ህዝባዊት ውድብ ተሐኤ (ብውዲት ግምባርን ወያነን) ምስ ተበታተነት፣ሐቂ እዩ ተቃለስቲ ተ፣ሐ፣ኤ፣ኣብ ባይታን ኣብ ድያስፖራን፣ክሳብ ነጻነት ክንቃለስ ጸኒሕና፣ድሕሪ ሕጂ ናይ ውድባት ሐሸውየ የለን ምባሉ ድማ ጸረ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ክንቃለስ ኣለና፣ጽምዶ ምስ ቶም ፈተውትና ተመሲሎም፣ቆላን ከበሳን እንዳበሉ ክፈላልዩና ለይትን ማዓልትን ዘይደቀሱ፣ጽምዶ ምስ ቶም፣ኣንጊሆም ንባሕርና ዝተመነዩ ህወሐት፣ጽምዶ ክልተ ጎራሐት ኣለዋ ብልሐት።
ንሐርበኛ እንቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ቃልሲ ዝጀመረ
ንጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ ኢሉ ዝመሃረ
ኣይከሰርናን ሐደ ህዝቢ ኢና ኢሉ ዕላሙኡ ዘነጸረ
ንኢሰያስ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንእለዮ ደቂ ኤረ፣
ንተ፣ሐ፣ኤ፣ንምብትታን ዝተጀመረ ልፍንቲ፣ሐዲሽ ኣይኮነን ጽምዶ ጉጅለ ኢሰያስን ጉጅለ ህዋሐትን፣ኲናት ንጥፍኣት ክሊቲኡ ህዝብታት፣ጽምዶ ክልተ ጎራሐት ኣትሪርና ንኹንኖ፣ብሉኡላውነት ኣማሳሚስካ ምስሉይነት ያኣክል፣ለውጢ ጸረ ጉጅለ ህግደፍ ብደገን ብውሽጥን፣ብኤርትራዊያን እዩ ዝረጋገጽ፣ ንጠቕሚ መን ደም መንእሰያት ኤርትራ ንኮንቱ ዝፈስስ።
ንሐደ ዕላማ ቀሚሽ ኣደይ ዓንቂፉኑ ምባል
ህዝቢ ኤርትራ እንዳ ተበታተነ ዕኪሊል
ኣነ እበልጽ እንዳበልካ ምፍልላይ ያኣክል፣
ሳኣን ኣሰር እቲ ጅግና ክንድ ሽሕ ወዲ ዓሊ ሕጃይ ንለውጢ ምጉያይ፣ይካኣሎ ዋርሳይ፣ሕጂ ዶ ይሐይሽ ንዓመታት ምድማይ፣ይካኣሎ ንዋርሳይ ርእሱ ኣይተድንኖ፣ወዲብካ ንለውጢ ኣያ ኩኖ፣ያኣክል ኢልካ ነዚ ኣረመን ጉጅለ በትኖ፣ብደገ ኣስላምና ክስታና ሐቢርና ንለውጢ ክንጽንበረኩም ኢና፣ውግእ
ወረ ውግእ ንጥፍኣትካ ዝፍኖ፣ናይ ክልተ ጎራሐት ጽምዶ ንኹንኖ፣
መንዩ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ጎብለል ኮይኑ ክረኤ ዝደሊ
ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ብስኒት ወዲቑ ትማሊ
መሳርሒ ናይ ሉኡኽ ኣስራተ ካሳ ኢሰያስ ጸረ ገድሊ
ንፋስ ከተእቱ ኣስላማይ ክስታናይ እንዳበለካ ኣይትፈላሊ፣
ተቃለስቲ ጀብሃ ግዝኣተ ሕጊ ክነንግስ፣ናይ ቃልሲ ባይታ ኣንጺፍና ጸኒሕና፣ኩሉ ከማና መሲሉና ተገሪህና፣ህግደፍ ዑሱባት ኣዋፊሮም፣ኣዳኺሞምና፣ህዝብና ደም እንዳ ነብዔ፣ተባህለ ከብቕዕ፣ደጋጊምና ንለውጢ ንጽውዕ፣ጀብሃ እባ ሻዕብያ ክንብል ግዜና ኣይነጥፍእ።
እቲ ሐደ የናኣእስ ሐደ ይዝልፍ
ንህግደፍ ተዋሃሂድና ክንዲ ነጽድፍ
ሐርበኛ ታሪኽ ገዲፉ እዩ ዝሐልፍ
ንወስን ኣብ ተባህለ ግዜ ኣይነሕልፍ፣
ድሕሪ ምብትታን፣ተ፣ሐ፣ኤ፣ነቶም ክውስኑ ዝደልዩ ዕንቅፋት ዝኾኑ ካድራት በዚሖም፣ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ደቕደቕ እዩ ጸልማት፣መሪርዩ ቃልሲ ኣብ ኣጋ ምዕዋት፣ህዋሐት ብልጽግና ህግደፍ፣ንህዝቢ ኤርትራ ንምብርካኽ ሰብ ሐደ ዕላማ፣ኤሊት ኢትዮጵያ ይፍተዉ ይጽሉኡ ሐንሳብን ንሐዋሩ፣እቲ ዝመንዝዕዎ ልኡላውነት ኤርትራ፣ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቃ ተራጋጊጹ እዩ,ኤርትራዊ ኣደ ንዳግማይ መግዛእቲ፣ኣይወደን ጀጋኑ ደቀይ ኢልኪ፣ጸረ ጭፍራ ህግደፍ ክትላዓሊ።
ንለውጢ መጸዋዕታ ብውድብ ተሐኤ
ቃልሲ ጸረ ህግደፍ ንዳግማይ ትንሳኤ
ኣብ ኤርትራ ኮኾብ ጽባሕ ደሚቑ ክረኤ
ኣነ እበልጽ ያኣክል ህዝብና እንዳ ጠፍኤ፣
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ብበርሀ ኣባል ተሐኤ ካብ ሃገር ጀርመን፣29 10 2025።













