ከኾሉስኻ ምጽባይ!!!?
ራብዓይትን ናይ መወዳእታን ክፋል...!
ብወደባት ግርማይ ኪዳነ
(ወዲ ፍሊፖ) ሚላኖ .......ኢጣልያ
27-06-2012
ኩቡራት ክቡራን!!!
እዛ ከም መወዳእታ ክፋል ገይረ ከቐምጣ ደልየ ዘለኹ ጽሕፍተይ :እቲ ክብሎን ክሕብሮን ዘበገሰኒ ወዲኤ ዘይኮንኩስ: ኩነታት ሃዊጹኒ ኵድእ ስለ ዝደለኹ እየ።እቲ ሃውጺ ኸኣ: ኣነ እኹን ብዙሓት ብሕልፊ ኣብዚ እዋን እዚ: ብዙሕ ጽሒፍና ንጽሕፍ ኣሎና እሞ :ሓሳባትና ከም ሓሳብ እምበር ኣብ ተበግሶ ስለ ዘይበጸሔ: ክሳዕ ኣብ ምሕባርን ምኽሳስን ዘሎና ኸኣ እቲ ኣደዳ ስቓይ ገይሩ ንምሕካኽና ኣትኪሉ ዘሎ: ሽፍትነት ስጉምቲ ብዘይ ምውሳድና: ህሉው ኮይኑ ምስ ግዜ ከምታ ታተ! እናበለ እንከሎ: ስለ ዘየጉደምናዮ እንታይ ድኣ? እንኮ...! ሓያል ዘስማዕናዮ ምስ ግዜ ዘረባና ንንፋስ! ዕላማኡ ኣብ ምንጋስ! ስለዘብጽሕ :ግዜ እንኮለካ ግዜ ኣይትጸበ ከም ዝብልዎ ለባማት: መዓድቲ እታ ወቕቲ ኣድሚቓ ቃጭላ ትድውል ኣላ !ድሃይ ስኣን ምሃብና ክይነላሕትታ ብዽድ ንበል! እቲ ታሪኽ ንተረኽቲ ሓዲግና: እታ ክሳዕ ሕጂ ምድፋር ተሳኢና ዘላ እንታይ ንግበር? ንድፈራ ነኽብራ !ንጠቐመላ! ዝብል ጻዋዒት ስለ ዝኾርኩዓኒ እዩ እሞ: ምናልባት እዛ ናይ ሎሚ ጽሕፈተይ ንውሕ እንተበለት ኣይትሓዙለይ።
ኩቡራት ክቡራን!!!
ኣብ ዝቐደማ ክፋላት ከምዝሓበርኩዎ መንነትና ንምሕካኽ ብዙሕ ፈተነታት ከፍሽሎ ዝኸኣለ :ጠሚሩ ሒዙና ዝነበረ ገድሊ ሃገራዊ ናጽነት ስለ ዝነበረ: መኪትና ስዒርና ኤርትራ ኣካል ሃገራት ዓለም ምዃና :ብወግዒ ኣኤውጅና ኸኣ።እቲ ኣዋጅና ከምቲ ግቡኡን መልክዑን ልክዑን: ኣብ ክንዲ ዝእወጅ: ንሕና ዕልል! ክንብል ሊቀ ጥልመት ኢሳያስ ኣብ ዝባንና ከሽካዕልል! እንታይ ከምዘዘንጋዓና ?ንርኡይ ጥልመቱ ብጣቒዒትን ዕልልታን ተቐቢልናዮ ።ንሱ ኸኣ ንእታ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ተባሂላ: ብውልቀ ድልየቱ እተሰኣለት ጌና ኣብ ቦታ እታ ዕላዊት ባንዴራና ገቢታ:ተንበልብል ዘላ ናብ ምረቓ ሕቡራት መንግስታት ዓለም: ከም መወከስ ታሪኽና ብኻብ ታሪኻውያን ኣቦታት: ኣብቲ እዋን እቲ ብህይወቶም ዝነበሩ ወይ ካብ እቶም በጃ ህዝቦም ህይወቶም: ብስንክልና ዝኸፈሉ :ኣብ ክንዲ ትርከብ ንዓመታት ተቐላቢ ጸረ እቲ ዝዓኹኽ ዝነበረ ገበል: ዝዛረቡን ንእቲ ቶንኮላት ዘቃልዑን እናኣከበ :ኣብ ኤውሮጳ ን16 ዓሰርተው ሹዱሽተ ዓመት ካብ 1975 ክሳዕ 1991 ዝተቐለበ ዕባይ ከረን :የመናዊ ብወዲ ሓጅ ዓሊ ቱምባኽ ዝፍለጥ ገይሩ: ልዑላውነትና ከመርቕ እንከሎ :እቶም ዕላማና እናበሉ ነታ ዕላዊት ባንዴራና እናሳዓሙ እተሰዉኡ: ምስ ባንዴራኹም ጥፍኡ! ንእቶም ናጽነት ኣርኪብና ዕልል ዝበልና ደቀባት ከኣ: ዋንነት የብልኩምን! እዚ ናጽነት ኣይናትኩምን: ናትና ናይ ሓደስቲ ኤርትራውያን እዩ: ዘስምዕ ኣዋጅ ምንባሩ ዘንጊዕናዮ።
