ጸገም ንመጣልዒ!!!
ሕሱም ዘመን ሓደገኛ ዘርኢ!!!
መቐጸልታን መወዳእታን ክፋል:
ብወደባት ግርማይ ኪዳነ(ወዲ ፍሊፖ)
ሚላኖ..... ኢጣልያ
(12-07-2012)
ክቡራት
ክቡራን!!
ኣርእስተ ዓንቀጸይ ብምቕጻል ንዘመሓላልፎ መልእኽትታተይ ትከታተሉዎን ተዋህልልዎን ንዘሎኹም እናኣመስገንኩ: ኣብታ መቐጸልታ ጽሕፍተይ ክኣትው።
ታሪኽ ንምህሮ ክጠቅም ድኣ እምበር ተዘኪሩ ክቕህም ኣይኮነን፡ደቂ ሰብ ካብ ታሪኽ ቡዙሕ ስለዝመሃሩ፡ብእቲ ምህሮ እቲ ኸኣ ለቢሞም ከለብሙ፡ኣወንታ ናይ ደቂ ሰብ ምዕባሌ ምስረታ ንኽጥቀሙሉ።እቲ ብዉስልትና ዑሱባት ደቂ ሃገር ዝተኣታተወ ጭውየትና ናበይ ኣብጺሑና፡ ?እንታይ ፈድዩና ?ነባሪ ታሪኽና ስለዝኾነ፡ ከየልዓልናዮ ዝኩር እዩ፡እቲ ክንዝክሮ ዝግባኣና ፡በየንን ከመይን ገይሮም ቀሺሾምና ?ናብ ጥውየት ደቕዲቖምና ዓቢይ ምህሮ ኾይኑ ኣብ ኣእምሮታትና ዘልዓለም ክሰፍር ክነብር ኣለዎ።
ኣብ ተዘክሮታትና ክኣትው......!!!
ድሕሪ እቲ ብውዲት ምርግጛእ ምርዻእ ኤርትራውያን ተባሂሉ: ብፌደረሺን ጽንሒት ዘዳህለለ ጭውየትና ኣብቲ ምጅማር ፌደረሺን ብባይቶ ሕቡራት መንግስታት እተበየነ ስምምዕ ዓንቀጽ 390/A U.N. ስርዓት ኢትዮጵያ ናይ ደገ ዓማጺ ሓይልታት ንኸይኣትወና ኣብ ስግር ዶብና ኮይኖም ዝሕልዉ ድኣ እምበር፡ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ እግሮም ከእትዉ ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ፡፡ነቲ ውሽጣዊ ጉዳያትና ኸኣ ባዕልና ንባዕልና ክንረዳዳኣሉ ምርድዳእ ኣብ ዝሰኣነሉ ኸኣ: ብጻውዒት ባይቶ ኤርትራ ናይ እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ልኡኻት መጺኦም ክሽምግሉና ከረዳ ድኡና እዩ ነይሩ።እዚ ስምምዕ እዚ እናሃለወ: መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ደጃዝማች
ተድላ ባይሩ ምስ ባይቶን ትካል መንግስትን ዝነበሩ ደቂ ማሕበሮም (ማሕበር ኣንድነት ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ሓንቲ ኢትዮጵያ) ተመሻጢሮም: ንእቶም ስግር ዶብ ኮይኖም ክሕልዉና ዝተባህሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ መሬትና ክኣትዉ ንፍቀደሎም ምስ በሉ: ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሓይሊ ፖሊስ ሰራዊት ምክትል ኣዛዚ
ዝነበሩ ኤርትራዊ ክቡር ነፍስሄር: ናይቲ ግዜ መጀር ዝነበሩ ብርጌደር ጀነራል ተድላ ዑቕቢት: ነቲ ዛዕባ ምእታው ኣብ መሬት ኤርትራ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ብትሪ ብምቋዋም፡
"ውዕል ሕቡራት መንግስታት ይጠሓስ ኣሎ፡ እዞምይእተዉ ትብልዎም
ዘለኹም፡ጽባሕ ኣይንወጽእን እንተበሉና እንታይ ክበሃል ወይ ክግበር እዩ፡
ክንዳመ(ደም ክንፋሰስ)ማለት ድዩ፡ውጽኡ(ኪዱልና)ኢልናዮም ከም
ዝወጹ(ዝኸዱ)እንታይ መተኣማመኒ ውሕስነት ኣሎ፡ወዘተ"
ኢሎም ኣብ ማእከል ባይቶ
ተቓውሞኦም ምስ ኣስምዑ ፡1954 ንእቲ ዝነበሮም ስልጣን ተመንዚዖም :ንክልተ ዓመት ካብ ስራሕ ጠጠው ከም ዝበሉ ኾይኖም፡ እቲ ስልጣን ፖሊስ ካብ ወታሃደራዊ ምሕደራ ኣብ ትሕቲ ሰክረተርያ ውሽጣዊ ጉዳያት ፡ብደጀዝማች ዘርኦም ክፍለ ኣባል ማሕበር ኣንድነት ከም ዝመሓደር ኮይኑ ፡ንእቶም ብውዕል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ መሬት ኤርትራ እግሮም ከየእትዉ ዝተባህሉ፡ ኣብ ቪላጆ(ቤት መኻእ)ኣብ ማይ ሓባር ከም ዘጣጥሑ ኾይኖም(ተገይሩ)።
እቲ ምትእትታው እቲ እንታይ ኣስዓበ?
