ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ ከመይ ነይሩ፧
“ኣቲ ውድብ ፡ ራኢ ስለዝነበሮ እዩ ዝባሃል”
ናይ ብሓቂ ድዩ “ኣብቲ ውድብ ፡ ራኢ ነይሩ፧ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ከም ው’ን ድሕሪ ባይታ ታሪኻዊ ንኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ ሓፈሻዊ ስእሊ ንምቅራብ ኢዩ።
ኣብ መጀመሪያ ናይ1975 ክፍሊ ታዕልም ህሓሓኤ ብኣማኢታት ሓደስቲ ትዓለምቲ ፡ መብዛሕቲኦም ድማ ተማሃሮ ናይ ካልአይ ደረጃ ን ዩንቨርስቲ ከም ’ን ሰብ ሞያውያን (መማህራን ሐካይም ወዘተ) ምስትዓብለለ ከም መቀጸልታ ናይቲ ናይ 73 ምንቅስቃስ ፡ ኣብቲ ውድብ ዓቢ ስግኣት ናይ ሙሁራት የሕድሩ ነበረ።
ከም ሳዕብየን ናይ ’ዚ ድማ ፡ አብ ወርሒ 7 1975 ኣቢሉ ኣብ ብለቃት መደበር ክፍሊ ታዕሊም ዳርጋ 30 ታዕሊም ዝወድኡ ነበሩ። እዞም ታዕሊምቲ መብዛቶም ተማሃሮ ዩንቨርስቲ ገለ ውሕዳተ ድማ መማህራን (ከም ብዓል ቃላብ ሀይለ) ሰብ መዉያዊያን ቢሮን ጥራዝ ብምቅራብ ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ታዕሊም ተመዲቦም መባእታዊ ካሪክለም ትምህርቲ ክነድፉ ትሓበሩ ፡ ንምድላው መባእታዊ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክለም) ንትምህርቲ ዝሕግዝ ዝተቀረበ መውከሲ ግና ኣይነበረን ።
መብገሲ ናይ ዚ - ክኸወን ዝኽኣል ድማ ኣብ 1975 ብብዚሒ ትዓለምቲ ሙሁራት ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ስለዝነብሩ ንምንቅስቃስ ናይ ዚኦም ሙሁራት ንምቁጹጻር ተባሂሉ ንኣሽቱ ኣሃዱታት ከም ብዓል ንግዲ ፡ ሕርሻ ፡ ምልክት ፡ ቤት ትምህርቲን ወዘተ ብምቋም ንገለ ንገለ ሙሁራት ታዕሊም ዝውዳኡ ኣብተን ንኣሽቱ ኣሃዱታት ብምምዳብ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ (ዓዳይ) ናይ ብለቃ ፋሕ ንምባል ዝነበረ ይመስል ፡ እዚ መግበሪኦዮም ድማ ኣብቲ ኣዋን መሪሕነት ህዝባዊ ሐይልታት ብርቱዑ ስግኣት ናይ ሙሁራት ስለዝነበራ ኢዩ።
አብ ወሪሒ 8 1975 ድማ መብዛሕቲኦም ትዐለምቲ ኣብ ቦጦሎንታት ክምደቡ ኣንከልው ገለ ውሕዳት ድማ ኣብ ደጃን ተመደቡ። ብመስረት ሐድሽ ኣውዳድባ ናይ ክፍልታት አዜን ዝስዕባ ጨናፍራት ፥ ትምህርቲ፥ ባህሊ፣ ስአሊ ፥ ቤት ንባብ ን ማህተም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክፍሊ ዜና ተመደባ ፤ ክፍሊ ዜና ሐድሽ ሰማ ድማ ዜና ፕሮፖጋንዳ ተባሂላ ተስያመት። ኣባላታ ድማ ካብ 11 ዝነበሩ ናብ 50-60 ክብ በለ
ኣብ ወርሒ 9 ኣቢሉ ብስንኪ ብርትዑ ናይ ነፋሪት ድብዳብ ኣብ ብለቃት ክፍሊ ዜና፣ ካብ ብሊቃት ናብ ዜሮ (መበቈላዊ ስሙ እቲ ቦታ በዓት ቢጫይ ዝብሃል እዩ ነይሩ። ሓድሽ ስሙ ድማ ‘ ዜሮ ’ ዝብል መጸውዒ ኮድ ተዋሂብዎ)። እቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ድማ ናብ ኡ ግዓዘት።