ኣብዘን ዕስራን ሓደን ዓመት: ንምሕቃቕና ንምድሃልና ዘይገበሮ ፈተነ የልቦን: እቲ ኣብ ልዕሌና ዘተፍነኖ ንዕቀት ሳዕሪሩዎ :ንኣእምሮኡ ሸፊንዎ ዶባት ሰጊሩ: ኲናት ምፍሕታር(ምጽሕታር)ናይ መዳመይ መሳርያታት ዕዳጋ ብምፍጣር: ንእዛ ብልቦና ኣብ የዋህን ርህሩሁን ህዝባ እትልለይ ዝነበረት: ሃገርና! ሎም ስማ ክለዓልን ተምላስን ክቕልቀልን: ሃገራት ዓለም ካብ ምጽላእ እተላዕለ: ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘርእየኦ ንዕቀት: ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ እተዓዘብናዮ ካብ እቲ ሓርገጽ ዝኾነ ሽፍታዊ ስርዓት ዣሃደሙ: ከም ኣራዊት ክህደኑ! ኣካላቶም ተጠቢሖም ኩሊቶም መዓንጣኦም ልቦም ሳምብኦም ኣዒንቶም ኣብ ዕዳጋ እናወረደ :ብትሪ ከይሕለቓሉ ተቖጢበን ንርእዮን! ንሰምዖን !ዘሎና ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ......!!!?
ብ23-12-2009 ቀዳማይ እገዳ
ኤርትራውያን ተኣኪቦም ዓገብ ክብሉ
ምዕዛበን: እቲ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታትና ዝወርድ ግፍዒ ዕጅብ ከምዘይብለና: ሽፍታ ኤርትራ ዝገበረ እንተገበረ ተቐበልቱ ከም ዝኾንና እሞ: ንኸይዘርያልና ወይ ዓገብ ከይብላልና! ኣብ ዘይመንጠቢትክን ስለምንታይ ተእትዋ ኢድክን!? ከምዝበሃል "ተሓጓማይ እንኮሎስ ትሓዝ እግሪ ይጠርጥ" ከይከውን? ንገፋዒኦም ባዕሎም ዘረያቱ ኻብ ኮኑ :ንዘርየሎምሲ እንታይ ስለ ዝኾኑ ጥርጣሬታት ዓጊትወን ምህላዉ ኣሉ ኣይንበል።ደምበ ተቓውሞ ተባሂሉ ንዓመታት ዉሕታ ግንከ፣ብዘይወስታ ኾይኑ ነቲ ተቓውሞዝቆጻጸሩ መጻብሕቱ ተምሳላቱ ምስ ቅልጽሞም እንከለዉ ዘይ ዘረዩልና: ሕጂ ሃዲሞም ክዘርዩልና ምጽባይ :እቲ ከጸዉዓና ዝኽእል ዕዉርን ድዋይን:
እቲ ዕዉር ክመርሓና !እቲ ደዋይ ከኣ: ጉስጢ(ቡኛ)ክሃርመልና! ንጽበይ ከም ዘሎና እዩ።
እቶም ኣብዚ ባርነታዊ ናጽነት ዝተወልዱ ሕጻናት: እናዓበዩ እናዓኾኹ ካብ ዝመሃርዎ: ኣቦኦም ክርዕድ! ኣዲኦም ክትርዕድ! እናጠመቱ እናተዓዘቡ: ንሶም ከ እታ ምሕያል ዝብልዋ መን ትርጉማን ?ትራን ምስ መሃሮም ክመሃርዋ? ሽፍታ ኤርትራ ተሓንጊጡ ሓናጢጡ :ዝጞዓዞ ዘሎ _ንእታ ቀደም ስርዓት ንጉስ ኢትዮጵያ ዝብላ ዝነበረ:" ኤርትራ እምበር ኤርትራውያን ኣየድልዩንን" ስርዓት ሃገረ ኢሳያስ ከኣ! ንኽትጸድቕ ትሰርቕ! ትጠልም! ተሕቅቕ! ብዕሊ የተግብራ ከምዘሎ: ግሁድ ኮይኑ ኣሎ።