጎረቤትና ?

ክሳዕ ሕጂ ዝኮለለ ዕንክሊልን ኣብ ቁረና መግፋዕቲ ዝርከብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ደንጽይዎ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኣፍደገ ተስፋ ሙቅራጽ ኣብጺሕዎ እንተተባህለ ጻዕዳ ሓቂ...

ባይቶ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኤርትራ ቃል-ምስክርነት ሰሚዑ

ብ ባይቶ ኣመሪካ ንኡስ ጉዳያት ወጻኢ ኮሚተ ጉዳያት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብዝምልከት ቃለ ምስክርነት ተዋሂቡ

እቲ ኤርትራ ሸለል ዝተባህለት ዞባዊ ስግኣት ብዝብል አርእስቲ ዝተኻየደ ቃለ-ምስክርነት ሐጋዚት ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ንጉዳያት አፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓዊሱ 2 ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃሳት ሰብአዊ መሰላት ዝኸሰሱ ኤርትራዊያንን ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል አሜሪካ አትላንቲክ ካውንስል ምኽትል ዳይሬክተርን ቃሎም ሂቦም’ለው። ካብ አባላት ኮንግረስ’ውን ንዝቀረበሎም ሕቶታት መሊሶም።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ

ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ክንብል ከለና፡ ኩልና ከም እንፈልጦ ንዝኽሪ እቶም ንክብረት በጃ ህዝብን ሃገርን ዝወደቑ ደቂ ህዝቢ ንብምዝካር እንዘራረበሉ ዕለት ኢዩ፡...

መንገዲ ናብ ኤርትራ ናይ ጽባሕ

ኣብ ትሕቲ  "መንገዲ ናብ ኤርትራ ናይ ጽባሕ"  ዲሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰይን ሓርበኚታትን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብምትሕብባር ምስ እዞም ዝስዕቡ ፓለቲካውያን ሓይልታት ዝዳሎ መበል 31  ዓመት ስፈሕ በዓል ኤርትራ ኣብ ካስል ፈስቲቫል

ኣብ ልዕሊ ውካሊት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ክሲ ተመስሪቱ

ኣብ ልዕሊ ወካሊት ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ወ/ሮ ክሪስቲን ኡሙተኒን ክኢላ ልምዓታዊ ፕሮግራም ኣብ ኤርትራ ኣቶ መንሱር ኤ ሚርዛን ካብ ዝተዋህቦም ተልእኾ ወጻኢ መሳሰይትን መዳመቕትን ጨፍላቒ ስርዓት ኤርትራ ብምዃን፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይቃላዕ፡ ዝከኣሎም ኩሉ ተጠቒሞም ይከላኸልሉ ኣለው ዝብል ክሲ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ቀሪቡ ከም

ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሉ ሰብ፡ ክድግፍ ኮነ ክቃወም ሞራላዊ ብቕዓት’የብሉን።

ሰባት  ብዛዕባ ፖለቲካዊ እምነትን መንነትን ብዙሕ መግለጺታት ክህቡ ይስምዑ’ዮም።  እንተኾነ ከም’ቲ “ካብ ጉዪይ  መዓል  ክሳድ  መሓዝ”  ዝበሃል፡  እቲ  ሰባት  በብዝመስሎም  ዝህብዎ  መግለጺታት  ኣሳሪ  ወይ  ጭቡጥ ኣዕጋቢ  መልሲ  ክረክብ  ኣለዎ።  ብወገነይ  ጭቡጥ  መልሲ  ናይ’ዚ፡  ናይ  ብሓቂ  ወጽዓኡን  ወጻዕቱን  ዘለለየ፡ ወገናውነቱ’ውን  ዝፈለየ፡  ፖለቲካውን  ማሕበረ-ቁጠባውን  ለውጢ  ንምምጻእ  በዓል  ብሩህ  ራእይ  ምዃን  የድሊ ዝብል  እምነት  ኣለኒ፡፡ 

ሰማእታትና፡ ሕድሮም ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ ተወጊዱ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት እንተተኺሉ ጥራሕ’ዮም ዝቐስኑ፣

ባዕዳውያን ይኹኑ ዘቤታውያን ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን ጨቆንቲ ገዛእቲ ስርዓታት ክሳዕ ዝሃለዉ፡ ቃልሲ ክህሉ፡ ቃልሲ ክሳብ ዝሃለወ ከኣ መስዋእቲ ክህሉ ባህርያውን ንቡርን እዩ። ህዝብታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ክብሉ ንከባቢ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝኸውን እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሎም ኣንጻር ተኸታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈሉ ዝተጋደሉ ውፉያትን ጽኑዓትን ሓርበኛታት ተቓለስቲ እዮም።

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት................

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ድሕሪ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ንገለ ጽጉማት ነገራዊ ሓገዛት ከም ዝገበረት ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት  ስደተኛታት  ብዝዓቕማ  ክትህቦ  ዝጸንሐን  ዓይነታውን  ገንዘባውን  ሓገዛት፡  ብ10  መስከረም  2016  ዓዲ ሓርሽ  ኣብ  ዝተባህለ  መዓስከር  ንዝርከቡ  ስደተኛታት  ኣገዳሲ  ኣስተምህሮ  ድሕሪ  ምሃብ፡  ኣብ’ቲ  ቦታ  ንዝርከቡ ደጋፊ  ዘይብሎም  ጽጉማት፡  ዝተፈላለየ  ዓይነታዊ  ሓገዛት  ከምዝገበረት  ብኢሜይል  ኣድራሻና  ዝመጽአና ሓበሬታ ተፈሊጡ።

ናይ ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍ ኣፍራሲ ፖለቲካዊ ሕልምታትን..............

