ዓብደላ ሓሰን "ድሕረትና ዝሸፈኖ ዛንታ ጀጋኑ"

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ - ምንቅስቃስ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሃንደሱ መብዛሕተኦም ዝኣክል ትምህርቲ ዝቀሰሙ፤ ናይ ቀዲሙና ዝተበገሰ ካልእ ህዝቢ ሰውራ ዝተዓዘቡን ምንባሮም ዘይካሓድ`ኳ እንተኾነ፤ ብማዕረኡ ኸኣ ዝበዝሔ ክፋል ህዝብና ዘይተማህረ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘይጽሕፍን ዘየንብብን ምንባሩ ግሉጽ`ዩ፡፡ ከም ውጺት ናይዚ ኸኣ ስነ_ጽሑፋዊ ጎኒ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ድኹም`ዩ ነይሩ።

ታሪኽና ንዓቅብ!! ሓደ ካብ ሰራሕቲ ቅያታት!!! ባሻይ ምስግና ዓንዱ መን’ዮም???

ራብዓይ ክፋል፣ 2 መስከረም 2007 ብግእዝ፡ 12  2014 ፈ። ርሑስ በዓል ቁዱስ የውሃንስን መቐይሮ ሓድሽ ዓመት (ግእዝ_) ሓበሻን፡ ኣብጸሓና፡ ኣብጸሓኩም። ዓመተ 2007 ሰላምን ራህዋን ክኾነልና ተስፋና ደረት የብሉን። እምበኣር ኣብ ቆጸራና ሎሚ’ውን በዚ ኣርእስቲ’ዚ ንራብዓይ ክፋል ምስ ኣንበብቲ ተራኺብና፣ እነሆ ድማ። ቅድሚኡ ድማ ከም መእተዊት ዝቐረበት ሓንቲ ሓጻር ሓቀኛ ዛንታ ኣዛኒቕና ኣሎና። ኣዝያ ጠቓሚት እያ’ውን። 

ታሪኻዊ ኣስተምህሮ ብግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፓ)

ብኤርትራዊ ባህላዊ ፎርም ዝተዳለወ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፓ) ብዕለት 13ን 14 መስከረም 2014 ኣብ በርሚንጋሃምን ሎንደንን እቲ ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ኤርትራ ሓቀኛ ታሪኽን ኣባጋግስኡን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቡ። ወዲ ፍሊፓ ኣተሓሒዙ፡ ንሓዲሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ታሪኽ ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ምውራስ፡ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኮይኑ፡ ብፍላይ

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ ከምኡ’ውን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ንርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣመልኪቱ መልእኽቱ የመሓላልፍ። በዓል ቅዱስ ዮሃንስ 2014 ንመላእ ክፍልታት ህዝብና በዓል ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ህዝቢ ጸሮናን ከባቢኣን ሕጋዊ ናይ ዋንነት መረጋገጺ ኣብ ዘለዎ መሬት መንበሪ ኣባይቲ ከይህነጽ ተኸልኪሉ።

ነበርቲ ጸሮናን ከባቢኣን ቅድም ክብል መንበሪ ኣባይቲ ክሰርሕሉ ብሕግን ብወግዕን ብመንግስቲ ኣብ ዝተዋህቦም መሬት ዝጀመርዎ ስራሓት ህንጻ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብሃንደበት ብኣካላት መንግስቲ ከቋርጽዎ ከም ዝተኣዘዙ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብ18 መስከረም 2014 ንድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ብስልኪ ሓቢሮም።

ብዘይካ’ቲ ወግዓዊ ናይ ኣቋርጹ ትእዛዝ፡ እቶም ኣብ’ቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ስራሓት ብመዓልታዊ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ብምኽንያት እቲ ብቐጻሊ ክ/ሰራዊታት ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዘሎ ግፋ ሃዲሞም ስለዝተበታተኑ፡ ወነንቲ ኣባይቲ ብብዙሕ ወጻኢታት ኣዳልየሞ ዝነበሩ መሳርሒታት ህንጻ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነን ንከቢድ ክሳራ ከም ዝተሳጥሑን ኣረዲኦም።

ኣምባሳደራት ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ረብሓ ዘሰስን ፈስቲቫላት ምድላውን ፈላሊኻ ግዛእ ድሑር ጎስጓሳት ምክያድን ካልእ ዕማም ዘሎ ኣይመስሎምን