ኤርትራዊ ሕልናታት እንተ ኣሎ ኾይኑ
ይመለስ......?
ኩሉ እዚታት ክኾኖ ዝኸኣለ ፡እቲ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ፖለቲካ ኣብ ክንዲ ናይ ጥርኑፍነት ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ናይ ኣንነትን ትምክሕትታትን ስለ ዝተነሃሃረ ፡ንእቶም ስሱዓት ደቂ ሃገር ኣሳዕሪሩዎም ኩሉ እቲ ተልእኾታቶም ከምዘከናውኑ(ከምዝፍጽሙ)ገይሩዎም።
እዚ ተዘክሮ እዚ ...!ነዚ ሕጂ...!!
ተንጠልጢልናዮ ዘሎና ናይ ሕከትና መደብ ሳዕቤኑ እንታይ ከይተረዳኣና፡ ተቓውሞ እናበልካ ምድባልን ብፍልስፍና ምዕንዳርን፡ክሳዕ ሕጂ ነታ ጥርናፌ እትበሃል ኣወንታ ከይተኣምነት ፡ኣብ ኣንነት ሃታ! ሃታ! ምህውታት ብቕንዕና ይኹን ዘይንጽበዮ ውዲት ክህልዉ ይኹን ኣብ ተጸባይነት ምወላን መደብ ቃልስና ትኽላ(ዘውጹኡልና)ስርዓታት(ሕንጻጻት)ም ቕባል ነቲ ገዛእ ውራይና ከም ጉዳይ ናይ ጎሮቤትና ኮይኑ ክግባእ፡ጽባሕከ እንታይ ንምስዓብ
ዘየብል ኣይኮነን፡ኲናት ሕድሕድ ኤርትራውያን ንናጽነት ኤርትራ ወሰንቲ ተራ ዝኾኑ ተበለጽቲ ባእታታት ከህድእዎ ከረጋግእዎ ዓቕሚ ተሳኢኑ ዘይኮነ ኣይተደለየን ዘየድለየ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ናብቲ ኲናት ዘብጽሔ እንታይ፣እትበሃል ሕቶ ከይትመጽእ ዝዓበሰት(ዝደፈነት) ውዲታዊ ክፍኣትን ብስም ገድሊ ዝሰኣል ዝነበረ ግብትነትን ንኸይክሻሕ እቲ ጸገም ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ ከም ዝስፋሕፋሕ ኮይኑ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ከምmዝጻነቱ(ዝቃተሉ)ኾይኑ እዚ ከይኣክል ከኣ ንእቲ ንሓርነት ህዝቡ ዝቃለስ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ናብቲ ዕዝቀት እቲ ከም ዝተኣታተው ኮይኑ።
"ኣብቲ ጸልማት ህሞት ኣብ ኤርትራዊ መሬት ክልቲኡ ተሃላላኺ ተዋጣጢ ኤርትራዊ
ውድብ ዝጸነቱ(ዝጠፍኡ)ኤርትራውያን ላኼማ እተለከሙ ተጋደልቲ ኢትዮጵያው
ያንን ዝተሰዉኡ ብወራር ጸላኢ ደርጊ ዘይኮነ ብሕድሕዳዊ ምድማይ ዝጠፍኡ
ክዝከ
ር ናይ ግድን እዩ።"
ድሕሪ እዚ ኹሉ ጥፍኣታት ዕንወት ዝነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ ደርግ ተበጺሑ :እቲ ዝሓለፈ ኣወንታን ኣሉታን ጉዕዞ ቃልሲ: ሓወልታዊ መዘክርን መምህርን ኮይኑ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶ ክወራረስ ክደባበስ ዝግበኦ: ኣሹንኳይ' ዶ ምስ ናይ ጸገም መጻውርትና ናይ ታሪኽ ኣሕዋትና ምስ ስግር ባሕርታትና ውቅያኖሳትን ዝረከቡ ኣህዛብ ዓለም ንኽሰምዖ እውን ዘይድለይ ዝተባርዔ ምድማይ ዝተፈጸመ ክትነግሮ እውን ጸላዕላዕ ዘብል እዩ።
እቲ ኩነታት ከምኡ ዘኾኖ(ኣብ ከምኡ ዘብጸሖ)እንታይ? ስለምንታይ? ኣቐዲሙ ክምርምር ክግምግም ዝግባእ እዩ፡ሽሕኳ ብውሉፋት ጥፍኣት ደቂ ሰብ፡ዝተወሃበ ምኽኒት፡ግህሰት ልዑላውነት ሃገር ይገዓር እምበር እቲ ሓቂ ካልእ እዩ፡ቅድሚ ናብኡ ምእታወይ ግን ክንመራመረለን እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ከቕርብ
1_ልዑላውነት ኤርትራ ዝኣመነ መጀመርያ መን እዩ!?
