ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰነ 2026፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ፡ ክሳዕ መወዳእታ ሓምለ ናብ ሕሳብ ባንክ ክኣቱ ዘገድድ ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር እዩ።እቲ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ብዙሕ ሰብ፡ ብሰንኪ ዝተጓተተን ዘይምዕቡልን ኣሰራርሓ ባንክታት ገና ገንዘቡ ኣታዊ ክገብር ከምዘይከኣለ እዩ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመልክት።
መብዛሕትአን ባንክታት ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ልዕሊ 50,000 ናቕፋ ኣታዊ ንዝገብሩ ትካላት ይዅኑ ውልቀሰባት ቀዳምነት ይህባ ብምህላወን፡ ትሕቲ እዚ ዝተጠቕሰ ገንዘብ ዝሓዘ ሰብ ገና ተራኡ ከም ዘይበጽሖ፤ ብሪጋን ቈጸራን ይጽበ ወይ በጺሑ ይምለስ ምህላው እዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘመልክት።
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኲርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
እቲ ኣብ መወዳእታ ሰነ ዝወጸ መግለጺ ባንክ ኤርትራ ነቲ መምርሒ ዘየተግብሩን ኣብ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ገንዘቦም ኣታዊ ኣብ ዘይገብሩን ወገናት፡ ጽኑዕ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሎም ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።
እቲ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር "እዚ እዩ" ኣይተባህለን - ብዙሕ ሰብ ድማ ገና ገንዘቡ ናብ ባንክ ከእቱ ብዘይምኽኣሉን እቲ ዘእተወ እውን እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ስለ ዘይፈልጥ ኣብ ስክፍታ ከም ዝርከብ እዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ኣሰራርሓ ባንክታት ኤርትራ ገና ዘይዘመነ፡ ዝደሓረን ኣብ ወረቐት ዝተመርኰሰን ኣገባብ ስለ ዝኽተል እቲ ምጕታትን ነዊሕ ሰዓታት ምጽባይን ኣብ ቦታኡ እዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ውሳነን ዘይተነጸረ ስግኣትን፡ ኣብ መላእ ዕዳጋታት ኤርትራ ዓሚቝ ሻቕሎትን ዘይርጉጽነትን ፈጢሩ ይርከብ።