እዚ ሎሚ ከም መንግስቲ ተጠሚቑ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ፡  ናብ ኣህጉራዊ መድረኻት ልኡኻቱ ክሰድድ ዝጀመረሉ ኣብ ክፍላ 70ታት’ዩ ይመስለኒ። ቅድሚ’ዚ ግዜ’ዚ ግን ሽሕ’ኳ ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማስያዊ ኣሬና ክቀላቐል ድሌት እንተነበሮ፡ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ገዛኢ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ከኣ ወድዓዊ ኩነታት ሰውራ ኤርትራ ዘፍቅደሉ ኣይነበረን። እቲ ጉጅለ ከም ፖለቲካዊ ዓቕሚ’ውን ሚዛን ዝወሃቦ ኣይነበረን። ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኣብ’ቲ መድረኽ’ቲ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ውን ኣይነበረን።እዚ ሎሚ ከም መንግስቲ ተጠሚቑ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ፡  ናብ ኣህጉራዊ መድረኻት ልኡኻቱ ክሰድድ ዝጀመረሉ ኣብ ክፍላ 70ታት’ዩ ይመስለኒ። ቅድሚ’ዚ ግዜ’ዚ ግን ሽሕ’ኳ ኣብ ዓለማዊ ዲፕሎማስያዊ ኣሬና ክቀላቐል ድሌት እንተነበሮ፡ ኣብ እዋኑ ዝነበረ ገዛኢ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ከኣ ወድዓዊ ኩነታት ሰውራ ኤርትራ ዘፍቅደሉ ኣይነበረን። እቲ ጉጅለ ከም ፖለቲካዊ ዓቕሚ’ውን ሚዛን ዝወሃቦ ኣይነበረን። ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኣብ’ቲ መድረኽ’ቲ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ውን ኣይነበረን።

ዕዮ ገዛኡ ብግቡእ ዘይፍጽም፡ ሓባራዊ ዕማም ብኣድማዕነት ከሰላስል ኣይክእልን።

 ሓደ ሰብ ንናይ ሓባር ስራሕ ብሓላፍነት ክመርሕ ክሕጸ እንከሎ፡ ካብ ኣተዓባብይኡ፡ ምስ ስድራኡን ከባቢኣኡን ዘለዎ ዝምድና እንታይ ይመስል ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ መዳይ ፖለቲካ መጺእና፡ ነናተን ፕሮግራም፡ መሪሕነት፡ ኣሰራርሓ ዘለወን ውድባት፡ ዝተበታተነ ሓይለን ኣላፊነን ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዝሰማማዓሉ ወቕቲ፡ ነብስ ወከፍ ተላፋኒ ውድብ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ኣብ ውድቡ ውሽጣዊ ሓድነት፣ ስጥመት ውደባ፣ ብውጥን ናይ ምስራሕ ባህሊ፣ ግሉጽነት፣ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ኣለዎ’ዶ የብሉን ምምዛን ነቲ ሓባራዊ ስራሕ ብጽፉፍ ኣገባብ ተሰሪቱ ቀጻልን ተዓዋትን ክኸውን ውሕስነት ይህቦ።

Read more...

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ምስ ፖሊስ ፈረንሳ ተጋጭዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማለት ኣብ ዕለታት 4-5 መስከረም 2014 ኣብ’ታ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ምትረብ እንግሊዝ እትርከብ ከተማ ካለ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ምስ ፖሊስ ፈረንሳ ከም ዝተጋጨው፡ ኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

መርኣያ ፖለቲካዊ ቅብጸት፡-

ሰላም ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ናይ ኣንበብቲ ዓምዲ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ውሑዳት ደቂ-ጃንድኡን ኣንጊሆም ብዝተለምዎ መንገዲ ጥፍኣት፡ ፖለቲካ ሃገርና ርግኣት ስኢኑ ተዘሪጉ፡ ህዝብና ድማ ኣብ ዝብተነሉ ዘሎ ክፉእ ወቕቲ ከም እንርከብ ዘሰማማዓና ሓቂ ይመስለኒ።

Read more...

