ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ-ርብዒ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን

ድሕሪ ኲናት 1870፡ ዓበይቲ ሓይልታት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ክማቐላ ምስ ነቐላ፡ ኢጣልያ ነቲ ናብኣ ዝቐረበ መሬት ኣፍሪቃ፣ ማለት ቱኒስ ክትረክብ ብናይ ሻቡ ስነ-መጎት ባህርያዊ ነበረ። ኢጣልያ ናብ’ዛ ካብ ጎቦታት ኣልጵስ ቀጺላ እተራኽብ ሓውሲ ደሴት ኣፍሪቃ ዝኾነት ቱኒስ ሰፋሮን ነጋዶን ሰዲዳ፣ ገንዘብ ኣብ ስርዓተ-መስኖ ኣዋፊራ፣ ጽርግያታት ሰሪሓ። ድሕሪኡ ግና ኢጣልያ ሰበ-ስልጣንን ወተሃደራትን ናብ’ዛ ዝተባህለት ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ሃገር ክትሰድድ ምስ ተበገሰት፣ ፈረንሳ ሃንደበት ኢዳ ኣእተወት። ቱኒስ ሻቡ ንሃጸያውያን ደቂ-ፓሪስ እውን ዘወናውን ቅርበት ነበራ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉሥ ጀርመን ዝነበረ - ቢስማርክ - ካብ ምስ ፈረንሳ ዝነበሮ ውድድር ነቒሉ፣ ንሠራዊት ፈረንሳ ኣብ ወጻኢ ሃገራት (ኣብ ኣፍሪቃ) ንምጽማዶም ሕቡእ ድልየት ነበሮ። ብተወሳኺ ቢስማርክ፣ ፈረንሳ ቅድሚ-ደጊም ብዘጋጠማ ግዱድ ግዝኣታዊ ሕድገታት ዘንቀሎ ኣንጻሩ ሕነ ናይ ምፍዳይ ንዝነበራ ድሌት መታን ከዘሓሕል ሠራዊት ፈረንሳ ናብ ኤውሮጳ ክምለስ ድሌቱ ኣይነበረን። እዚ ከኣ ንኢጥልያ ዝምችእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ፈረንሳ ኣብቲ ቦታ (ሰሜናዊ ኣፍሪቃ) ምህላዋ ንኢጣልያ ብድሆ ስለ ዝነበረ። ቱኒስ ከም መደብ ቢስማርክ ኴይኑ ከኣ፣ ፈረንሳዊት ኮይና ተረፈት፣ ይኹን’ምበር ዋላ ክሳብ ሎሚ (1935) 89,000 ኢጣልያውያን 71,000 ጥራይ ከኣ ፈረንሳውያን ኣብኣ ይነብሩ ኣሎዉ።

ናይ ቱኒስ ጎረቤት ዝዀነት ሃገር ትሪፖሊ ሻቡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቱርኪ እያ ነይራ፡ ግብጺ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ፋይናንሳዊ ምምሕዳር ናይ ኣንግሎ-ፈረንሳ ነበረት። ስለዚ ሮማ በቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ „ሓውሲ ናጻ” ግዝኣታት ካብ ምዕጋብ ሓሊፋ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበራን። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መትረብ-ስዌጽ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ እንግሊዝ’ዩ ዝነበረ። ብቀጥታውን ዘይቀጥታውን ምትብባዕ ናይታ ጎይታ መትረብ-ስዌጽ ዝኾነት እንግሊዝ ከኣ፣ ብ1881 ዓሰብ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኢጣልያ ኣትያ፡ ምጽዋዕ ከኣ ብ1885 ተታሒዛ፣ ኮታ ብምልኡ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራሓይታ (ወሽመጥ ዓደን) ኣስታት 1,100 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ፣ መግዛእቲ ኢጣልያ ኢዩ ተባሂሉ ተኣዊጁ።

ካርታ እዛ ዝተጠቕሰት ሓዳስ ግዝኣት ኢጣልያ (ኤርትራ) ኣዝዩ ኣደናቒ ነይሩ። እቲ ገማግም ባሕራ ግና መኻን፣ ማለት እንትርፎ ጨዓታት ካልእ ዘይበቚሎ፣ ገደልን ማይ ዘይብሉን ነበረ። እቶም ኣብኣ ዝርከቡ ኣእዋም፣ ምስታ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብፈረንሳውያን ዝተታሕዘት ጎረቤት ሃገር ዝኾነት ሶማሊ-ላንድ’ኳ ዝወዳደሩ ኣይነበሩን። ሓቂዩ፣ ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ፣ ኣብ ሶማሊ-ላንድ ሓንቲ ዓይነት ገረብ’ያ ዝነበረት፣ በቲ ኣብ ሶማሊ-ላነድ ዝበቊል ስየ (ዓርኮብኮባይ) ቤተ መንግስቲ ናይቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ክንዲ ብዚንጎ ብስየ ዝተሰርሐ ነይሩ ይበሃል።

ድርቂ ይኹን እምኒ ዝበዝሖ መሬት፡ ህቦብላ ይኹን ገሃነማዊ ሙቘት ንኢጣልያውያን ካብቲ ሓድሽ መግዛእቲ ከባርሮም ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ ናብ ውሽጢ ሃገር ንምእታው ፈቲኖም፣ ቀቢላታት ኣኽራን (ከበሳታት ኤርትራ) ኣብ 1887 ኣብ ዶግዓሊ ንኢጣልያውያን ተቓዊሞም ከቢድ ስዕረት ኣውሪዶምሎም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥራይ ውሑዳት ስፍራታት ካብ ኣኽራን (ከበሳታት) ተታሒዘን። ኢጣልያ ምስቶም ኣብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን - ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን - ዝነብሩ ሹማምንቲ፣ ተወላዶ ናይቲ ቦታ ስምምዕ ጌራ። ቀስ-ብቐስ ከኣ ኢጣልያውያን ነቲ ሓድሽ መግዛእቶም ክሕዙ ክኢሎም። ምስ ኩሉ ጸረ-ኢጣልያ ዝተገበረ ግዝያዊ ምትዕንቃፍ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቢሲንያ ድሒሮም ክስጉሙ ምኽኣሎም ከኣ፣ ጠንቁ ዮሃንስ ራብዓይ ውሽጣዊ ሽግር ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ዮውሃንስ ራብዓይ ምስ ኩሉ ጻዕሩ፣ ነቶም ሓያላት መሳፍንቲ ኣብስንያ ክቆጻጸሮም ብዘይምኽኣሉ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ ሓያልን ተባላሕን ካብኣቶም ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ ኢዩ። ንሱ ከኣ እቲ ንጉስ ሽዋ’ዩ ነይሩ። ብ1882 ዓ.ም መነሊክ ብሓቂ ንጓሉ ዘውዲቱ ምስ ወዱ ንዮሃንስ ራብዓይ ተመርዕያ ነይራ። ብመወስቦ ሓደ ዓይነት ዕርቂ ተረኺቡ’ኳ እንተነበረ፣ እዚ ግና ሓጺር ዕድመ ጥራዩ ነይሩዎ። ንጉስ ሽዋ ገና ነቲ ሃጸይ ከም ዝተዳኸመ ይቖጽሮ ነይሩ። መነሊክ ምስ ፈረንሳ ድሒሩ ድማ ምስ ኢጣልያ ብናጻ ምዝርራቡ ቀጸለ፣ ተግባሩ ከኣ ኣንጻር ሃጸይ ውዲት ኣስመዐ። ቅሉዕ ጥሕሰት ብተደጋጋሚ ይፍጸም ነበረ፣ ከም ውጽኢቱ ኣብ እዋን ውግኣት መኒሊክ ንዮሃንስ ራብዓይ ንማእለያ ዘይብሎም ጸላእቱ ገዲፉ ብተደጋጋሚ ናብ ሽዋ ይስሕብ ነበረ።

