ብምኽንያት ዕረፍቲ ባሃር ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ መግለጺ መሪር ሐዘን

ንባሃር በረኸት መንግተኣብ ወየ ክብለሉ

ቁምጣ ስረ ምስ ጋንባለ ኣየ ከምሕረሉ

ጸረ መግዛእቲ ብክራሩ ንህዝቢ ኣላዓዒሉ፣

 

ኣብ ሕንብርቲ ጸላእቱ ዝዘየመ ዓደየ ዓደየ

ንጉስ ስነ ጥበብ እንተ በልኩ መዓስ ተጋግየ 

ክራር ካላሽን ሒዙ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ዝጎየየ፣

ንጉስ ስነጥበብ እኳ ክውሕዶ

ኣቦ ስነ ጥበብ በረኸት ዓሪፍካ ዶ

ታሪኽ ገዲፍካ ንመጻኢ ወለዶ 

ንሞያኽ መን ኣሎ ዝኽሕዶ፣

 

ኣታ ሐላፊ መንገዲ 

እንተ ረኸብካያ ንመለይ

ሰላም በለለይ፣

ኣብ ሜዳ 

ተቀበሉኒ ብረተይ

ምስ ዝናረይ ጥይተይ 

ጸኒዕኩም ኣብ መትከል 

ከይትብሉ ሰንከልከል፣

 

ድሕሪ ነጻነት ናይ ሰላም መጸዋዕታ

ዘማሐላለፍካዮ መልእኽቲ ብዓውታ

ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ክረክብ ሩፍታ፣

 

ውግእ ወረ ውግእ ያኣኽለና ሎምሲ

ናይ ሰላም ወረ ክንሰምዕ ክንዲ ተኹሲ

ኣብ ባይቶ ብሕጊ ክንዛተ ብዲሞክራሲ፣

 

ስደት መሪሩኑ ሩሑቕ ምኻደይ

ይናፍቆ ኣለኹ ኣረኻ ዓደይ

ፈትየ ኣየውረድኩን ብረተይ፣

 

በረኸት ኣቦ ስነጥበብ ታሪኽ ገዲፉ

ንኤርትራ ሃገርና እንዳ ዘየመ ሐሊፉ

ኣብ መሬት ዓደቦና ብሰላም ዓረፉ፣

 

ህቡብ ሰነ ጥበባዊ ኣብ ሃገር ጀርመን፣ንፈስቲቫል ሰውራዊት ባይቶ ድምቀት ዝሃበ፣ንኤርትራዊያን ዓመት መጸ፣ካብ መላእ ዓለም ተኣኻኺብና ኣብ ካሰል ክንዛተ።

ንበረኸት መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም፣ብኣባል ተሐኤ በርሀ ካብ ሃገር ጀርመን። 

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ህሌና ኢንበደ ኣዜማ ነቐብሉ ምድርና፣ብኣባል ተሐኤ በርሀ ካብ ሃገር ጀርመን፣16 11 2025።