ቃለ-መጠይቕ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ

ካልኣይን ናይ መወዳእታን - ሕቶ፡- ብ/ካሕሳይ ዝያዳ ንምብራሃ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸገም’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ሓደ ህዝቢ ብባህሪያዊ ድዩ ሰብ ዝሰርሖ ሽግራት ቁጠባዊ ጸገማት ከጋጥሞ እንከሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክደጋገፎ ከሰጋገሮ ግቡእ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ንሕና ተመጽወቲ ኣይኮናን፡ ዝኾነ ሓገዝ ኣይንቕበልን ብዝብል፡ ህዝቢ ገለ መሰጋገሪ ህይወት ዝኾኖ ቁርብ ቁራቦ ከይረክብ ዓጊትዎ ክነሱ፡ ከም መንግስቲ ንባዕሉ ዝተፈላለዩ መዓጹ እንዳኳሕኮሐ ይልምን ኣሎ። ኣብ’ዚ ግቡእ ኣገንዝቦ ዘይሓዙ ንሱ ዘዝበሎ ጥራሕ ዘኮማስዑ ወገናት ድማ ከም ቅኑዕ ክገልጽዎ ይስምዑ። እሞ ብወገንካ እንታይ ክትመኽሮም ትኽእል?

ህግደፍ ኣስታት ንልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ፡ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ውድብ ደምህት ዝተሳተፎ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣልማማ ግፋ የካይድ ኣሎ።

ሎሚ እዋን ቀውዕን ተማሃሮ ትምህርቲ ዝጅምርሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ወቕቲ ክነሱ፡  ጉጅለ ህግደፍ ካብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2014 ጀሚሩ ብዘይምቁራጽ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ሰፊሕን ጃምላውን ግፋ የካይድ ከም ዘሎ፡ እቲ ግፋ፡ ካብ ደቂ-14 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክሳብ ደቂ-ሱሳ ዓበይትን ከም ዘጠቓልል፡ ስለዚ ከኣ እቶም ተሃደንቲ፡ ካብ ዕለታዊ መነባብሮኦምን ገዛኦምን ርሒቖም ኣብ ፍቖዶ ስንጭሮታት ክሕብኡ ይግደዱ ከም ዘለውን ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብ14 መስከረም 2014 ብስልኪ ሓቢሮም።

ሰበስልጣን ንግስነታዊ ሱዑዲ ዓረቢያ እቲ ህቡብ ሸኽ ተውፊቅ ስዒድ (ኣሳይቕ) ካብ ሱዑዲያ ንክወጽእ ወሲኖም

እቲ ኣብ ሱዑድያን ኣብ መላእ ዓለምን ፍሉጥን ዓቢ ተቀባልነትን ዘለዎ ሸኽ ተውፊቅ ኣሳይቕ፡ ነታ ዝዓበየላን ኣዝዩ ዘፍቅራን ሱዑድያ ገዲፍዋ ንክወጽእ ተገዲዱ። ሸኽ ተውፊቅ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ ሱዑድያ ዝዓበየ ኤርትራዊ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብቶም ኣለዉ ዝባሃሉ መሻይኽ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ተለቪዥን ዓለም ከም ጋሻን መምህርን ኮይኑ ዝቐርብ ህቡብ ሸክ እዩ። ብዘይካዚ ብዙሓት ማዕከናት ተሌቪዥንን ራድዮን ኣብ መኽፈቲን ኣብ ማእከል ፕሮግራመንን ብናቱ ድምጺ ዝተቀርጸ ቁርኣን የዘውትራ።

ኤርትራ ከመይ ኤርትራ ኣበይ ኤርትራ ናበይ ?

እስከ ካብቲ ታሪኻዉን ፉሉጥን ዝኾነ መጸዊዕታ ኢልና ክንጅምሮ “ ምድረ ባሕሪ “ እዚ  ኩብር  መጸዉዒ  እንዳሃለወ  ድሕሪ  ምትእትታው  መግዛእቲ ጣልያን እሞኻኣ ኣራጢጡ ኮፍ ምሰ በለ ነቲ “ ምድሪ ባሕሪ “

ወተሃደራውን ጽጥታውን ቤ/ጽ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።

ብዕለት 5 መስከረም 2014 ዓ.ም  ብሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ዝተማእከለ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ፍሉይ ናይ ኣባላት ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

ታሪኽና ንዓቅብ!!

ሓደ ካብ ሰራሕቲ ቅያታት!!!

