ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ኣመሪካ ዝሰርሐ ቲቦር ናጂ ብ20 ለካቲት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ብስሙ ንዝወጽአ ዓንቀጽ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን መልሲ ሂብሉ።
እቲ ኤምባሲ ሓሙስ 26 ለካቲት፡ "ቲቦር ናጂ፡ ወትሩ ኣንጻር ኤርትራ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ፡" ብዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዘውጽኦ ኣብ ዘውጽኦ ጽሕፉ ነቲ ኣመሪካዊ ብትሪ ነቒፉ።
ቲቦር ናጂ፡ "[ኣብ ጽሑፉ] ንኤርትራ ብምንቃፍን ወገናዊ ግምታት ብምቕራብን እቲ ልሙድ ሜላኡ ይጥቀም። እዚ ዝብሎ ዘሎ ምስቲ ቀንዲ ምኽንያታትን ኣንፈትን ናይቲ ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዝሰማማዕ ኣይኰነን።
"እዚ ተሓጋጋዚ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ኣብ ኣፍሪቃ ጽኑዕ ዝዀነ ኣካዳሚያውን ትንተናውን መረጋገጺታት የብሉን። ብሕልፊ ድማ ውልቃዊ ጭውነትን ቅንዕናን ይጐድሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ኣረኣእያ ብሰንኪ ንኽጕስጕስ ዝኽፈሎን ዘይልሙድ ፖለቲካዊ መርበባትን ወገናዊ ዝገበሮ ይመስል።"
ወሲኹ፡ "ኣብዚ ቅንያት እዚ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝገብሮ ዘሎ ሓያል ድፍኢት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኵነታት ሱዳን ዘለዎ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ንመርገጺኡ ዘርእዩ ተወሰኽቲ መርመማት'ዮም፡" ይብል።
እስራኤል ኣብ መወዳእታ 2025 ነታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ ካብ ብዙሓት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ከቢድ ኵነነ ኣስዒቡላ'ዩ።
ኣቐድም ኣቢላ'ውን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ዘኽእላ ምስ ሶማሊላንድ ምፍርራማ ዝተቘጠዐት ሶማልያ ክሳብ ኤምባሲኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ትስሕብን ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ትሰጕግን ኰይና'ያ።
እቲ ሰለስተ ዓመት ዝደፍን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዝምልከት'ውን ንሰራዊት ሱዳን - ስዑድ ዓረብን ግብጽን፡ ንሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ከኣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝድግፋኦም'ዩ ዝግለጽ። ክልተአን ሃገራት ግን ነዚ ዝቐርበለን ክስታት ይነጽገኦ'የን።
ኣመሪካ ከኣ ምስ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘለዋ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ብመንግዲ ክልቲኤን ሃገራት ዘይቀጥታዊ ምትእትታው ትገብር ምህላዋ ተንተንቲ ይገልጹ።
ቲቦር ናጂ ኣብቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ርሱን ኲናት ዝነበራሉ እዋን ካብ 1999 ክሳዕ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቲቦር ናጂ ኢትዮጵያ፡ በቲ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውዕል ኣልጀርስ ንኸይትቅየድን ንልዑላዊ መሬት ብምሓዝ ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዋህበ ብይን ንኽትጥሕስን ይድግፋ ከም ዝነበረ'ዩ ዝኸስስ።
ኣመሪካ ሓንቲ ካብተን ኣውሓስቲ ውዕል ኣልጀርስ ምንባራ ብምዝኽኻር፡ ቲቦር ናጂ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ ንቐንዲ ሱር ምስሕሓብ ክተአን ሃገራት ዝዀነትን ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኤርትራ ዝተፈርደትን ባድመ ትርከቦ ንልዑላዊ መሬት ኤርትራ ሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት፡ ንተግባር ኢትዮጵያ ንምሽፋን ይሰርሕ ከም ዝነበረ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።
ናጂ፡ ክሳዕ 2018 ኣብ ኤርትራ 'ስርዓት ብምቕያር' ይሰርሕ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ብይንን ውዕልን ድሕሪ 16 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ዶብን ምቕባሉ ዝሃቦ ናእዳ፡ ነቲ ዝተኸሰረ 16 ዓመታት ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ዘይምንባሩ ጠቒሱ።