እዞም ናይ ዮውሃንስ ጸላእቲ እቶም ብቐጻሊ ብሎንደን ዝተባብዑ ዝነበሩ መሬት ዝጠመዮም ኢጣልያውያን ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ካብ 1886 ጀሚሮም ካብ ምዕራብ ንኢትዮጵያ ክወሩ ዝጸንሑ ደርዊሽ+1 ወይ ማህዳውያን እውን ነይሮም እዮም። ዋላ’ኳ እንግሊዝ ነታ እንኮ ንግስነት ክርስትያን ንምጥፋእ ዝሓስቡ ደራዊሽ ክተባብዑ ኣዝዩ ዘይውሓጠላ እንተነበረ፣ ሮማ ግና ንማህዳውያን ገንዘብን ኣጽዋርን ካብ ምቕራብ ድሕር ኣይበለትን። እንተኾነ ካብኡ-ናብኡ ኣብቲ ዓቢ ጸወታ (ካርታ) ኣቢሲንያ እቲ ኣገዳሲ ሰብ መነሊክ እዩ ነይሩ። ኣብ መጋቢት 1887 ኢጣልያ ብቑዓት ትብሎም ተዛተይቲ ናብ መነሊክ ሰዲዳ። ኢጣልያ ንበይኑ ንመነሊክ ከም ሕጋዊ ነጉስ ኣፍልጦ ክትህቦ መብጽዓ ብምእታው፡ ነባሪ ናይ ገለልትነት መርገጹ ዓዲጋ፡ ኣምሳያኡ መነሊክ 38,000 ጠበንጃን 28 መዳፍዕን እኹል ጠያይትን ናይ ኢድ ተተኮስትን ብህያብ መልክዕ ካብ ኢጣልያ ተረኪቡ። ካብ መነሊክ ከኣ ኢጣልያ ዋሕስናን ኣፍልጦን ዶባት ኤርትራ ረኺባ። +1ማህዳውያን ሰዓብቲ ናይ መሓመድ ኣሕመድ (መራሒ ናይ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዝካየድ ዝነበረ ተቓዉሞታት ኴይኑ፣ ማህዲ ከም ብረቢ ዓለም ካብ ገዛእቲ ንምድሓን ዝመጸ ልኡኽን ኣቦ-ፍትሕን ኢዩ ዝውሰድ) ። ማህዳውያን ኣንጻር ናይ’ቲ ሻቡ ኣብ ግብጺ ዝነበረ መንግስቲ ብዓመጽ ይንቀሳቐሱ ነይሮም። ማለት እቲ ምስ ዝተጠቕሰ መንግስቲ ግብጺ ዚነበሮም ባረዩ ናይ ምጽዓድ ውዕል ነጺጎም፣ ኣንጻሩ “ጂሃድ” ኣወጁ። ብ1881፣ ብ1882፣ ብ1883 ከኣ ዘይንዓቕ ዕንወትን ሞትን ኣብ ልዕሊ ሠራዊት ግብጺ ኣስዒቦም። ጎርዶን፣ እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብ1884 ከም ኢንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ኴይኑ ናብ ካርቱም ዝኸደ፣ ንማህዲ ከም ገዛኢ ኮርዶፋን ሰየሞ፣ ነቲ ዝነበረ ባረዩ ናይ ምጽዓድ ዉዕል ከኣ ብዕሊ ሰረዞ። ይኹን ድኣ’ምበር ማህዳውያን ቃልሶም ኣየቋረጹን፦ ብ1885 ንኻርቱም ወሪሮም ንጎርዶንን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ኢንግሊዛውያን ገዛእትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእተዉዎም። እንተዀነ ማህዳውያን ብ1898 ብክቺነር ዝተባህለ ኢንግሊዛዊ መራሒ ተሳዕሩ።

ሎንደን ገና ኣንጻር ኣቢሲንያ ውግእ ክካየድ ብግልጺ ኣይጸውዐትን ነይራ። ኢጣልያ ድማ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኤርትራ ጥራይ እያ ትሓስብ ነይራ ክትከውን ዘለዋ፣ ብዝተረፈ እቲ ኣዝዩ ኣርሒቑ ዘይጥምት መንግስቲ እውን እንተኾነ ነቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣንጻሩ ኲናት ክኸፍት ዝሓስብ ሓይሊ (ኣብሲንያ) ኣይመዕጠቖን። እንሆ መነሊክ ሕጂ ቀዳማይ ደረጃ ኤውሮጳዊ ኣጽዋር ወኒኑ፤ ንዮሓንስ ክግምጥል ድሉው ኴይኑ ነበረ። ግና ኣንጻር ሃጸይ ውግእ ምክያድ ኣድላዪ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ብ1889 ማህዳውያን ንኣብሲንያ ዳግም ወሪሮማ ኣሎዉ፤ ኣብ ገማግም ቀላይ-ጻና ከኣ እንሆ ዳግማይ ብርቱዕ ውግኣት ተኻይዱ።