ባሻይ ምስግና ዓንዱ መን’ዮም???

ሓምሻይን መወዳእታን ክፋል፣ መስከረም 04/2007 ግእዝ 16/2014 ፈ።

ደጊም ንታሪኽ ባሻይ ምስግና ዓንዱ ዝምልከት ኣብ 5ይ ክፋል ምዝዛሙ እዩ። ብምኽንያት ባሻይ ምስ ታሪኽ ምስግና ዓንዱ ክዛነቕ ዝጸንሐ መንፈሳውን ታሪኻዊ ሓድግታቱን ከምኡውን እቲ ጌና ዘይተተንከፈን ዘይተዳህሰሰን ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ዝርከብ ሃብታም ታሪኻዊ ቅርስታት ኤርትራ፡ ኣብ እተፈላለየ ስነ ጽሑፋት ምክታቱ ዘይተርፎ እዩ። እስትራተጅካዊ ኣቀማምጥኡን ኣድላይነቱን ዝፈጥሮ ምዕብልናታትን ውድቀታቱን ዝግምግም ሓጸርቲ ጽሑፋትውን  ክቐርቡ ተስፋ ኣሎኒ። ንባሻይ ምስግና ዓንዱ ዝምልከት ግን ኣብ 5ይ ክፋል ክጠናቐቕ እንከሎ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶምን ተረፍቲ ስድራ ቤታቶምን ንነባባይ ከይስልችዎ ብሕጽር-ሕጽር ዝበለ ተተናኺፉ ከብቅዕ እዩ። ሓቂ እዩ ምእንቲ ህዝቡን ከባቢኡን በጃ ዝሓልፍ ጅግና ኣብ ተካእቲ ወለዶታቱ (ዘርኡ) ከኸትሎ ዝኽእል ስድራ ቤታዊ ምድኻማት ንምግማቱ ኣይከሸግረናን ይኸውን። ስለዚ ብሰንኪ ባዕዳውያን ገዛእቲ እተዳኸመ ስድራታት እንተተገለጸ ንኣፍልጦ ይጠቅም እምበር ኣይጎድእን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ኣብ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተሰርሐ ትሕተ ቅርጻ ኤርትራ፡ ብህግደፍ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

 እዚ ሎሚ ኣብ ስልጣን ሓኲሩ ዝርከብ ጉጅለ፡ ካብ ፈለማ ከም ውድብ እንክፍጠር ብቕንዕና ከምዘይተበገሰ፡ ከም ኣበጋግስኡ ድማ እነሆ ኣብ ውሽጢ 23 ዓመታት ብዘይካ ክፋእን ዕንወትን እዚ ዝበሃል ቁም-ነገር ከይገበረ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሰርሕዎ ትሕተ ቅርጻ ኣብ ምዕናው ከም ዝርከብ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረዲኡ።

ባይቶ ሃገራት ዓረብ ንተግባራት ህግደፍ ብትሪ ኮኒኑ

ባይቶ ሃገራት ዓረብ ብ7 መስከረም 2014 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ስርዓት ኢሳያስ ንሓደ መኮነን ጅቡቲ፡ ካብ’ቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዝፈሊ ነጻ ዞባ ጨውዩ ብምውሳዱ ኮኒኑ፡ እቲ መኮነን ብዘይወዓል ሕደር ተፈቲሑ፡ ንሸምጋሊት ሃገረ ቐጠር ክወሃብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ።

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 53 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝወጸ መግለጺ

ሎሚ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጀግና ስውእ/ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጅምረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 53ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ብምዃና፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋርን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ነጻ ሃገርን ንምርግጋጽ መሰረት ዘንጽፍን ሃገራዊ ትልሚ ንምስራጽ ሞራላውን ንያታውን ድፍኢት ዝህብን’ዩ፡፡

ርሑስ በዓል ቅዱስ የውሃንስ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ የውሃንስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ፡ ርሑስበዓል ክገብረሎም ምንዮትና ንገልጽ። ዝመጽእ በዓላትና ድማ፡ ምልካዊ ስርዓት ምስ’ቲ ንሱ ዘሳበቦ መከራን ጸገምን ኣልጊሱ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል፡ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ኣብ ሃገርና ክነግስ ሰናይ ትምንቲና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ

ቃለ መሕትት ምስ ወደባት ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፓ) PART 18