ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ሓደ ወዲ 36 ከምኡ'ውን ጓል 21 ዓመት ኣብቲ ብሰንበት 26 ሚያዝያ ዘጋጠመ ባርዕ ሞይቶም ኣለዉ። ካብቲ ባርዕ ዝደሓኑ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብዝወረዶም ጉድኣት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ጠንቂ ናይቲ ኣብ "ምምሕዳር ከባቢ ሓሊበት" ዘጋጠመ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓላፊ ምክልኻል ገበን 6ይ መደበር ፖሊስ ኣቶ ክብርኣብ ገብረክርስቶስ ሓቢሩ።
"እቲ ሓደጋ ዝተኸስተ ከባቢ ሰዓት 12:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብዝገበርዎ ርብርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ተኻኢሉ እዩ።
"እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ጽዑቕ ትኪ፡ ሓንቲ ኣደን ኣርባዕተ ቆልዑን ብምዕፋኖም ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ኣለዉ። እቶም ግዳያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣድላዪ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ" ይብል እቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ።
ሕብረተሰብ ምስ ሓዊ ዝተሓሓዝ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ዝተማሕጸኑ ሰብመዚ መጥፋእቲ ሓዊ፡ "ተቓጻሊ ባህሪያት ዘለዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ምኽዛን ክቑጠብ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።"
ኣብ ኤርትራ ባርዕ ሓዊ መንበሪ ሳሕቲ ዘጋጥም'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ሓሓሊፉ ክርአ ጸኒሑ'ዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 6ይ መደበር ፖሊስ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።