ሎሚ እቶም ዘሚቱና ዓፊኑና ዓሚጹና ኢሎም ኣብ ፍቐዶ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም ዝነበሩ :ኣብ መቐመጥ ገዘኦም ከም ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል :ስእሊ ጠላም ኣባ ራእሱ ኢሳያስ ኣፈወርቅ: ወላዊሎም ኣብረቕሪቖም ዝሰቕሉ ብዙሓት ከምዘለዉ: ጭብጥታት ኣሎ:: እዚ ኸኣ እቲ ዛዛሚ መልእኽቶም ክሕደት ሃገርን ክብርን ኮይኑ: ንእታ ዝምስሕዋ ዝድረርዋ ስድራቤቶም ዝዕንግልዋ ውህበት ልማኖ: ሳላ ኢሳያስ ዝጨፍለቐና ኢሎም ስለ ዝምርቕዋ ኾይኖም :ከምታ ኣብ ድሕሪ ምፍራስ ናደው: ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተራእየ ናጽነት መጸት: ንሃገርካ ኪድ ተደወለት! ኮይናቶም: ናብ እቲ ዘዝቕመጥዎ ሃገራት ዜግነት እቲ ሃገር ዝሓተትዎ: ሕጂ እውን እቲ ዓለምለኻዊ እገዳ እተበዮኖ እንተድኣ ተዓሊዉ ተመለሱ ገዛኹም ከይበሃሉ :ስክፍታ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ከም መወከስ ክኾነና...!!!
1_ድሕሪ እቲ ኣስካሕካሒ ኲናት ሕድሕድ ደቂ ሓንቲ ማህጸን: ንሓንቲ ዕላማ ሃገር ዘስዓቦ ናይ ውዱብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ: መቃለሲኣ መሬት ሃገራ ጠንጢና: ዶብ ሰጊራ ኣብ ሱዳን ምስ ዓለበት: "ብሳግም" ዝጽዋዕ ጉጅለ እተሰራረዔ ሓይሊ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ተመለሰ፣ንባዕሉ ኣብ ክልተ ተገማሚዑ ነቲ ናይ ውድብ ንብረት ተማቒሉ :ሓደ ጉጅለ ኣብ ጫማ ኢሳያስ ክሳለም :እቲ ሓደ ኸኣ ቃልሰይ ክቕጽል ኢሉ ድሕሪ ምፍልላዮም: ሎሚ እቲ ናብ ኢሳያስ ኣይን ብርከኽን ዝበለ ዕድሜኡ ን30 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ።እዚ ውድብ እዚ ኣብዚ ሳላሳ ዓመት እንተሓመቐ ካብ እዘን ንግሆ ንግሆ ውድብየ! ዑቁብየ! ዝብላ ብእተዓጻጸፈ ስሩዓትን ገጣማይ ሓይሊ ሰራዊትን ክህልዎ ምስ ተገበኤ: ብወገነይ እኳ ብዙሕ ግዜ ነታ ናብ ሎቖታ ብዓል ኢሳይስ ዘይመእተዊኡ ኣገናዕ ኢለ: ክተባባዕን ክሕይልን ዓቕመይ ዝፈቕዶ ሆፕ..! ሆፕ...! ኢለ; ምስ እቶም "ያዕ" ዝብልዎም ዝነበሩ: ብዕቱብ ተዘናጢለ ምንባረይ ይዝከር እሞ: ድሕሪ ሰላሳ ዓመት በጺሕዎ ዘሎ ትዕዝብተይ :እቲ ካብ እቶም መሳግምቶም ዝተመቐልዎ ንብረት ገድሊ: ተራቢሑ እቲ ኣሎና ዝበልዎ ሰራዊት ግን ከምዘየሎ ምዕዛበይ!!
