ኣመሪካዊ ጀነራል ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደትን ርክባትን ተዛሪቡ

"ስለዚ ነዞም ስግኣታት እዚኦም ንምግጣም ንኣፍሪቃውያን መሻርኽትና ንምሕያል ኢና ኣብዚ ዘለና"።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተራኺቡ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ፡ ብዛዕባ "ሓባራዊ ስግኣታት ስግረ-ዶባዊ ሽበራ፡ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ምርግጋእ ከምእነበርክተሉ መንገዲ ንምድህሳስን" ከምዝተዘራረቡ ጠቂሱ።

ኢትዮጵያ "ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት ወሳኒ ስለዝኾነት" ናብታ ሃገር ክበጽሕ ከምዝኸደ ድማ የብርህ።

እቲ ጀነራል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ስግኣታት ጸጥታ ከምዝተዘራረበ'ውን ሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ኣብቲ በቲ ኤምባሲ ዝወጸ ቨድዮ፡ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ጠለባት ኣፍደገ ባሕሪ ይኩን፡ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪን ኣይተዛረበን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምብጻሕ ናይቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪን ጠለባት ኢትዮጵያን ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ጀነራል ኣንደርሰን ምስ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታማጆር ሹም ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዘካየዶ ልዝብ፡ ንተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ተቕርቦ ዘላ ጠለባትን ከምዝተመያየጠ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክረክብ ንትገብሮ ዘላ ኣገባብ ከምዝድግፍ" ምግላጹ'ውን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክገልጻ ቀንየን እየን።

"እቲ ኣመሪካዊ ኣዛዚ እዚ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ብምእታዉ ዝያዳ ንሰላም እቲ ዞባ ክትሰርሕ ትእኽል'ያ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ" እቲ ጸብጻባት የመልክት።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነቲ እዚ ዝተረከበ ጀነራል ኣንደርሰን፡ ምስ ሃገራት ዘለዎ ሽርክነት ንምምዕባል ናብ ዝተፈላለያ ርእሰከተማታት እታ ኣህጉር ምብጻሕ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዛዕባ ጉዳያት ሽበራን ዞባዊ ጸጥታን፡ ከምኡ'ውን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተዘራረቡ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብን ንምውናንን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኤርትራ ብወገና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ምስ ዋሽንግተን ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክትወስድ ተራእያ ነይራ። እንተኾነ ዛጊት ኣበይ ከምዝበጽሐ ግን ንጹር ኣይኮነን።

'ኣፍሪኮም'፡ ቀንዲ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ጀርመን ኮይኑ፡ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝከታተል ሓደ ካብ ዓበይቲ እዝታት ሰራዊት ኣመሪካ እዩ። ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘማእከለን፡ ኣብ ሓያለ ሃገራት ዓረብ ዓበይቲ መዓስከራትን ዘለዎ'ዩ። እቲ 'ሰንትኮም' ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዚ፡ ኣፍሪኮም ኣብ 2007 ቅድም ምቛሙ እንኮላይ ንዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምክትታል ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ ነይሩ።

ኣዲስ ኣበባ፡ ዛጊት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ምህናጽ ኣብ እተካይዶ ዘላ መስርሕ፡ ናይ ሩስያን፡ ፈረንሳን ደገፍ ከምዘለዋ'ያ እትእምት።

ምሉእ መዓርጉ ዝለበሰ ጀነራል ፒየር ሺል  ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኮፍ ኢሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ,EBC Ethiopia

ምብጻሕ ወተሃደራዊያን ኣዘዝቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ይካየድ ምህላዉ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

ብረቡዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ኣዛዚ ኣጋር ሰራዊት ፈረንሳ ጀነራል ፒየር ሺል ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተራኺቡ ነይሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምብጻሕ ናይ ጀነራል "ናይ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ዝዓለመ" ምዃኑ ይጠቅስ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን እዋናትን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ክገብሮ ንዝጸንሐ ኣገዳሲ ተሳትፎ ከሐይሎ እቲ ፈረንሳዊ ኣዛዚ ከምዝተማሕጸነ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ጀነራል ሺል፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ምስ ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ክራኸብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ጻዕዳ ወተሃደራዊ ልብሲ ሓይሊ ባሕሪ ዝተኸደነ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምስ ሰማያዊ ልብሲ ዝተኸደነ መራሒ ጉጅለ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ሰላምታ እናተለዋወጠ። ባንዴራ ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ድሕረባይታኦም ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ,FDRE Defence Forces

ብኻልእ ወገን፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈረንሳ ጀነራል ፋቢየን ማንዶን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምብጻሕ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓይልታት ፈረንሳ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ "ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ስልጣና ትምህርቲን ምልውዋጥ ልምድን ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክልተኣዊ ልዝብ" ከምዘካየዱ ሓቢሩ ነይሩ። ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ከምዝተራኸበ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ'ውን ብወገን ኢጣልያ ይኹን ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ዝወጸ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ፡ ኣብ ጎኒ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ-20 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብምርኻብ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ቐጠር ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ'ውን ኣብ ርእሰከተማ ዶሓ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ትዘራረብ ከምዘላ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ሰማያዊ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ኣመሪካዊ ጀነራል ምስ ምሉእ መዓርጉ ዝለበሰ ኢታማጆር ሹም ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ,FDRE Defence Forces

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክህብዎ ዝጸንሑ መግለጺታት ንኤርትራ ከቖጥዕ ጸኒሑ'ዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ክወጽእ ዝጸንሐ መግለጺታት ነቲ ኣብ 1993 ዝተኣወጀ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ነዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ጽዑቕ መግለጺታት ብጥቕሉሉ ምላሽ ብምሃብ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብመሬት ዝተኸበባ ሃገራት፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ወደባት ተጠቃምነት ክህልወን ዝፈቅድ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምዝኽኻር፡ እዚ ግን ብዘተን ስምምዕን ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ተፈጻምነት ዝህልዎ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ እዚ መሰላት'ዚ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሪ ካልእ ሃገር ልኡላውነት ወይ፡ ቀዋሚ ናይ ምቍጽጻር ስልጣን ዘውህብ ከምዘይኰነ ድማ ኣነጺሩ።

"መትከላት ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ዝርርብ ዝኣቱ ኣይኰነን" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነዚ መትከላት'ዚ ንምትርጓምን ንምጥምዛዝን ዝግበር ዝዀነ ይዅን ፈተነ ብቐጥታ ልኡላውነታ ምትንካፍ ምዃኑ ኣስፊሩ።