ዜሮ ኣብ 1975 መደበር ጨንፈር ምልክት (ዛገረ ናይ ረድዮ ኮድ ስሙ ድማ ዜሮ ይበሃል ነይሩ) ከሙኡን እንዳ ህዝቢ” ወይ ድማ ዕቑባት (ላጂን) ትፍለጥ ነይራ (ቡዙሓት ዝተመዛበላ ስድራ ቤታት ካብ ሕርጊጎ ግዳያት ናይ 'ቲ ኣብ 1975 ኣብ ሕርጊጎን ኣከባቢኣን ብግፍዓዊ ተግባራት ጸላኢ ዝመጹ ነይሮም)። ዳሕር ግን ብስንኪ ብርትዑ ናይ ነፋሪት ድብዳብ ኣብ ዜሮ (ናይ ረድዮ ኮድ ስም ቦታ)ድማ መብዛሕቲኦም ካብ ሕርጊጎ ዝመጹ ናብ ሱዳን ክኸዱ እንክለዉ እቲኣም ዝተረፉ ዑቅባኛታት ድማ ናብ ደብዓት ዝብሃል ቦታ ግዓዙ፡ ደብዓት ማእከል ሓለዋን ዕቑባን ክሳብ ምዝላቅ 1978 ኮነት።
-
ኣብ 1975 ጨንፈር ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ዜና ዋላ ትመስረት እምበር ፡ ነቲኦም ብስም መማህራን ዝፍለጡ ኣባላት እዚ ጨንፈር መባእታዊ ካሪክለም ትምህርቲ ንምንዳፉ ዝተቀረበ መወከሲ መጽሐፍቲ ኣይነበሮም። እዞም ኣባላት ናይ ዚ ጨንፈር (ብእንዳ መማህራን ዝጽውዑ ዝነበሩ)፡ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ሰንጭሮ መንገዲ ዛግርይ ኮይኖም ኣብ ክንዲ ግዚኦም ኣብ ምድላው ስርዓተ ትምህርቲ ዘሕልፍዎ ፡ ኣብ ምንባብ ማርክሳዊ መጽሐፍትን ምጭራቅን ግዚኦም የሕልፍዎ ነብሩ።
ኣብቲ ግዜ ‘ቲ ካብ 100 ቢሮ 10 ጨጋር ዳንጋ ይበልጹ። ብዝብል ጭርሖ ኣብቲ ውድብ ብርቱዕ ጎስጋስ ኣንጻር ሙሁራት ነይሩ። ብፍለይ ኣንጻር ብጻይ ጎይትኦም መሰልቱን (ሙሁር ምኻንካ ትጸልኣሉ ግዝይ ከይፍትኻ ሓረስታ ክትኸውን ትጽዕረሩ ዝነበረ ኣዋን ኢዩ ነይሩ)። ኣብ ዚ እዋን ኣባልት ናይዚ ክፍሊ ዜና፣ ብስም መማህራን ዝጽውዑ ዝነበሩ ከም እውን ሓላፊ ቤት ንባብ ዝነበረ ኪዳነ ዝተባህለ ናይ ሳንታ ፍምሊያ ሙሁር፡ ኣብ ልዕልኦም ምክትታላት ይግብረሎም ነበረ።
ኣብዚ ሓንቲ ክትብርህ ዘለዋ አለምስገድ ተስፋይ ጸኒሑ ኢዩ ናብ ቶም መማሃራ ዝተመደበ። መመደቢኡ ድማ ዓቅሚ ተመኩሮ ናይ ካሪክለም ትምህርቲ ሃሊይዎ ኣበርክቶ ክገብር ዘይኮነ ኣብ ባቁስ ክፍሊ ፖለቲካ ምንቅቃሕ ተመዲቡ ኣብ ዝስርሐሉ ግዜ ፡ ን ኣለምስገድ ተስፋይ ን ስናይት ባህታ ከም ሙሁር ብዙሕ ምክትታል ይግበረሎም ስለ ዝነበር ስናይት ባህታ ናብ ኣብ ዓላ ዝርከብ ሓላዋ ስውራ ከም ዝትኣስርት- ክስዱዋ ኣንከለው ን አለምስገድ ተስፋይ ካብ ባቁስ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቅቃሕ ከም ሕዩር ናብ ዜሮ(ናይ ረድዮ ኮድ ስም ቦታ)ድማ ክፍሊ ዜና ብምምዳብ ብድቂቁ ምንቅስቃሱ ንምክተታል ኢዩ ዝነበረ። ኣብ 1975 ን 1976 ከምዚ ዓይነት ኣስራርሐ ልሙድ ኢዩ ነይሩ ኣብ ህዝባዊ ግንባር፥ ኣብነት ተውልደ ኢዮብ (ኣባል መሪ ሕነት) መሲሕ ርአስም (ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ባንክ ማናጀር) ብርሃነ ገብር መስቅል (ኣብ ኢትዮጵያ ኣባል ባሕረኛ ዝነበረ) ኩሎም ካብ ተዋጋኢ ስራዊት ተሳሒቦም ከም ሑዩራት ኣብ ክፍሊ ዜና ንቁሩብ ግዜ ድሕሪ መምዳቦም ናብ ሐላዋ ሰውራ ውሲዶም ረሽኖሞም፥ አለምስገድ ተስፋይ ግን ዕድል ገይሩ ካብ ሐላዋ ስውራ ምኻድ ድሒኑ፤ ኪዳነ ሐላፉ ቤት ንባብ ዝነበረ ግና ኣብ ሐለዋ ስውራ ተረሺኑ።