መነሊክ፣ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ ሃጸይ ዮሃንስ ዘይኮነስ ብዛዕባ ናጽነት(ልኡላውነት) ኣብስንያ ምዃኑ ስለ ዝተረድኦ፡ ኩሉ ቅንኢ ብዛዕባ ሃጸይ ረሲዑ ኣብቲ ግጥምያ ክሕግዝ ምንቅስቓስ ጀመረ። ኣብ መተማ ምስ በጽሐ ግና እቲ ውግእ ድሮ ተወዲኡ ጸንሖ፤ ዮውሃንስ ራብዓይ ነቶም ድርዊሽ ብወሳኒ መንገዲ ስዒርዎም ነይሩ: - ንባዕሉ ግን ኣብኡ ብ8 መጋቢት 1889 ተቐቲሉ። መነሊክ ዘይከም ብዙሓት ቅድሚኡ ዝነበሩ መሳፍነቲ ቅትለት ከይፈጸመ ገዛኢ ኣቢስንያ ኮይኑ ተመርጸ። እንኮ መስፍን ሰሎሞናዊ ሓረግ፡ ቀጥታ ወራስ-ዓራት ናይ ቀዳማዊ መነሊክ፣ ማለት ናይ መወዳእታ ዘርኢ ወዲ ንግስቲ ሳባ ተባሂሉ፡ ኣብ ዝፋን ዘለዎ ተበጻሕነት ከረጋግጽ ኣይተጸገመን። ብከምዚ ድማ መሳፍነቲ ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣቢስንያ ዳርጋ ብሙሉእ ድምጺ ካብ ኑጉሥ-ሽዋ ናብ ንጉስ-ኣብስንያ ኣበረኽዎ።

ዮሃንስ ራብዓይ ኣብ መጋቢት 1889 ዓ.ም. ከም ዝሞተ ርኢና፣ ቅብኣ-ሥልጣን መነሊክ ከኣ ንሕዳሩ ኢዩ ተቘጺሩ ዘሎ። ሻቡ ኢጣልያ ዝኽሰር-ግዜ ከምዘየለ ተረድአት። ስለዚ ድማ ልኡኽ-ኢጣልያ ዝነበረ ፒየትሮ ኣንቶነሊ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ቅያ ጥራይ ዘይኮነስ ፍሉይ ኣትሌቲካዊ ቅያ እውን ብምፍጻም፣ ነቲ ሓደገኛ በረኻ ደንከልያ ቆሪጹ ሰገሮ። ክልተ ሰሙን ድሕሪ ሞት ዮሃንስ ከኣ ድሮ ኣብ መዓስከር መነሊክ (ኣብ ሽዋ ወይ ኣብ ጎቦ እንጠጦ) ተራእየ። ነቲ ብ1887 ከም ንጉስ ሽዋ ኴይኑ ዝተኣተወ ውዕል ከኣ፡ ሕጂ እውን ከም ንጉስ ኣብስንያ ኮይኑ ነቲ ስምምዕ ከፈጽም መታን ንመነሊክ ዳግም ክፍርም ኣእመኖ።

ቅድሚ ናይ ንግሥነቱ ጽንብልን-ስዒቡን ንዝካየድ ገንዘባዊ ወጻኢታት ናይቲ ዓቢ ውራይ ንምሽፋን ገንዘብ ኣዝዩ ዘድልዮ ዝነበረ መነሊክ፣ ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ሚልዮን ሊረ-ኢጣልያ ሓቲቱ። ኢጣልያ ኣርባዕተ ሚልዮን ሊረ ሂባቶ። ብ2 ግንቦት 1889 ውዕል ዉጫሌ ተፈሪሙ ምስ ሮማ ንግዳውን ቆንስላዊ ስምምዓት ብምእታው፣ ነቲ ናይ 1887 ውዕል ዳግማይ ኣረጋጊጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓንቀጽ 17 ናይቲ ሕጂ ንመላእ ኣቢስንያ ዝጸንዕ ናይ ውዕላቶም ሰነድ፣ ሮማ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘተ ከተካይድ ምፍቃድ፣፡ ማለት ኢጣልያ ምስ ካልኦት ናይ ወጻኢ ግዝኣታት ከም መንጎኛ ኴይና ክትሰርሕ መሰላ ዝተሓለወ ኢዩ ይብል።

ንጉስ ሽዋ ኣብ እንጠጦ ዘውዲ ክድግስ ከሎ፡ ማለት "ዳግማዊ መነሊክ ንጉስ ነገስት ዘኢትዮጵያ፡ ኣንበሳ ዘነገደ ይሁዳ፡ ሌውተናንት ኣምላኽ" ዝብል መዓርግ ኣብ ዝደፍኣሉ እዋን፣ ውዕል ዉጫሌ ናብ ኣቓልቦ ሰበ-ውልጣን ሮማ’ውን በጽሐ። ኣብዚ ግና ሻቡ እቲ ተርጓሚ ናይቲ ኦሪጅናል ሰነድ ብኣምሓርኛ - ብቕዓት ስለዝወሓዶ ድዩስ ወይ ምናልባት ካብ መጠን ንላዕሊ ብብቕዓት ሕሉፍ ብምንባሩ እነድድዒ - እቲ ናይ ኣምሓርኛ ትርጉም ናይቲ ውዕል፣ ኢጣልያ ብስም መነሊክ ክትዝቲ ከም እትኽእል ክገልጽ እንከሎ፣ እቲ ናይ ቋንቋ-ጥልያን ትርጉም ግና፣ መነሊክ ነቲ ናይ ወጻኢ ውክልና ንሮማ ክገድፎ ግዴታ ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሕብር ዝነበረ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሎንደን ከምዚ ዝኣመሰለ ስሉጥ ትካል እንተዘይከውን ነይሩ፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም ቁምነገር ዘይብሎም ዝመስሉ ውዕላት ኣብኡ እንተዘይቊነጩ (እንተዘይተመርመሩ)፡ ምናልባት ኩሉ ነገር ሕጂ’ውን ጽቡቕ ምኾነ ነይሩ። ሎንደን ናይ ቋንቋ-ጥልያን ቅዳሕ ናይቲ ውዕል ኣብ ኢዳ ምስ ተቐበለት፣ ኣብ ክንዲ "ይኽእል" እትብል ንጽል ቃል "ይህልዎ" (ማለት አብ ክነዲ can - must) ዝብል ቃል ዓቢ ናይ ፍልልይ ተኽእሎታት ከም እተቕርብ ብኡንብኡ ረኣየት። እዚ ንእሽቶ ዝመስል ፍልልይ፡ ኮነ ተባሂሉ ድዩስ ወይ ብኣጋጣሚ ብዘየገድስ፣ ኣብ ትሕዝቶ ሕትመተ-ውዕል ዉጫሌ ሕልዅልኻት ፈጢሩ’ዩ። በዚ ምናልባት ንኢትዮጵያ ናይ ምውራር ሕቡእ ኣጀንዳ እንተነይሩ ከኣ ዝነበረ ዕድል በርዒኑ ክበሃል’ውን ይከኣል።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኢጣልያ ፍራንቸስኮ ክሪስፒ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ ነይሩ። ዋላ እኳ እቲ ንዓባይን ሓያልን ኢጣልያ ንክኸውን ዝነበሮ ርእዮተ ዓለም ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ባይቶ ሮማ እንተፈሸለ፡ ብዝኾነ ግን ከም ልኡምን ኣርሒቑ ዝጥምትን ናይ እዋኑ ፖለቲከኛ ናይታ ሓዳስ ኢጣልያ፣ ማለቲ ዝሓሸ ካብቶም ቅድሚኡ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃጸያዊት ኢጣልያ ተባሂሉ ክውሰድ ይከኣል ነበረ። ዲፕሎማሰኛታት ሎንደን ነቲ መነሊክ ብውዕል ዉጫሌ ኣቢሉ ብጭቡጥ ንልኡላዊት ኢጣልያ ዝፈረመላ ውዕል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ መላእ ኣቢስንያ ኣፍልጦ ከም ዝሃበን ንእምነት ክሪስፒ ከም ዘደልድልን ቀሊል ኮይኑ ረኺቦሞ። ብርግጽ ከኣ ዘጠራጥር ኣይነበረን: - ሓደ ናጻ ሃጸያዊ ግዝኣት (ኣቢስንያ) ንካልኦት ኣብ ክንዳኡ ክዛተዩ ኣይፈቅድን እዩ። በዚ ከኣ ኣቢስንያ፡ ብሓንቲ ቃል፡ መግዛእቲ ምዃና ተኣሚና ነይራ።

