ኣብኡ ድማ ርእስን ኣእዳውን ዘይብሉ ኣካላት ሰብ ረኸቡ።
እቶም ክኢላታት መርመራ፡ እቲ ሬሳ ምስቲ ቅድሚ ሰሙን ዝተረኽበ ኣእዳው ናይ ሓንቲ ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል እኳ እንተ ኣመኑ፡ ምሉእ መንነት ንምፍላጥ ግን ውጽኢት ዲኤንኤ ኣብ ምጽባይ እዮም ዘለዉ።
ገና ርእሲ ግዳይ ኣይተረኽበን፤ ብኸመይ ተቐቲላ፡ ብንቡር ድያ መይታ ወይስ ብጭካነ? መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ እዩ።
ነቲ ኵነታት ስንክሳር ዝገብሮ ድማ ቅድሚ እቲ ኣእዳው ዝተረኽበሉ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ገዳም ወዲ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላዳ ብህይወት ተረኺቡ። እቲ ህጻን ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይብሉን ኣብ መንግስታዊ ክንክን ከም ዝርከብን ይግለጽ።
ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዝሕብሩዎ፡ መጻምድቲ ናይታ ኤርትራዊት ከም ምዃኑ ተኣሚኑሉ ዘሎ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ እዩ።
ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን ግን ንማእሰርቱ ኮነ ተኽእሎ ተሳትፎኡ ኣብቲ ጉዳይ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ኣይሃቡን።
እቶም ክኢላታት መርመራ፡ ኣብቲ ተዓቚባትሉ ዝነበረት ብምኻድ ኣብ ዝኣከብዎ መረዳእታታት ውልቃዊ ባእሲ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ካልእ ዝተሓላለኸ ገበናዊ ኵነታት ከም ዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ንሕጂ ቅድመ-ተኸተል ናይቲ ፍጻመታት ንጹር ኣይኰነን ዘሎ፤ እታ ጓለንስተይቲ መዓስ ከም ዝጠፍአት፡ ብኸመይ ኣርሒቓ ከም ዝተጓዕዘትን ንውላዳ መን ኣብ ኣፍደገ ገዳም ገዲፉዎን - መልሲ ዝደልዩ ሕቶታት እዮም።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን ስንባደን ስግኣትን ፈጢሩ ኣሎ፣ ብሕልፊ ኣብተን ብውሑድ ከለላ፡ ማሕበራዊ ውሕስነትን ስድራቤታዊ ደገፍን እናተሸገራ ዝነብራ ዘለዋ ደቀንስትዮ ሓተትቲ ዕቝባ።
ውጽኢት ዲኤንኤን መርመራታት ፎረንሲክን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እዞም ዝስዕቡ ወሰንቲ ሕቶታት መልሲ ኣይረኸቡን፤
ነታ ኣደ ብመንን ኣበይን ተቐቲላ?
እቲ ኣካላት ንምንታይ ፋሕ ኢሉ ተረኺቡ?
እቲ ዕሸል ብኸመይ ናብኡ ተጓዒዙን ኣብ ኣፍደገ ገዳም ተሓዲጉን?
እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተኣሲሩ ዝበሃል ዘሎ መጻምድታ፡ ሰበስልጣን ጀርመን ምስ ዝገብሩዎ ዘለዉ መርመራ ዝተሓሓዝ ድዩ?
ርእሲ ግዳይ ንምንታይ ዛጊት ዘይተረኽበ?
እዞም ሕቶታት'ዚኣቶም ክሳዕ መልሲ ዝረኽቡ፡ ሞት ናይዛ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ንኽኢላታት መርመራ ጀርመን ረባሽን ዝተሓላለኸ ጉዳይን ኰይኑ ክቕጽል እዩ።