እብ ወሪሒ 3/ 1976 ድማ ኣቲ ኣብ ዜሮ ዝመደበሩ ክፍሊ ዜናን ፕሮፖጋንዳ ምስቲ፡ ኣብ ባቁስ ዝነበረ ክፍሊ ፖለቲካ ምንቅቓሕ ተጸንቢሩ። ብሐድሽ ውዳበ ድማ ናብ ክፍል ዜናን ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ብዝብል ተስየመ ኣብ ባቁስ ክሳብ መጀመሪያ 1977. ኣገልግሎቱ ክህብ ጸነሐ።
ክፍሊ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ምስቲ፡ ኣብ ባቁስ ዝነበረ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምንቅቓሕ ቅድሚ ምጸንቢሩ ኣብ ወርሒ 1 ኣቢሉ 1976- ብታዓለምቲ ካብ ማይህመት ብዝመጹ ኣብ ዜሮ ኣባይቲ ንመምሃርን መንበሪ ንተማሃሮ ን ኣባልት ዘገልግል ተሰርሐ።
እቶም ኣባላት ጨንፈር ትምህርቲ ዝነበሩ ግን ቅድሚ ቁሩብ ስሙናት ክፍሊ ዜናን ፕሮፖጋንዳ ናብ፡ ባቁስ ምግዓዙ ከሎም እቶም ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዝተመደቡ ሙሁራት (ብስም መማህራን ዝጹውዑ) ድማ ብጀካ እዞም ዝስዕቡ፥ ጰጥሮስ ሃይለማሪያም፡ ሃይለ መብራህቱ፡ አለምስገድ ተስፋይ፡ ጎይተኦም ተኽለሚካኤል፡ ቃላብ ሃይለ መሐመድ እስማዒልን ካሎኦት ናብ ክፍሊ ህዝቢ (ከም ብዓል ሃብቶም ጉዱም ሃብተ ኣብርሃ፡ ወዲ ዘወንጌል ፡ አስቲፋኖስ ወዲ በላዒ ጥዓዋ (ኣብ ዓዲ አንግሊዝ ኣባሳደር ዝነበረ) ኣቲላ ወዘተ፥ ዝተረፉ ድማ ከም ብዓል ሐጎስ ገብረ ማሪያም (ሐው ንኣንባሳደር ኣድሓኖም ገብረ ማሪያም) ፡ ጸጋይ (ድሮል) ጸጋይ ሐጎስ ወልዱ ማእከለ (መራሒ ጋንታ ዝነበር) ወዘተ ናብ ሐይልታት ተመደ -
ኣብ ወርሒ 3 1976 ቤት ትምህርቲ ሰውራ በዚኦም ውሑዳት ኣባላት ተመስረተት
ካብ ጨንፍር ትምህርቲ ( ብስም መማህራን ዝፍለጡ ) ፡
ጰጥሮስ ሃይለማሪያም ፡ ሃይለ መብራህቱ ፡ አለምስገድ ተስፋይ ፡ ጎይትኦም ተኽለሚካኤል ፡ ቃልኣብ ሃይለ ፡ መሐመድ እስማዒልን ነይሮም።
ካብ ጨንፈር ዜና( ማሕተም) ፡ ዛይድ ርአሶም
ሓላፊኣ ድማ ጰጥሮስ ሃይለማሪያም ኮነ።
ነዚ ኣመልኪቱ ማሕሙድ ሳልሕ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ዘቅረቦ ጽሑፍ ከምዚ- ይብል፥ ቅድሚ ተመሃሮ ምምጸኦም፡ እቶም መምሃራን ንገለ ኣዋርሕ ተኣኪቦም መስርሒ ቦታን መደባትን የጣጥሑ ምንባሮም መምህር ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትቱ ገሊጹ ነይሩ። ብመሰረት ማሕሙድ ሳልሕ ጽሑፍ
ድሕሪ ናይ 6 ውርሒ ምድላዋት ፡ ኣብ መስከረም 1976 ድማ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ስሩሑ ብ150 ተማሃሮ ጀመረ ኣቲ ዝልዓለ ክፍሊ ድማ ሳልሳይ ክፍሊ ጥራይ ነይሩ።
እቲኣም ቀዳሞቶ 5 ጀመርቲ ተማሃሮ ናብዚ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ዝመጽኡ፡
-
አልጋነሽ የማነ (ኢንዳስትሪ) ምስ ሓዋ ስውእ ፍጹም የመነ፡ ኢለን ግርማይ ምስ ሓዋ መድሃኔ ግርማይን ካሎት 2 ተማሃሮ ኣብ ፋሕ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ እዮም።
-