እቲ ብዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገማቱ፣ ማለት ኣብ ሰልፉ ብዝነበሮ ሳሃሮታት፡ ከምኡ’ውን ብቀጻሊ ኣብ ከይዲ መረጻታት - ከም ዝኾነ ብባይቶ ዝግዛእ ፖለቲከኛ - ከም ድለየቱ ምልዕዓላትን መጽናዕትን ከየካይድ ምንጪታት ዝዓግቶ ዝነበረ ክሪስፒ፡ ኣተኵሮኡ ኣብ ልዕሊ ኣቢስንያ ክገብር ጸገም የጋጥሞ ነይሩ። ኣማኸርቱ’ውን ከም ካልእ ዓለሞም ብዛዕባ ኣቢስንያ ኣፍልጥኦም ድሩት’ዩ ዝነበረ። ብውጽኢቱ ምሕደራ ክሪስፒ ብኡንብኡ ኣብ መጻወድያ እንግሊዝ ወዲቑ። ብዓንቶብኡ‘ውን ኢጣልያ ኣብ ኩሉ ብምርኮ ወራር ዝርከብ ሓለፋታት ደንጉያ ኢያ ትበጽሕ። ኢጣልያ ብተደጋጋሚ ብዓበይቲ ሓይልታት ናብ ድሕሪት ኢያ ትድፋእ፦ንኣብነት ኣብ ጉባኤ በርሊን፡ ኣውስትርያ’ኳ ንቦዝንያ ክትዕደል ከላ፣ ኢጣልያ ዋላ ሓንቲ ኣይረኸበትን፡ ኣብ ምምቕራሕ ሰሜን ኣፍሪቃ ከምኡ ብዝነበረቶ ድኽነት፡ ጥራይ ኢዳ ተሪፋ። ስለዚ ኢጣልያ ኣብ መወዳእታኡ ክትስገር ዘይነበራ ሓይሊ ምዃና ከተርኢ ግድን ነይሩ። ኣብ ግንቦት 1890፡ከኣ መንግስቲ ሮማ ኣብ ሓምላይ-መጽሓፍ ኢላ ዝሰየመቶ ስትራተጂኣ፡ ኢትዮጵያ ብምልእታ ኣካልን ተምሳልን ኢጣልያ ምዃና ኣወጀት። እታ ሃብቲ ወርቂ፣ ሓጺን-መጺን፣ ፈሓም፣ ዘራእቲ (ኣእካል) ከም እትውንን ዝዝንተወላ ኣቢስንያ ንዕዳታት ኢጣልያ ኣብ ምኽፋል ግደ ክህልዋ ዝርኢ ስትራተጂ ከኣ ኣብ’ቲ ሕትመት ይርኣ ነበረ።

መጕዚትነት ኣዋጅ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ እውን እንተኾነ ምናልባት ናብ ዕንወት ኣይመምርሐን ነይሩ ይኸውን። እንተኾነ ግና መንግስታ ኤውሮጳ መደባት ናይ ኢጣልያ ቀጠልያ መጽሓፍ ቅድሚ ምንባበን፣ መነሊክ ብዛዕባ ዘውዲ ምድፍኡ ንዅላተን ጎላዕላዕ ዝብል ደብዳቤታት ብምስዳድ ንመደባት ኢጣልያ ዓንቀፎ። ዋላ’ኳ ፓሪስን በርሊንን፡ ሴንት ፒተርስበርግን ቪየናን ንመደብ ኢጣልያ ዘይምድጋፈን ኣብ ቁጥዓ እንተነበረ፣ ሎንደን ግን ነገራት ከተሳውር ዕድል ክሓልፍ ኣይፈቐደትን። ሎንደን ንመነሊክ ቃልዕ ብምጽሓፍ፦ ከመይ ድዩ ነገሩ፣ ኩሉ ርክባት ኢትዮጵያ መጀመርያ ብሮማ ክሓልፍ’ዶ ኣይኰነን ዝግባእ? ክትብል ሓተተት።

መነሊክ ኣብ መጀመርታ ኣይተረድኦን፡ ከምኡ’ውን ናይ ግዝኣቱ ውሽጣዊ ጭንቀት ስለ ዝበዝሖ ነቲ ጥውይዋይ ደብዳበ እንግሊዝ ዝኸውን ግዜ ኣይረኸበን ይኸውን። ድሕሪኡ ግና ፓሪስ ካብ ሕዱር ቅንኢ ተበጊሳ ብኣባል መንግስታ ዝኾነ “ደሎንክለ” ቅዳሕ ናይ’ታ ናይ ኢጣልያ “ቀጠልያ-መጽሓፍ” ንመነሊክ ኣብጽሓትሉ። ሻቡ ኣቢሲንያ ገና ኣብ መስከረም 1890 ኣንጻር እቲ ናይ ኢጣልያ ጽሑፍ ተቓውሞኣ ኣስሚዓት። መልሲ ኣቢስንያ ኣዝዩ ብጭውነት ዝበዝሖ፡ ሓውሲ ሓፋር፣ ኮታ ከም ብዘይ ፍላጥ ወይ ከም ናይ ትርጉም ጌጋ ኴይኑ ክእረም ዝህልዎ ጕዳይ ይመስል ነበረ።

