ኤርትራ፡ ኵነታት ትምህርትን ሽመት ሓዳስ ምኒስተርን

ስሕት ኢሉ ኣብ ዝርአ ኣጋጣሚታት ኣብ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝቐርብሉ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ፡ መን ኣበይ ኣሎ? ወይ ኣየናይ ምኒስትሪ መን ይመርሖ? ዝምልከት ሓበሬታ ንብዙሕ ዜጋ ብቐሊሉ ዝፍለጥ ኣይኰነን።

እዚ ሽመት ምኒስተር ሓሊማ ወግዓዊ ዝኸውን ዘሎ እምበኣር፡ ኣወሃሃዲት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ፡ ኣብ ኤክስ ብዝዘርግሓቶ ሓበሬታ እዩ ዝረጋገጽ ዘሎ።

ናህላ ብመንገዲ ኤክስ ኣቢላ ብረቡዕ 21 ጥሪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ "ምስ ሓዳስ ምኒስተር ትምህርቲ፡ ክብርቲ ዶ/ር ሓሊማ ምርኻበይ ክብሪ ይስምዓኒ፡" ድሕሪ ምባል፡ ዝርርበን "ኣብ ቀዳምነታት ትምህርቲ ኤርትራ ዘተኰረ" ኰይኑ፡ ውስጠ ርድኢታ ድማ በቲ ንምሉእ ዕድመኣ ኣብቲ ጽላት ዘገልገለቶ፡" መልክዕ ዝሓዘ እዩ፡ ክትብል ገሊጻ።

ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ድኽመት ከም ዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ገሊጽዎ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት፡ እዚ ሕጂ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዘሎ ዑስማን ሳልሕ ምኒስተር ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት "ብኽነት" ክብል ገሊጽዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ'ውን ስርዓተ-ትምህርቲ ክቕየር ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ "እቲ ዝዓበየ ብድሆ ጸጋታት ሰብና እዩ፡" ብምባል፡ "ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝኸይድ ዝዓበየ መደብና ንስርዓተ ትምህርትና ምቕያር እዩ፣ ናይ ትምህርቲ መደብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታትና እዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

እዚ ኰይኑ እናሃለወ ግን ምኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ከም ሓያለ ካልኦት ምኒስትሪታት ብዘይወግዓዊ ወይ ንጡፍ ምኒስተር ነዊሕ ዓመታት ክኸይድ ጸኒሑ እዩ።

ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመት - ኣብ ምያዝያ 2007 - ምኒስተር ትምህርቲ ኰይኑ ዝተመዘዘ ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2018 ተደሪቡ ዝተዋህቦ ሽመት ኣምባሳደርነት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን እናኣንቈልቈለ ክመጽእ ከም ዝጸንሐ ዝግለጽ ኵነታት ጥዕናኡ፡ ነቲ ምኒስትሪ ብንጥፈት ከካይዶ ከም ዘይጸንሐ እዩ ዝፍለጥ።

ኣቶ ሰመረ፡ ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2022 እኳ እንተ ተሰናበተ፡ ናብ ምሉእ ግዜ ሓላፍነት ምኒስትሪ ትምህርቲ ክምለስ ኣይከኣለን።

እዚ ይዅን ግን፡ ንኣካይዳ እቲ ምኒስትሪ ካብ መንግስቲ ብወግዒ ዝተሓበረ'ኳ እንተ ዘይነበረ ንዝሓለፈ ገለ ዓመታት ግን ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ምምርምርን ምምዕባል ዓቕሚሰብን ምኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ከም "ወኪል" ምኒስተር ኰይኑ ክዓዪ ከም ዝጸንሐ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣጋጣሚታት፡ ኣቶ ጴጥሮስ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "ወኪል ምኒስተር ትምህርቲ" ብዝብል ተላልዩ።

እዛ ሕጂ መዝነት ምኒስትሪ ትምህርቲ ከም ዝተዋህበት እትግለጽ ዘላ ዶ/ር ሓሊማ፡ ከምቲ ኣወሃሃዲት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ዝገለጸቶን ናይ ቀረባ ፈለጥታ ዘዘንትውዎን፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽላት ትምህርቲ ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ።