ብድሕሪኦም ድማ 70 ዝዀኑ ተመሃሮን ካብ ደብዓት ደቂ እቶም ኣብ ትሕቲ ህ.ሓ.ኤ ተዓቚቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ሓንቲ ካብኦም ሩት ብጻኣምላክ ምስ ኣሕዋታ ኣማኒኤልን ኣስቴርን ኢያ፤
-
እቶም ካብ ፋሕ ዝመጹ ብዓል ማሕሙድ ሳልሕ ኮርስ ዝተረፉ
-
ብድሕሪኦም ድማ ካብ ሐይልታት ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ከም ብዓል ተስፋማርያም እምባየ (ወዲ እምባየ) ነበሩ።
ብሐፈሻዊ ኣቃውማ ተማህሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ዚኦም ዝስዕብ ጉጅለ ዝተዋጽኡ ነበሩ
1ይ ጉጅለ ተማሃሮ፡ እቶም ኣብ ፋሕ ካባና (ማሕሙድ ሳልሕ ኮርስ ዝተረፉ)
2ይ ጉጅለ፡ ካብቶም ኣብ ደብዓት ዝነበሩ ዕቑባት ህዝቢ
3ይ ጉጅለ፡ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ወደል ሒሎውን ካልኦት ምዓስከር ስደተኛታት
4ይ ድሒርና ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ዝተሰሓብና
እዞም ጉጅለታት እዚኦም እዮም እቶም ጀመርቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተጀመረ ግን ተመሃሮ ብዝተፈላለየ መገድታት ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ይመጽኡ ነይሮም።
1- ካብ ታዕሊም፡ ክዕለሙ ዝመጹ ግን ብዕድመ ነኣሽቱ ኮይኖም ዝተራ እዩ (ምስክር ዕለት-ልደት ዘይነበሮ ግዜ እዩ)። ኩሉ ብግምት’ዩ ነይሩ፡ ከምዛ ናይ ዕዳጋ ነገር። ብዕድምኡ ንእሽቶ ክንሱ ህጡር ወይ ንውሕ ዝበለ ቆልዓ ግን ሰተት ኢሉ ናብ ታዕሊሙ ክሓልፍ ይኽእል።
2- ተጋደልቲ ካብ ዓዲ ደቆም የምጽኡ ነይሮም
3- ኲናትን ግፍዕታት ጸላእን ዘስዓቦ፡ ኣላዪ ዘይነበሮም ቆልዑት ዝርከብዎ ነበረ።
ሐላፊ ‘ቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ክጅመር ከሎ፡ ጰጥሮስ ሃይለማሪያም ዝነበረ ነዊሕ ከይጸሐ ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሐለዋ ሰውራ ኣተወ። (አዚ ድማ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዜሮ ነቲኦም ኣባላት መመሃራን ዝግበረሎም ዝነበረ ምክትታል ኢዩ። ጰጥሮስ ኣብቲ እዋን ሓደ ካብ ብቶም ማርክሳውያን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኮይኑ ካብ ጁቡኡ ናይ ማርክስነት መጽሓፍ ዘይፈሊ መምህር ኢዩ ነይሩ)።
ከም መተካእታ ናይ ጰጥሮስ ድማ ሐምድ ወዲ ሽኽ መራሒ ጨንፈር ዜና ኣብ ክፍል ዜናን ፖለቲካ ምንቅቃሕን ባቁስ ዝመደበሩ ዝነበረ፡ ሐላፊ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኮይኑ ክሳብ መጀመርታ 1980ታተ ጸነሐ።
እቲ ቀንዲ - ምኽንያት ወዲ ሽኽ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ምምዳቡ ካም ጰጥሮስ ሃይለማሪያም ኣካዳማዊ ዓቅሚ ሃልይዎ ዘይኮነ እንታይ ድኣ ንሙሁራት ከም ብዓል ኣለምስገድ ተስፋይ ንክከታተሎም እንበር። ናይ ምምህርና ሞያ ሃልይዎ ‘ን ኣይኮነን። እዚ ድማ እቲ ንቡር ኣሰራርሓ እቲ ውድብ ፡ ንሙሁራን ንምጭቋን ኣብ 1970ታት ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሜላ ኢዩ።
ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ ካብ ሜዳ ብህዝባዊ ሓይልታት ዝጀመረ ኮነ ዋል ‘ውን ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ እቲ ውድብ ራኢ ስለዝነብሮ ኢዩ ዝባሃል ካብ ሐቂ ዝርሐቀ ኢዩ።
ኣቲ ውድብ ሓቀኛ ናይ ትምህርቲ ራኢ እንተ ዝህልዎ ነይሩ፡ ዓቅሚን ፍልጠት ናቶም ብእንዳ መምሃራን ዝፍለጡ ሃገራውይን ሙሁራት ኣብ ዜሮ ዝነበሩ ከም ብዓል ሐጎስ ገብረ ማሪያም (ናይ ጆግራፊ ምሩቅ 1978 ኣብ ጋሕተላይ ዝተሰውኤ) ዝኣምሰሉ ኣቲ ውድብ ብግቡኣ ምስተ ጠቀመሎም ነይሩ።
ነዚ ኣመልኪቱ ተወልደ ካሕሳይ ከምዚ ኢሉ ጽሓፈ፡
ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰለፉ ብሉጻት ምሁራት ብጉቡእ ክጥቀሙሎም ዘይከኣሉን: ዘይደለዩን 'ሲ፡ ንተማሃሮ ቤ/ት/ሰውራ ኣምሂሮም፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሖም፡ ኣብ ሃገር ምምራሕ ወይ ነቲ ውድብ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ክሰርሑ ትምኒትን መደብን ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ጽላለ እዩ ይመስለኒ። ተወልደ ካሕሳይ
ኣብ መጀመሪያ 1980ታት ካብ ወጻኢ ( ኣመሪካን ምዕራብ አውሮጳን ) ዝስለፉ ሙሁራን ምስ ኣቋረጹ፡ ከም ‘ውን ብዙሃት ሙሁራን ኣብ ኩናት ምስ ጠፍኡ ኣብቲ ውድብ ዋሕዲ ናይ መሁራት ክራኣይ ጀመረ። ነዚ- ብዝምልከት ቃላኣብ ሃይለ ሐደ ካብቶም መስራቲ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መማህራን ምስ Les Gottesman ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ፥ እቶም ቀዳሞት ተጋድልቲ ናይ 1970 ታት ብተዛማዲ ብጣዕሚ ሙሁራት ኢዮም ነይሮም መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ሞንጎ 1973-1983 ተሰዊኦም። ብተመሳስሊ ስለሞን ወልደሚካይል ምስ Les
Gottesman ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ኣርጋጊጽዋ ኢዩ።
Kaleab Haile who had been a secondary school teacher in Ethiopia before joining the revolution mentioned in his interview with Les Gottesman that an earlier generation of fighters had been relatively well-educated in the front but most of those educated fighters were martyred between 1973 and 1983. This was confirmed by Solomon Woldemichael in his interview with Les Gottesman.
