ኢማራት፡ ቱርኪን ስዑድያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ'የን ዝደልያ?

ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ዞባዊ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኣልዓለት ምስ ኤርትራ ዝነበረን ርክብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሻሕከረ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ምስቲ ገና መዕለቢ ዘይተረኸቦ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተተሓሒዙ ስም ኢትዮጵያን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ። እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዘለዉ ብሒመቲ ዝምርሑ ዳዕመ ስሪዕን ብኣል ቡርሃን ዝመርሑ ሰራዊት ሱዳንን ናይ ውክልና ኵናት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ።

እቲ ኢትዮጵያ ምስታ ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ውዕል'ውን ሓደ ካብቲ ኣብዚ ዞባ ላምባ ዝነስነሰ ዛዕባ'ዩ።

እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦም ምሃባ ንመንግስቲ ሶማልያ ኣቖጡዑ ክሳብ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበሮ ርክብ ዝቖርጽ ገይርዎ ኣሎ።

እተን ብህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍኽኻር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን፡ ብኢደ-ዙር ኢትዮጵያ ብሱዳን ግብጺ ከኣ ብሶማልያ ድሌተን ከውሕሳ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።

ናይዚ ዞባ ኣሰላልፋ ብቀንዱ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ኢድ ምትእትታው ብኸቢድ ተጸልዩ ኣሎ።

ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተደፋፈአ ምዃኑ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንስዑድ ዓረብ ቀንዲ መሻርኽቱ ብምግባር ኢዱ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነታ 'ተለኣኣኺት' ዝብላ ኢትዮጵያ ኢዱ የወጣውጥ ኣሎ።

ዶክተር ሙከረም፡ ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ኵናት ክኣትዋ ይኽእላ'የን ዝብል እምነት የብሉን።

ግን እቲ ኵናት እንተተወሊዑኸ?

"ምስ ስዑድያ ብምንጽጻር ምስ እትዮጵያ ዝያዳ ተሳትፎ ዘለዋ ሕቡኣት ኢማራት ዓረብ'ያ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ኣለዋ፤ ነዚ ንምውሓስ ኢሎም ኣብ ጎኒ እታ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክስለፉ ይኽእል'ዮም" ይብል።

እቲ ኵናት ከስዕቦ ዝኽእልን ዕንወትን ዲፕሎማስያዊ ኵነኔን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብመንገዲ ሶማሊላንድ ከተካውኖ ከምእትኽእል እዚ ምሁር እምነት ኣለዎ።

ብርግጽ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ እንተሂባታ፡ ምስ ሶማልያን ቱርኪን ብኸቢድ ክትሰሓሓብ ትኽእል እያ።

ዶክተር ኢብራሂም ቱርኪ ምስ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከተካይዶ ትጽዕር ዘላ ርክብ፡ ንኩሉ ብማዕረ ከርብሕ ከምዝኽእል ይኣምን።

ርክብ ቱርኪን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ኣብ ዘለወሉ፡ ቱርኪ ነቲ ብሰንኪ ሶማሊላንድ ዝሰዓብ ምስሕሓብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣንካራ ከተሰማመዐን ምኽኣላ፡ ንሓንቲ ገዲፋ ነታ ሓንቲ ክትጽጋዕ ስለዘይደለየት'ዩ።

ዶክተር ኢብራሂም "ቱርኪ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ፡ ንኢትዮጵያ ብቀሊሉ ኣይንሰዳን ኢና፡ ድሌት ኢትዮጵያ ናትና ድሌት'ውን እዩ ዝብል ይመስል" ይብል።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኩሉ ግዜ ኣይኮናን ዝተፋነና፤ ኣብ ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ስልጣን ንክጭብጥ ክልቲኤን ብሓባር ሓጊዘነኦ እየን።

ከምዚ ሎሚ ሕቖን ከብድን ከይኮና እንከለዋ'ውን ኣብ ሊብያን የመንን ተቐራራቢ መርገጺ'ዩ ነይርወን። ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍሊስጤም'ውን ካብ ሃገራት ዓርብ ሊግ እተን ዝተቐራረብ መርገጺ ዘለዋን ሃገራት ምዃነን ይፍለጥ።

ንኽተፋነና ዝደረኸ ብዙሕ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ዘለወን ምጽባእ ካብ ዶበን ሰጊሩ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ስለዝሰገረ ግን ንገለ ካብቲ ምኽንያታት ኣብዚ ጽሑፍ ክንድህስሶ ኢና።

