ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ (ማባኤ)ከም መቀጸልታ ኣብ ህሉዉ ዞባዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ጽልዉኡን ኣመልኪቱ ከቅርቦ ዝጸንሔ ትንታነታት ከም ዘመልከቶ ኣብ መስመር መጋዓዝያ እቲ ባሕሪ፣ ባሕሬኛታት፣ ድሕነት መስመር ቀይሕ ባሕርን ባህርያዊ ተፈጥርኡን ብመጥቃዕትታት...
ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከቦም ሸሞንተ ሓተቲ ዑቕባ ሞይቶም
ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያን፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።እቶም ኣብዚ ሳልስቲ‘ዚ፣ ቡሎኝ ሱር ሜር ኣብ...
ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተረጋጊጹ
ሓላፊ መደባት ስፖርት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ (ቶፖ) ንሚኒስተሪ ዜና ኤርትራ ወኪሉ፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ናብቲ ፓሪስ ዝተኻየደ መበል 33 ውድድር ኦሎምፒክ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ሓቲቱ ከም ዘሎ እሙናት ምንጭታት...
ፐን ኤርትራ፡ ፍሉጥ ጸሓፍን ተርጓምን ዳኒኤል ሰመረ ዕዉት ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት 2024 ኰይኑ
ፍሉጥ ደራሲን ተርጓምን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ፡ ዕዉት ሽልማት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2024 ኰይኑ ምርቍሑ፡ እቲ ትካል ብመርበብ ሓበሬታኡ ኣቃሊሑ። ዳኒኤል፡ ነዚ ዓመታዊ ዝወሃብ ሽልማት ዝተዓወተ፡ ‘ሓላው እታ ወርቃዊት ገረብ’ እትብል ዓባይ ታሪኻዊት ልበወለዳዊት መጽሓፍ፡ ካብ ስርሓት ማርክ ትወይን...
ኤርትራ -- ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ትዝክር
ዋሽንግተን —ሎሚ 18 መስከረም 2024፡ መበል 23 ዓመት ምዕጻው ናጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝዝከረሉ፡ መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ድንፋዐ ስነ-ጽሑፍን ዝጣበቕ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ዝተሰየመ ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ድማ ናይዚ ዓመት ዕዉት መሰል ምግላጽ ሓሳባት ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ...
ኤርትራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኣብ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ዶባታ ዓጽያ
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ብዘሎ ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ...
ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ 8 ሰባት ሞይቶም
ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት እቶም ሸሞንተ ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። እታ ጃልባ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ፓስ-ደ-ካለይ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ቦሎን-ሱር-መር ኣብ ዝርከብ ማያት ድሕሪ ሰዓት 01፡00 [ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ኣብ ጸገም ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን...
ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
ዋሽንግተን —ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ....
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ደገፍቱ ክሕሎ ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዱ
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብቲ ሎሚ...
ኣብ ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዳባት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝርከቦም ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ድማ ክልተ ካልኦት ኤርትራውያን ከም ዝቖሰሉን ስደተኛታት ካብቲ ቦታ ንድምፂ ኣመሪካ...
ሃገርና ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን ኸሲራ!!
ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ሃገርና ዑስማን ዓብደልረሒም ብዕለት 07 መስከረም 2024 ዓም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ብሕማም ዓሪፉ። ዑስማን በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉዳትን እዩ።
ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት...





