ዝዋሃቦ ኣሰያይማን መግናይ ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍ ኣፍራሲ ፖለቲካዊ ሕልምታትን መጻኢ ሓድግኡን እናመከትና ህዝብታትናን ሃገርናን ንምድሓን ንቃለስ! ጽግተኛ ዝብል ቅጽላዊ ቃል ተራ ትርጉሙ ሓደ ሰብ፡ ተኽሊ ወይ እጽዋት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብባህሪኡ ይኹን ዓቕሚ ብምንኣስ ርእሱ ምኽኣል ኣብ ዝስእነሉ ግዜን ኩነታትን ምስ ካለኦት ተጸጊዑ ክጥቀምን ሂወቱ ክመርሕን ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት

"ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር ኤርትራ'ያ፣" ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን

Naufrage

ኤርትራ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ እንኮ ሃገር'ያ ክብል ፈረንሳዊ ምሁር ስነ ፖለቲካን ፍልስፍናን ዶክተር ዣን ባፕቲስ ገለጹ።nእቲ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘዳለወን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ከኣ ዝተፋለየ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ዝወደበን ፈረንሳዊ ምሁር፣ Eryhtree: Un naufrage totalitaire (ኤርትራ፣ ዝጠሓለት መርከብ ውልቀ መላኺ) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘዳለዋ መጽሓፍ'ዩ ነዚ ገሊጹ። ንሱ ኣብ መቕድም ናይቲ መጽሓፍ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘይብላ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ብምጥቃስ ኣብ ዓለም ከኣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ቬትናም፣ ላኦስን ኩባን ጥራይ ምዃነን ኣዘኻኺሩ።

ካብ ቃልሲ ክግለል ዝድለ ሓይሊ ክህሉ መስመር ቃልስና ኣይድግፍን እዩ፡፡

መግለጺመሰጋገሪመሪሕነትፈጻሚኣካልግሃድኤ-ሕድሪ መሰጋገሪ መሪሕነት ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ መበል ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ  ካብ ዕለት 16 ሰነ ክሳብ ዕለት 17 ሰነ / 2017 ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዘሰላሰሎ ርክብ፡ ሰፊሕ ገምጋም ዝተገበረሉ ህሉዉ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ገምጊሙ፡፡

ህዝባዊ ራእይ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ፖለቲካዊ መንነት ዘይብሎም ሰባት ይሓቁፍ፡

ከም’ቲ  ኩሉ  ዘብለጭልጭ  ወርቂ  ዘይኮነ፡  ኩሉ  ኣንጻር  ምልካዊ  ድዩ  ፋሽሽታዊ  ስርዓት፡  መሰረታዊ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ  ስርዓት  ንምምጻእ  ይቃለስ  ኣለኹ  ዝብል  ፖለቲካዊ  ውድብ፡  ሓቀኛ  ህዝባዊ  ደሞክራስያዊ  ባህሪ ዝተላበሰ  ከምዘይኮነ፡  ምሁራት  ፖለቲካዊ  ስነ-ፍልጠት  ብኣብነት  እናደገፉ  ይምህሩ።  ሓሳቦም  ምስ  ተግባሮም ምጥዕዓም  ስኢኑ  እናተላተመ  ንቕድሚት  ምስጓም  ከሊእዎም፡  ኣብ  ናይ  ታሪኽ  ጎሓፍ  ወዲቖም  ነበረ  ዝኾኑ ፖለቲካዊ  ውድባት’ውን  ውሑዳት  ኣይኮኑን።  ብኣንጻሩ  ቅኑዕ  ህዝባዊ  ራእይ  ዝወነኑ፡  ሓሳብ  ብተግባር ተርጒሞም  ዝተበገስሉ  ዕላማ  ኣብ  ሸቶኡ  ዘብጽሑ  ኣብነታውያን  ፖለቲካዊ  ውድባት  ምህላዎም’ውን  እቶም ናይ  ፖለቲካ  ተመራመርቲ  ይሕብሩ።

ኣሕውይዎ እዚ ሽምዓ

“ ብዓውታ!.....ብዘሰንብድ ድምጺ

ብሕሹኽታ!.....ንህድኣት ዘይሃዋጺ

ብነበልባል ብርሃን ብንብዓት ናይዚ ሽምዓ

ክፉእና ክትዕዘብ ስዉእ ሎሚ ንዓ ”

ንኽንብል ትብዓት እንተ ነጥሪ

'ሞ

ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ብሽክለታ ኣብ ኣሜሪካ ከም ዝተሰወረት ተገሊጹ

ካብ  2-5  መስከረም  2016  ኣብ  ኣሜሪካ  በርሊንግተን  ኣብ  ዝተኻየደ  ቅድድም  ብሽክለታ  ማለት  ግሪን ማውንተይን  ኤርትራ  ወኪላ  ንምስታፍ  ዝኸደት  ስፖርተኛ  ብምጥፋኣ፡  ፖሊስ  እታ  ከተማ  ስእሊ  ናይ’ታ ስፖርተኛ ዘርጊሑ ይደልያ ከም ዘሎ ረድዮ ኤረና ብ8 መስከረም 2016 ሓቢራ።

ናይ ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍ ኣፍራሲ ፖለቲካዊ ሕልምታትን.....

ዝዋሃቦ ኣሰያይማን መግናይ ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍ ኣፍራሲ ፖለቲካዊ ሕልምታትን መጻኢ ሓድግኡን እናመከትና ህዝብታትናን ሃገርናን ንምድሓን ንቃለስ! ጽግተኛ ዝብል ቅጽላዊ ቃል ተራ ትርጉሙ ሓደ ሰብ፡ ተኽሊ ወይ እጽዋት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብባህሪኡ ይኹን ዓቕሚ ብምንኣስ ርእሱ ምኽኣል ኣብ ዝስእነሉ ግዜን ኩነታትን ምስ ካለኦት ተጸጊዑ ክጥቀምን ሂወቱ ክመርሕን ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት

ኣገዳሲ ሓቤረታ ንደለይቲ ፍትሒ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ  ጨንፈር ስዊዘርላንድ ንዕለት 01/10/2016 ብላዕልዋይ ኣመራርሓ ዞና ኤውሮፓ ግሃድኤ - ሕድሪ ዝምራሕ ህሉው ኩነታት ውድብን ሰራዊትን ዝምልከት ሰፊሕ መብሪሂ ክህቡ ስለዝኮኑ፡  ኣብዚ ኩፉት ህዝባዊ ሰሚናር እዚ ኩሉ ጉዱስ ደላይ ፍትሒ ንኽሳተፎ ብክብሪ ንዕድም::
ዝጅምረሉ ሰዓት: 13:00 ድ/ቀ
ንገብረሉ ኣድራሻ ኣብ: ሉዘርን
Hinter Listrig 1
6020 Emmenbrucke
ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ቁጽሪ ተለፎን ምውካስ ይካኣል:-ኪዳነ 0041765035270
ተከስተ 0041765935119
ባህልቢ 0041786841328
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
12 / መስከረም / 2016

ማሕበር ስነ-ጥበብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቶም ንህዝቢ ኣቕሪቦም

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ማሕበር ስነ-ጥበብ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቶም ንህዝቢ ኣቕሪቦም

ብኤርትራውን ስደተኛታት ማሕበር ስነ-ጥበብ ዝተዳለወ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት “ ብድሆ ንሙሉእ ናጽነት ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ድሙቕ ቴማ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ 02 / ሰነ / 2017 ኣብ ኣዳራሽ ፋና ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ካብ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንልዕሊ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ መሳጢ ስነ-ጥበባዊ ምርኢት፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ፍርያቱን ጸዋዒቱን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዚ ዘለዎ ናይ ጨቆናን ምልካውን ስርዓት ህግደፍ ክገላገል እንተዳኣ ኮይኑ እታ ሓንትን ኣማራጺ ዘይብላን ትዕድልቱ ኣብ ብዙሑነቱ ዝተሰረተ ሓድነቱ ኣትሪሩ ንሙሉእ መሰሉን ንዋጋ ራህዉኡን ከም ቀደሙ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ቃልሱ ከሐይል ዝጽዉዕ ኢዩ ኔሩ ክብል ዝገለጸ ወኪል ዜናን ባህልን መሰጋገሪ መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ኣዳራሽ ማ.ስ.ኤ.ስ ንብዙሑነትና ብዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ብዝተፈላለየ ናይ ብሄራትና ቋንቋን ትልሂትን ጆባእ ኣብ እትብለሉ ዝነበረት ሰዓታት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላትን ገለ-ገለ ኣባላት ውድባት'ውን ተሰተፍትን ተቋደስቲ እቲ መኣዲን ኮይኖም ምምስዮም ሓቢሩ፡፡

እዛ ቀጺላ ትቐርብ ናይ ደርፊ ግጥሚ ድማ ብድምጻዊ ወዲ ጋፎ ተደሪሳ ዝቐረበት እያ፡፡

ዓጀ

ዓጀ ዲባ ትወለድኮ  ወ ዲባ ዓቤኮ

እብ ምራጀ ይኮ ለሬምኩዋ

ወ እብ ምራጀ ይኮ ለትፈንቴኩዋ

ህላዮታ ኣናዲ ሰካብ ከልኤኒ

ስኒን ወዴት ዎ ኣብ ሑር ትዓደት

ሚቱ ገቢ ለዓዛባ

ሕዋት ሸነት ሳእሎባ

እግል ዓድና ሕና ቱ ድዋሃ ወ ስራያ

ወ ምን ሬይም ኩልናቱ ንተምነያ

ትታኬና ህሌት ግል ንሰደያ

ዓድ ፍትሕ ወ ራየት ግል ኒደያ

ሕዋት ንትከምከም

መትሃገይ ግዋር ጋእና ወ ዓለም

ዓድና እግል ነድህር ዎ ንትዓለም

እብ ዓመልቱ ዓወቴና ይኮን እብ ሕልም

 

 

 

 

ኣውከር ገድም ኪፋና ድራር ጋባት ዎ ኣሊሚት

ነቅብል ዲባ ጌሬማን ጸገብናሃ ለእኪት

መፍቶ ሳህራ ጋእና ወ ኣራዊት

ጃህር ገድም ከፍዮ ወ የተመት ሱሩጊት

ምን ትሰፋለል ሓቃቱ

ብሩር ወ ባሓር ምድራቱ

ሕሽመት እምበል ወጣን መራርታ ወ ሕልምታ

ሕሽመት እግል ህግደፍ መራርታ ወ ሕልምታ፡፡

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ !!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

03 / ሰነ / 2017

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

 

 

 

 

      

ፈስቲቫል ካስል ሎሚ ' ውን ከም ወትሩ መናሃርያ ደለይቲ ለውጢ እምበር፣ ሜዳ ቀተልቲ ብን፣ መጋለቢ ኣፍራስ ጃንዳ ህግደፍን ኣይኸውንን!!

እዚ ኣቲናዮ ዘሎና እዋን ወይ ድማ መድረኽ፣ መድረኽ ተቓላላዕ ኢዩ፣ ኣብ ዘለዋ ናይ ብዙሃን መራኸቢ ዝበሃልን ዝስማዕን ዘሎ ቁም ነገር ሓዘል ዕላልን፣ ንታሪኽ ዝምልከት ገለጻታትን፣ ሓበሬታትን ብዙሕ ኢዩ። እዚ ብሓቂ ጽቡቕ ዕድል ኢዩ፣ ሓሳባት እንተ ዛርዩ፣ ሓበሬታት እንተበዚሑ መፍትሒ ናይ ሽግርና እውን ክርከብ ይከኣል ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ።

ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን

ህዝባዊ  ኣኼባ  ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ  ሽቱትጋርትን  ከባቢኣንታሪኻዊ መጸዋዕታ ንታሪኻዊ  ዘተ„“ ብህዝቢ  ካብ ህዝቢ  ንህዝቢ

ጋዜጣዊ መግለጺ!!

ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ(ስትራተጂ ዓዲ) ንAባላቱ ይኹን ንሰልፉ ድሕር ከይበለ ከምዝከላኸል ንደለይቲ ፍትሒ የፍልጥ። ብመንገዲ ፓልቶክ AብልEሊ Aባል ሰልፊ ጉባኤ ኤሪትራ(ስትራተጂ ዓዲ) ወሪዶም ዘለዉ ክስታት ከበድቲ Iዮም። ከምU ስለዝኮነ፡  ምንጭታት  ናይቶም  ክስታትን፡  ነቶም  ተሰንዚሮም  ዘለዉ  ክስታትን ከጽንE ስልፍና ሓላፍነት ኣለዎ። ከምU ስለዝኾነ ድማ ብውሽጣዊ Aገባብ ሰልፍናን መስመራት ሰልፍናን ሓቅነትን ዘይሓቅነትን ናይዞም ክስታት መጽናEቲ ክንገብር
Iና። ውጽIት መጽናEትና ንደለይቲ ፍትሒ ከነፍልጥ Iና። ክሳብ ሽU ግን ብትEግስቲ ተጸበዩና።

ኣህጉራዊ ገበን ኣብ ሓለብ !

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ: ብ ገለ ግላዊ ምኽንያት ካብ ዘይጽሕፍ ዳርጋ 2ይ ወርሔይ ኮይኑ`ሎ ፡ ሕጂ ዝጽሕፍ ዘለኹ ኸኣ እቲ ደው ዘበለኒ ምኽንያት ስለ  ዘብቀዔ ኣይኮነን ግና  ሎሚ ዕለት 23/09/2016 ዜና እና ተኸታተልኩ  ሩስያ  ንግሆ ምድሪ ኣብ ሓደ ዞና ናይ ከተማ ሓለብ ኩኑን መሳርያታት ከይተረፈ ተጠቂማ (ምስ ኩርኩራ) ክሳብ 150 ደብዳብ ከምዘካየደት፤ ናይቶም ረዳእቲ(ሲቪላዊ ምክልኻል)መደበራትን መካይንን ከም ዝተሃስየ …………  ብዙሕ ሰብ ከም ዝሞተ እቲ ጋዜጠኛን ካሜራን እናገለጹ፤ እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓዊ ኮይኑ ወሬ ዘማሓላልፍ ጋዜጠኛ ኸኣ ነፍሱ ሒዙ ጸኒሑ ገና  ካሜራ ከይተኣልየት ንብዓት ምስ ስዓሮ ፤ ካብቲ ክገልጾ ዝጸነሔን ካሜራ ከተርእየና ዝጸነሔትን ዝኸፍኤ ሃለዋት ከምዘሎ  ተራእየኒ`ሞ ተሰምዑኒ ሓዚነ፤ ሓዘነይ ክገልጽ ከኣ ነይሩኒ።

እዚ ህዝቢ`ዚ ዝህሰን ዝድብደብን ዘሎ ጥራሕ ዘይኮነ፤  ዓለም ስቅ ኢሉ የደብድቦ ከም ዘሎ ዝስመዖ ዘሎ  ህዝቢ `ዮ ። ኩቡር ኣንባቢ ብዓይኒ ሕልናኻ  ህዝበይ እንተዝኸውን` ከ ?እቶም ህጻናት ደቀይ ነይሮም እንተዝኾኑ` ኸ ?እናበልካ ነቲ ጉዳይ ምርኣይ እንተኺእልካ ሰብ ክገብረካ`ዩ ። ነቲ ዘይ ጭበጥ ጂኦ ፖለትካዊ መስመራት (ዶባት)ኳ ዝኣመንካሉ ከመይ ነቲ ዶብ ኣልቦ ሰብኣውንት ዘይትኣምነሉን ዘይትምእዘዘሉን !!?

እቲ ኹሉ ኣብ 1ይን  2ይን  ውግእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣውሮጳ ዝወረደ ጥምየት፡ ሕማም፡ ቅዝፈት፡ ዕንወት ትሕተ ቅርጻን ማሕበራዊ ናብራን ፤ ሎሚ ድሕሪ 71 ዓመት ተዋጋእቲ  1ይ 2ይ ውግእ ዓለም ዳርጋ ብምለኦም ሞይቶም ኣብ ዓለምና ዘየለዉሉ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለብ ይፍጸም ኣሎ !!!!!!

እቲ ፍልልይ ኣብ 1ይ 2ይ ውግእ ዓለም  ተዋጋእቲ ሸነኽ ብነፈርትን ጸሬ ነፈርትን ……….. ኮታ  ዕጥቂ ዒቅ ዝበሎም ሸነኻት`ዮም ነይሮም። ኣብ ሓለብ ግና ይትረፍ`ቲ ህዝቢ እቶም ሰውራውያን ተጋደልቲ`ውን እንተኾኑ ግደፍ ነፈርቲ ጸሬ ነፈርቲ ዘይብሎም`ዮም፤ ስለምንታይ ንዝብል ግምታዊ ሕቶ  ኣንቢርና ኸኣ፤ ዓለምና  ስዕረቶም እምበር ዓወቶም ስለ ዘይደሊ`ዩ ዝብል መልሲ`ዩ  እቲ ልክዕ።

ብ 2003 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዒራቅ ኣመሪካ ዝገበረቶ ወራር እንታይ ከም ዝወለደን ንዓለምና  ዘናውጽ ጥሩፍነት ከም ተጻይ መልሲ ክፍጠር ከም ዝገበረን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ሕጂ ኸኣ ሂትለር 21 ክፍለ ዘመን ቦተን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅትለት ዓገብ ዘይምባል ኣህጉራዊ ገበን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጽባሕ እንታይ ተጻይ መልስን ኣተሓሳስባን ከም ዝፈጥር ምግማት ዘሸግር ኣይኮነን

ኣባ ጉምባሕ`ውን ዛግራ`ዩ ባሃሊት ሩስያ፤ እወ! ሓንሳእ ሓንሳእ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይኸውን`ዩ  ባሃሊት ኣሜሪካ፤ ንህዝቢ ሶርያ ብቀጥታ፤ ንዓለምና ኸኣ(ንደቂ ሰባት)ብተዘዋዋሪ መንገዲ  ናብ ዘይተፈልጠ ጽባሕ ይመርሕዋ ኣለዉ። AAHafiz ( ) 23/09/2016

ካብ ተሃድሶ ቦናፓርቲዝም ናብ ተሃደሶ ፀቢብነት፤ ወድዓውነት ዶ ወይስ መኣዝን ምስሓት?

