ዳኛ ካልጋሪ፡ ምስ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ 4 ኤርትራውያን ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ዳኛ ካልጋሪ፡ ኣብቲ ፖሊስ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማና ዘጋጠመ ዝዓበየ ናዕቢ" ኢሉ ዝገለፆ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ናይ ጥፍኣተኛነት ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ። ብ2 መስከረም 2023፡ ብሰንኪ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት፡ ተጻራሪ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ዝተገልፁ ክልተ ጉጅለ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 'ፋልኮንሪጅ ፕላዛ' ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ናብ ሕድሕዳዊ ጐንፂ ምእታዎም ይዝከር።

ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ዳኛ ሎይድ ሮበርትሰን፡ እቲ ናዕቢ ዝተመልኦ ፍጻመ ብዝምልከት፡ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ እቲ ፍፃመ 'ብሓቂ ናዕቢ'ዩ ኢልካ ክትድምድም ኣጸጋሚ ከምዘይኮነን' እቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ'ውን ኣብቲ ናዕቢ ከምዝተሳተፉን ኣረጋጊፁ።

ከም ፀብፃብ ሲቢሲ፡ እቲ ደኛ እቶም ኣርባዕተ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ናዕቢ ብምስታፍ፡ ብረት ተንከፍ ብምዕጣቕን መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ገበነኛታት ምዃኖም ወሲኑ።

ዳኛ ሮበርትሰን፡ ኣብቲ ንምንባቡ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደሉ ውሳነ፡ ቀዳማይ ነገር "እቲ ብ2 መስከረም 2023 ዘጋጠመ ተጓንፎ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዓመፅ ዝተመልኦን እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ኣብቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ካልጋሪ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን" ክብል ነቲ ኩነታት ኣዘኻኺሩ።

ደኛ ሮበርትሰን፡ ኣማኑኤል ክፍለዝጊ ስዩም፣ ያሚን ዑቕባሃነስ፣ ገብረኪድ ሃይለማርያምን ሙሲ እስጢፋኖስን ኣብ ተፃራሪ ጉጅለ'ቲ ጭት ንዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብበትርን ሻምብቆጣትን ከም ዝሃረሙዋ ገሊጹ።

ካብ መንጐ እቶም ተሳተፍቲ ሓደ ዝዀነ - ዕቐባዮሃነስ፡ ብኻልእ ክሲ ዕግርግር ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዳኛ፡ ፖሊስ ካብቲ ጐንፂ ብኸመይ ነረርእሶም ከምዝከላኸሉ ከይተረፈ ኣፀጋሚ ኰይኑ ከምዝተሰመዖም'ውን ገሊጹ።

ብመሰረት ፀብፃብ ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ 10 ደቓይቕ ግጭት፡ 97 በትሪን ሻምብቆታትን፡ 118 ኣእማንን ካልእ ዝውርወሩ ነገራትን፡ ከምኡ'ውን 18 ጠራሙዝ ከም ዝተደርበዩ ተረዲኡ።

ብሰመሰረት እቲ ፀብፃብ፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ተጓንፎ፡ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝፋለሙ ዝነበሩ ጉጅለታት ንምፍላይ ኣስታት 200 ኣባላት፡ ቦምባታት ዘንብዕ ጋዝን ኣስታት 2000 ዝተጠቕለለ ሕሩጭ በርበረ ከምዝተጠቕመ ገሊፁ።

ኣብታ መዓልቲ፡ እቶም ኣብ ክልተ ወገን ዝተወደቡ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ሓደ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቘም ዝተፈላለየ ፍጻመታት ከካይዱ ወዲቦም ስልዝነበሩ፡ እቲ ርክብ ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ገሚቶም ምንባሮም ይገልፁ።

ፖሊስ ከምዝብሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ 'ምልካዊ መንግስቲ' ብዝነበረ ምክፍፋል፡ ኣብ ከተማታት 'ቶሮንቶን ኤድመንተንን" ተመሳሳሊ ፍጻመታት ኣጋጢሙ ብምባለሩ እዩ፡ ነቲ ኩነታት ቀዲሙ ኣሚቱ ነዚ ምድላዋት ገይሩ።

ፖሊስ ብዛዕባ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ካብ ኣስታት 150 ክሳብ 300 ከምዝበፅሕ ይግምት።

ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም መጥቃዕቲ ከይበፅሕ ሰጊኦም ከምዝነበሩ፡ መካይንን መሳዅቲ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከምዝዓነዋን፡ 12 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ፖሊስ ካልጋሪ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ፖሊስ ካልጋሪ ነቲ ፍፃመ ንኽምርምር ሓይሊ ዕማም ኣጣይሹ።

ኣብ መጀመርታ ብድምር ኣብ ልዕሊ 28 ሰባት 63 ክስታት ኣቕሪቡ፡ 20 ሰባት ካብ ሓደ ጉጅለ ሸሞንተ ድማ ካብቲ ካልእ ጉጅለ እዮም ነይሮም።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እቲ ዳሕረዋይ ጉጅለ [ደገፍቲ] ዝቐረበ ክስታት ኣብ 2024 ተሰሪዙ።