ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ተባሂሉ ብስም ኣርእስቲ ”ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሰያስ ኣስፍሃ (መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ.)” ብኽፍሊ ኦዲት ምቁጽጻርን ጥርዓንን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍ ፡ ኣነ ኣልኣዛር ሓጎስ ኣቦ መንበር’ዚ ክፍሊ ዘሎኹ ቅድሚ’ዚ ሓበሬታ’ዚ ምዝርግሑ ዝተሓበረኒ ነገር ከምዘየሎ ፡ ኣቶ ኢሰያስ ኣስፍሃ ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተወከሰኒ እዋን ኣፍልጦ ይኹን ቅዳሕ’ውን ከም ዘይመጸኒ ሓቢረዮ።







ብዕለት 02 መስከረም 2010 ዓ.ም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ‘ሓርነት ኦርግ’ ‘ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ (ኣባል መ. ፈ/ሽ ሰ-ደ-ህ-ኤ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ‘ብክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን’ ዝተዳለወ ኣምሲልካ ዝቐረበ ጽሑፍ ነቢበዮ።









ስም ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክስረዝ ማለት ብህዝብና ዝጽወር ጉዳይ ኣይክኸውንን እዩ።