ስም ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ክልዓል ካብ ዝጅመር ሓጺር ኣይገበረን።

ካብ ንግድን ወፍርን ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጉዳያት እንታይ'ዮም? ዝብሉ ነጥብታት'ውን ክንድህስሶ ኢና።

እታ ካልእ ኣብዚ ጉዳይ እትልዓል ሃገረ ቱርኪ'ያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስቲ ሲቭል ሰርቪስ ምሁር መጽናዕቲ ፖሊሲ ዶክተር ሙከረም ሚፍታህ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ምትፍናነን ብመንጽር ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝርአ ከምዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።

መስራት ኣካያድን ሴንተር ፎር ናሽናል ኤንድ ሪጅናል ኢንተግርሽን ስታዲስ ቲንክታንክ ዶክተር ኢብራሂም ሙሉዋሽ ብወገኑ፡ ቱርኪ ብመሪሕነት ኤርዶጋን ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቱዅረት ሂባ ትሰርሕ ምህላዋ'ዩ ዝሕብር።

ውድድር መሪሕነት ኣብ ሃገራት ዓረብ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሕድረኦ ዘለዋ ተጽዕኖ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይኽይድ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑሎ።

ክልቲኤን እዘን ሃገራት፡ ሃገራት ዓረብ'የን። በዚ ከኣ ክልቲአን 'መን ቀንጺ ጸላዊት እቲ ዓረባዊ ዓለምን ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ትኸውን?' ዝብል ዓው ኢለን ዘይዛረባሉ ውድድር ኣለወን።

ዶክተር ሙክረም፡ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እቲ ውድድር መን ጸላዊ ዀነ እናሓየለ ከምዝኸደ'ዩ ዝገልጽ።

ስዑድያ ኣብ እምነት እስልምና ከም ቅዱስ ቦታ ዝውሰዳ ከተማተት መካን መዲናን ናታ ስለዝዀና ንእስላማዊ ዓለም ዝውክሎ ኣነ'የ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ንሕና ኢና ላዕለዎት ከብሎም ዝኽእል መከራኸሪ ስለዘይብሎም ኣብ ጉዳይ ንግዲን ቱሪዝምን ማእከል ገይሮም'ዮም ሓይሎም ከርእዩ ዝፍትኑ።

ብርግጽ'ውን ኣብ ጽላታት ቴክኖሎጅን ትሕተ ቅርጽን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪት እትኸውን ዘላ ሃገር'ያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ኣውሮጳ፡ ቻይና፡ ኣመሪካን ህንድን ዓበይቲ ትካላት ኣቓልቦ ብምስሓብ ዕቤታ ከተውሕስ እንከላ፡ ስዑድያ ግን ነዚ ክትገብር ከምዘይክኣለት ዶክተር ሙከሪም ይገልጽ።

ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኰሰ መሪሕነት ዝኽተላ ብምዃነን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ብማዕረ'ዩ ነቐፌታ ዝወርደን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣገልግሎት ዝተመርኮሰ ድልዱል ቁጠባ ትሃንጽ ከምዘላ ዱባይ ሓንቲ ጽብቕቲ ኣብነት'ያ።

ስዑድያ ከኣ ቁጠባኣ ብቀንዱ ካብቲ ኣብ ከርሳ ዘሎ ነዳዲ ይምርኰስ።

እቲ ነዳዲ ሸይጣ እትረኽቦ ገንዘብ ካብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዘመናዊ ወተሃደራዊ ንዋት ብምሽማት ወተሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ምጉልባት'ያ ትርከብ።

ኣብዚ ወተሃደራዊ መዳይ ኢማራት ክንዲ ስዑድያ ኣይሰጎመትን።

ዶክተር ሙከረም "እቲ ናይ ውድድር መንፈስ ምስ ግዜ ንሓድሕደን ናብ ምጽላእ'ዩ ኣእትይወን" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ናይ ምውድዳርን ምጽላእን መንፈስ ካብ መራሕተን ከምዝጅምር ይሕብር።

End of content

ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን
መግለጺ ስእሊ,ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን

'ክልቲኦም መሓመዳት ናይ ለውጢ ኣብነት ናይ ምዃን ውድድር'

ንስዑድያ ዝመርሕ ዘሎ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን መራሒ ስዑድ ዓረብ ፕረዚደንት ሴሽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ናይ 'ለውጢ ሃዋርያ' ኮይኖም ክርኣዩ ድልየት ኣለዎም።