ውድባት  ብፍላይ  ከኣ  ገዛእቲ  ውድባት  ኣብ  ምዕባለ  ፓለቲካዊ  ጉዕዝኦም  ፈተንቲ መድረኻት  ክገጥምዎም  ከለው  ውሱን  ወይከኣ  ሙሉእ  ምትዕርራያት  ክገብሩ  ግድን  እዩ፡፡ ሙሉእ  ምትዕርራይ  (ተሃድሶ)  ወይ  ውን  ውሱን  መጠነኛ  ለውጢ  ክሳለጥ  ዝውስን  ከኣ  እቲ ዘጋጥም  ነቲ  ፓርቲ  ንቕድሚት  ከይኸይድ  ዝሓንቕ  ማሕለኻ  ይኸውን፡፡  ምናልባት  ኣብ ቀፃሊ  ምርመራን  ፈተነ  ጥዕናን  ዝርከቡ  ውድባት  ነገራት  ኣቐዲሞም  ምስ  ዝሪኡ፤  መስርሕ ፓለቲካ  ዝመርሕዎ  ፖለቲካል  ቁጠባ  ኣዝዩ  ፈታኒ  ዝኾነ  ሳዕቤን  ከይፈጠረሎም  ፀገማቶም ሰለዘማእዝኑ  በበግዚኡ  ተመለላእቲ  ለውጥታት  እንዳምፅኡ  ይቕፅሉ፡፡  ብኻልእ  ገፅ  ከኣ በበግዚኡ  ዝፍጠሩ  ፀገማት  ከይተፈትሑ  ብምትራፎም  ምንቁልቃል  ኣንሳዕሪሩ  ንህልውና
ውድብን  ዝመርሕዎ  ሕ/ሰብን  ፈታኒ  ምስ  ዝኸውን  ናይ  ግድን  ናብ  ተሃደሶ  ክኣትዉ ይግደዱ፡፡

ናይ ኤውሮጳ ሚስጥራውያን ሲቪል ሰሇይቲ ይቐልዑ!

ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ኣብ ጀርመንን ሽወዯንን ዜርከቡ ሚስጥራውያን ናይ ወጻኢ ሲቪል ሰሇይቲ ንምቕሊዕ፡ ኣብቶም ቐንዱ ወዯብትን ተዋሳእትን ዗ተኮረ ብመርትዖ ዜተሰነየ መጽናዕታዊ ሰነዴ ነቕርብ ኣሇና። ንመንነቶም ዜሕብር ሙለእ ስምን ዴሕረ
ባይታን፡ ዜወሰደዎ ተክኖሎጂካውን ስሇያውን ስልጠና፡ ርቐት ናይ ኣወዲዴባን ዯሞዝምን....... ወ዗ተ የጠቓልል። ብተወሳኺ ዴማ ጃፓናውያን መሃንዴሳት፡ ንስሇያ ኤርትራ ዗ገልግል ዜሃነጹዎ ናይ ተክኖሎጂ ትካል ንሰሇይቲ ሞያዊ ስሇጠና ይወሃበለ።

ዕሊምኡ፡ ዯጋጊምና ከምንገልጾ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዗ይቕየር ኣዕናዊ እስትራተጅን ፖሉስን ኣሇዎ። ንሱ ዴማ ዕዴመ
ስልጣኑ ንምንዋሕ ስሇያዊ መሓውራቱን ኣወዲዴብኡን ንምምዕባይ ኩለ ዜከኣሎ ይገብር። ስሇዙ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዜጸንሖ
ዉህለል ተሞኩሮን ብቕዓትን ስሇያ፡ ብ዗መናዊ ረቒቕ ተክኖሎጅን ሞያዊ ስርዓተ ርክብን ኣወሃሂደ የስፍሖ። እዙ ጸጥታዊ
ውዱት ዴማ ንፖሇቲካውን ፕሮፖጋንዲውን ጎስጋስ ወሲኹ ይፍጽሞ። ኩለ ዜኽተሎ ኣዕናዊ ፖሉሲ ዴማ ብዋጋ ሓዴነት
ህዜብን ሃብቲ ሃገርን ዜፍጸም ዕሊማ ዗ሇዎ ሓዯገኛ እስትራተጂ እዩ።
ናይ ጸሊኢኻ ብልጫ ዴማ ንዯምበ ተቓዉሞ ዓቢ ብዴሆ እዩ። ስሇዙ ብኩውንነታዊ ኣገባብ ምግምጋም ቕኑዕ መዯብ ከነውጽእ
ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ከነዋሃህዴ ውዴዓውን ዜትግበርን እስትራተጂ ኮይኑ ንዕወተለ። ብኣንጻሩ ግና ብዚዕባ ጸሊኢኻ ጉጉይ
ሓበሬታን ገምጋምን ምስ ዜህልወካ ዴማ ተውጽኦ ጉጉይ እስትራተጂ ይፈሽሇካ ዋጋ የኽፍሇካ። ምኽንያቱ ንማሕበራዊ ሇውጢ
ካብ ዜውስኑ መሰረታዊ ምኽንያትን መትከልን'ዩ ዜብል ኣገሊልጻ ሳይንሳዊ ሓቒ እዩ። ተሞኩሮ ቓልሲ ህዜቢ ዓሇምናን ሃገርናን
ዴማ ኣብ ባይታ ዗ረጋገጾ ግብራዊ መም዗ኒ እዩ።
ሚስጥራውያን ወዯብትን ሲቪል ሰሇይትን ኣብ ጀርመን ።
ተ/