2_ኤርትራ ሃገር ኢሉ ቅድሚ ምሉእ ዓለም እናኣመነ እቲ ሃገር ዝበሃል ሃዋህዉ ድዩ!?
3_መሬት ህዝብታትን ኤርትራ ንጹራትዶ ኣይነበሩን እዮም!?
4_እተኣምነ ልዑላውነት ኣብ ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ናጽነቱ ዘይተዋሕስ ድዩ!?
ኣብዚ እዋን እዚ ልዑላውነትና ግሂሱ መሰላታን ጥሒሱ፡ዝነብር ኣሎ ክበሃል እንተኾይኑ፡ ንባዕሉ እቲ ኤርትራዊ እየ ብሃሊ ሽፍታዊ ስርርዕ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ።ነዚ ኸኣ ክንምክቶ ኣመካክታና መደብ ከነውጽኣሉ ክንዳሃኸሉ ዘሎና እቶም እተዘመትና ኤርትራውያን ጥራሕ ኢና።
ጎሮቤት ሃገር......!!!
ጸገምና ርእዩ ክሕግዘና ከተባብዓና ባህርያዊ እዩ፡ክምስገን ክኣ ይግበኦ።እዚ ግን እቲ ምትብባዕ ምሕጋዝ ዝበሃል ኣብ ዝጠለብናዮ ጠለባት እቲ ንዓና እዚ መህረም ገፋዒ ክጠቕመና ይኽእል እዩ ዝበልናዮ፡ክኸውን ድኣ እምበር እዚ ግበሩ እዚ ኣይትገበሩ፡እዚበሉ፡እዚ ኣይትበሉ፡ወ.ዘ.ተ. ዝበሃል ድፍኢት ይኹን ኣብ ውሻጠ ኣገባብ ቃልስና ተኣታትዩ ክዝወረና ከዝውረና ግን እቲ እንኮ ረብሓ ነቲ ኣብ ማእከል ገዛና ሸፊቱ ዓፊኑና እሞ ንቃልስና "እዚኦም ሸየጥቲ ሃገር እዚኦም" መሳርሒ ልኡኻት ወ.ዘ.ተ. ኢትዮጵያ እዮም ዝብሎ ፡ሓቂ ንምሃብ ንህላዌኡ ግዜ ምሃብ ጥራሕ እዩ።
ሀ)ከም ሰብ መጠን መሓውራት ኣሎና!!!
ለ)ከም ተቓለስቲ መጠን ልዑል ተመክሮታት ኣሎና!!!
ሐ)መን ንሓቂ መን ንጸይቂ ከነለሊ ክንፈሊ ዓቕሚ ኣሎና!!!
መ)ዘርብሓናን ዘኽስረናን ንምፍላጥ ኣኻእሎ ኣሎና!!!