እንተሎ እቲ ሰራዊት፣ ኣበይ ከምዘሎ ሓበሩ!!!?
እንተዘይኣሎ ኸኣ፣ ንግድና ሰራዊትና በሉ...!!!
ኣይትሕፈሩ !?
ኢለ: ንእቶም ብመሪሕነት ገበነኛ ዓብደላ ኢድሪስ ዝምርሑ ዝነበሩ: ኣብ ኣፍደገ ሞት(COMA)ልዕሊ ሹዱሽተ ዓመት: ሞት ዝደንጎየቶ ሰብ: ነቲ ኣሎና ውድብ ዝበሃል ዝነበረ ነጋድ ህይወታት ኤርትራውያን: ስርርዖም ዓብደላ ጨሪሱ ከይሞተ ኣብ ወንበርነቱ ኣይውረስን ኢሎም ምጽባዮም እንታይ ዓይነት? ወይ ናይ ኣየናይ ዓላማ ውድብ ምዃኖም? ህዝቢ ባዕሉ ይመልሾ እሞ: እቲ ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕንክሊል ዘጽንሓና ስዉር መሳርያ ህላዌ ሸፋቱ ኤርትራ :ኮይኑ ከምዝጸነሔ ክንዝንገዖ የብልናን።
ሀ)ምሁራት!!!
ለ)ምኩራት!!!
በዚ ስም እዚ ክጽዉዑ ዝፈትዉ ብዙሓት ኣለዉ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን ኣመሓድራ ስልጣን :ኣተሓሕዛ ከመይ እንተዘይኮይኑ? ንእቲ ሸፊቱ ተኸሲቱ ዘሎ ዓቕሚ ብኸመይ ከምዝደዊ? እንታይ ምስ ተገብረ ከምዝዓንው? ግን ዝሓበርዎ ዝሓንጸጽዎ ክሳዕ ሕጂ የልቦን እሞ: መግቢ ከምዝብላዕ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ እዩ :ኣቀራርብኡኸ ኣቢሉ ዘሕትት እዩ? እሞ:ኣግህድ ኣቢሎም ነታ በዓል ኢሳያስ ሃገር! ሃገር! ኢሎም ኣእሚኖም: ብመስዋእትታትና ተጠቒሞም! ዓፊኖምናን !ኣብ ጠልጠል ሕከት ኣብጺሖምናን! ዘለዉ ከመይ ኣበጋግሰኦም? ዝፈልጦ ዝዝክሮ የልቦን ማለቶም ድዩ!!!?
እቲ ምህሮ ዝበልዎ.....!!
እቲ ዝተማሃርዎ !ንእቲ ባይቶ ጸጥታ ዓለም: ወግዓዊ ብይን እገዳ ብኸመይ ክትርጎምን ኣብ ግብሪ ኵዉዕልን ኣይንገሮምን ?ኣይሕበሮምን ድዩ ኮይኑ ናብ እቲ ውዽድር ስልጣን ጥራሕ ዝዕይኑ!? መልሲ _ሕልናዊ መልሲ ይወሃብ!!!?
እቲ ተማሂርናዮ: ዝበልዎ መብዛሕትኦም ኣብ ስደት ብዑቕባ መሕተት ተጠቒሞም ከምዝኾኑ:ኣደዕዲዕና እንፈልጦ እዩ እሞ :እታ ዝምሃረቶም ባይታ ብኽያትን ጥርዓንን ሓተታ ምዃና መስረታ እሞ በኽየ ጠሪዔ ተማሂረ: ሕጂ ግደ ህዝቢ ክኸውን፣ወንበረይ ኮረሻይ ጥራሕ ኣለልዩለይ እንተኾይና: ባዕሎም ይመልስዋ።ተመኲርና! ተጋዲልና! ተቓሊስና- ኣቃሊስና! ዝብሉ : ንእቲ ዝጸዓሩሉ ህይወቶም: ንእስነቶም ዝወፈይሉ ንሃገር ከምዝኾነ ዘይከሓድ እኳ ይኹን እምበር: እቲ ዝኸፈልዎ ብዕማኾ ሸፋቱ ተመንዚዑ እናረኣዩ: እቲ ኣብ ዘመነ ገድሊ ናጽነት ጸረ መግዛእቲ ዘበገሶም: ሓሞት ኣብዚ እዋን እዚ ኣበይ ተኻዕዩ!?ብኸመይ ዓስዩ!?ወይስ እዚ ሕስመት እዚ ዋጋ ናጽነት እዩ ክበሃል ድዩ ተደልዩ!?