ኣምባሳደር ቲቦር ናጂ፡ ቀንዲ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ ካብ 27 ሕዳር ክሳዕ 8 ታሕሳስ 2018 ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ፡ ጀርመንን ኤርትራን ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዝኸደሉ እዋን ከኣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ክልተኣዊ ርክባት ኣመሪካን ኤርትራን ከምኡ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዝነበረ ሰላም ኣመልኪቱ ምዝታዩ ምኒስተር ጉዳያት ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ነቲ ቲቦር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል፡ ኤርትራ ቅድሚ ኣብ 1993 ነጻ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ኣካል ኢትዮጵያ'ያ ነይራ ምባሉ'ውን ንታሪኽ እዚ ዞባ ካብ ዘይምፍላጥን ኮነ ኢልካ ዝተባህለን ምዃኑ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ኣብሪሁ።
እቲ ኤምባሲ ነዚ ከብርህ እንከሎ፡ ኤርትራ ቅድሚ መግዛእቲ ጣልያን፡ እቲ ምዕራባውን ምብራቓውን መታሕታት ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ (ዑስማናውያንን ካልኦትን) ይግዛእ ከም ዝነበረን ኣብ ዝተፈለለየ ክፋላት ከኣ ደቀባት ነንኸባቢኦም የመሓድሩ ምንባሮምን ይገልጽ።
ኤርትራ ብኢትዮጵያ ብሓያሊ ኣብ ዝተጐበጠትሉ፡ "ብቓላት ቲቦር ናጂ ካብ 1951 ክሳዕ 1991 ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ'የን ነይረን፡" እዩ ዝብል ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራ ንእሽቶ እያ ንምባል ክንዲ ፔንሲልቨንያ'ያ ትኸውን ንዘበሎ ከኣ፡ "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣህዛብ ምስ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት መሬት ዝዀነ ይዅን ምትእስሳር የብሉን፡" ዝብል መልሲ ሂብሉ።
ቲቦር፡ ንቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምንኣድ፡ "ንርእሱ ከም መሲሓዊ መራሒ፡ ኣብ ምድሪ ዕዮ ኣምላኽ ዝሰርሕ ውፉይ ወንጌላዊ ክርስትያን እዩ፡" ዝብሉ ሓረጋት ምጥቃሙ ከኣ፡ "ፍጹም ሓሶትን ዘስሕቕን ኰይኑ፡ ንገለ ትካላት ኣመሪካ ንምስሓብ ዝተሃንጸ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብዓቢዩ ቲቦር ናጂ ዝዀነ ስነምግባር ዘይብሉ ሎቢስት [ተኸፊሉ ንስርዓታትን ውልቀሰባትን ዘቈናጁ] ምዃኑ'ዩ ተቓሊዑ፡" ይብል።
ንኢትዮጵያ፡ እታ ካልኣይቲ ክርስትያን ዝተቐበለት ሃገር ምዃና ምግላጹ ከኣ እቲ ኤምባሲ፡ እምነታት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ብኤርትራ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወ ሞጒቱ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሽንገተን ኣብ መወዳእታ፡ "ዕላማኡ ካብቲ ሱር ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ጸገም፡ ማለት ስርዓት ኢትዮጵያ ነቲ ልዑላዊ ግዝኣቱ ብምውራር፡ "ልዑላዊ ተበጻሕነት ናብ ባሕሪ" ዝብሎ ንምስጓም ዝገብሮ ዘሎ ድልየትን ዘሕዝንን ኣጀንዳ ኲናትን ግጭትን ንምስሓብ'ዩ ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ "እዚ ሓደገኛ ተግባር ብኻልእ ስሕተት፡ ምስምሳትን ትረኻታትን ክምኽነ ኣይክእልን እዩ። ቲቦር ናጂ ኣብ ትሕቲ ምልከትን ጻውዒትን ፋይናንሳዊ መወልቱ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ከቕርብ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ከም ዘየሎ ርዱእ እዩ፡" ብምባል ኵሉ እቲ ዝበሎ ቃና ናይቶም ለኣኽቱ ምዃኑ ሓቢሩ።
ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ንጽሑፍ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኤክስ ምስ ኣካፈሎ፡ ቲቦር ናጂ ንጽሑፍ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብምክፋል ኣብ ልዕሊኡ፡ "ብዛዕባ ጭካነ ስርዓቱ፡ ቍጠባዊ ዘይብቕዓት፡ ወይ ደሞክራሲ ዘይምህላዉ፡" ኣብ ቅድመይ ክከራኸር ኣይክእልን'ዩ ብምባል ነቲ ምኒስተር ዜና 'ምኒስተር መጋጋዪ ወይ ምጥምዛዝ ሓበሬታ' 9Minister of (Dis)Information) ክብል ገሊጹዎ።
ቲቦር ናጂ፡ ንልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ጽፍሒ መንግስታዊ ስርሓት ዝዓየየ ኰይኑ፡ ካብዚ እቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።
ካብ 1999 ክሳዕ 2002 ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ 1996-1999 ኣምባሳደር ኣብ ጊኒ፣ 1993-1995 ምክትል ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ናይጀርያ፣1990-1993 ኣብ ካሜሮን፣ 1987-1990 ካብ ቶጎ ከምኡ ከኣ ኣብ ዛምብያ፡ ሲሸልስን'ውን ሰሪሑ።
ጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ ከኣ ካብ 2003-2018 ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ከም ላዕለዋይ መምህር ኰይኑ ሰሪሑ፣ ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሉቦክ ኣቫላንጅ ጆርናል ኣበርካቲ ጽሑፋት'ዩ።
ቲቦር ናጂ ኣብ 1957 ካብ ሃንጋሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣተወ እዩ።
ቲቦር ናጂ እንታይ'ዩ ኢሉ?