እዚ እናሃለወ ግን ንባዕሉ ለሚሱ ኣብ ነንሕድሕዱ ተናኺሱ ዝንቀሳቐሶ ዘሎ ፍንፋንሬሳ ሻምቦ! ሻምቦ! ኢልና ተበሃሂልና ከይንድርብዮ፡ኣብ እግሪ ጉዕዞና ወይ ጽርግያና ፡ደንጎላ መሰል ዕንቅፋታት ዕለታዊ ኾይኑና ፡ንሕና ክንጉሕፍ እቶም ሓገዝትኹም ዝብሉና ኸኣ እቲ ደናጉላ ኣብ ጽርግያና ኾይኑ ትም ዝብልዎ፡ክሳዕ ከም መሪሕና ወይ መንገድና ከለልይዎ ስለምንታይን?ንእንታይን? ከምዝኾነ ፡ክንመራመረሉ ናይ ግድን እዩ።
ህ.ግ.ደ.ፍ. ክምህ ከይበለ ወይ ከይተዳህለ ከም ቃሕታኡ ዝነብሕ ዝሕሱ ዘሎ ክሳዕ ኣበይ ዘሎ ተቓዉሞ ዘብሎ፡ ክሳዕ ሕጂ ብብቕዒ ዝመከቶ ስለ ዘየሎ እዩ፡እዚ ኸኣ ዓቕምታት ተሳኢኑ ዘይኮነ ጅምር ከብልን ክዕንቅፍን ሓደ ስለ ዝኾኖ ንእቲ ተቓውሞኡ ባዕሉ ዝውንኖ ስለ ዘየሎን ዘይኮነን፡ ዕንክሊል ፡ልዕሊ ኮለል እንታይን ?ናበይን? ከተብል፡ህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ እናሃለወ ብስም ጸገሙ ዝቑነኑ ምህላዎም፡ነዊሕ እዋን ተዛሪብናሉን ተጣሪዕናሉን ከነብቅዕ፡ ኣጆኹም ብሃልቶም ስለምንታይ መልሲ ይሃቡና?????
ድሕሪ እቲ ጋሕማጥ ንባህሊ ኤርትራውነት ዘለፋ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ ካብቲ እዋን እቲ ክሳዕ
ሕጂን ንዕዘቦ ዘሎና እቲ ብስም ኤርትራውያን ሓልዮት ተባሂሉ ዝግበር ሓገዝ :ንውልቀ ረብሓ
ውያን ሃንጎሊማታት ሓልዮት ከምዝኾነ :ብዙሕ ዕቃቤታት ኣሎና፡እዚ ኸኣ እቲ ንዓመታት ጽ
ባሕ ሓንቲኣ ኣላ! ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. እንተሓናነቐላ እንብሎ፡ንኸይንሓንቆ የእዳውና
ዝጠምር ዘሎ ካ
በይን? በየንን? ኢልና፡ጽባሕ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ዘይተጸበናዮ ደልሃመት ከይተደቕደቕና ፡ተመክሮታትና ኣሄብቲምና ንእቲ ደምበና ደምበ ተቓውሞ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ብቁጽጽርና ንቁጽጽርና ዘብቅዕ ባይታ ነጣጥሕ፤
ደምበ ተቓውሞና....!!
ድሕሪ ናይ ዓመታት ኮለልታን ሃውተታን ኢ_ሓላፍነታውያን ተበለጽቲ መዋኽርቲ ኣብቲ ኣብ ኣዋሳ(ኢትዮጵያ)ዝተገብረ ጉባኤ :ብዙሓት ሓሳኹ ጉሒፉ ሃገራዊ ባይቶ መጸውዕ ዝሓዘ ባይቶ: ጽሒፉ ምስማዕና ፡ሓዲሽ ምዕራፍ ውራይና ኣብ ቁጽጽርና ብቁጽጽርና ከምቲ ዝሓለፈ ናይ በለጽ ምንዝርና ንኸይተኣታተው ምክትታልና ዓቕመ ኣኽእሎና ናይ ቃልሲ ተመክሮና እነበርክተሉ: ኣብቲ ዘበገሰና ዕላማ ንምጽናዕ እናተቐራረብና መደብ ዕዮታቱ ሰሪዑ ክእውጅ እናተጸበና: ሃንደበት እዚ ጉባኤ መንእሰይ ተባሂሉ !!ብዓቕመ ኣልቦ! ብጸገም ህዝቢ ተቐላቦ! ዝተመደበ :ልዕሊ ምግራም ብዙሕ ጠርጠራታት ከምዘእተወና: ብዘይቃል ዓለም ክንገር ክግለጽ ዘለዎ እዩ።
1_እዞም ሕጂ ብስም መናእሰይ ኤርትራ ክጋብኡ ንኣዲስ ኣበባ ከይዶም ዘለዉ መን ዓዲምዎም?
2_ንእዞም ዝሳተፉ ሰባት ኤርትራውያን መናእሰይን ንጹር ዓቕመ
ቃልሶም መን መስኪርዎ?
