እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ ዓደን ንዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ዓለም ከምዘይቅበሎ'ውን ደጊሙ ኣነጺሩ ኣሎ።
ኣብ ወሽመጥ ዓደን ዘሎ 'ዘሻቕል' ኩነታት
ምንጪ ስእሊ,Camp Lemonnier Djibouti
እቲ መራሒ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ሶማልያን ዘሎ ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ኩነታት ኣመልኪቱ'ውን መብርሂ ከምዝሃበ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ጠቒሱ'ሎ።
"በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ማለት፡ ሶማል፡ ክሊ ኣየራ፡ ገማግም ባሕራን መሬታን ዝሕሉ ልኡላዊ ትካላት ዘይብላ ውድቕቲ ሃገር ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትገብሮ እትኽእል ድሩት ኣዩ።
"ነዚ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ'ዚ ንምሕላው ውሽጣዊ ዓቕሚ ሶማል ግድን ክዓብን ክድልድልን ኣለዎ። ካብ ነዊሕ ግዜ፡ ቅድሚ ናጽነትና ከይተረፈ ጀሚርና ንሶማል ኣብ ጽቡቕ ቁመና ንምምጻእ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣስታት 10,000 ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ምስ ሶማልያ፡ የመን፡ ጂቡቲን ዖማንን ዝዳወብ ወሽመጥ "ዘሻቕል" ወተሃደራዊ ኩነታት ይምዕብል ከምዘሎ ኣሚቱ።
"እቲ ዘሻቕል፡ ኣብ'ቲ ዞባ ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ቦታ ንምሓዝ ፈተነታት ምክያዶም እዩ" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ሰቐጥራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምሓዝ ዝግበር ፈተነታት ኣሎ። ደሴት ሰቐጥራ ኣካል የመን ኮይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ያ ትርከብ" ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ ግን፡ መን ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክሃንጽ ይዳሎ ከምዘሎ ብንጹር ኣይጠቐሰን።
"ብተመሳሳሊ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ዘቑር መጺኡ መዓስከር ከቕውም ንጹግ እዩ። ንኣብነት ካብ ሰቐጥራ ክሳብ ሚዩን ዘሎ ጂኦግራፊን ሶማል ንምምቕቓል ዝካየድ ፈተነታትን እንተ ርኢና፡ ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ንምትግባር ዘኽእል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ዕድል ዝፈጥር እዩ"።
ንኩነታት ናይታ ብኲናት ዝተሓመሰት የመን ብምጥቃስ'ውን፡ ጠንቂ ናይቲ "ዘይርጉእ ኩነታት ንባዕሉ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ብኣህጉራውያን ሓይልታት ዝተማህዘ" ምዃኑ ይምጉት።
የመን ካብ 2011 ኣትሒዛ ብኲናት ሓድሕድን ምትእትታው ዞባውያን ሓይልታት (ብፍላይ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን) ናብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘምርሐት ይፍለጥ።
ነቲ ኩነታት ተጠቂሞም ርእሰከተማ ሰንዓ ትርከቦ ሰሜናዊ ክፋል ዝተቖጻጸሩ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ምጽንሖም ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሮም እዮም።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ውሕስነት ንምሃብ ብመራኽብ ኲናት ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ሓይልታት ናብቲ ዞባ ከዋፍራ ተገዲደን እየን።
ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ጂቡቲ እውን፡ ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ቻይናን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር ኣብ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ንእተካይዶ ዝነበረት ኲናት ዝደገፈት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ መዓስከር ኢማራት ዓረብ ክህነጽ ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።
ሱዳን፡ 'ተበግሶ ግብጺ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ'
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ሓድሕድን'ውን ምስ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ተላዚቡ ነይሩ'ዩ።
ጉዳይ ሱዳን ብምትእትታዋት ሓይልታት ወጻኢ ከምዝተሓለለኸ ብምግላጽ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ግጭት ሳላማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ከምዘለወን ደጊሙ ተማሕጺኑ።
"ሽግር ሱዳን ዝዓበየ ብድሆ ናይ ዞባና እዩ። ይኹን'ምበር ምስ ኩሉ ዕብየት ብድሆታቱ፡ ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ደገ ምትእትታው ሽግሮም ንምፍታሕ ክኽእሉ ምእንቲ፡ ኣበርክቶና ንምሕያል ብጽንዓት ክንቅጽል ኢና" ክብል'ውን ዘለዎ መርገጺ ኣነጺሩ።
ኣስመራ ኣብቲ ኲናት ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ከምዝወሰደት'ዩ ዝፍለጥ፣ እዚ ድማ ካብ መራሒ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።
"ጻዕርታት ምስሪን ኤርትራን ካልኦት ንሱዳን ዝሕግዙ ወገናትን ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ድማ "ጎረባብቲ ሱዳን ዝኾና ሃገራት ዝሓቁፍ ተበግሶ ምስሪ፡ ዕላማኡ ንጉዳይ ሱዳን ኣብተን ዝምልከተን ጎረባብቲ ሃገራት ብምሕጻር ፍታሕ ንምምጻእ እዩ ነይሩ" ይብል።
