Wed June 25 2008

main page

ጻ ው ዒ ት ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን መሳርሒታቱን ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ንቐዳም ዕለት 12.07.2008 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብኹሎም ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዝዀኑ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ኣባላት መርበብ ሲቪላውያን ማሕበራት ኤውሮጳ ዝዀኑ ሲቪላዊ ማሕበራትን ኤርትራ ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽፍጸም ተመዲቡ ኣሎ። ኵሎም ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱን ዝሓልዩን ዝግደሱን ዘበሉ ኵሎም ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ ተረኺቦም እጃሞም ከበርክቱ ንዕድም። መደባትቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መጻኣኢ ቀረባ ኣዋን ክንሕብር ምዃንና ንገልጽ። ናይ ሓባር ኣሰናዳዊት ሽማግለ