3_እቲ ቆይሙ ዘሎ ባይቶ ነዚ ዝበሃል ጉባኤ ክግበር ብኸመይ መዲብዎ ዘይመደቦ እንተኾይኑ ኸኣ መን ንስልጣን ባይቶ ግሂሱ መዲብዎ?
4_ነዚ ዝበሃል ዘሎ ጉባኤ ዝሽፍን ወጻኢ መን መዊልዎ ንኽምዉሎ ኸ እንታይ ትጽቢት ስለ
ዘሎዎ?
(ይመለሽ... ዘይምለሽ እንተኾይኑ!? ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣዕጋቢ መልሲ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ዕላምኡ "ብፍቓድ" መወልቲ እምበር "ብገዛእ ፍቓዱ" ዕማምና ክዓምም(ከማልእ)ከምዘይክ እል ንጹር ይኸውን ስለዘሎ።)
ሀ)እቲ ቆይሙዝበሃል ባይቶ ዝቖመሉ ምኽያት ዕላማን ይግለጸልና!?
ለ)ካብ ቆይሙ ዘሎ ባይቶ ንላዕሊ መደብቲ ከምዘለዉ የብርሃልና!?
ሐ)ክቡር ህይወታት ዝተኸፍለላ ልዑላውነትና ብኸመይ የውሕሰልና!?
መ)ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይትኣትው ብኸመይ የረጋግጸልና!?
ልዕል ኢለ....!!!!
ሕሉፍ ጥልመትና ዕሱባት ንጉስ ኢትዮጵያ በየናይ ስልትን ስብከትን ከምዘጭወዩና: ኣብቲ እዋን እቲ ንኣፍልጦ ዘርከብና ኣሎና: ነዚ ናይዚ ዘመንዚ ዝፍጸም ዘሎ ውነና ግህስነት ከኣ ካብቲ እዋን እቲ ዝተገብረ ፈሊና ኣይንርእዮን ኢና።ሓደ ካብ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ድቕዱቕ ጸልማት መነባብሮን መዘና ዘይብሉ ግፍዕታት: ኣብ ልዕሊኡን ልዕሊ ስድራቤቱን
ብዓይኑ እናራኣየ !ብኢዱ እናዳህሰሰ: ጌና ዘጣቕዓሉ ዘሎ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ? መልሲ ትኾ
ኖ ዘላ" ካብዘይ ትፈልጦ መልኣኽ እትፈልጦ ሰይጣን ይሕሽ" ዝበሃል ብሂል ሒዙ ዘሎ፡ነቲ ድሃኺ ጠላም ጉጅለ ዕለታዊ ዥህልሎ ደርፊ: ተቓውሞ ዝበሃል ኣበይ ዘሎ ተቓውሞ ?እዞም ዑሱባት ግዙኣት ኢትዮጵያ......!!!?ወ.ዘ.ተ.
ኣይኮነን !ዝብል ርጡብ መልሲ ስለ ዘይተዋህቦ :ንእቲ ዝበሃል ሓቂ ስለዥህቦ: ሙዃኑ "ብቃልዕ" ክእመን ዘለዎ ሓቂ እዩ።
ብዘመን እንግሊዝ ዝተዘርኤ መርዚ :ናይ ፍንቅላና! ኣበይ ኣብጺሑና!? እንታይ
ኣኽፊሉና?እቲ መኽፈልቲታት እቲ: ውራይና ኣብ እምነትን ዕሽሽነትን(ሸለልትነትን)ስለዘንብርናዮ: ከም ዓዲ፡ ዓውዲ ዘይብልና! ኣብ ፈቖዶ ዓለም ዑቕባ ሓቲትና ንነብር ኣሎና ።ከምዝደንቆርናን ዝደወናን :ንውራይና ውራይ ተቓውሞና :መደባቱ ክህልው ጽባሕከ?እቲ ንእኽብካብ ሸፋቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ተሓግሓጉ: እቲ ዝቐውም መንግስቲ :ኣብ ክንዲ ባዕልና: ብኣና! ብኸምዚ ኢኹም ተቑሙ ክንበሃል ዲና...!?
ረቢ
ሳትር....!!!!