እታ ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኤርትራ ምዃና ዝንገረላ ሓሊማ፡ ፈላሚ ሞያኣ ምምህርና እዩ፤ ዝቐጸለ ኣገልግሎታ እውን ኵሉ ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ መሰልጠኒ መማህራን ኣስመራ፡ ከም መምህር ቋንቋ እንግሊዝኛ፡ ሓላፊት ክፍሊን ኣካዳምያዊ ዲንን፡ ሓላፊት ጨንፈር ምዘና ሃገራዊ መርመራ፡ ኣብ ክፍሊ ካሪክለም ኣብ ምድላው መምሃሪ መጻሕፍቲ ቋንቋ እንግሊዝኛን ክኢላ ቋንቋን፣ ኣብ ዞባ ማእከል ሓላፊት ጨንፈር ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰሩ ሓላፍነታት ሰሪሓ እያ።

ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ኣርባዕተ ውሉዳትን ዝዀነት ወ/ሮ ሓሊማ፡ ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ሓላፍነታታት ስራሕን ሓዳርን ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዲግሪ ብዓውዲ ኣካውንቲንግ ክትምረቕ እንከላ፡ ኣብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብስነቋንቋ ማስተርስ ኣጽኒዓ፣ ዶክተራል ዲግሪ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሕፋዝ - ሱዳን ተማሂራ፤ "ፖሊሲ ቋንቋ ኣብ ትምህርቲ" ዝብል መጽናዕቲ ከም ዘካየደት ከኣ ይፍለጥ።

ምኒስተር ትምህርቲ ምስ ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ,@nahlav

መግለጺ ስእሊ,ምኒስተር ትምህርቲ ምስ ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ

እዚ ከም ዝደኸመ ዝግለጽ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ፡ "እንታይ ለውጢ ከተምጽኣሉ ትኸውን?" ዝብል ሕቶ ምላሹ ምስ ግዜ ዝርአ ኰይኑ፡ ሓሊማ ቅድሚ 6 ዓመት ምስ ኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ኤርትራ ገና ዘይሰራሕናሉ ዓውዲ፡ መምህራን ናይ ምስልጣን ዓቕሚ ገና ከምቲ ኣነ ዝሓልሞ ኣይኰነን ዘሎ፤ እዚ ናይ ብሓቂ ቦታኡ ክሕዝ፡ ኣነ ከኣ ኣበርክቶይ ክገብር እሓስብ፡" ኢላ ምንባራ ይዝከር።

'ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ' ኣብ ዝተሓተተትሉ'ውን፡ መምህር ኰይና ብምቕጻል ንብዙሓት መንእሰያት ከተተባብዕ ባህጊ ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ።

እታ፡ "ሓደ ሰብ ካብ ዶክተር፡ መምህር ሓሊማ ኢሉ ክጽውዓኒ እንከሎ እዩ ክብሪ ዝስምዓኒ፡" ክትብል ንምምህርና ዘለዋ ፍቕሪ እትገልጽ ምኒስተር ትምህርቲ ሓሊማ መሓመድ፡ "ኣብ ኮሌጃትና ብዙሕ ናይ ዓቕሚሰብ ሕጽረት ስለ ዘለና፡ ንህንድን ካልኦት ደቂ ወጻእን ዝግበር ዘሎ ናይ ብሓቂ ብኤርትራውያን ክትካእ ኣለዎ ኢለ ስለ እየ ዝኣምን፣ ኣብ ደረጃ ድሕረ ይዅን ቅድመ ምረቓ ንዘለዉ መንእሰያት ክምህርን ብቑዓት ሰባት ከፍርን እየ ዝሓስብ፡" ክትብል ተዛሪባ።

ብተወሳኺ፡ መጽናዕቲታት ናይ ምክያድ ድሌት ከም ዘለዋ'ውን ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ ንዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ መጽናዕቲታት ኤርትራ ኣደመንበር ኰይና ብምምራሕ መጽናዕታዊ ወረቕት እውን ኣቕሪባ።