ክሪስፒ ነዛ ናይ መወዳእታ ዕድል ተጠቒሙ ካብታ ኣብ ክሳዱ ጥሒላ ዘላ ገመድ ንነብሱ ከውጽኣ ይኽእል ይኸውን። ድሮ ብውሽጡ ተጣዒሱ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ "ስዕረቱ" ዓው ኢሉ ብምእዋጁ፡ በቲ ዛጊት ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኸቦ - ክልሰ-ሓሳባዊ - መኽሰብ መሬት ንሓበብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንፍርቂ ኤውሮጳ ከም ትቐንእ ገይርዋ ነይሩ’ዩ። ሎንደን ግና ሕጂ (ኮር-ተገምጠል) ኣየሕፈረቶን። ሎንደን ኢዳ ክትመልስ ድሌት ነይሩዋ፦ ንሴንት ፒተርስበርግ፣ ብመንጽር’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ናይ እምነት(ሃይማኖት) ምድንጋጽን ሕውነትን መርገጽ፣ ከምኡ ኣንጻር ፓሪስ ካብ ዝነበራ ህልኽ ተላዒላ። ሎንደን ንክሪስፒ ኤርትራ መንጠሪ እምኒ ጥራይ ምዃና ብምግላጽ፣ ብዘይ’ቲ ሃብታም ውሽጣዊ ሃገር ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ዋጋ ከምዘይብላ ኣእመነቶ። እሞ ነዛ ንእሽቶ ኤርትራ ኢልካ ኵናት ምእታው ለባም ከም ዘይኮነ ብምባል ከኣ መኸረቶ።  ከምኡ'ውን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ጥርጣረታት ኢጣልያውያን ንምብታን ብ24 መጋቢትን ብ15 ሚያዝያ 1891 ዓ.ም.ፈ ምስ ኢጣልያ ክልተ ምስጢራዊ ፕሮቶኮላት ፈረመት። (1) ሎንደን ንኢትዮጵያ ከም “ዓውዲ ጽልዋ” ኢጣልያ ብወግዒ ከም ትፈልጣ። እንግሊዝ ድማ ቀላይ ጻናን ተፋሰስ ሰማያዊ ኒልን፡ ፈለግ ኣትባራን ራሃድን ክትቆጻጸር ተፈራረማ። ሎንደን ብተወሳኹ ንኣውራጃታት ካፋን ሃራርን፡ ንኦጋዴንን ነቲ ሰፊሕ መሬት ጋላን ንኢጣልያ ከም ህያብ ለገሰትላ። ኢጣልያ ከኣ ንመነሊክ ክብረት ከም ዘይብላ ንምርኣይ ድሮ ኣብ 1890–91 ነታ ደቡብ ካብ ሶማሊ-ላንድ እትርከብን ሻቡ ከም ሓውሲ መሬት ኢትዮጵያ ትቚጸርን ኣውራጃ በናድር ወረረታ። ከም መቐጸልታ ዶባት ኤርትራ ብምስማስ ከኣ ንግዝኣታ ንቕድሚት ደፊኣቶ። ((1) እዞም ብ1894 ብናይ ኢጣልያ ዘይምጥንቃቕ ንቃልዕ ዝወጹ ውዕላት፡ ካብ ፈረንሳ ቁጥዐ ከም ዝግንፍል ኣስዒቦም።)

ኣብ እዚ ኵሉ ምትንኻላት ናይ ኣንግሎ-ኢጣልያ፡ ፈረንሳ ብርግጽ ኢዳ ኣጣሚራ ኣይነበረትን። ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብ1881 ዓ.ም. ንኦቦክ ሒዛ ኣብ መንጎ 1884ን 1888ን ከኣ ክሳብ ጅቡቲ ጽልዋኣ ኣስፍሐት። ኢጣልያ ንኣቢስንያ ኣብ ኢዳ ከምዘእተወታ ብዓቢ ድምቀት ሓበብ እንክትብል፣ ፈረንሳ ሰላሕ ኢላ ብዘይ ዝኾነ ጥሩምባ-ምንፋሕ ኣብ መሬት ንጉስ ጽልዋኣ ኣረጋገጸት። ፓሪስ ምስ ኣብሲንያ ካብ ሮማ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ርክብ ነይሩዋ’ዩ - ሉዊስ ፊሊፕ ድሮ ምስ ሳህለ-ሰላሴ (ኣባሓጎ ናይ መነሊክ) ናይ ምሕዝነት ስምምዓት ነይሩዎ፦ብ1843 ብውዕል ኣንጎላላ ዝፍለጥ ስምምዓት ተፈራሪሙ ነበረ። ፈረንሳ ከኣ ንመነሊክ ብዛዕባ ዕላማ ሮማ ብቐጻሊ ትሕብሮ ነይራ’ያ። በዚ ከኣ ፈረንሳ ንኢጣልያን እንግሊዝን ምጕዳእ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ኩሉ ንባዕላ ቁጠባዊ ረብሓታት ኣረጋጊጻ ኢያ። ዝምድና መነሊክ ምስተን ካልኦት ክልተ ጎረባብታ (እንግሊዝን ኢጣልያን) ምትሕንኻሩ እናኻዕበተ ብዝኸደ፣ ቁጠባዊ ብልጫታት ፈረንሳ ኣብ ኣብስንያ እናሰፍሐ መጺኡ ነይሩ’ዩ። መነሊክ ናብ ንጉስ ሁምቤርቶ ዝለኣኾ ናይ ቁጥዓ-ደብዳበ ብዘይ ግብረ-መልሲ መኺኑ ምስ ተረፈ፣ ከምኡ’ውን ብተወሳኺ ኢጣልያ ብመብጽዓታት ሎንደን ተተባቢዓ ንኣብሲንያ ብቕሉዕ ከም ናታ ግዝኣት ስለ ዝኣወጀት ከኣ፣ ናይ ኣቢስንያ ዝምድና ምትሕንኻሩ ንጥርዚ ዓረገ። ኢጣልያ ሰራዊት ብብዝሒ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትጓርተሉ ዝነበረት እዋን ከኣ፡ ስዊዘርላንዳዊ መሃንድስ ኢ-ልግን መሻርኽቱ ቺፍኖ-ክስን፡ ብስም ሓደ ናይ ፓሪስ ትካል ምስ ኣቢስንያ ኣብ ዘተ ነበሩ።፡ ምስ ንጉስ መነሊክ ከኣ ብዛዕባ ህንጸት መንገዲ ባቡር ካብ ጅቡቲ ናብ እንጠጦ (ናይ ሽዑ ርእሰ ከተማ መነሊክ) ፡ ከምኡ ካብ ሃራር ናብ ጻዕዳ ኒል ተወዓዒሎም። ክሪስፒ ኣብ ሮማ ኮፍ ኢሉ ምስሊ ንጉስ ሁምቤርቶ ዘሎዎ ንኢትዮጵያ ዝኸውን ገንዘብ የሕትም ኣብ ዝነበረሉ ህሞትን፣ ከምኡ "ኢጣልያ ሞግዚትነታ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ" ዘርኢ ቴምብራት ክቐርጽ ላዕልን ታሕትን ክብል እንከሎን፡ ፓሪስ ኣብ 1894 ኣቢሲንያ ኣባል ዓለምለኻዊ ናይ ፖስጣ ማሕበር ምዃና መግለጺ ኣውጽኣት፡ ስእሊ ንጉስ መነሊክ ዝሓዘ ናይ ፖስጣ ማሕተም ከኣ ተዳለወ። ኣብ ሮማ ባልባል ዝብል ናይ ውግእ መደረታት ክቐርብ ከሎ፡ ፈረንሳ ብ9 መጋቢት 1894 ኣብ ኣቢስንያ ልቸንሳ(ኮንሳስዮኒ) ረኸበት: ኣብ ኣቢስንያ ሞኖፖሊ ናይ ህንጸት መንገዲ-ባቡር ኣብ ኢዳ ሓዘት። እዚ ከኣ ንኢጣልያ ናይ መወዳእታ ሕስረት እዩ ነይሩ። እንግሊዝ ከኣ መደባታ ክፈሽል ርኣየቶ። ኢጣልያ ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም መላገጺ ከም ዝኾነት ኣስምዓ። ስምምዕ ሓዲድ-ባቡር ፍራንኮ-ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ መበል ካልኣይ መዓልቲ፡ ብ19 ሚያዝያ ልኡኻት ኢጣልያ ናብ ሎንደን ተጓዒዞም ከዱ። ብ5 ግንቦት 1894 ከኣ ሳልሳይ ውዕል ብዛዕባ ምምቕራሕ ኣንግሎ-ኢጣልያ ንኣቢስንያ ተፈራረሙ፤ ማለት ንሳልሳይ ግዜ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ከም ዘብቅዓ ገለጹ። ወተሃደራት ኢጣልያ ንኣውራጃ ትግራይ ክሕዙ ተንቀሳቐሱ፣ ክሳብ ዓድዋ’ውን ገስገሱ፣ ካብኡ ኣብ ቀረባ እዋን’ኳ ዓድዋ መቓብር ኩሉ ተስፋታት ኢጣልያ ከም ትኸውን ክንርኢ ንኸውን ‘ና።