ይስተር ዘብል እዩ።እዚ ኣዋሕዝ ደም ኣፍሲስና: ጎቦታት ኣዕጽምቲ ከስኪስና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት :ኣብ ጻውቲ ዕላማ ውልደ ማሕበር ኣንድነት :ኣብታ መፈለም ተልእኾ ኢሳያስ የሰሜን ሃይል ክንድቕደቕ :መጻኢ ወለዶ ኽኣ!? ኤርትራዊ ወለዶ ዝበሃል እንተድኣ ሃሊዉ !ዳግማይ በረኻታት ወጺኡ ድዩ ክዕጠቕ....!?
1_ደምበ ተቓውሞ ተባሂሉ ብስም ውድባዊ ቃልሲ ዝውህለል ዘሎ ማእቶት ንግዲ ዘይንሰምዖ
ዘይንዕዘቦ ኣይኮነን፡እዚኦም ክኣ መነ መን በዓል መን ኩልና እንፈልጦም እዩ።
2_ብልፍለፋ ዲሞክራሲ ወጠምጠማት ዝነበሩ: ኣነ ጥራሕ ይሸየም! ሃገር ህዝቢ ህልም ይበሉ ዝብሉ
መንደላሕቕቲ: በብዕለቱ ከውጠምጥሙ: መን ብዓል መን ኣጸቢቕና እንፈልጦም እዩ::
3_ሃይለስላሴ ንልዑላውነትና ክጨውይ እንከሎ: ከመይን ብባዓል መንን ገይሩ ሽቶኡ ከም
ዝወቐዔ :ኣጸቢቕና እንዝክሮን እንትርኾን እዩ::
4_ምስ ጎሮቤት ሃገር ብሰንኪ ጭውየትን: ናይ ህላዌ ጥልመት ዕድመ መስፋሕፋሕትን: ዝተዳመናዮ ስድራቤታት ክልቲኡ ህዝቢ :ሓዚኖምዎ ዘለዉ ልዑል ተዘክሮ ኾይኑ :ንኸይድገም
ዓቢይ ጥንቃቐ ዝሓትት እዩ።
ክቡራን ክቡራት!!!
መሲሉና ድኣ እምበር: ሕጂ እውን እቲ ደምበ ተቓውሞ: ብዝምልከተና ህዝቢ ኣይተማእከለን ዘሎ።እቲ እተባሃለና ባይቶ መደብ እነድፍ ኣለኹ
እናበለና :ብኻልእ ሸነኽ መደብ ክምደበልና: ናይ ዕማኾ ዘይኣኽሉ ሓለምቲ ድፍኢታት ክዕንቅፈና(ኪዳን):ጉባኤ
ኣዋሳ ዘፍሽሎም ባእታታት: ንዝቖመ ባይቶ ክዕንቅፍ ዝመጣጠርዎ ትዕዝብትና: መን ኣጆኹም
ይብሎም?መን ይምዉሎም?መሰረታዊ ተወክሶ ሙርኩስ ጌርና: ንውራይና ባዕልና እንቆጻጸረሉ:
ባይታ ክንፈጥር ኣሎና ::፡እዚ ኸኣ ንኽንቃወም ግዴታ ኣይኮነን ኣብ ስርዓት ኢትዮጵያ ምጽጋ
ዕና: ዓለም ሰፋሕ እ! ቃልሲ ኸኣ ማዕጾታታ ገፋሕ እያ።
እቲ ግዳይ ስቓይ ኮይኑ ዘሎ ህዝብና :ኣብ ውሽጢ ሃገር ከመይሉ? ከምዝለዓዓልን: ግዳማዊ ኮሸምሸማት ከም ዝከላኸልን: ዓቕምታቱን ምውፋይ :ናትና ንጹርነትን! ተኣማኒ ዋሕስነትን! ይሓትትን ይጽበን ስለ ዘሎ፡ውራይና ክውርዚ! ተራና ዘረጋግጽ: ካባና! ብኣና! ንዓና !ዘትከለ ባይታ ነጣጥሕ: እቲ ብዘይ ተጸባይነት እነጣጥሖ ኸኣ እዩ: ዋናታት ክገብረና ዝኽእልን ዘእምንን።ኣብዚ ሰናይ ተበግሶ ክዕንቅፍ :ወይ ፍልስፍናኡ ክህትፍ ዝቕልቀል ከኣ ሹዑኡ
ነርክበሉ::
ጉዳም
ዘመን!!!
ብዘይ ቅልጽምካ ዶ ጸላኢኻ ይህረም?
በዚ እምነት እንታይ እዩ ክዕደም?
መ............ል.................. ሲ!!!!!!
ኢለ!!!
ሰናይ ቅነ!!!!









































