ግሉጽነት ዘይብሉ ምስጢራዊ አኼባ መናእሰይ አዲስ አበባ

መናእሰይ ተጠርኒፎም ቃልሶም አብ ዘጓሃህርሉ ዘለዉ ወቕቲ ተበለጽትን ልኡኻትን ነቲ መናእሰይ ስመር ሰሚርካ ሰጕድ ብዝብል ጭርሖ ተበጊሶምሉ ንዘለዉ ቃልሲ ንምዝራግን ንምብትታንን ከይድቀሱ ዝሓድሩ ውለቀሰባት ኣልዉ።

ኣብ ዓመተ 2012 ብሩህ ተስፋ ቃለሲ መንእሰይ ይርኤ አሎ፤ አብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ መንእሰይ፤ ኣነጻር ጨፍጫፊ ስርዓት ህ-ግ-ደ-ፍ ተበጊሶም ከም ዘለዉ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ሓቢሮም ንኽቃለሱ ዝገበርዎ አኼባታትን ልዝብን ድማ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት እዩ። ነዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ተወጢኑ ዘሎ ኮንፍረንስ ስዊድን ህዝቢ ብሃንቀውታ እናተጸበዮ ከሎ፤ ሕጂ ብተብተብ ብዘይ መገለጺ አብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ መንእሰይ ንምንታይ ኣድለየ፤ እዚ ግን ኣዕሚቚካ እንተ ሓሲብካሉ ሞራል መንእሰያት ኣውዲቕካ ንምብትታን ዝዓለመ ይመስል፡ በዓል መን ኢዮም ዘካይድዎ ንዝብል ሕቶ ናይ ግድን ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ዋላኳ እዚ ዝካየድ ዘሎ ብገለ መራሕቲ ኢትዮጵያ ይበገስ እመበር ነዚ ክዉን ንምግባር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ግን ኤርትራውያን ብስም ኮምሽን ዝፍለጡ ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣዋሳ ናይ ባይቶ ኣኼባ ዘዳለዉ ኵይኖም፡ አብቲ ዝተገበረ ምርጫ ዝነበሮም ናይ ስልጣን ምጭባጥ ስለ ዝመኸነ፡ ማለት ኣብቲ ጕባኤ ዘይተመረጹ ውልቀ ሰባት እዮም። እዞም ኣብ ጕባኤ ኣዋሳ ዝፈሸሉ፡ ብኣማሃ ደሞኒኮ ዝምርሑ ዝነበሩን ዘለዉን ከም ክብሮም ደብሩ ሓሓሊፉ ክብሮም ብርሃነ እናበለ ስሙ ዝለዋውጥ፤ ወይዘሮ መርየም ዑመር፤ መሓሪ ኣብርሃ፤ መጀር ብርሃነ፤ ተኽላይ ኣብርሃ ካልኦት ኣብ ኣኼባ ባይቶ ኣዋሳ ዝዋዓሉ እውን ይርከብዎም። እዞም ኣብላዕሊ ኣስማቶም ተጠቒሲም ዘልዉ ባእታት ንጠቕሞም ክብሉ ንድምበ ተቓወምቲ ካብ ዓሰርተ ሓደ ናብ ሰላሳን አርባዕተን ንኽባዛሓ ዓቢ ናይ ምፍልላይ ተራ ተጻዊቶም፡ እቲ ጠቕሚ ድማ ንሳቶም ኣብ ምርጫ ባይቶ ንኽምረጹ ኣብ ኪዳን ዘልዋ ውድባት ከም ዘይመርጽኦም ስለ ዝፈለጡ ኩሎም አንጻር ኪዳን ንዝኾኑ ውድብ ዘሎዎምን ዘይነበሮምን ውለቀሰባትን ዋላክልተ ሰብ ከም አቦ ወንበርን ምክትል አቦ ወንበርን ኮይኖም ፕሮግራም ዘይብሎም ኣባላት ዘይብሎም ሰሰለስተ ሸሕ እናኽፈሉ እዮም እቶም ዕስራን ኣርባዓተን ውድባት ተባሂሎም ኣብ ጕባኤ ባይቶ ኣዋሳ ዝተኻፈሉ። ድሐሪ ምርጫ ኣዋሳ ግን ኣብ ዝኾነ ምንቕስቓስ ኣንጻር ህግደፍ ተኻፊሎም ኣይፈልጡን፡ እዚ ሕጂ ኣብ አዲስ ኣበባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ መንእሰያት ስለምንታይ ግሉጹነት ዘይብሉ ስለምንታይ ኣማሃ ደሞኒኮን፤ ክብሮም ደብሩን፤ ወይዘሮ መርየም ዑመርን፤ ሰባት እና ሓረዩ አብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ካናዳን ብስለኪ ለይትን መዓልትን ብምድዋል ንዝደለይዎም መመሪጾም ተላዓል ነጻ ትኬት ነጻ ሆተል መግብን ከምኡ ውን ንጅባኹም ማለት መንቀሳቐሲ ዝኾነኩም ክዋሃበኩም እዩ እናበሉ ከምታ ናይ ዋዕላ ዝተገበረት ውዲት እያ ትካየድ ዘላ። ቀንዲ ተወሳኣይ ኮይኑ ዘካይዶ ዘሎ ክብሮም ደብሩ ወይ ክብሮም ብርሃን እዩ። እሰኪ ድሕረ ባይታ ክብሮም ከመይ ይመስል ንምፍላጥ ምፍታሽ ከድልየና ኢዩ። ክበሮም ኣብ ዩንቨርሲቲ ኣስመራ መምህር ነይሩ ይብሃል፤ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ሰገረ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ናብ ደምበ ስደተኛታት ኣይተላኣኸን ብቐጥታ ሰብ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ብፍልይ ዝበለ ኣቀባብላ ተቐቢሎም ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዶሞ ካብ አዲስ አበባ እውን ንካናዳ ንኽኸይድ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዓቢተራ ተጻዊቶም። ክብሮም ቅድመዝኣገደ ጠቐሚ ንዘይረኽበሉ ጕዳይ ፈጺሙ ኣይቀርብን እዩ፡ ቀዳማይ ጕባኤ ናብ ህዝቢ ክቃላሕ ከሎ ጕባኤ ንዝሳተፉ ኤርትራውያን ወጻኢታት መንግሰቲ ኢትዮጵያ እዩ ዝሸፍኖ ስለ ዘተባህለ ኩሎም ቤተሰቡ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘለዉ ብነጻ መጓዓዝያ ንኽጥቀም ኣብዝኾነ ናይ ተቓወምቲ ንጥፈታት ተኻፊሉ ዘይፈልጥ፡ ቀለጢፉ ምስ ኣባል ሳግም መስፍን ተላ ዝተባሃለ ግለሰብ ብምሽራኽ ንገለ ውድባት አብቲ ጕባኤ ንኸይምረጻ፤ ንገለ ኣባላት ስቪካዊ ማሕበር ድማ እውን ዓቢ ሞራላዊ ማህሰይቲ ኣስዒቡ። እምኣርከስ ክብሮም ኣብ ካናዳ ከባቢ ኣርባዕተ ዓመት ተቐሚጡ ከብቅዕ ዋላ ሓንቲ ማዓልቲ እውን ትዅን ብገንዘቡ ገሹ ኣይፈልጥን። ሕጂ ውን ነዚ ግልጹነት ዘይብሉ ኣኼባ አዲስ አበባ ዝይኮነስ፡ ጕዕዞ ክብሮም ብነጻ ተጓዒዙ ንሓነቲ ዘመዱ እትብጽሖ ተመርዕዩ ንኸምጻ እዩ መደቡ፡ እዚ ግን ንኢምግረሽን ካናዳ ዝምለከት ኡዩ።                