 ሎሚ (1935) ብኽፉት ኣእምሮን ብዘይ ስምዒትን ነዚ "ናይ ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ዘይተፈትሐ ጸገም" ንምፍታሕ ብዕትቡነት እንተርኢናዮ፣ ከምኡ ኣብቲ እዋን ሮማ ባዕላ ንመነሊክ ብዘመናዊ ኣጽዋር ከም ዘዕጠቐቶ፣ ዝዝክር ሰብ ኣብ ኢጣልያ ዘይነበረ ይመስል። ኣብ ሮማ ሻቡ ነቲ ኣብ ሓደ ወፍሪ ኣብ ኣቢሲንያ ዘጋጠመ ዘይተኣደነ ጸገማት ብዝርዝር ጠቒሱ ሰር- ሮበርት-ናፒየር ዘቕረቦ ጸብጻብ ዘንበበ ሰብ ዝነበረ ኣይመስልን። ከም ዝፍለጥ፣ ኣውራጃ ትግራይ፡ ንንግሥቲ ጸሃይቱ (በዓልቲ ቤቱ ንመነሊክ) ትውልዲ ዓደን ኴይኑ፡ ብገዝሚ ንመነሊክ ዝተዋህበ ምንባሩ‘ዩ። ስለዚ ድማ ኣውራጃ ትግራይ ንመጥቃዕቲ ዝያዳ ዘይምችእ ረቛሕት ከም ዝነብሮ ኣብ ሮማ ዝፈልጥ ሰብ ከም ዘይነበረ ይመስል። ካልእ ኣብ 1889 ካብ ኢጣልያ ናብ ምጽዋዕ ዝኣተዋ ከብቲ ነይረን፤ ብመጀመርታ ንመጓሰ ትግራይ ብጕልሓይ/ፌራ ዝበከላ፣ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ ዳርጋ 98% ካብ ድምር ከብቲ ኣቢስንያ ዘጥፍኣ፣ እዚ‘ውን ሰብ ዝዘከረቶ ኣይመስልን። ንሱ እቲ ተረኽቦ– ርግጽ‘ዩ ብፍላጥ ኮነ-ይልካ ተፈጸመ ኣይነበረን። እንተኾነ እዚ‘ውን፡ ን"ሰብ ሽሕ ላም" ከምኡ'ውን ን"ሰብ ዓሰርተ-ሽሕ ላም"፡ ኣብ ድዅነት ዝቐየረ ተረኽቦ‘ዩ ነይሩ።  በዝን ወዲ‘ዝን ዝተማረሩ ኣህዛብ ኣብሲንያ ድማ ንኢጣልያ ብሕራነ ከም ዝዋግኡ ክፍለጥ ነይሩዎ።

ቅድሚ እቲ ንዋይ ዝሸመመ ጕልሓይ/ፌራ፣ ወነንቲ ዓበይቲ መጓሰ፡ ዓመታዊ በዓል የካይዱ ነበሩ። ኣብኡ ድማ ሰፋሕቲ ዒላታት ብምድላው ብጸባ መሊኦም፡ ኣብኡ ይሕንብሱ ምንባሮም ድግም ሓበሻ ኣሎ‘ዩ። እንሆ ሕጂ እተን መጓሰ ድሮ ጠፊአን ኢየን፤ መነሊክ ብዘካየዶ ጸሎተ-ምህለላ ድማ ነቲ ጕልሓይ/ፌራ ደው ከብሎ ኣይሕተትን‘ዩ። ምኽንያቱ እቲ ብጸባ ናይ ምሕጻብ ጽምብላት ካብ ዝቋረጽ ነዊሕ ኮይኑ ነበረ። ስለዚ ንኢጣልያ ከም እኩይ-ጓናን ከም ድያበሎስን ቈጺሮም ጭራስ ከጥፍእዎ ዘገርም ድዩ? ንበመላኣ እታ ሃገር ኣለዓዒልካ ኣንጻር ኢጣልያ ክትቅይሮም፡ ነቲ ግጥምያ ናብ ኣረሜናውን መሪርን ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባር ክትቅይሮ ኣጸጋሚ ድዩ ነይሩ? ንሃጸይ ቴድሮስ ተኸተልቱ ክድርብይዎ ከሎዉ፡ መነሊክ ግና ኣንጻር ኢጣልያ 80 ሽሕ ተዋጋእቲ ኣዕጢቑ በርቃዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ጸገም ኣይነበሮን። 