ክልቲኤን ሃገራት ብንጉሳዊ ስድራቤት'የን ዝመሓደራ።

ክልቲኦም መራሕቲ ካብቲ ጥቡቕ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣካይዳ ኣዝሊቖም፡ ንዓረባዊ ዓለም ናይ ለውጢ ተምሳሌት ኮይኖም ክርኣዩ ከምዝደልዩ ዶክተር ሙከረም ይሕብር።

ንኣብነት፡ ደቂ ኣንስትዮ መኪና ክዝውራ ብምፍቓድ ከምኡ ከኣ ድምጻውያን ካብ ሃገራት ምዕራብ ብምዕዳም ምርኢት ከምዘርእዩ ብምግባር መሓመድ ቢን ሳልማን ንለውጢ ድሉው ከምዘሎ ከርኢ ፈቲኑ'ዩ።

ሽኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያ'ውን ኣብዚ ውድድር ክስዓር ኣይደለየን።

እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ውድድር ካብ ቤቶም ሓሊፉ ናብ ሃገሮም ካብ ሃገሮም ከኣ ናብ ካልእ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ክልሕም ክኢሉ።

"ክልቲኦም 'ሪፎርሚስት' ኢና እዮም ዝብሉ፡ ፍልልዮም ግን ሃገራውን ዞባውን መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ'ዩ። ንሓድሕዶም ምንዕዓቕን ጽልእን ኣለዎም፤ እቲ ውልቃዊ ጽልኦም ከኣ ትካላዊ ገይረምዎ" ይብል ዶክተር ሙከረም።

ሃገራት ውሽመጥ ዓረብ ኣብ ዘበነ ኣብይ ኣሕመድ

ሃገራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለወን ድሌት ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሰልጣን ምስ መጸአ ጎሊሑ ወጺኡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ናብ ቢልዮናት ዶላራት ወፍሪ ኣለወን።

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይራ ኣላ።

ዶክተር ሙከረም ንርክብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ ምዕራፋት ከፋፊሉ'ዩ ዝርእዮ።

ቅድሚ 2018 ከምኡ ከኣ ድሕሪ 2018 [ግእዝ]፤ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡን ድሕሪ ምምጽኡን ማለት'ዩ።

ቅድሚ 2018 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ንግድን ወፍርን፡ ኣብ ልምዓት፡ ኣብ ህንጻ፡ ኣብ ጸዓት፡ ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልኦት ጽላታትን ትገብሮ ዝነበረት ወፍርን ሓገዛትን ድሩት ነይሩ።

ሃገራት ኣብ ሞንጎአን ዝገብረኦ ንግዳውን ወፍርኣውን ምትእስሳር ካብ ንእሽተይ ጀሚሩ እናዓበየ ከምዝኸይድ ብምምልካት፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተረኣየ ግን "እቲ ለውጢ ድንደገታዊ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ንግዳዊ ርክባተን ንቡር ኣተዓባብያ ኣይነበሮን" ብምባል ይገልጽ።

ንምንጽጻር ቱርኪ ምስ እንወስድ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዝግበር ዝነበረ ቁጠባውን ንግዳውን ልውውጥ ዝኾነ ክግምቶ ዝኽእል ንቡር ዕቤት ዝነበሮ ምንባሩ የረድእ።

ቱርኪን ድሌታታን

ርክብ ቱርኪን ኢትዮጵያን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን መንግስቲ ኦቶማን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝመጸሉ ይጅምር።

ቱርካውያን ንዘመናት'ዮም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነይሮም።

እታ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ምስ ተመስረተት ቱርኪ እታ ንመጀመርታ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኢምባሲኣ ዝኸፈተትሉ ቦታ ኣብ ኢትዮጵያ ነይሩ። እዚ ኣብ 1926 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ እዋን መሪሕነት መንግስቱ ሃይለማርያም ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክበን ከኣ ኣብ እዋን ኢህወደግ ዳግማይ ህይወት ክዘርእ ከምዝጀመረ ዶክተር ኢብራሂም ይሕብር።

ኣብ ቱርኪ ሰልፊ ኤኬ ስልጣን ምስ ሓዘ እታ ሃገር ዕቤታ ንምውሓስ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ወፍሪ ከተካይድ ተራእያ።

ሓንቲ ካብተን ቱርኪ ወፍሪ ከተካይለን ዝጀመረት ሃገራት ኢትዮጵያ'ያ።

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወፍሪ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

ኣብተን ልዕሊ 200 ዝኾና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኸላ ፋብሪካታት ቱርኪ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተቖጺሮም ይሰርሑ ኣለዉ።

ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ግን ካብ ንግዲ ሓሊፉ ናብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክብ ዝበለ'ዩ።