እብዚ ግዜ’ቲ ውድብ ከም ስልታዊ ሜላ ሐድሽ ጭርሖ፡ ሙሁራትና ንዓቅብ ዝብል ብምልዓል ኣብ ልዕሊ ሙሁራት ዝነብሮ ኣራኣእይ ክቅይር ጀመረ። -እዚ ድማ እቲ መሪሕነት ሙሁራት ከም ዘይኣስግእዎ ምስ ኣረጋገጸ (ENSA ናይ ስሜን ኣመሪካ ማሕበር ኤርትራውይን ብደገፍቲ ህዝባዊ ሓይልታት ምስተዓብለለ) ምስፍሕፍሕ ማሕበር ተማሃሮ ኣብ ወጻኣኢ ምስ ምምስራት ናይ RICE 1979, EMA ( ማሕበር ሐካይም ኤርትራውይን ) 1983 etc ምእንቲ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሙሁራን ኤርትራዊያን ክጥቀመሎም ስለዝድለይ ይመስል ድኣ እንበር ብቅንዕናስ ኣይነበረን።
ኢዚ መቅይሮ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሃይልታት ንነዊሒ ዓመታት ተጨቁኖም ንዝነበሩ ሙሁራን ሓድሽ መድርኸ ምስ ከፈተሎም ተራ ናይ ሙሁራትን ኪኢላታትን ኣብ ምዕባለ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ን ካሎት ክፍለታት ከም ክፍሊ ሕክምና ኣብ 1980ታት ርኡይ ዝኾነ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።
መሰረት እዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ከም ብዓል ሐምድ ወዲ ሸኽ ዝኣመሰሉ መሳሪሒ ኮይኖም ንሙሁራት ዝጸቅጡ ነበሩ፡ ነቲ ምዕባለ ዓንቀፍቲ ዝነበሩ ብምልጋስ ፡ ቤት ትምህርቲ ብሞያውያን ሙሁራን ( ከም ባዓል ቃልኣብ ሃይል) ብቢትውደድ ኣብርሃ ምክትል ናይ በራኺ ገብረስላሴ ክእለይ ጀመረ። ቢትውደድ ኣብርሃ ኣብ 1980 ካብ ክፍሊ ቁጠባ ናብ ቤት ትምህርቲ ስውራ ምክትል ናይ በራኺ ገብረስላሴ ኮይኑ ተመዲቡ። መስፍን ሐጎስ ኣብ መጽሐፉ ንቢትውደድ ኣብርሃ ብከምዚ ይገልጾ ፡ “ኣብ ክፍሊ ቁጠባ እንከሎ ምስ ኣባላት ጽብቅ ምውህሃድ ኣይነበሮን” ቤት ትምህርቲ ሰውራ ምስ ተመደበ ግና ምስ ኣባልት ን ተማሃሮን ጽብቅ ዝምድና ነይሩዎ ብፍላይ ድማ ምስ ተማሃሮ። ብወገን ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ልዕል ቢተወደድ ኣብርሃ ካልኦት መማሃራናቶም ኣለይቶም ዝነበሩ ድማ ዓቢ ኣክብሮት ነይርዎምን ኣለዎምን። ቢተወደድ ኣብርሃ ብተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ክሳብ ሕጂ ብዓቢ ኣድናቆት ውትሩ ምስ ተዘከረ ኢዩ።
ኣብ 1980ታት ኣብ ምዕባለ ቤት ትምህርቲ ሰውራ በራኺ ገብረስላሴን ንቢተወደድ ኣብርሃን ዓቢ ኣበርክቶ ንመማህራን ኣብ ምትብባዕ ጥራይ ከይተውስነ ሙሉ ናጽነት ብምሃብ ኣብ ምምዕባል ማእከላይ ደረጃ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክለም) ዓቢ ግደ ኣብርክቶ ኢዮም። ክም መቀጸልታ ናይዚ ምዕባላ ኣብ መፋርቅ 1980ታት እቲ ዝለዓለደረጃ 6ይ ክፍሊ ክበጽሕ ክኢሉ።
ኣብ 1989-1990 እቲ ማእከላይ ደረጃካብ ዓሬርብ ናብ እምባልቆ ከባቢ ናቕፋ ብምግዓዝ፣ ክሳብ ዕለተ ሓርነት 1991 2ይ ደረጃ ብምኽፋት ክሳብ 8ይ ክፍሊበጺሑ ነይሩ። ኣብዚ- ከም ናይ ዶክተር ጥዓመ መብራህቱ። ኣብርክቶ ኣብ ምዕባለ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዓሬርብ ዓቢ ግደይ ከም ዝጻዊቱ ክጥቀስ ይግቦ እዩ።
እቲ ሕቶ ህዝባዊ ግንባር ራኢ ስለዝነበሮ ኢዩ ኣብ 1975 ን ኣካድምዊ ትምህርቲ ኣዲሂብ ነይሩ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ብናትይ ውልቃዊ ትዕዝብቲ፡
