ጀርመን፡ ኣእዳው ሓንቲ 'ኤርትራዊት' ኣብ ጽርግያ ተቘሪጹ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ

ኣባላት ኮለላ ፖሊስ ናብቲ ኣብ መንጎ መስቀላዊ መንገዲ ኦልፐ-ሱድን ፍሮይደንበርግን ዘሎ ቦታ ብቕጽበት ብምብጻሕ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣረጋጊጾምዎ።

እዚ ካብ ሰንበት ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 3፡00 ዘጓነፈ ፍጻመ ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ መርመራን ከባብያዊ ተፍትሽን ንምክያድ እቲ ጽርግያ ክሳዕ ንግሆ ከም ዝተዓጽወ ተገሊጹ።

ቤትጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ናይታ ግዝኣት ክንደይ ክፍሊ ኣካላት ተቘሪጹ ከም ዝተረኽበ ብልክዕ ኣይገለጸን።

ኣብ ኣሰር ኣጻብዕቲ ብዝተገብረ መርመራ ግን ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ምዃኑ ከም ዝእመን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

እቲ ኣእዳው ብኸመይ ኣብቲ ጽርግያ ጸኒሑ ዝተፈልጠ እኳ እንተ ዘየሎ፡ መባእታዊ መርመራ ከም ዘመልክቶ ግን ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ዘጓነፈ ክኸውን ከም ዘይክእል ነቲ መርመራ ዘካይዱ ገሊጾም።

እቲ ጽርግያ፡ ንግሆ ንምንቅስቓስ ክፉት ክኸውን እንከሎ፡ መርመራ ናይቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ግን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ዳዊት ካብ ቤትትምህርቲ ወጺኡ ንመዓልታት ድሕሪ ምጥፋኡ፡ ኣብ ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ መይቱ ከም ዝተረኽበ ኣይርሳዕን።