ዶክተር ኢብራሂም ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት፡ ኢትዮጵያ ነተን ካብ ቱርኪ ዝተውሃባኣ ወተሃደራውያን ድሮናት'ያ ትጥቐም ነይራ።

ቱርካውያን ንግዛእ ርእሶም "ኣውሮጳውያን ኣይኮንናን" ብምባል ጸረ "መግዛእታዊ ምንቅስቓስ" ምዃኖም'ውን ይገልጹ።

ዶክተር ኢብራሂም "እዚ ከኣ ብውሕዱ ብሓሳብ ኢትዮጵያን ቱርክን ብማዕረን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ዝተመስረት ሽርክነት ንኽህልውን ዘኽእል'ዩ" ይብል።

ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ናብ ዘለወን ድሌት ክንሰግር።

ፕረዚደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን
መግለጺ ስእሊ,ፕረዚደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን

'ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ምውሓስ'

ንድሌት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ክንርኢ እንከለና፡ እቲ ቀዳማይ ትንተና፡ ብሰንኪ እቲ ምርግጋእ ዝተነፍጎ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ንዘይምስኣንን ቅጠባዊ ድሌታትካ ንምውሓስን ዝብል'ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት ከኣ ነዚ ይደልየኦ'የን ኢልካ ክድምደም ይከኣል።

ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ማእከል ክኸፍታን ከስፍሓን ድልየት ኣለወን።

እዚ ዞባ ዓቢ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ዝካየደሉ ስለዝዀነ ነዚ ክደልየኦ ንቡር ክውሰድ ይክኣል ይኸውን።

ክልቲኤን ሃገራት'ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወፍሪ ብምክያድ ቁጠባአን ከዕብያ ይደልያ።

ብኵናት ትግራይ፤ ንዕኡ ተኸቲሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭትን ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ዘይምርግጋእን፡ ዋላ ድኣ ንድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሕቶ ምልክት የእትዎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት ብቁጠባ እታ ዝሓሸት ሃገር ብምዃና ሰለስቲኤን ሃገራት [ቱርኪ፡ ስዑያን ኢማራትን] ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ክህልወን ይደልያ'የን።

ዶክተር ሙከረም ግን እቲ ቀንዲ ነገር ኣብ ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝእሰር ከምዝዀነ'ዩ ዝሕብር።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ክልተ እብረ ስልጣኑ ርክብ ኣመሪካን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃን ምምሕያሽ ኣርእዩ'ዩ።

በዚ ከኣ ኣመሪካ ድሌታ ብካልኦት ተለኣኣኽቲ ሃገራት ኣቢላ ከተተግበሮ ትረአ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ብዘለዎ ስትራተጅያዊ ኣቐማምጣ ወሳኒ ቦታ ብምዃኑ፡ ሃገራት ዓረብ ነዚ ከባቢ ብምቁጽጻር ሰላም ከውሕሳ፡ ንነብሰን ካብ ሓዳጋ ክከላኸላን ንቀይሕ ባሕሪ ወትሩ ዓይነን ከምዘውድቓሉ እዞም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ድሌት፡ ምስቲ እስራኤል ትኽተሎ ፖሊሲ ወጻኢ ተሳንዩ ዝኸይድ ምዃኑ ዶክተር ሙከረም ይሕብር።

ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ፍሊስጤምን ጽልዋ ክፈጥራ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ግብጺ ትርከበን ኣባላት ሊግ ዓረብ ክጥቐሳ ይኽእላ'የን።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝግበር ዝዀነ ነገር ኣብ ተጽዕኖ ክወድቓ ይኽእል'የን፡ ስለዚ ከኣ ኣመሪካን እስራኤልን ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይድግፋኣ'የን" ይብል።

ስዑድያ ብኣንጻሩ ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዘለዋ ርክባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛሕተለ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን "ኩርኩርን ተለኣኻኺትን መንግስቲ እስራኤል" እናበለት ትነቕፋ።

ስለዝዀነ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ኣርኣእያ ኣንጻር ምዃኑ ከኣ ድሌት ኣመሪካን እስራኤልን ዝፈጠሮ ከምዝዀነ እዚ ምሁር ዝሕብር።

"ኣብ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽተለኦ ዘለዋ ኣካይዳ ንዕአን'ውን ዝጠቕመን'ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እንታይ ክልካዕን ክዕየርን ዝኽእል ጥቕሚ'የን ረኺበናሉ? ብቁጠባን ብፖሎቲካን እንታይ'የን ከሲበን?" ብምባል ዶክተር ሙከረም ሕቶ የቐምጥ።

Source: BBC NEWS