"ብርግጽ ከኣ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦን ናይ ምፍታሑ ዓቕሚን ነይሩወን እዩ። እንተኾነ ግን ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ካብኡ ሓሊፉ ዞባዊ ተበግሶታት'ውን እንተኾነ ቀጻሊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ ኣሎ"።
ስለምንታይን ብመንን ተበግሶ ግብጺ ከምዝበርዓነ ግን እቲ ኤርትራዊ መራሒ ኣየነጸረን።
ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ክፍላ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሱዳን ንምዕራፍ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ወዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ዝበሉ ወገናት ዝተፈተነ ተበግሶታት ዛጊት ኣይተዓወተን።
ቀይሕ ባሕሪ ዘማእከለ ክልተኣዊ ዝምድና ካይሮን ኣስመራን
ምንጪ ስእሊ,MOD Egypt
መራሕቲ ግብጺን ኤርትራን ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተዘራረቡ ብወግዒ ኣፍሊጦም እዮም።
ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዝነጽግ ዝምጉት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ካልኦት ማያዊ መስመራት "ዝያዳ ጂኦ- ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር" ምዃኑ ግን ይኣምን።
"ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ምውሓስ ድማ ንሃገራት ናይ'ዚ ዞባን ካብኡ ወጻኢ ዘለዋን ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና እንተላይ ንኣህጉራውያን ሓይልታት ስትራተጂያዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ሽግር ብዝተፈላለየ ወገናት ብዙሕ ሓሳባት ዝመጽእን ምእትታዋት ዝበዝሕን ምዃኑ እዩ።
"ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረብናዮ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳባት ኣሎ" ይብል ኣቶ ኢሳይያስ።
ሓደ ካብኡ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ትካላተን ብምሕያል ውሕስነት ናይቲ መስመር ከረጋግጻ ዝጠልብ'ዩ። ምናልባት ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ንምሕላው ኣብ ክሊ ሕጋዊ መቓን ኣህጉራዊ ተራ ክመጽእ ይኽእል እዩ" ይብል እቲ ፕረዚደንት።
"ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ንኹለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ዓለማዊ ባሕሪ ክኸውን ኣለዎ" ክብል'ውን ተዛሪቡ'ሎ።
ኣብ ፈለማ ጥሪ 2020 ስዑዲ-ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራትን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ዋዕላ፡ እተን ሃገራት ሓደ ቤት ምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘጽደቓን ኣፍሊጠን ነይረን። እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን። ክልቲኦም መራሕቲ'ውን ነዚ ዘልዓልዎ ኣይመስሉን።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ታሪኻዊን ጆግራፊያዊን መሰል' ከምዘለዋ ኣብ እትምጉተሉ ዘላ ውጡር እዋን'ዮም መራሕቲ ግብጽን ኤርትራ ተራኺቦም ዘለዉ።
ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ መራሒ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝተረኽበሉ "ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ" ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ምህናጽ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያን ስምምዕ ከምዘካየዱ ይዝከር። እቲ ኣኼባ ናብ ኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምንባረ'ዩ ዝግለጽ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ገሊጹ ነይሩ።
ካይሮ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን፡ "ነዚ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መስመር ምምሕዳሩ ኰነ ጸጥታኡን ምርግጋኡን ንምሕላዉ ኣውራ ሓላፍነት" ከም ዝስከማ ድማ ኣሚቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ብዝምልከት'ውን፡ "ስትራተጂያዊ ዝምድና ማለት ሓባራዊ መርገጺ ምእዋጅ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝምድና'ዚ ውጽኢታዊ ንምግባር ዕቱብ ስራሕ ዝሓትት እዩ" ክብል ኣብቲ ኣብ ካይሮ ምስ መንግስታዊ ተለቪዢን ኤርትራ ብቋንቋ ዓረብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ።
"ቃልና ንምሕዳስ፡ ሓባራዊ መደባት ንምትግባር፡ ውጥናት ንምድላው፡ ካልኦት ከም ዝሳተፉ ንምግባር፡ ስትራተጂያዊ ንቕሓትን ዕላማታትን ምብራህን ካብ ህልው ዓቕሚታት ምጥቃምን ክከኣል ምእንቲ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ብዝርዝር ተመያዪጥና።
"እዚ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። እቲ ዕላማ ርሑቕ፡ ብድሆታቱ ድማ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ኣብ ክልተኣውን ስትራተጂያውን ዝምድናታትና እነስርጾ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ዞባዊ ዕላማታትን ዓለማዊ ኩነታትን ምትእስሳር ክህሉ ዝጠልብ እዩ።
"ኣብ መንጎና ከኣ ቀጻሊ ምምኽኻር ክህሉ እዩ። ስትራተጂያዊ ዝምድና ማለት ሓባራዊ መርገጺ ምእዋጅ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝምድና'ዚ ውጽኢታዊ ንምግባር ዕቱብ ስራሕ ዝሓትት እዩ።"