ስለዚ እዚ ተወጢኑ ዘሎ ኣኼባ ስለ ምንታይ ኩሉ መንእሰይ ባዕሉ ዘየካይዶ ስለምንታይ ወከለቶም መሪጾም ዘይልእኩ፡ ዛዕባታት ናይቲ አኼባ እነታይ እዩ?።

 

ደበሳይ ሃይለ፡

 

 

 

Interview with Ghirmai Kidane (Wedi Filipo) with Radio Aserna at Aserna.net

Part 1      Part 2

Part 3       Part 4

23-year-old pays off mom’s mortgage, becomes YouTube star

 




محنة اللجوء واللاجئين الإرتريين... منذ عام 769

المناضل تسفاي تمنيو

Tesfay temnewo with the Eritrean national dialogue platform

መስፍን ሓጉስን ተዘክሮታት

Part 1

Part 2

Young protesters in Italy occupy Eritrean embassy in Rome

 

 

London Youth Occupy Eritrean Embassy in London

ህጹጽ ጻዋዒት

 

Eritrean Cities under HGDEF Rule !

Bloody Lair Booket in PDF

 

 

 

 

Eritrea accused of prisoner abuse

Former guard says 15 former officials and journalists died due to inhumane conditions

Great Eritrean Men Saying

ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ኣብ መቓብረይ መጺእካ ሑሹኽ በለኒ።

ሓጅ ሱለይማን


Random Cartoon

Competition_thumb.jpg