ምለእ  ስም  ጾታ  ዜ/ዓመተ/
ምህረት
ዯ/ትምህ  ኣዴራሻ  ኤውሮፓ
ዜኣተወለ
ድሞዜ
€;EUR
ስራሕ    ስም ኣዯ
1  ኪዲነ የማነ ሃብተስሊሰ  ተባ   1986    11+2  ጀርመን   2010  1,600  ስ/ስሇያ  ኣዴሓነት ዯስታ
2  ሳሚኤል በርሀ ሃብተ  » »   1989    11  ጀርመን   2014  700  ስ/ስሇያ  ኣዛብ ገብረማርያም
3  ዲንኤል ፍሰሃ ዓንዯብርሃን  » »   1987    11  ጀርመን   204  700  ስ/ስሇያ  ትብሇጽ መብራህቶም
4  ትርሓስ መንግስ ዑ/ባልዯት  ኣን   1990    11  ጀርመን   2014  700  ስ/ስሇያ  ሇተብርሃን ካሕሳይ
5  ሙሴ ከሰተ ክፍሇ  ተባ   1991    11  ጀርመን   2014  700  ስ/ስሇያ  ርብቓ ሓጎስ
ሚስጥራውያን ወዯብትን ሲቪል ሰሇይትን ኣብ ሽወዯን።
ተ.ቁ    ምለእ ስም  ጾታ  ዜ/ዓመት  ዯ/ትምህ  ኣዴራሻ  ኤውሮፓ
ዜኣተወለ
ድሞዜ
€;EUR
ስራሕ    ስም ኣዯ
1  ነጸረኣብ ፍቃደ ገ/ታትዮስ  ተባ  1982   10  ሽወዯን  2011  1,400  ስ/ስሇያ  ነገሰት ገብሪህወት
2  ዓብሎሎም ሓዴሽ ባህታ  » »  1988    11  ሽወዯን  2012   700  ስ/ስሇያ  ምሕረት ፍቃደ
3  ኣቤል ሃብተ ተስፋሚካኤል  » »  1979    11  ሽወዯን  2014   700  ስ/ስሇያ  ጸጋ ባይረ
4  ኣርሴማ ተወልዯ ዯስታ  ኣን  1989    11  ሽወዯን  2014   700  ስ/ስሇያ  ሇተብርሃን ጸጋይ
ዜርዜራዊ ሓበሬታ ወዯብትን ሰሇይትን ኤውሮጳ ።
1- እዝም ዜተጠቕሱ ሰሇይቲ ካብ ብዘሓት እቶም ቐንዱ እዮም። ንሳቶም ኣብ ኤርትራ ኮሇዉ ከም ሚስጥራውያን ሲቪል
ሰሇይቲ ተመልሚሎም። ገሉኦም ዴማ ብፍለይነት ንስርዓተ ርክብ ዗ወሃህዴ ተክኖሎጂካዊ ስልጠና ወሲድም። ኩሎም ፍለይ
ስሇያዊ ተልእኾ ሒዝም ብመዯብ ንኤውሮጳ ዜካኣተውለ ግዛ ኣብ ሞንጎ 2010 -2014 ኣብ ዗ሎ ሓጺር ዓመታት እዩ።
2-  ክሉ ዕዴመ ሰሇይቲ ብጀካ ክልተ ሰብ፡ ዜተረፉ ኩሎም ኣብ ሞንጎ 25 - 30 ዓመታት ዗ሎ ዕዴመ መንእሰያት እዮም።
* ኣቤል ሃብተ ተስፋሚካኬል ተቐማጣይ ሽወዯን ካብ ኩሎም ዜዓበየ ኣብ 1979 ዜተወልዯ ወዱ 37 ዓመት እዩ።
* ነጸርኣብ ፍቃደ ገብረታትዮስ ተቐማጢ ሽወዯን ዴማ ዴሕሪ ኣቤል ዜስራዕ ኮይኑ ኣብ 1982 ዜተወልዯ ወዱ 36
ዓመት'ዩ።
3- ኣብ 2011- ናይ ኮምፒተርን መጽናዕትን ትካል ተመስሪቱ ብሓዯ ጡረተኛ ጃፓናዊ መሃንዴስ። እዙ ትካል'ዙ ኣገልግሎቱ
ንስሇያዊ ስርዓተ ርክብ ንምክትታትል የገልግል። ብሃገራዊ ዴሕነት ስሇዜመሓዯር ዜተመርጹ ሰባት ብስሇያን ብሞያን ከሰልጥን
ኮነ ኢልካ ብመዯብ ዜተሃንጸ ትካል እዩ።
ጃፓናውያን መሃንዴሳት ረቒቕ ናይ ስሇያን ተክኖሎጅን ትካል ይሃንጹ።
ስሇያ ኤርትራ ኮነ ኢለ ብመዯብ፡ ጡረተኛታት ጃፓናውያን መሃንዴሳት ዴማ ንቑጠባዊ ረብሓታቶም ብኮንትራት እንታይ
ይሰርሑ?
1- እቲ ኣብ 2011 ብስሇያ ዜመሓዯር ናይ ኮምፑተርን መጽናዕታውን ትካል ተመስሪቱ ዜበልናዮ፡ ጃፓናዊ መሃንዴስ ቕዴሚ
ጡረታ ምውጽኡ ኣብ ሃገሩ ኮሎ ብሞያዊ ፍልጠቱን ክእሇቱን፡ ብ- Inernational Courses in Intelligence Science &
Technology, in Kyoto Japan ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ነይሩ። ጡረታ ምስወጸ ዴማ ንኤርትራ መጺኡ ናይ ኮምፑተርን
መጽናዕትን ተክኖሎጂካዊ ትካል ንምምስራት ምስ ሃገራዊ ዴሕነት ኮንትራት ወሲደ ሃኒጹዎ። ንሱ ንስርዓተ ርክብ ዜምልከቱ
ኣብ ዜተፈሊሇዩ መንግስታዊ ትካሊት ከይደ ይሃንጽ የወሃህዴ። ሃገራዊ ዴሕነት ዴማ ንስሇያዊ ኣገልግሎት ስሇዜጠቐመለ ሰባት
ብስሇያን ብሞያን የሰልጥነለ። ከም ብነትን መረጋገጽን ንምጥቓስ፡
* ኣቤል ሃብተ ተስፋሚካኬል ሽወዯን፡ ኣብ ኤርትራ ኮሎ ሓዯ ካብቶም ሚስጥራውያን ሲቪል ሰሇይቲ ኮይኑ ኣብ'ዙ ትካል'ዙ
ናይ ሰሇስተ (3) ኣዋርሕ ስልጠና ወሲደ. ወርሓዊ ዯሞዘ ዴማ Euro 700 ኤውሮ ተሰሉዕለ ኣብ 2014 ስሇያዊ ተልእኾ
ሒዘ'ዩ ብመዯብ ንሽወዯን ኣትዩ።
2- ኣብ ኤርትራ ካልኦት ክልተ  ጃፓናውያን መሃንዴሳት ኣሇዉ። ንሳቶም 1- Arata - Hikaru 2- Reiko Aoi ይበሃለ።
ቕዴሚ ን ኤርትራ ምምጽኦም ኣብ ሃገሮም ኣብቲ ብ- 1976 ዜተመስረተ ቶዮሃሺ ናይ ተክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ Toyohashi
University of Technology, TUT በቲ ናይ መሃንዴስ ሞያን ክእሇትን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ መማህራን ነይሮም።