ሰራዊት ሜጀር ቶሰሊ ኣብ ታሕሳስ 1895 ኣብ ኣምባ-ኣላጀ ፍጹም ድሕሪ ምጽናቱ፡ ኣብ ለካቲት 1896 ከኣ ኣብ መቐለ ዝነበረ ዕርዲ ኢጣልያ ድሕሪ ምዕናዉ፡ ናይ ኢጣልያ ጀነራል-ሰታፍ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ናይ መጥቃዕቲ እዋን ኣብ ሕማቕ ግዜ ከም እተመርጸ፡ ሰራዊት ኢጣልያ ነቲ ጽንኩርን ጸዳፍን ኣኽራናት ኣብስንያ ክጥሕሶ ከምዘይከኣለ፡ በዚ ከኣ ንመነሊክ ከምቲ እንግሊዛውያን ንቴድሮስ ዝሓዝዎ ክመቚሕዎ ከምዘይበቕዑ …ወዘተ፣ ገምገመ። ከምኡ ክብሉ ከኣ ንሮማ ኣጠንቀቕዋ። ሮማ ግን ንድሕሪት ክትምለስ ኣይከኣለትን። ፋይናንሳዊ ኩነታት ኢጣልያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዘየተኣማምን ደረጃ‘ዩ ወዲቑ ዝነበረ። ብቐረጽ ዝርከብ ዝነበረ ኣታዊ ተጸንቂቑ፣ ንኣብነት ኣብ ሲችልያ ናይ ኣብያተ-ሕርሻ ሰራሕተይናታት ናዕቢ ተተኵሱ ብምንባሩ፣ ናይ ክሪስፒ ሰልፊ -ጥምረት ሰውራውያን „Fasci rivoluzionari“ - ኣብ ኢጣልያ ኣብ ምጽናዕ ሕላፊ-ሰዓትን፣ ንናዕብታት ብደማዊ ወተሃደራዊ ዓፈና ኣብ ምግጣሙን ተጸሚዱ ነበረ። ድሮ ኣስታት 120 ሚልዮን ሊረ ኣብ ኤርትራ፣ ማለት ነቲ ናይ ኵናት ወፍሪ ጸረ-ኣቢስንያ ወጻኢ ኴይኑ ነበረ። ነዚ ገዚፍ ገንዘባዊ ወጻኢታት‘ዚ ክትክውል፣ እሞ ነቲ ኵናት ኣብ ኣቢስንያ ደው ክብል ንሮማ ከቢድ ነበረ። ስለዚ ድማ ጀነራል ባራቴሪ ነቲ ናይ ኵናት-ወፍሪ ደው ከየብል ትእዛዝ ተቐበለ፣ ክሪስፒ ከኣ ነቲ ዝተሓደሰ መጠንቀቕታኡ ናብ ጀነራል ባራቴሪ ብቴሌግራፍ ንምትሕልላፍ ከምዚ ክብለ ጸሓፈ፣ “ንስኻ ሕማም ሳንቡእ ስለዘለካ ኢኻ ፈርሕካ ተዕጠጢ ዘሎኻ...”፣ ብድሕሪ‘ዚ ገምጋምን መጠንቀቕታን ሓለፍቲ ውግእ ብዘየገድስ እቲ ኵናት ዕጫኡ ክወስድ ተገድፈ፣ እቲ ዝኸዶ መንገዲ ከኣ ወሰደ።

መነሊክ ኣብ 1891 ንኹለን ናይ ሻቡ ዓበይቲ ሓይልታት ከምዚ ክብል ጽሒፉ፦ "ካብ ርሑቕ ኴይኖም ንኣፍሪቃ ክመቓቐሉ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን። ኣቢስንያ ን14 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ባሕሪ ኣረሜናውያን፣ ደሴት ክርስትያን ኴይና ጸኒሓ‘ያ። እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ንሃገረይ ክሳብ ሎሚ ካብ ሓለዋ ከኣ፣ ብርግጽ ንመጻኢ‘ውን ክሕልዋን ክትሰፍሕ ክሕግዛን ኢዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ብጽሒት ናይ ካልኦት ሓይልታት ኣይክተከውንን ኢያ።  ቀደም-ቀደም‘ኳ ዶባትና ባሕሪ ይበጽሕ ነይሩ‘ዩ። ሎሚ ሓይሊ ተጠቒምና ነዞም ጥንታውያን ዶባት ከነምልስ ድሌትና ኣይኰነን። ተስፋና ግና፣ ብፍቓድ ገለ ብኢዮሱስ ክርስቶስ ዝተባረኹ ወገናት፣ ዶባትና ናብ ዝነበሮ ገማግም ባሕሪ ክምለስ ኢዩ። ክፍለጥ ዘለዎ፣ ኢትዮጵያ ንኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት ነጻነት ዝነበራ ምዃና‘ዩ። ኣውራ ትርጉም እንህቦ ከኣ፣ ከምኡ ኢላ ብነጻነታ ንክትቅጽል ኢዩ …“

ሮማ ብዛዕባ‘ቲ ናብ ኵላተን ሓያላት ዝተላእከ ዘዋሪ መልእኽቲ መነሊክ ጽቡቕ መዛናግዒ ኢያ ረኺባ ነይራ።  ካልእ ዓለም‘ውን ከምኡ ንመነሊክ መስሓቕ ጌራቶ ነበረት። ሕጂ ግን መነሊክ ከምዚ ክብል ንሰማዕቱ ብሓድሽ ኣዋጅ ደጊስዎም፡ "እንሆ ጸላኢ ባሕሪ ሰጊሩ፤ ንህዝብናን እምነትናን ከጥፍእ ቈሪጹ፣ ዶባትና ኣራኺሱ ኣሎ። ንሓሙሽተ ዓመት መመላእታ ኩሉ ዝከኣለኒ ፈቲነ፣ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ተጸሚመዮ፡ ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ብሕማም ጕልሓይ/ፌራ ንመከራን ዓጸቦን ዝተቓልዓ ህዝበይ ክድሕን ስለ ዝደለኹ። ጸላኢ ግና እናሻዕ ከም ኩብኩብታ-(ኣንበጣ) ብጥሕሰት ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። እነሆ ብኵናት ክገጥመሉ ቈሪጸ ተላዒለ ኣሎኹ፣ ኣብ ኵናት ከንበርክኾ ከኣ ፍቓድ ስላሴ ይኹን። ሃየ፣ ሓይሊ ዘለዎ ኢዱ ይሓውስ፣ ዝደኸመ ከኣ ብጸሎት የሰኒ ...”

