Menu
ደምዳሚ ኣዋጅ ኣኼባ ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናሀዳ ኤርትራ
ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብ 23 ታሕሳስ 2007 ዝጀመሮ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼቢኡ ብ 28 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. ብ ዓወት ዛዚሙ።
እዚ ኣኼባ 'ዚ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ሃገርናን ኣብ ሕሱም እዋን ናብራ-ሂወት ህዝብናን ብምክያዱ ድርብ ሓላፍነትን ሓያል ሓድነትን ዝሓትት መድረኽ ቃልሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ቀይዲ-ኣልቦ ስርዓት ሻዕብያ ዝተሓተ መሰላት ወድሰብ ተሓሪሙን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ማሕዩር ኮይኑ ኣብ ዝነብረሉ ዘሎ ህሞት ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቁጠባውን መሰላቱ ክረክብ ከም ዘይካኣልን ባህሪያት ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዘየፍቅድን ኣረጋጊጹ።
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በዚ ከይተደረተ ጎብለል ቅርኒ-ኣፍሪቃ ንምዃንን ሕልምታቱ ህያው ንምግባርን ዘይጻሕተሮ ውዲታትን ዘይኣለሞ ሰልትታት-ዕንወትን ኣይነበረን፡፡ ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ዓንዳሪ ፖለቲካዊ ሃልኪ እዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ተሰካሚ ሽግርን ከልበትበትን ምብትታንን ኮይኑ እዚ ዘየኹርዕን ዘይሓቀኛን ምስሊ መለለዪኡ ከም ዝኾውን ተገይሩ።
ስርዓት ሻዕብያ በዚ ከየብቀዐ ከም ተሓላቒ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ንነብሱ ብምሻም ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ብምእታው ከም ሕጋዊ ኣፈኛ ብምዃን እዚ ስርዓት'ዚ ክቅየር ኣለዎ እዚ ስርዓት እዚ ድማ ብኸምዚ ክኽይድ ኣለዎ እንዳበለ ወሳኒ ርእሰ-ውሳኔ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ክኸውን ምህቃኑን ሳዕራሪ ምኹን-ፖለቲካዊ ህርፋናቱ ከርዊ ፈቲኑን ገና ይፍትን'ውን ኣሎ፡፡ እንተኾነ ''ድስተን እንዳሓረረ ድስቲ እንዳማተን የኹሳ'' ከም ዝባሃል ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ብልሹው ስርዓተ-ጀነራላት ዘሕልፎ ዘሎ ዘስካሕካሕ ናብራ-ሂወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ህዝቡን ኣብ ክንዲ ምድሃብን ሰልትታቱ ክእርም ኣብ ክንዲ ምፍታኑን ሃገርና ኤርትራ ናብ ዝኸፈአ ዓዘቅትን በዚ ይወግሕ ዘይባሃለሉ ደልሃመትን ከም እተምርሕን መዕቆብን መዋፈሪትን ግብረ-ሸበራ ከም እትኸውንን ካብ ዓለም ተነጺላ ተሓጺራ ከም እትነብርን ጌሩዋ ይርከብ ክብል ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ተንቲኑ። ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2007 ዓ.ም ኣብ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሰልፊ ናህዳ ንዝተወስደ ናይ ምድስካል ውሳኔ ድሕሪ ምግምጋሙ ነቲ ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ ምጽባብን ሓበራዊ ኤርትራዊ ጽላል ኣብ ምድህሳስን ሃገራውን ታሪኻውን ግደኡ ምዃኑ ብዕትበት ተገንዚቡ ኣበርቲዑ ክጽዕር ከም ዝግባእ ተማሓጺኑ፡፡
ብድሕርዚ ሓጋጊ ባይቶ ብፈጻሚት ሽማግለ ንዝቀረበሉ ጸብጻብ ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ዝተዓመመ ዕውት ዕማማት መጒሱ ንገለ-ገለ ዕንቅፋታት ኮይኖም ንዝጸንሑ ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክፈትሖ ክኢኩ። ከምኡ'ውን ብቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ንዝቀረበሉ ናይ 2008 ዓ.ም መደባት ብንጹር ድሕሪ ምምማይ ነዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት ኣማሓላሊፉ።
መጻኢ መደብ ዕዮ ቤት-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ወጢኑ።
ብቤት-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ንዝቀረበሉ ምቅይያራት ኣጽዲቁ።
ባጀት 2008 ዓ.ም ሓንጺጹ።
ዕድመ ሓጋጊ ባይቶ ንሓደ ዓመት ኣናዊሑ።
ግደ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሰልፍና ኣዘኻኺሩ።
ኣገዳስነት ግደ መንእሰያት ኣዘኻኺሩ።
ምሕዝነት ሰልፊ ናህዳ ምስ ኩለን ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክድልድል ጸዊዑ።
ልዝብን ምርድዳእን ዝሰፈኖ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ መትከላዊ እምነት ሰልፊ ናህዳ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኣብ'ቲ ንዕለት 15 ጥሪ 2008 ዓ.ም ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ማዕረ'ቲ ተሰኪመነኦ ዘለዋ ሓላፍነት ዘንጸባርቕን ኣብ ሓደ ጽላል ኰይነን
ዝቃለሰሉን ጥጡሕ ባይታን ምርድዳእ ንኽበጽሓ ጻዊዒቱ ኣቕሪቡ።ኣብ መደምደምታ ኣኼቢኡ ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባውያን ማሕበራቱን ሒዞሞ ንዘልው ቃልሲ ከሐይሉን ዕለተ-ውድቀት ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምቅልጣፍ ኣበርቲዖም ክሰርሑን ጻዊዒቱ ኣቅሪቡ። ከሚኡ'ውን ኣብ ጎኒ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ደው ብምባል ዓይነታውን ሞራላውን ሓገዛት ዘበርክታ ዘለዋ ኣሕዋት ዝኾና ሃገራትን ትካላት ዜናን ማሕበራት ተኽላኸልቲ ሰብኣዊ መሰላት መጎሱ ኣቅሪቡ።
ናጽነትን ዲሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንዲክታቶራዊ ስርዓት
ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
29-ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ።
