እንተኾነ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ይኹን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምስቲ ሓበሬታ ኣሰንዮም ዘውጽእዎ ስእሊ ኣብ ዓይኒ ናይቶም ብኣንክሮ ዝጥምቱ ኣትዩ'ሎ።
ኣብታ ቀዳመይቲ ስእሊ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ዑስማንን ካብቲ መቐበሊ ፍሉያት ኣጋይሽ ዝኾነ ክፋል ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ወጺኦም ኣብ ባይታ ብዝተዘርጋሓሎም ቀይሕ ምንጻፍ ናብ ነፋሪት እናተጓዕዙ የርኢ።
ኣብታ ካልኣይቲ ስእሊ ድማ እቲ ፕረዚደንት ናብቲ ነፋሪት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምዃና ብኣርማኣ እትለለ ነፋሪት ክድይብ እንከሎ እተርኢ እያ።
ሕልፍ እናልካ ክትርእዮ እንከለኻ እቲ ስእሊ ኢድ ሰብ ዝሓለፎ ኣይመስልን።
ብኣንክሮ ንዝጠመቶ ግን፡ ምስሊ ሚኒስተር ዑስማን ብኢድ ሰብ ከምዝተተንከፈ ዘርእዩ ሓያሎ ምክልክታት ኣለዉ።
ንኣብነት ገለ ክፋል ጽላሎት ታሕተዋይ መሓውሩ ጠቕሊሉ ተደምሲሱ ይርከብ። ክኢላታት ቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ድማ እቲ ዝተረፈ ጽላሎት'ውን ምስ ኣቃውማን ዘለዎ ቦታን ኣብ ግምት ብምእታው ባህርያዊ ጽላሎት ናይቲ ሚኒስተር ኣይመስልን።
ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel/x
ክልቲኡ መንኮቡን ልዕሊ ክሳድ ዘሎ ኣካላቱ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ዙርያኡ ተተንኪፉ፡ ጻዕዳ መስመር ዝኸበቦ እዩ። እዚ ድማ እቲ ምስሊ ካብ ካልእ ተቖሪጹ (ክሮፕ) ተገይሩ ከምዝተወስደ ዘመልክት'ዩ። ወይ 'ውን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ካልእ ሰብ ንምእላይ ዝተኻየደ ምምሕያሽ ከይከውን ምግማት'ውን ይክኣል።
ጫማ ናይቲ ሚኒስተር'ውን ንቡር ባህርያዊ ቅርጾም ዝሓዙ ኣይመስሉን፡ ብገለ ተተናኺፉን ተዳዊሱን ኣሎ።
ንጸጋማይ ኢድ እቲ ሚኒስተር ዝኸወለ የማናይ መንኮብ እቲ ፕረዚደንት'ውን ብቐይሕ ቀለም ዝተተንከፈ ምዃኑ ብንጹር ይርአ'ዩ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ክፋል ናይቲ ቀይሕ ምንጻፍ'ውን ባህርያዊ ትርኢቱ ተዘሪጉ'ሎ።
ስለምንታይ ምምሕያሽ ስእሊ ናይቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዝተደልየ ንጹር ኣይኮነን።
ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel/x
እቲ ሚኒስተር ዘየለ ከምዘሎ ንምምሳል ዝተገብረ'ዩ ከይንብል፡ ኣካል ናይቲ ልኡኽ ኮይኑ ናብ ሪያድ ከምዝኣተወን ኣብቲ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዝተኻየደ ርክባት ከምዝተሳተፈን ብኽልቲኡ ወገናት ዝወጽአ ብስእልታት ዝተሰነየ ተወሳኺ መርትዖታት ኣሎ።
ምናልባት፡ ንፕሮቶኮላዊ ምኽንያታት ነቲ ኣዝዩ ርሒቑ ዝነበረ ሚኒስተር ዑስማን ናብቲ ፕረዚደንት ብምጽጋዕ ኣጒሊሕካ ንምርኣይ ዝዓለመ ክኸውን'ውን ይኽእል።
በቲ ኮይኑ በዚ፡ እቲ ብጽፈት ዘይተፈጸመ ምምሕያሽ ናይቲ ስእሊ ካብ ጠማቲ ዓይኒ ገለ ተዓዘብቲ ክኽወል ኣይክኣለን።
ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብቲ ፕረዚደንት ጀሚርካ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 70ታት ወይ 80ታት ብምህላዎም ንብዙሓት ኤርትራውያን ከሻቕል ዝጸንሐ ጉዳይ ኮይኑ ከምዚ ዓይነት ክስተታት ምጥርጣራት ከስዕቡ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
ሚኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ ዑስማን ሳልሕ ኣብ 2007 ንዓሊ ሰይድ ዓብደላ ብምትካእ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ።
ኣብ ናይ ወጻኢ መገሻታት ካብ እግሪ እቲ ሚኒስተር ዘይተርፍ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን የማነ ገብረኣብ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ብንጹር ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ካብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ በዂሩ ይርከብ።
ምንጪ ስእሊ,Yemane G. Meskel/x