ወይስ....!?????
ኣባራእሱ ኢሳያስ: ብዙሕ ግዜ ዝብሎ ሜዳ ኤርትራ: ብዙሕ ዓይነት ባህርያት ዘለዎም "ሓቚፉ "እዩ ተጓዒዙ
ሀ)ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዘጋጠሞም......!!!
ለ)ድብደባ ደርጊ ዘህደሞም...!!!
ሐ)ብዕዳ ተወጢሮም ዓቕሎም ዝጸበቦም!!!
መ)ሰብ ቀቲሎም ፈዳይ ሕነ ዘህደሞም!!!
እንታይ!? እንታይ...? እሞ ዘየቋናጽብ እሞ: እቲ ሕጂ ምንብርካኽ እንታይ ኣምጸኦ?ብሕብሪ ናጽነት ዝተዃሓለ ባርነት: ኣሜን ! ኢልካ ምቕባል :ነቲ ክትደግሞ እውን ዘፈንፍነካ ጃህራ ኢሳያስ :ሓቁ እባ እዩ ዲና ክንብሎ፣እንሓስቦን እንብሎን እኮ ጠፊኡና
ትማል ጀግና ኔርካ !!!
ሕጂ እንታይ ረኸበካ!!!?
ንዝበሃል ሕቶ ኸኣ ስድራይ ሓደጋ ከየጋጥሞም ንብረት ኣጥርየ እሞ ንብረተይ ክዕቅብ ዝብል ምስምሳት እውን ይስማዕ እዩ እሞ እቶም ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ ዝበሃሉ ስድራቤት ልዕሊ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ምረት እንታይ ዓይነት ከየጋጥሞም፣ትማል ጸረ መግዛእቲኸ እዞም ዝሕለየሎም ስድራቤታት ኣይነበሩን ድዮም፣እቲ ንብረት ዝበሃልከ ኣብ ቀይዲ ገፋዒ ክህልዉ እቲ ንብረትካ ብራዕዲ ብፍርሒ ክዕቅቦ ምባልሲ እንታይ የስምዕ፣ ክቡራት ክቡራን፣ ኩነታትና ዘርዚርካ ዘይውዳእ እዩ፣ኣብ ምዝርዛሩ ግዜኻ ምብኻን ከኣ ንእቲ ንስኻ እውን እንታይ እዩ ጉዱ? እትብሎ ተሓባባሪኡ ኢኻ ማለት እዩ እሞ: ክንደይ ጽንኩር እዋን ዘይሓለፈ! ብኸመይከ ተኾለፈ!? ኣብ ዝመርሕ ሕቶ ምእታው እቲ ዝሓሸ እዩ እሞ :እስኪ ንድሕሪት ምልስ ክብል
" ቅድሚ ሕጂ እውን ሓቡረዮ ከምዝነበርኩ: ኣብ ምብጋስ ቃልሲ ናጽነት ንእቲ
ግቡእ ወፈያ በጃነት ሃገር: ዝኸትር ወፍርታት ብሓደ ሓደ ተበለጽቲ ውልቀ ረ
ብሓኦም ጠመትቲ :ንውልቀ ረብሖኦም ክብሉ ዘቋናጽቡን ዝበታትኑን ኣንደላ
ሕቕቲታት ስለዝነበሩ :ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ እታ እንኮ ከረዛን እተስምዖም:
ኣብ ረብሖኦም ምስ እትጎድኦም እዩ እሞ ነዚኦም ከነስሞዖም እንታይ እንተ
ተገብረ ይሓይሽ :ተባሂሉ ንብረቶም ምንዳድን ቅትለትን ወፍሪ ምስ
ተበገሰ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ፍቖዶኡ ክስማዕ ዝጀመረ;"
እቶም ብሽፍትነት ሃገር :ሸየጣ ንዓረብነት ዝጥቀሩ ዝነበሩ ጀጋኑ ሃገር
እንቋዕ ተወለዱ!!!