ድሕርዚ ሮማ ካብ ኩሉ ቦታ ኣቢስንያ ተዋጋእቲ እንዳመጹ ይእከቡዋ ስለ ዝነበሩ፣ ድሕሪ ደጊም ንመነሊክ ተባጭወሉ ዕድል ኣይነበረን። ብቆርበት ላም ዝተሰርሑ ዋልታታትን ቀይሕ ለዓታት ዝነበሮም ሴፋትን፣ ከምኡ ጥንታዊ ጕራዴታት ዝሓዙ ተዋጋእቲ ናብ መዓስከር-መነሊክ መጹ። በቲ ፈረንሳውያን ዝሸጥሎም ግንጽላትን፣ ባዕሎም ኢጣልያውን ዝመንጠዉዎም ጠበናጁን ዓጢቖም መጹ። ፍቕዶም ብኣሽሓት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ዳርጋ ሚእቲ ሽሕ ተገማገመ። እቶም መኳንንቲ ካብኣቶም ቆርበት ነብሪ (ናይ ውግእ ሕዛብ) ፣ ኣብ ርእሶም ድማ ናይ ኣንበሳ ፋረ ተኸዲኖም ነበሩ። ኢጣልያውያን ተደርቢሾም ሓገዝ ዝመጸሎም ገለ ዕድል ኣብ ምምዕዳው ከሎዉ፣ መነሊክ ብኣንጻሩ ንኩሉ ምቅንባራት ናይ‘ቲ ኵናት ኣብ ኢድ ራእሲ መኰነን ኣንቢሩ ቀሲኑ ነበረ።  ራእሲ መኰነን ሻቡ ከም እሙን ወኪሉን መማኽርቱን ኴይኑ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሃራር‘ዩ ዝነበረ። ድሕሪ ምፍራም ውዕል ዉጫሌ ድማ ሓደ ካብቶም ብኣካል ሮማ ዝበጽሑ ሹማምንቲ ኣቢስንያ ነበረ።  ኣብ‘ዚ ናይ ተፋጠጥ ሰዓታት ንሰራዊት ኢጣልያ ናብቲ ማይ ዘይብሉ ሽንጭሮታት ዓድዋ ከም ዝስብሰብ ገበርዎ። ብድሕር‘ዚ ባራቴሪ ንህጁም ዘዝላኣኾም ሰራዊት፣ ሰራዊት ኣቢስንያ ብተመልከተለይ (ሓደ ድሕሪ‘ቲ ካልእ) ይምንጥሎም ነበረ። እቲ ውግእ ንዓሰርተ ክልተ ሰዓታት ቀጸለ፣ ማለት ምሉእ መዓልቲ ናይ 1 መጋቢት 1896። ሻቡ ወተሃደራዊ ቃፍላያት ናይ ጀነራል ኣሪሞንዲ ናይ ጀነራል ቦርሚዳ ናይ ጀነራል ኣልቤርቶነ ተሃሞኹ። ካብ‘ቲ ውግእ ካብ ሞት ዘምለጡ ኢጣልየዊ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክሃድሙ ተገደዱ። ባራቴሪ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ፍርዱ ተቐበለ፡ ክሪስፒ ድማ ብኡንብኡ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ተገደደ። ኢጣልያ ከኣ ናይ ሰፊሕ ግዝኣት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ናይ ምውናን ልሙዕ መሬት ኣብ ደጋታትን ወይነ-ደጋታት ኣቢስንያ፣ ናይ ዕደና ወርቂ፣ ናይ ስኒ ሓርማዝ …ወዘተ ሕልምታታ በነነ።

መነሊክ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ ብዝረኸቦ ዓወት‘ኳ ድሮ ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ግኑን መራሒ እንተምሰሎ፡ ሓቀኛ ዕብየቱ ግና ምስ ሮማ ሰላም ምስ ገበረ እዩ ጎሊሑ ዝወጸ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መራሕቲ ምናልባት ወተሃደራዊ ዓወት ከመዝግቡ ይኽእሉ ነይሮም ይኾኑ። መነሊክ ግና ንዓለም ካብዚ ንላዕሊ ዝዓቢ ተራ ኢዩ ኣርእዩ። ካብቶም ውዕል ቨርሳይ ዝፈረሙ ፖለቲከኛታት ንላዕሊ በሊሕን ኣርሒቑ ዝጥምትን ነይሩ ክበሃል ይኽእል። ከመይሲ ነቲ ኣብ ዓድዋ ዝረኸቦ ዓወት ብዘይ ምሕረት ኣይመዝመዞን። ብዕለት 26 ጥቅምቲ 1896 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንኢጣልያ፣ ናጽነት(ልኡላውነት) ኢትዮጵያ ብኽብሪ ዘውሕስ ውዕል ክትፍርም ኣገዲዱዋ፣ ከምኡ‘ውን ካብ ስምምዕ ዉጫሌ እቲ ዘመናዝዖም ዝነበረ ሸነኹ ከም ዝድርበ ገበሩ። ይኹን ድኣ‘ምበር መነሊክ፣ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ወይ ኤርትራ ክትምለሰሎ፣ ወይ ካሕሳ ኲናት ክወሃቦ ኣይሓተተን። ንሱ ጥራይ ኣይነበረን፦ 

  1. እቲ ካብ ዓቃቢ-ሰልፋዊ ሸነኻት ዝመጸን ተካኢ ክሪስፒ ዝኾነን ሩዲኒ ነቲ ስዕረቱ ዘመስከረ ፖሊሲ ኢጣልያ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጂ ከፍርሶ ድሉው አዩ ዝነበረ፣

  2. ሎንደን ድሕሪ ኵናት ዓድዋ ንሮማ ​​ሃንደበት ራሕራሓታ፣ ማለት ሎንደን ንኢጣልያ ዳግም ደገፍ ምእባያ ጥራይ ዘይኮነስ፣

  1.  ለቓሕ ንኢጣልያ ኣቋሪጻ፣

  2.  ነታ ባራቴሪ ኣብ 1894 ካብ ማህዳውያን መንዚዕዋ ዝነበረ ከሰላ ገዲፎም ክለቑ ኣገዲድዎም፣

  1.  ዋላ’ኳ ኤርትራ ሻቡ ብግብሪ ኣብ ምሕረት መነሊክ ዝነበረት እንተመሰለ፣ መነሊክ ግና ናብ ቅርሕንቲ ወይ ናብ ሕነ ምፍዳይ ዘማዓዱ ድልየት ኣይነበሮን።

 

24 November 2025

Anton Zischka

ABESSINIEN

“DAS LETZTE UNGELÖSTE PROBLEM AFRIKAS“

Wilhelm Goldmann Verlag GmbH (Leipzig1935)

  • ተፈጸመ -