እዙ ናይ ጃፓን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዗ቕርቦ ስታተስቲክስ(statistics)ከምዜሕብሮ፡ ካብ 2009 - 2016 ዗ሎ ግዛ ካብ እስያን
ኤውሮጳን፡ ካብ ሊቲን ኣመሪካን ኣፍሪቓን ብሓፈሻ፡ 163 ወጻእተኛታት ተመሃሮ ከም዗ሰልጠነ ይሕብር። እቲ ስታተስቲክስ
ብተወሳኺ ካበየናይ ሃገር ክንዯይ ተመሃሮ ከምዜሰልጠኑ  የነጽር። ካብቲ ጠቕሊሊ ብዜሒ እቶም 12 ተመሃሮ ዴማ ካብ 6-ሃገራት ዜመጹ ኣፍሪቓውያን ምኻኖም ይሕብር።  
3-  ስሇዙ ኣብ 2014- በዝም ክልተ ዜተጠቕሱ ጃፓናውያን መሃንዴሳት፡ Social Media ንማሕበራዊ መራኸብታት
ንምክትታል ይኹን ምቑጽጻርን ዜሕግዜ፡ ብተ዗ዋዋሪ ኣገባብ ስሇያዊ ኣርዓተ ርክብን ጠሇፋን ዗ገልግል ናይ ተኮኖሎጂ ትካል
ሃኒጾም።
*  እዙ ዜተሃንጸ ስሇያዊ ትካል ንክልተ ኮርስ ሞያዊ ስልጠና ሂቡ ኣሎ። ሓዯ ኮርስ ዴማ ሽደሽተ (6) ኣዋርሕ ይወስዴ።
* ኣብ ቑጽሪ 1- ናይ ሽወዯን ተጠቒሱ  ዗ሎ ሚስጥራዊ ሰሊዪ ኤርትራ፡ ነጸርኣብ ፍቓደ ገብረታትዮስ ዜበሃል ወዱ 34- ዓመት
እዩ። ንሱ ኣብ ኤርትራ ኮሎ ኣብቲ ትካል ሓዯ ካብቶም ናይ 6- ኣዋርሕ ኮርስ ዜወሰዯ እዩ።
*  ነጸርኣብ ፍቃደ ብግቡእ ተመልሚለ ናይ ስሇያ ተልእኾ ሒዘ ብመዯብ ዜተሊእከ እዩ ንሽወዯን ኣብ 2011። ብስሇያ
ዜኽፈሎ ወርሓዊ ዯሞዘ ኤውሮ 1, 400 Euro ኮይኑ፡ ናይ ስካንዱናቭያን ሃገራት፡ ማሇት ናይ ሽወዯንን ኖርወይን፡ ናይ
ዯንማርክን ፊንሊንዴ ወዲብን ጠርናፍን ናይ ሚስጥራውያን ሲቪል ሰሇይቲ እዩ።
ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዗መሓሊልፎ ሇበዋ ።
1- ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ መሰረታዊ ጠንቒ ናይ ኩለ ሽግራትን ዕንወትናን ስሇዜኾነ፡
ተሓታትነቱ ዴማ ክስከም ይግብኦ ዜብል ነቕ ዗ይብል መትከል ቐዲምነት ሰሪዑ ንምዕዋቱ፡ ከም እስትራተጂ ኩሇ እንትናዊ
ኣገባብ ቓልሲ ከም ምርጫ ወሲደ ዓቕሙ ዗ፍቕድ ጻዕሪ ብምክያዴ ወትሃዯራዊ ስርሒታትን ዓወቱን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ስርዓት፡ ንስሇያዊ መሓውራቱን ብልሹው ምምሕዲሩን ኣብ ኩለ መዲያት ንምቕሊዕ ዴማ፡ ብውፉያት ዯባይ ኣሃደታትና
ብሓያል ጻዕርን ተወፋይነትን ክቐርቡ ዜጸንሑ መጽናዕታዊ ሰነዲት መርትዖታቱን ንህዜብና ከነፍልጥ ግዳታ ከም዗ሇና ኣሚና
ብዓቕምና ኣስተዋጽኦ ምግባር ንገብር ሕልናዊ ዕግበት ከምዜህበና ንኣምን። ነቲ በብጊዙኩ ክገሇጽ ዜጸንሔ ፍጻሜታት ዴማ
ዛጋታትና ነቲ ዜፈልጥዎ ሓቂ ኣዴሚቖም ካልእ ወሲኾም ብምህብታም ብቃሇ ምስክርነቶም ስሇዜሃብለ፡ ነቲ ሓበሬታ ዴማ ናብ
ኩለ ክዜርጋሕ Share ብምግባሮም ንህዜባዊ ተሳታፍነቶም ከም ንሕበነለን ከምነመስግኖን ዯጊምና ከነረጋግጽ ንፈቱ፡
ምኽንያቱ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ምስ ዗ይሓሊፍነታዊ ባህርያቱ፡ ብስሇያውን ፖሇቲካውን  መሓውራቱ ኣብ ልዕሉ ህዜብና
ዜፍጸሞ ዗ሎ ገበናት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰሊትን ኩሎም ሕማቕ ተግባራቱ ዯሚርካ ፈጢሩዎ ዗ሎ ዕንወት ንወሇድታት ይኸይዴ
ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ዴማ ኢኮኖምያውን ፖሇቲካውን ቕልውሊው፡ ዗ይርጉእ ጸጥታዊ ኩነታት ሃገርና ዜወሇድ ስዯትን ማሕበራዊ
ምዜንባል ይዓቢ ስሇ዗ሎ፡ ከም ህዜብን ሃገርን ናብ ኣዜዩ ሓዯገኛ ኩነታት ነምርሕ ከም዗ሇና ኩልና ንግን዗ቦ ሓቒ እዩ።
ስሇዙ እዙ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዗ሎ ዴማ፡ ንኸፍሎ ዗ሇና ኩለ ዓይነት ዋጋ ክውስኽ'ምበር
ከም዗ይጎዴል ንኹልና ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ዕዴመ ስልጣኑ ከናውሕ ኩለ ዜከኣሎ ክገብር ኣማራጺ የብለን። ንስሇያዊ
ኣገልግሎት ክጥቐመለ ብጃፓናውያን መሃንዴሳት ን዗መናዊ ተክኖሎጂ ንምህናጽ ይኹን፡ ሞያዊ ስልጠና ሚስጥራውያን ሰሇይቲ
ምምልማል፡ ወርሓዊ ዯሞዝም ካልእ ናይ መሳሇጥያን ተክኒክን ወጻእታት ዯሚርካ ተሓታትነት ዗ይብለ ዓቢ ባጀት ሃገር ይባኽን
ኣሎ፡ ምስ ሰይጣናዊ ዕሊምኡ ኣዚሚዴካ ዴማ ብዕምቖት ምግምጋሙ ኣገዲሲ እዩ። ምኽንያቱ ኩለ ብዋጋ ህዜብን ሃብቲ ሃገርን
ዕዴመ ስልጣኑ ምንዋሕ ስሇዜኾነ። ብኣንጻሩ ብተቓዉሞ ዯምበ ዕዴመ ስልጣኑ ንምሕጻር፡ ክሳራና ንምውሓዴ ብቐንደ ሰሊምን
ራህዋን ህዜብና ንምርግጋጽ፡ ነዙ ሓያል ብዴሆ ክንዕወተለ ሓቢርና ክንገጥሞ ከምዜግብና ሇበዋና ነቕርብ።
ክፍሉ ዛናን ባህልን ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ። www.erifront.com Email: uedf2012@gmail.com 