ነዛ ሃገር ዝሓስቡ!!!
እዚ ጭሓም ዘይኸይድ ዓዱ(ንኃይለ ሥላሴ)!!!
ንባዕሉ ሽፍታስ!!
ንደቅና ሸፋቱ!!!
ዝብል ታቱላታት: ብዙሕ ተሰሚዑ ንእቲ ሃገራዊ ወፍሪ ኸኣ ብዕቱብ ኣተባቢዑ: ክሳዕ እቲ ኣብቲ እዋን ዝድረፍ ዝነበረ ደርፍታት: ልቢ ወለድ ፍቕሪ ብሃገራዊ ምልዕዓል ሕብሪ ተለኽዩ እዚኣ ማለት እዚ ፡እቲ ማለት እቲ፡ትርጉማት ይወሃቦ ነይሩ እዩ።
ኣብቲ እዋን እቲ....!!!
ብዘይካ ሱዳንን ግብጽን የመንን ዓለም ምሉእ ዓንጋሊ ንጉስ ኢትዮጵያ ኾይኑ!! ካብ ዓቐኑ ንላዕሊ ኣጻቢቦምልና ዝነበሩ: ኾይኑ ህዝብና ብምልዕዓል ዘበገስናዮ ቃልሲ ሽቶኡ ሽቶ ናጽነት ወቒዑ; ንዓለም ሙሉእ ከኣ ጽንዓት ኤርትራውያን ኣደኒቑ እዩ።ኩሉ ግን እዞም እክብካብ ሸፋቱ ብዓል ደባልቆ: ወደባት ዝበሃል ኣሕቅቆ ጨውዮምዎ እነሆ ኣብ ገዛእ ሃገርና ገዛእ መሬትና :ገዛና ነታ ፈሪህና ምንባር እውን ክኸልኡና ጀሚሮም ኣለዉ:ባህለ ልምድና ሕገ እንዳባና ኣፍሪሶም ግሂሶም ደምሲሶም ግዳይ ስቓይን ምረትን ገይሮምና ኣለዉ።
ጽባሕ ከ!?
ይፈተው ይጸላእ ደቀባት ኤርትራ ህጹጽ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ እንተዘይተዋፈርና: እቲ ህላዌ መንነትና ክብረ ባህለ ልምድና ተሪፍዎ ዘሎ ዕድመ :ብቑጽሪ ኣጻብዕ ዝቑጸር ዓመታት እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና እቲ ኣብዚ ዘመነ ባርነት ተጠኒሱ ዝዓብይ ዘሎ ግዳይ ራዕድን! ፍርህን! ጥልመትን! ኮይኑ ኣብቲ ህሞት ስለ ዝድቕደቕ :እቲ ኣብ ስደት ተወሊዱ ዝዓብይ ምስ ባህልታት ኣተዓባብያኡ ስለ ዝደባለቕ :እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ብዘለዎ ህልም እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኸኣ ብኡኡ ኣቢሉ ስጥም ስለዝብል: ጉዕዞ በዓል ኣባራእሱ ኢሳያስ ኣፈወርቅ! ክዕወት ማለት ኮይኑ....
ስዉኣትና ኣብ መቓብሮም ኮይኖም!!!
ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ !ብዓል መን እዮም!!!
ዣሃደሙ !!!?ብዓል መን እዮም ዝጠለሙ!!!?
ኢሎም እታ ቀሲኖም ከዕርፉላ እተቐበሩላ መሬቶም ጸቢባን ኮርኳሓን: ኣብ ኣስተንትኖ ከተእትዎም እያ እንተተባህለ ሓቂ እምበር ኣጋንኖ ኣይኮነን።
ሰለስተ ዓመቱ ኾይኑ!!!