ኣብ 1970ታት ሐደ ካብትን- ብርቱዕ ዘመተ ዝካየደሉ ዝነበር ኣብ ህሓኤ ምጥፋ ማህይምነት ነበረ። ኣብ መፋርቅ 1970ታት ንማህይምነት ንምጥፍእ ትሕግዝ “መለይን ገረይን” ትብል ጽሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ታዓለምትን ተዋጋኢ ስራዊትን ኣብ ምጥፋ ማህይምነት ዓቢ እጃም ኣበርኪታ ነይራ።
መቀጸልታ ናይቲ ብኸፊሊ ታዕሊም ዝካይድ ዝነበር ናይ ምጥፋእ ማህይምነት መበገሲ ይመስል ምምስራት ቤት ትምህርቲ ስውራ ኣብ 1976። እዚ ማለት እታ ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ብምእላይን፣ ኣብ ትምህርትን ሃገራዊ ስምዒትን ኣሰልጢና ናብ ሰራዊት ንምስግጋር ዝተወጠነት ዕላማ ኢዩ ነየሩ። እምበር ብናይ ርሑቅ ዕላማ ተድሪኹ ኣቲ ቤት ትምህርቲ ዝተመስረተ ኣይነበረን ።
ነዚ ኣባሃህላ ዝድግፍ ድማ ተወልደ ካሕሳይ ሐደ ካብ ቲኦም ተማሃሮ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ስውራ ዝነበረ ኣራኣእይኡ ብክምዚ ይገልጾ፤
ኣነ ከምዚ ዓቅሚ ኣሎኒ፡ ብኸምዚ ዓይነት ሞያ ሰልጢነ ፡ ኣብዚ ሜዳ 'ዚ ተመኩሮ ኣሎኒ ፡ እዝን እዝን ክገብር ይኽእል ኢየ። ኢልካ ምስ ልዕሌኻ ዘለው ክትወዳደር ዝኾነ ዓይነት ambition ከምዘይህልወና፡ ነተን ዝደለዩና ሃጓፋት ንኽንዓብስ ኢሎም ጥራይ ኢዮም መልሚሎምና (ኩረት)
እቲ ውድብ 1975 ብናይ ኣካድምዊ ትምህርቲ ራኢ እንተ ዝህልዎ
1. ነቶም ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተሰለፉ ብሉጻት ምሁራት ብጉቡእ ምስተጥቀሙሎም፥
ከም ብዓል ሐጎስ ገብረ ማሪያም (ናይ ጆግራፊ ምሩቅ 1978 ኣብ ጋሕተላይ ዝተሰወኤ)።
2. ንጰጥሮስ ሃይለማሪያም ኣብ ጀኔራል ወንጌት ካላኣይ ደረጃ ንፋዑ ተማሃራይ ናይ ዩንቭርስቲ ሙሁር ዝነበረ፡ ምስ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሓላፊ ዝተመዘዘ፡ ኣብ ምምዕባል ቤት ትምህርቲ ስውራ ብዙሕ ከበርክት ዝኽእል ሙሁር፡ ክነሱ ድሕሪ ቁርብ ሶሙናት ኣብ ሓለዋ ስውራ ዶ ምስ ትኣስረ፧ ከም መተካእታ ናይ ጰጥሮስ ድማ ወዲ ሽኽ ትሑት ኣካዳምዊ ደረጃ ብዝለወ ሰብ ምትክኡ ጥራይ እቲ ውድብ ናይ ኣካድምዊ ትምህርቲ ራኢ ከም ዘይነበሮ የርጋግጽ።
እቲ ውድብ ( ስርዓት ኢስይስ ) ካብ መፈለሚኡ 1975 ኣቲሒዙ ራኢ ናይ ዕብየትን መምዕባልን ኣካድምዊ ትምህርቲ ከም ዝይነበሮ ደጊሙ ብድሕሪ ናጽነት ኣመስኪርዎ ኢዩ።
ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ኢስያስ ንዕቤትን ምምዕባል ኣካድምዊ ትምህርቲን ንምድካም ንሙሁራት ምድርቃስ ድሕር ኣይበለን።
ንኣብነት
-
1992 ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ 35 ሙኩራት መማሃራን ካብ ስራሕ ኣስናቢቱ
-
. ኣብ 2000 ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተማህሮ ነቲ ናይ ክረምቲ ስራሕ መደብ ውፊሪ ባርነት ብምባል ተቋውምዎ። ኣቲ ስርዓት ኢስያስ ነዚ ተቋውሞ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተማሃሮ ስለዘስጎኦ ሐደ ካብ ረቋሕታት ንምዕጻዉ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ምኽንያት ኮይኑ። ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ድማ ድሕሪ 2003 ሓደሽቲ ተማሃሮ ንከይትቅበል ተገበረ ከም’ውን ወፍሪ ዋርሳ ይካኣሎ ኣብ 2003 ትኣወጀ።
-