ኣፈታትሓ ግርጭት መሰረትን መሪሕነትን ኣይመርጽን።

ዓለምና ብመሰረቱ መድረኽ ቃልሲ ስለዝኾነት ንፍሉይን ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝጠልብን ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ዕለታዊ ናብራኻ መሊኽካ ንኽትነብርውን እንተኾነ ዓቕምኻ ብዝፈቕዶ መጠን ዘዋጻኣካ መገዲ መሪጽካ ኢኻ ንናይ ሂወት ብድሆታት
ክትሰግሮ  እትጽዕር።  ውልቃዊ  ወይከኣ  ስድራቤታዊ  ሓላፍነት  ስለዘለካ  የዐውተኒ  ብዝበልካዮ  መገዲ  ትጓየ።  ጸገማት እንተኣጓነፈካ ከኣ ኣማራጺታት ተናዲ። ሓላፊ ስድራቤት እንተዄንካ ኩሉ ግዜ ምስ ስድራኻ እናተማኸርካ ትሰርሕ። ኣድላዪ
ምስዝኸውን ድማ ንትኣምኖም ካልኦት ተወኪስካን፡ ካብ ተሞኩሮኦም ተማሂርካን ዝሰማማዓካ ኣማራጺ እናወሰድካ መጻኢኻ ተማዓራሪ።  ሂወት  ከምኡ  እናበለት  ትቕጽል።  ብሓጺሩ  ናብራኻ  ህልውናኻ  ስለዝኾነ  ኣይከኣልኩን  ኢልካ  ተቋርጾ  ጉዳይ
ኣይኮነን። ኣሚንካ ዝተሰለፍካሉ ዕላማ ንምዕዋትውን ብመንጽርዚ ዝርኤ ተወፋይነት ዝጠልብ ኢዩ።

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረም፣ ንኣርማ ትካሉ (logo) ብጸሊም ሸፊንዋ

RSF

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ 18 መስከረም፣ ንኣርማ ትካሉ (logo) ብጸሊም ሸፊንዋ ውዒሉ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ብምኽንያት እቲ ዕለት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምንድኡ ከመሓይሽ ዝፍትን ዘሎ ሕበርት ኤውሮጳ፣ ብውሕዱ ነቶም ጉሉሓት ፍጻሜታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የዒንቱ ከይዕምተሎም ኣተሓሳሲቡ።