ሕጂ እውን ዜና ዓወት ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ

ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) ንምንቅስቓሳት ናይቲ ደመኛ ጸላኢ ስርዓት ሸፋቱ ህግደፍ ንምግታእን ንምድኻምን ውድቀቱ ንምቅልጣፍ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ብምቕጻል ሎሚውን ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ከቢድ ጽፍዒት ብምውራድ ሰፍ ዘይብል ኪሳራታት ከም ዘውረደ ካብ ቤት ጽሕፈት ወታሃደራዊ ስታፍ ዲምሓኩኤ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ብዕለት 30/06/2012 ልክዕ ሰዓት 800 ናይ ለይቲ ካብ ጎኘ ንባረንቱ ትኸይድ ዝነበረት ዕሱባት ወታሃደራት እዚ ጨካን ስርዓት ዝጸዓነት ኤነትረ ዝዓይነታ መኪና ብኣርፒጂን ክላሽንን ዝተሰነየ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንሰለስተ ሓለፍቲ ሰራዊት ከምዝቐተለን ኣብ ልዕሊ ንብረት ጸላኢ ከቢድ ኪሳራ ከም ዘውረደ ተሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ምዑታት ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ብዕለት 09/07/2012 ለይቲ ሰዓት 800 ካብ ኣቁርደት ተበጊሳ ኣብ መንጎ ዓደርደን ሓጋዝን ትኸይድ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ቶዮታ ዝዓይነታ መኪና ብምጥቃዕ ኪሳራ ከምዘውረደ ተፈሊጡ። ኣብዚ ብዲቢያ ዝተኻየደ ስርሒት ብኣርፒጂን ክላሽንን ዝተሰነየ በርቃዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ሓይሊ ጸላኢ ከቢድ ኪሳራ ከም ዘውረደ ካብ ጀጋኑ ዝመጸና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ፡፡

ብመንእሰያት ዝቆመ ውድብ ዲምሓኩኤ ነዚ ዕውት መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ኮንፈረንስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደብረዘይት (ኢትዮጵያ) ብዓወት ኣብ ዝሰላሰለሉ ዘሎ ዝወሰዶ ብምኻኑ ፍሉይ ይገብሮ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ጀጋኑ ተጋደልቲ ዲምሓኩኤ ንኣኼባ መንእሰይ ኤርትራ ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ልባዊ ምንዮት ይገልጽ። ኣብዚ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ሚሒና ንምድርባይ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዕዙዝ ከም ሙኻኑ ግብራዊ ክኾኑን ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኩሉ ንምብርካት ድሉዋት ክኾኑ ይጽውዕ፡፡ መንእሰይ ኩናማ እዚ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ተኣሊዩ ብሄር ኩናማ ኤርትራን ኩለን ብሄራት ኤርትራን መሰል ርእሰ ውሳኔኦም ብዘይ ምሽርራፍ ክሳብ ዘረጋገጹ እቲ ቃልሲን መጥቃዕቲታትን ክቅጽል ሙኻኑን ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ተበራቢሩ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ ይብሎም።

 

Interview with Ghirmai Kidane (Wedi Filipo) with Radio Aserna at Aserna.net

Part 1      Part 2

Part 3       Part 4

23-year-old pays off mom’s mortgage, becomes YouTube star

 




محنة اللجوء واللاجئين الإرتريين... منذ عام 769

المناضل تسفاي تمنيو

Tesfay temnewo with the Eritrean national dialogue platform

መስፍን ሓጉስን ተዘክሮታት

Part 1

Part 2

Young protesters in Italy occupy Eritrean embassy in Rome

 

 

London Youth Occupy Eritrean Embassy in London

ህጹጽ ጻዋዒት

 

Eritrean Cities under HGDEF Rule !

Bloody Lair Booket in PDF

 

 

 

 

Eritrea accused of prisoner abuse

Former guard says 15 former officials and journalists died due to inhumane conditions

Great Eritrean Men Saying

ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ኣብ መቓብረይ መጺእካ ሑሹኽ በለኒ።

ሓጅ ሱለይማን


Random Cartoon

living.jpg