ብመሰረት ዚ ኣዋጅ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ ምስ ወድኡ ናብ ኮለጃት መእተዊ ነጥቢ ዘይረኺቡ ናብ ስራዊት ይመደቡ። ኢዚ አዋጅ ካብ ዝትግበር ኣትሒዙ በብ ዓመቱ 11 ሽሕ ክሳብ 15 ሽሕ ናብ ሳዋ ይስደዱ። ካብ ዚኦም 12.2% ናይ ዲግሪ መእተዊ ነጥቢ ክረኽቡ እንከለው 7.59% ናይ ዲብሎማ መእተዊ ነጥቢ እቶም 80% (ብውሕዱ 10, 000) መንአስያት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኮሊፍካ ናብ ስራዊት ዓመት ዓመት ምምዳብ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ።
ብመስረት አቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀስ ካብ 2003 ክሳብ 2025 ዘሎ ዓመታት ዳርጋ 200 ሽሕ ተማሃሮ ኣብ ኣገልግሎትን ስራዊት ተመዲቦም። ኣሸሓት ካብኦም ድማ ግዳይት ናይ ኩናት ን ስደትን ኮይኖም፥ ከም ሳዕብየን ናይዚ ድማ ኣብ ምዕባለ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዓቢ ሃጋፍ ናይ ሙሁር ኣካል ፈጢሩ ይርክብ ኣሎ።
ብመስረተ ኢመል ስለሞን ዮሐንስ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1996 መምህር ኣይናኣለም ማሪስቆስ (ጆ) ኣብ ሓመልማሎ ከረን ኮለጅ ንምህናጽ መስረት ኣንቢሩ ጀሚሩ። ዝነበሮ ሕልሚ ድማ እዚ ኮለጅ ብምህናጽ “ኣብ ዓመት ካብ 800-1000 ተማሃሮ እናኣመረቅና ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጽረት ናይ እተማህረ ዓቅሚ ሰብና ኣብ ምፍታሓ ዓቢ ግደ ክህልዎም እዩ። ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመት ክሳብ 100 ሽሕ ተማሃሮ ኣመሪቐ፡ ኣነ ድማ ሽዑ ጥሮታይ ክወጽእ እየ።” እዚ ሕልሚ ራኢ መምህር ኣይናኣለም (ጆ) ግን ምስ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ከም ኩሉ ሕልምታት ቁንዓት ኤርትራውያን በርዒኑ ተሪፉ።
ብኣንጻር`ዚ ናይ ራኢ መምህር ኣይናኣለም (ጆ) ብመስርት ምንጪ ሚኒስትሪ ዜና (2026-27-6))ካብ ማይሐባር ተክኒክ ቤት ትምህርቲ(ኮለጅ) 5ሽሕን 321 ተማሃሮ ጥራይ ተመሪቆም ኣብ ውሽጢ 29 ዓመት (ካብ 1997 ክስብ 2026)
አዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ስታቲካዊ ኣሃዝ አንታኣኢዮ ዘሕብር ቁጽሪ መንአስያት ተማሃሮ ካብ ኮለጅ ዝምረቁ ብተዛማዲ ምስቲ ቁጽሪ መንአስያት ተማሃሮ ኣብ ኣገልግሎትን ስራዊት ዝምደቡ ብጣዕሚ ውሕድ ኮይኑ ማሕበራዊን ቁጠባዊ ምዕባለይ ሕብረተስብ ኤርትራ ኣብ ሐደጋ ውዲቁ ክምዘሎ ኢዩ ዝርኢ፥
ኣሉታዊ ናይዚ ሳዕብየን ድማ አንኮላይ ኣብቲኦም ዝተስዱ መንአስይት ኤርትራዊያን ይራይ ኣሎ ኣዚ ድማ ነቲ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝረኽብው ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንረብሖኦም ክጥቅምሉ ኣይካሉን ጥይራ ዘይኮነ እንኮላይ ንደቆም ጹቡቅ ናይ ትምህርቲ ሰረት ከትሕዝዎም ኣይካሉን። ብስንኪ ትሑት ናይ ኣካዳማዊ ትምህርቲ ዓቅሞም፤
እዚ ስርዓት ምስ ኣልገስ ኣብ ዳግመ ህንጻ ዓቢ ናይ ኪኢላታት ን ሙሁራን ሽግር ንክይጋጥመና ነዞም ኣብ ስደት ዘለው ቆልዑት ኤርትራውያን ክም ድቅና ሪኢና ናብ ጹቡቅ ደረጃ ንኽበጹ ጻዕሪ ንግበረሎም። ምእንቲ ኣብ ምዕባል ማሕብረ ቁጠባ ሕብረተ ስብ ዓቢ እጃም ክህልውም።
http://www.ehrea.org/zerosc.php
|
|
||||
|
ehrea.org © 2004-2017. Contact: |
||||













