"ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ንዘልኣለም ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን" ዝብል መግለጺ ኣቢይ'ውን "ኣዋጅ ኲናት" ምዃኑ'ያ ኤርትራ ትነቅፍ።
ኣብቲ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ኤክስ ሎሚ ኣማስዩ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብስም ዘይጠቐሶ ኣቢይ ኣሕመድ ንጉዳይ ጎቦታት ጎላን ምልዓሉ "ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክ ውሰድ ንዝሕሰብ ሓላፍነት ዝጎደሎን ስዉርን ናይ ኲናት ኣጀንዳ ምኽኑይ ንምግባር" ዝዓለመ'ዩ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኲናት መሳልፍቱ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ተግባራት ክኸስስ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ዝበለ፡ ሎሚ ብ3 ለካቲት 2026 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዘስምዖ መደረ ኰይኑ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቅርሕንቲ ዝተልዓለ፡ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ስለዘልዓልና ኣይኰነን" ብዝብል እዩ።
"ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዝፈፀምዎ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ተቓዊምና ቅሬታ ገሊፅና፤ እቲ ባእሲ ምስ ህወሓት 'ምበር ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣይኰነን - ኢልናዮምም ግን ኣይሰምዑናን።"
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝሓበርዎ ገሊጹ ነይሩ።
ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ክትነጽጎ እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዝተፈጸመ ግህሰት እንተ ሃልዩ ውሽጣዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ፡ ክልቲኦም ሓይልታት፡ ንከተማታት ትግራይ ክቈጻጸሩ ምስ ጀመሩ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱም፡ ዓዲግራት ሓዊሱ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ፡ ንብረት ከም ዝዘመተ፡ ኢንዱስትሪታት ከም ዘዕነወን ማሽነሪ ከም ዝወሰደን እውን ከሲሱ።
ኣቢይ ኣብቲ እዋን፡ ብስሞም ዝፀወዖም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ጉዳያት ወፃኢ፡ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምሕባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዘካይድዎ ዕንወትን ቅትለትን ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ ምንበሩ ጠቒሱ።
"መቐለ ክንኣቱ ሰለስተ መዓልቲ ምሰተረፈና፡ አልቲመተም ኣቐሚጥና ነይርና፣ ብዙሕ ሰብ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ኣይተረድኦን፤ ንሕና ግን፡ ከተማታት ክንቈጻጸር ከለና እናሰዓቡ ይኣትዉ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ውቕሮ ንዓቶም ዝዓግት ሓይሊ ኣስፊርና ኢና ናብ መቐለ ኣቲና" ኢሉ።
"እንተዘይኰይኑ እቲ ኲናት ምስ ወያነ ምዃኑ ተሪፉ፤ ምሳኹም እዩ ከኸውን ኢልናዮም።"
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ንሰራዊት ኤርትራ ኤርትራ ከመጕስ ከም ዝተሰምዐ ግን ኣይርሳዕን።
ኣብዚ እዋን ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብቃላት ኣብ ምክሳስ ተጸሚዶም ኣለዉ።
ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝተበላሸወ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ኲናት ከብቅዕ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍራሙ ስዒቡ ከምዝዀነ ኸኣ ኣቢይ ኣብዚ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ።
ኤርትራ፡ ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ከይጠፍአ እቲ ኲናት ክዛዘም ኣይነበሮን ብምባል ነቲ ስምምዕ፡ ከምዝተቃወመቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
ኣብዚ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ኣምሪሖም ዝቐነዩ ዀይኖም፡ ኣቢይ ኣሕመድ ገለ ኣኽራሪ ዝበሎ ክፋል ህወሓት ምስ ኤርትራ ይሻረኽ ኣሎ ብምባል ብባንዳነት ከሲሱ።
ቀይሕ ባሕሪ
ምንጪ ስእሊ,PM Office
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ጉዳይ ወደብን ባሕሪን ብዝዛመድ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ "ጉዳይ ወደብ ኢትዮጵያ፡ ብዲፕሎማሲን ዝርርብን ንምዕዋት ንጽዕር ኣለና፣ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ግን ኣይክተርፍን እዩ" ኢሉ።
"ሎሚ ብዝኾነ ምኽንያት ዘይከውን መሲሉ እንተተቘጺሩ፡ ፅባሕ ክዕገት ኣይክእልን'ዩ፤ ናብ ዘየድሊ ሽግር ቅድሚ ምእታዉና ግን ብሰላምን ብዝርርብን ምፍፃሙ ግቡእ ይመስለኒ" ኢሉ።
"ኢትዮጵያ ወደብ ባሕሪ ኣየድልያን እዩ ኢሉ ዝኣምን ተፈጥሮኣዊ ሕጊ - ጌጋ እዩ ዝመስለኒ" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኣብ ሓደ እዋን እርጋን እንተርከበና'ውን፡ ቀይሕ ባሕርን ኢትዮጵያን ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም" ኢሉ።
ካብ ጫፍ ምፅዋዕ ክሳብ ሞቃድሾ ዘሎ ንውሓት 5000 ኪሎሜተር ምዃኑ ዘዘኻኸረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ 50 ኪሎሜተር ጥራይ ከም ዝሓተተት ተዛሪቡ።
ኢትዮጵያ፡ ካብ ግድብ ህዳሰ ይዅን ካብ መንገዲ ኣየር ብጽሒት ብምሃብ፡ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ከም እትደሊ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምቕባል ድማ ኣድላዪ ኰይኑ ከምዝሰመዖ ተዛሪቡ።
"ሃቡና' ጥራይ ኣይኮናን ንብል ዘለና። ነቲ ካባና ዝተረፈ ውሰድዎ፤ ዘጥፋእናዮ እንተሎ ድማ ይቕረ በሉልና፣ ግን ንኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ጸጋኣ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣጸጋሚ እዩ።"
ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ክዘራረቡ እንከለው፡ ብምሉእ ድምጺ 'ሕቶኹም ንርዳእ ኢና፤ ግን ብሰላም 'ምበር ብኲናት ክኸውን የብሉን' እዮም ዝብሉና" ኢሉ።
130 ሚልዮን ህዝቢ [ብዝሒ ኢትዮጵያ] ንዅሎም ጐረባብቲ ዕዳ ከምዝዀነ ዝገለፀ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ "ኢትዮጵያ ወደብ ባሕሪ እንተዘይረኺባ፡ ዝተለመቶ ብልፅግና ክትበፅሖ ኣይትኽእልን እያ" ኢሉ።
ኣብ ዲፕሎማሲ ጽቡቕ ግስጋሰ ከምዘሎን፡ ግዜ ወሲዱ ፍረ ዝህብን ብምጥቃስ፡ ጉዳይ ወደብ ባሕሪ "ብባሌ ይዅን ብቦሌ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ምዕዋቱ ከምዘይተርፍ" ገሊጹ።