ዓለም ኣብ ጎድንና ደው ኢላ: መህረሚኡ ከረዛን መሕነቒኡ መሸንቆቕ ኣብ ወርቂ ሞሶብ ቀሪባ ሂባትና ኣላ :እዚ ኸኣ እንኩም ህረሙሉ! እንኩም ሕነቑሉ! ማለት ድኣ እምበር: ረኣዩዎ ወላውልዎ ማለት ኣይኮነን እሞ: ነዚ ዕድል እዚ ክንጥቀመሉ ዘይመኽኣሊና ዘይመድለዪና? ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን: ወይ ከኣ ካብ ቀሪብኩምልና ህረሙልና! ሕነቑልና! ንሕና ኸኣ ንጽበ ኣማዕዲና እንተኾይኑ! መልስና ንእዛ ኣብ ኣርእስቲ እዛ ጽሕፍተይ ኣቐሚጠያ ዘለኹ መኣዲ ቀሪቦምልካስ ከኾሉስኻ ምጽባይ እትብል ንኣምን ኢና ማለት እዩ እሞ :መልሲ ንሃብ።
ኣንቱም ምሁራት ኢና ትብሉ....!!!
ልዕሌኹም እተማህሩ !!!ንሃገር እተበጀዉ ዘክሩ!!!
ከምዚ ናትኩም :ኣብ ፍልስፍና...! ዘይወዓሉ:
ቅድም ሃገር!! ድሓር ሊቅነት ዝበሉ:
ኣብነት ፍቕሪ ሃገር ህይወቶም! ዝኸፈሉ:
ኣብዛ እዋን እዚኣ: ምልስ እንተዝብሉ!?
ንብርጠጣ ..!ኣንነት ...!ፋሕተርተርኩም...! እንተዘስተብህሉ!?
ክንደይ ምስ ተቖጥዑ! ክንደይ ምስ ኣስተማሰሉ!!
ሽፍታ ህ.ግ.ደ.ፍ.!!!
ክኸተርን ክመተርን እንተድኣ ኾይኑ: ብዘይ ግዜ ምምጣጥ :ሕጂ እዩ ንሕና እቶም ኣራቒቕና
እንፈልጦ: ሓግሒግና ንምጽራዩ: ንወለዶና ኣርኪብና ባይታ እንተዘይ ኣጣጥሕናሎም :እዞም ዘመነ ባርነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ተወሊዶም ዝዓበዩ ዘለዉ: ዝቐርበሎም ባህለ ልምዲ: ዝበሎም ዝሓበሮም ታሪኽ እንተዘይኮይኑ! እቲ ሓቂ ነጋሪ ብምስኣን ድሓር ካበይ የምጽእዎ!?
እሞ!!!?
ከምቲ ንምሕያል ናጽነታዊ ቃልስና: ንምርጛጽ መንነትና: ንወኻሩን ምንጹጹልያቱን : ናይ ህይወትን ንብረትን ጥቕምታቶም በርዒንና ቀጥ ዘበልናዮም: ዓወት ንገድሊ ኤርትራ ዘድረፍናዮም :እቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራን ሃገራት ዓለም ኣበርኪቱልና ዘሎ በሊሕ ከረዛን :ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሕቖ ህዝብና ድርዕቶ ዝዕንድሩ: ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወኻሩ! ብዑቕባነት
ዝነብሩ.......! "ኣላሽ" ኢሎም
ደርፊ ወዲ ትኹል...! ወዲ ቁልቁል!!!
ክሰምዑ እንከለዉ........ ባህሪሮም!!!
ኣይተስምዑና......!!!! ከይተለክሙና!!!
ኢሎም: ኣልግስ "ነጅስ"! ኢሎም ክሳዕ ኣእዛኖም ዝሓትሙ: ህ.ግ.ደ.ፍ. ይወስደካ !መንደፍ ኢሎም :"ዝራገሙ" ዘብጽሖም ስጉምቲ ንምውሳድ :ንዕጠቕ !ጸሓይ ሃገርና ቅሳነት ህዝብና ከነብርቕ:
ይኣክል!!! ፍልስፍና !!!!!!.......ንተግባር....!!! ነቐድማ::
ኢለ!!
ሰናይ ቅነ!!!!










































ስም ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክስረዝ ማለት ብህዝብና ዝጽወር ጉዳይ ኣይክኸውንን እዩ።