ጀርመን፡ ዝተረኽበ ሽክና ርእሲ ናይታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ርእሲ ናይታ ብዘስካክሕ ኣገባብ ዝተቐትለት ኤርትራዊት ምዃኑ ከምዝተረጋገጸ ሰብመዚ ጀርመን ኣፍሊጦም። ፖሊስ ከተማ ቦን ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ እቲ ብ11 ሚያዝያ ዝተረኽበ ሽክና ብክኢላታት ናይ ናይ 'ዲ-ኤን-ኤ- መርመራ ከምዝተገብረሉ ሓቢሮም። "እቲ ብ11 ሚያዝያ 2026 ኣብ ምምሕዳር ቨንደን፡ ወረዳ ኦልፐ፡ ኣብ እዋን ወፈራ ጽርየት ኣብ ሓደ ዕሙር ኣግራብ ዝተረኽበ ሽክና ሰብ፡ ናይታ ዝተቐተለት ነባሪት ቦን ዝኾነት ጓል 32 ዓመት እዩ" ይብል መግለጺ ፖሊስ።

"እዚ ትካል ፎረንዚክ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ቦን ዘካየዶ መርመራ'ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። እቲ ጸብጻብ ንቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ቦን ተዋሂቡ ኣሎ።"

ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ናብ ጀርመን ዝተሰጋገረ ወዲ 41 ዓመት ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከምዘሎ'ውን እቲ መግለጺ ደጊሙ ሓቢሩ'ሎ።

"ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጸመ ገበን ግን ዝሃቦ ርእይቶ የለን" ይብል እቲ ብዓርቢ ዝወጸ ጋዜጣዊ መብርሂ ፖሊስ ከተማ ቦን።

"ኣብ ፈለማ ለካቲት ብመሰረት ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ቦን ከምኡ'ውን ምትሕግጋዝ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝቐረበ ናይ ዝምስግጋር ጠለብ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጀርመን ከምዝመጽእ ዝተገብረ ወዲ 41 ዓመት ጥርጡር ብቅትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ይርከብ"።

ፖሊስ ናይቲ ሽክና ዝተረኽበሉ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ቅትለት ናይታ ኤርትራዊት ኣደ ዕሸል ብፖሊስ ቦን ተታሒዙ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ፖሊስ ሃገን፡ እቲ ሽክና ምስተረኽበ ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ ሓደ ጉጅለ መርመርቲ ኣቚሙ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ኣፍሊጡ ነይሩ።

"ንቕትለት ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ዝምልከት መርመራ ብፖሊስ'ዩ ዝካየድ ዘሎ" ብምባል፡ ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ [መርመራ] ብጋዜጣዊ መግለጺ ክሕበር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እቲ ርእሲ ኣብ ከባቢ ከተማ ኦልፐ ኣብ ዝርከብ ቨልደን ዝተባህለ ቦታ'ዩ ጓሓፍ ክእክቡ ብዝተፋወሩ ክልተ ሰባት ተረኺቡ።

እታ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ኣደ ዕሸል፡ ኣብ መወዳእታ 2025 ከምዝተቐትለት ይዝከር።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ከስካሕክሕ ዝኽእል ትሕዝቶ ኣለዎ፡

ብ17 ሕዳር 2025 ፈላማ ዝተቖረጸ ኣእዳው ናይታ ኤርትራዊት ሓታቲት ዑቕባ ኣብ ደረት ጽርግያ ተረኺቡ። በቲ መስመር እትዝውር ዝነበረት ሰበይቲ ዘይንቡር ነገር ድሕሪ ምርኣያ ንፖሊስ ብምሕባራ'ዩ ኣእዳው ሰብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ኣካላት ኣብቲ ኤይ-45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስመር ጽርግያ ድሕሪ ምርካቡ ብዝተገብረ መርመራ ኣሰር ኣጻብዕቲ፡ ናይታ ጓል 32 ዓመት ዝነበረት ግዳይ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላዳ ድማ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ደብሪ ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓረብያ ህጻናት ተገዲፉ ጸኒሑ። ብኸመይ ናብ ኣፍደገ እቲ ደብሪ ከምዝተወስደ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ህጻን ኣብ መዕቆቢ ቆልዑ ይእለ ከምዘሎ ይግለጽ።

ብ28 ሕዳር ከኣ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ሬሳ ናይታ ግዳይ 100 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዘሎ ካልእ ቦታ ተረኺቡ።

ገለ ካብ ኣካላት ሬሳ ዝተረኽበሉ ቀንዲ መስመር ጽርግያ ኤ-45

ምንጪ ስእሊ,WDR

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ፍራንክፈርት ናይ ስንብታ ስነስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተኻየደላ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን ስንባደን ስግኣትን ፈጢሩ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ዘለዎ'ዩ።

ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ "ዝተሓላለኸ" መርመራ ከካይዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

"ብቐዳም [11 ሚያዝያ] ኣብ ጥቓ እቲ ኤ45 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ መስመር ጽርግያ ጓሓፍ ንምእራይ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪ፡ ክልተ ሰባት ሓደ ናይ ጓሓፍ ጐማ ረኺቦም። ኣብ ውሽጡ ሽክና ርእሲ ሰብ ጺኒሕዎም።

ብ24 ሚያዝያ ድማ እቲ ሽክና ናይታ ኣካላታ ተቖራሪጹ ኣብ በበይኑ ግዜን ቦታን ዝተረኽበ ስደተኛ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ፖሊስ ጀርመን ነቲ ሽክና ዝተረኽበሉ ቦታ እናሓለዉ

ምንጪ ስእሊ,WDR

በቲ ቅለት ኣዝዩ ዝሓዘነ ከንቲባ ናይቲ ከባቢ ነቲ ኣብ ከባቢ ቨንደን-ሊሚክ ዝተኻየደ 75 ሰባት ዝተሳተፍዎ ወፈራ ጽሬት ባዕሉ'ዩ ዝመርሖ ነይሩ።

"ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ ክልተ ዓበይቲ ሰባት እዮም ነቲ ጐማ ረኺቦሞ" ዝበለ ከንቲባ ክሪስ ስትራክ "ክትርእዮ ዘሰንብድ ምንባሩ ግን ፍሉጥ'ዩ" ክብል ነቲ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።

ምስቲ ስንክሳር ኮይኑ ዝጸንሐ ሞት ናይታ ኤርትራዊት ግዳይ ብዝተሓሓዝ ምርካብ ናይቲ ሽክና ዓቢ ቓልቦ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ረኺቡ ጸኒሑ'ዩ።

ምርካብ ናይቲ ሽክና፡ ንቤተሰብ እታ ግዳይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኣኽበርቲ ሕጊ'ውን ሓደ ምዕራፍ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ዘቕርብዎ ክሲ ንምምስራት ኣፍደገ ዝኸፍት ክኸውን ትጽቢት ይግበር።