ቲቦር ናጂ ኣብቲ 1170 ቃላት ዘለዎ ጽሑፍ፡ እቲ ድሮ ተኣፋፊ ኰይኑ ዘሎ ንዓለም ስትራተጅያዊ ዝዀነ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ካልእ ተወሳኺ ግጭት ከይልዓል ዘለዎ ስክፍታ'ዩ ገሊጹ፤ ገለ ካብቲ ዝበሎ፤
- ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ይመጽእ ኣሎ፣ ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይ ዳግማይ ኵናት ከይልዓል የስግእ'ዩ። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጐረቤታ ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ።
- እቲ ካብ 2020-2022 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ልዕሊ 600,000 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ተፈናቒሎም፣ 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወት ወሪዱ 80 ሚእታዊት ካብ ትካላት ጥዕና ከኣ ዓንዩ። ኣመሪካ ነዚ ኲናት ደው ኣብ ምባልን ዓቢ ግደ'ያ ተጻዊታ።
- እቲ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ኵናት'ውን ዓቢ ህልቂት'ዩ ኣስዒቡ፣ እዚ ኵናት ደው ንኽብል'ውን ኣመሪካ ዓቢ ግደ'ዩ ነይርዋ።
- ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምስ ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ገይሩ፡ ከም መርኣያኡ'ውን ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ተበርኪትሉ፡ ኣብ ትግራይ ኵናት ምስ ተወልዐ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ኣብይ ኰይና ኣብ ኵናት ትግራይ ተሳቲፋ።
- ንኣብይ ኣሕመድ ብዙሕ ግዜ ይረኽቦ ነይረ'የ፣ ከም ደሞክራስያዊ ናይ ለውጢ ሰብ ብዙሕ ተናኢዱ'ዩ፡ ድሕሪ ሽልማት ኖበል ምቕባሉ ግን ተቐባልነቱ እናነከየ መጺኡ።
- ተቓወምቱ ንኣብይ ኣሕመድ ከም ውለቀመላኽን ፈላሊኻ ግዛእ ዝኽተልን ፈታዊ ስልጣን'ዮም ዝገልጽዎ።
- ደገፍቱ ከኣ ቍበባዊ ለውጢ ዘተኣታተወን ንኢትዮጵያ ካብ ሳልሳይ ዓለም ከውጽኣ ዝሰርሕ ዘሎን ኢሎም ይንእድዎ።
- እታ 4 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ፡ ክንዲ ፐንሰልቪንያ እትኸውን እምባታት ዝበዝሓ ኤርትራ ከኣ ክልተ ወደባት ዝርከቦ እስተራተጅያዊ ቦታ'ያ ሒዛ ዘላ።
- መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንቓልሲ ንናጽነት ዝመረሐ ኰይኑ ዝዀነ ምርጫ ኣካይዱ ዘይፈልጥ፡ ኣሳሪ፡ ኣሳቓዩ ወላ ነቶም ኣብ እዋን ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ ዘህለቐ፣ ንኤርትራ ናብ ከም ሓንቲ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረ እዩ።
- ኤርትራ ብዙሕ ሰራዊት'ዩ ዘለዋ፡ ምስ ኵለም ጐረባብታ ከኣ ኣብ ኵናት ኣትያ እያ።
- ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ክልተአን ሃገራት ቀንዲ መሻርኽቲ ኰይነን።
- ኣብይ ኣብ 2019 ነቲ ዝነበረ ልፍንታዊ ሰልፍታት ብምብታን ሰልፊ ብልጽግና ዝተሰምየ ሓደ ሰልፊ መስሪቱ።
- ህወሓት ዝነበሮም ልዕልና ስለ ዝተኸልኡ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ምጽንባር ተሓሲሞም።
- ድሕሪ ኵናት ትግራይ እቶም ኣብ እዋን ኵናት ኣብ ጐድኑ ዝነበሩ ምልሻታት ኣምሓራ ብረት ኣውርዱ ምስ ተባሃሉ፡ ኣንጻር ኣብይ ኣሕመድ ተላዒሎም።
- ሕጂ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ቅድሚ ኵናት ትግራይ ምውልዑ ዝመሳሰል'ዩ።
- መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንኤርትራ ንሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ትሕግዝ ኣላ ኢሉ ይኸሳ ኣሎ።
- ሕጂ ኵናት እንተተ ወሊዑ ዝዕወት የሎን፤ ሞት፡ ዕንወት፡ ጾታዊ ዓመጻትን ናይ ብዙሓት ምፍንቓል ከስዕብ እዩ።
- \












